ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/6 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • “እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ብመንፈስ ተመላለስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “ነቲ መንፈስ ሓቂ” ተቐቢልካዮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/6 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እዞም ሎሚ ዘለዉ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣምላኽሲ ማዕረ ናይቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት መንፈስ ኣምላኽ ኣለዎም ክንብል ንኽእልዶ ኢና፧

እዚ ሕቶ እዚ ሓድሽ ኣይኰነን። እዚ ጉዳይ እዚ ኣብታ ናይ 15 ሚያዝያ 1952 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ትሕቲ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ቀሪቡ ነይሩ ኢዩ። ብድሕሪኡ ብዙሓት ሰባት መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም: ነቲ ሕቶ እንደገና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ነቲ ሽዑ ወጺኡ ዝነበረ ሓሳባትውን ደጊምና ንርኣዮ።

ብመሰረቱ ክፍሊ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን: እወ: ማዕረ እቶም ቅቡኣት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 10:⁠16

እዚ ክበሃል ከሎ ግን: እቲ መንፈስ ኣብ ኵሎም ሰባት ብሓደ ዓይነት መልክዕ ይዓዪ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሞ ብርግጽ ድማ ናይ ኣምላኽ መንፈስ እተቐበሉ እሙናት ኣገልገልቲ ዘክር። ካብ መንፈስ ሓይሊ ብምርካብ ከኣ: ገለ ካብኣቶም ጨካናት ኣራዊት ቀቲሎም: ሕሙማት ኣሕውዮም: ምዉታትውን ከይተረፈ ኣተንሲኦም ኢዮም። ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ንምጽሓፍ ከኣ እቲ መንፈስ እቲ ኣድልይዎም ኢዩ። (መሳፍንቲ 13:24, 25፣ 14:​5, 6፣ 1 ነገስት 17:17-​24፣ 2 ነገስት 4:​17-​37፣ 5:​1-​14) እታ ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ በለት:- “ካብቶም ቅቡኣት እኳ እንተዘይነበሩ: ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም ኢዮም።”

ብኻልእ መዳይ ከኣ: ነቶም ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምላኽ ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ንርአ። ኵሎም ቅቡኣት እኳ እንተነበሩ እቲ መንፈስ ኣብ ኵላቶም ብሓደ ዓይነት መገዲ ይዓዪ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። እዚ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 12 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ኣብኡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ውህበት መንፈስ ይዛረብ። ኣብ ቍጽሪ 8, 9, ከምኡውን 11 ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ:- “ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሀቦ እዩ: ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ: ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ: ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሀቦ . . . እዚ ዅሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዝገብሮ።”

በዚ መሰረት እዚ እምበኣር: ኵሎም እቶም ሽዑ ዝነበሩ ቅቡኣት ትእምርታዊ ውህበት መንፈስ ኣይነበሮምን ማለት ኢዩ። ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 14 ጳውሎስ ብዛዕባ ሓደ ካብቶም ተኣከብቲ ውህበት ቋንቋታት ዝነበሮ ናይ ምትርጓም ውህበት ግን ዋላሓደ ዘይነበሮ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ጠቒሱ ኣሎ። ይኹን እምበር: ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ነፍሲ ወከፎም ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም ኢዮም። እቲ ውህበት ናይ ምዝራብ ቋንቋታት ዘለዎ ሓው ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ካልኦት ዝያዳ መንፈስ ነይርዎ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። እቶም ካልኦት ቅቡኣት ከምቲ ሓደ ገይሮም ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድእዎ ዘይክእሉ ወይ ከኣ ፈተናታት ክጋጠሙ ዘይክእሉ ጐደሎታት ኣይነበሩን። እቲ መንፈስ ኣብቲ ብቛንቋ ክዛረብ ዝኽእል ዝነበረ ሓው ብፍሉይ መገዲ ክዓዪ ክኢሉ ኢዩ። ጌና ድማ: ንሱን እቶም ካልኦትን ብቐጻሊ ኣብ የሆዋ ክጽግዑን ከምቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ድማ ‘ብመንፈስ ምምላእ ክቕጽሉን’ ነበሮም።​—⁠ኤፌሶን 5:​18 ትሓዓ።

