ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/6 ገጽ 23-28
  • ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝኸዱ መሰኻኽር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝኸዱ መሰኻኽር
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ‘መዓስ ኢና ናብ ቱሊ ክንከይድ እንኽእል፧’
  • ናብ ቱሊ ምኻድ
  • ጽንኩር ብድሆ
  • እተገብረልና ኣቀባብላ
  • ጕዕዞ ተፈጸመ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/6 ገጽ 23-28

ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝኸዱ መሰኻኽር

ኢታህ

ቱሊ

ጎድቫን

ጎታብ

ጁልያናሃብ

ኣንግማግሳሊክ

ቱሊ ዝብል ስም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንሓደ HS14.5,ዝለዓለ ሸቶ: ኣቀማምጣ መሬት: ወይ ድማ ካልእ ነገር ንምግላጽ ዝጠቅም ዝነበረ ናይ ስም ክፋል ኢዩ። ሎሚ እቲ ቱሊ ዝብል ስም ነቲ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ግሪንላንድ: ናይ ዓለም ዝዓበየት ደሴት: ዝርከብ ቍሸት ዝጽዋዓሉ ስም ኢዩ። እዚ ቍሸት በዚ ስም እዚ እተጸዋዓሉ ግዜ ኑት ራስሙሰን እተባህለ ወዲ ዴንማርክ ዳህሳሲ ብ1910 ናብቲ ዋልታታት ንዝገብሮ ምድህሳስ ከም መበገሲ ምስ ተጠቐመሉ ኢዩ ቱሊ ተባሂሉ ተጸዊዑ። ሕጂ እውን ከይተረፈ ናብ ቱሊ ምኻድ ከም ናይ ምድህሳስ መገሻ ድኣምበር ከም ዘሐጕስ ጕዕዞ ገይርካ ኣይሕሰብን ኢዩ።

ጌና ንቱሊ ምድህሳስ ዘድልየሉ ካልእ ህጹጽ ኣድላይነት ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ዝብል የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ መልሲ ብምሃብ: ነቲ ብስራት ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ርሑቕ ቦታ ናይ ምድሪ ዝርከብ ናይ ደቅሰብ ቀወምቲ ቍሸት ንኸብጽሕዎ ህንጡያት ኢዮም።​—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ ማቴዎስ 24:14

‘መዓስ ኢና ናብ ቱሊ ክንከይድ እንኽእል፧’

ኣብቲ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ዝግበር ስብከት ክካፈሉ ዝደለዩ ደቂ ዴንማርክ መሰኻኽር ብ1955 ኣብ ግሪንላንድ በጽሑ። ዳሕራይ ድማ ካልኦት ናብቲ ቦታ መጹ: ቀስ ብቐስ ከኣ እቲ ናይ ስብከት ዕዮ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ገማግም ማልቪል በይ: ከምኡውን ክሳዕ ፍርቂ ናብ ምብራቓዊ ገማግም በጽሐ። እንተዀነ ግን: እቲ ከም በዓል ቱሊ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ርሑቕ ክፍልታት ናይታ ሃገር ዳርጋ ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ጥራይ ኢዩ ተበጺሑ።

ሓደ መዓልቲ ብ1991 ቦ ምስ ሰበይቱ ሄለን: ክልተ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ: ኣብ ከውሒ ደው ኢሎም ናብ ማልቪል በይ ገጾም ኣማዕድዮም ይጥምቱ ነበሩ። ናብ ሰሜን ገጾም ብምጥማት ድማ ‘ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ናይታ መንግስቲ ብስራት ምእንቲ ከነብጽሓሎም መዓስ ኰን ኢና ናብ ቱሊ እንኸይድ፧’ ኢሎም ሓሰቡ።

ብ1993: ቨርነር: ካልእ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ: በታ 5.5 ሜትሮ ዝቝመታ ኳማነክ (ብርሃን) እተባሃለት ፈጣን ጃልባኡ ገይሩ ንማልቪል በይ ክሳገር ተበገሰ። ካብ ጎታብ ተበጊሱ ክሳዕ ናይ ኡፐርናቪክ ቦታ ድሮ 1,200 ኪሎ ሜትር ተጓዒዙ ነበረ። ይኹን እምበር: ነቲ 400 ኪሎ ሜትሮ ዝንዋሕቱ ናይ ኣርክቲክ ማይ ክትሰግር ቀሊል ኣይኰነን። እቲ ወሽመጥ ዳርጋ ዓመት ምሉእ ብበረድ እተሸፈነ ኢዩ። ዋላ እኳ ብምኽንያት እቲ በረድ ሓንቲ ሞተር እንተ ተበላሸወቶ: ቨርነር ነቲ ወሽመጥ ንምስጋር ተዓዊቱ ኢዩ። ቅድሚ ምምላሱ ድማ ገለ ናይ ስብከት ዕዮ ክፍጽም ክኢሉ ኢዩ።