እዞም ሎሚ ዘለዉ ተረፍ እውን: ብርግጽ መንፈስ ኣምላኽ ተቐቢሎም ኢዮም። ኣብቲ ዝተቐብኡሉን መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምላኽ ኰይኖም እተወልድሉን ግዜ እቲ መንፈስ ብፍሉይ መገዲ ኣባታቶም ሓደ ዓይነት ዕዮ ዓይዩ ኢዩ። ብድሕርዚ ኸኣ ‘ብመንፈስ ምምላእ ይቕጽሉ: ንሱ ኸኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኣነጺሮም ክርድእዎ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት መሪሕነት ክወስዱ: ወይ ከኣ ነቲ ብብሕቲ ወይ ብማሕበር ደረጃ ዝመጽኦም ፈተናታት ክጋጠሙ ምስ ዝደልዩ ይሕግዞም።’

ሽሕ’ኳ ኣባላት ናይተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ዘይተቐብኡ እንተዀኑ: ብኻልእ መዳያት መንፈስ ቅዱስ ይቕበሉ ኢዮም። እታ ናይ 15 ሚያዝያ 1952 ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ በለት:-

“እዞም ሎሚ ዘለዉ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ልክዕ ከምቶም ተረፍ ሓደ ዝዓይነቱ ፈታኒ ኵነታት እናኣጋጠሞም ሓደ ዝዓይነቱ ናይ ስብከት ዕዮ ይፍጽሙ: ከምኡውን ሓደ ዝዓይነቱ ተኣማንነትን ንጽህናን የርእዩ ኢዮም። ኣብ ሓደ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ መኣዲ ይምገቡ: ሓደ ዝዓይነቱ መግቢ ይበልዑ: ሓደ ዝዓይነቱ ሓቂ ይረኽቡ። ካብቶም ምድራዊ ክፍሊ ብምዃኖም: ምድራዊ ተስፋ ብምሓዝን ኣብ ምድራዊ ነገራት ዓሚቝ ተገዳስነት ብምግባርን: ብዝያዳ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ምድራዊ ኵነታት ዝገልጽ ቅዱሳት ጽሑፋት የተኵሩ ይዀኑ፣ ብኣንጻሩ ኸኣ እቶም ቅቡኣት ተርፍ: ሰማያዊ ተስፋ ብምሓዝ ብዛዕባ እቲ ንመንፈስ ዝምልከት ነገራት ጽኑዕ ብሕታዊ ተገዳስነት ብምግባር: ንቓል ኣምላኽ ከጽንዑ ከለዉ ብዝያዳ ብዛዕባ እዞም ነገራት እዚኣቶም ተጊሆም የጽንዑ ይዀኑ። . . . እንተዀነ ግን ንኽልቲኦም ክፍልታት ሓደ ዓይነት ሓቅን ሓደ ዓይነት ምርዳእን ተቐሪቡሎም ምህላዉ: ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ ሰማያውን ምድራውን ነገራት ዘለዎም ምርዳእ ዝውስን ፍልጠት ድማ ኣብቲ ነፍሲ ወከፎም ዝገብርዎ መጽናዕቲ እተጸግዐ ምዃኑ ዘይከሓድ ኢዩ። መንፈስ ጐይታ ንኽልቲኦም ክፍልታት ማዕረ ኢዩ ዝብጽሖም: ፍልጠትን ምርዳእን ድማ ንኽልቲኦም ማዕረ ኢዩ ዝወሃቦም: ንኽረኽብዎ ዘለዎም ኣጋጣሚ እውን ማዕረ ኢዩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