ናብ ቱሊ ምኻድ

ብድሕሪ እታ ጕዕዞ እቲኣ: ቨርነር ካልእ መደብ ከውጽእ ጀመረ። ምስቶም 7 ሜትሮ ዝቝመታ: ኣርባዕተ መደቀሲ ክፍሊ ዘለዋ: ልዕሊ ኵሉ ድማ ዘመናዊ ናይ መንሳፈፊ መሳርሒታት ዘለዋ ፈጣን ጃልባ ዝነበረቶም ኤርነን ኬሪን: ናብ ቱሊ ናይ ሓባር ጕዕዞ ክገብሩ ተመያየጠ። እተን ጃላቡ መደቀሲ ዘለወን ኰይነን: ብኽልተ ብሓንሳብ ዝጓዓዛ ጃላቡ ገይርካ ንማልቪል በይ ክትሰግሮ ድማ ክሳዕ ክንድቲ ሓደገኛ ኣይከውንን ኢዩ። ነታ 600 ተቐማጦ ዘለውዋ ቀንዲ ከተማን ኣብቲ ቦታ እቲ ዘለዋ ሽዱሽተ ኣቝሻትን ንምሽፋን ዝያዳ ሓገዝ ኣድለየ። ስለዚ ድማ ንቦን ሄለንን ንዮረንን ንኢንግን​—⁠ኵላቶም ቅድሚኡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ብምጋሽ ተመክሮ ዘለዎም ኣገልገልቲ​—⁠ምስኦም ንክኸዱ ዓደምዎም። ካብዞም ጕጅለ እዚኣቶም እቶም ሓሙሽተ ቋንቋ ግሪንላንድ ክዛረቡ ዝኽእሉ ኢዮም።

እቲ ዘድሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣቐዲሞም ሰደዱ። እተን ጃላቡ ብተወሳኺ ጽሑፋት: መግቢ: ማይ: ነዳዲ: ቅያር ሞተር: ከምኡውን ካብ ጣውላ እተሰርሐት ንእሽቶ ጃልባ ተጻዕና። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ምቅርራብ: ብ5 ነሓሰ 1994 እቲ ጕጅለ ተኣከበ: ክልቲአን ጃላቡ ተጻዒነን ድማ ኣብ መርሳ ኢሉሊሳት ተቐረባ። ናብ ሰሜን ዝግበር ጕዕዞ ተጀመረ። ቨርነር: ቦ: ከምኡውን ሄለን ካብተን ክልተ ጃላቡ በታ ንእሽቶ ተጓዕዙ። ቦ “ኣብ ግዜ እቲ ጕዕዞ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ኣብታ ክፍልኻ ኮፍ ኢልካ ወይ ድማ ደቂስካ ገለ ነገር ምሓዝ ጥራይ ኢዩ” ኢሉ ይጽሕፍ። እስከ ነቲ ናይተን ጃላቡ ጕዕዞ ንከታተሎ።

“ነዊሕ እተዘርግሐ ህዱእ ባሕሪ ነይሩ። ኣብ ቅድሜና ኣዝዩ ደስ ዘብል ትርኢት ተኸፍተ​—ዘብለጭልጭ ባሕሪ: እተለጋገበ ጽዑቕ ግመ: ብርህቲ ጻሓይን ሰማያዊ ሰማይን: ባህ ዘብል ቅርጽን ሕብርን ዘለዎ ናይ በረድ ኣኻውሕ: ኣብቲ ዝንሳፈፍ ዝነበረ በርድ ኰይኑ ጸሓይ ዝጽሎ ዝነበረ ቡናዊ ዋልሩስ: ጸልማት ዓቐበትን ንኣሽቱ ሜዳን ዘለዎ ኣኽራናት ዝሓዘ ገማግም​—ናይቲ ትርኢታት ምልውዋጥ ከኣ መወዳእታ ኣይነበሮን።

“እቲ ኣዝዩ ደስ ዘብል ናይ ጕዕዞና ክፍሊ ነተን ኣብቲ መገድና ዝነበራ ኣቝሻት ምብጻሕ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣጋይሽ መን ምዃኖም ንምፍላጥን ንኽቕበሉዎምን ሰባት: መብዛሕትኡ ግዜ ቈልዑ: ኣብቲ መርሳ ይመጹ ኢዮም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ዓዲልና ከምኡውን ብዛዕባ ማሕበርና እትነግር ቪድዮ ኣለቃሕናዮም። መብዛሕትኦም ቅድሚ ምንቃልና ነታ ቪድዮ ክርእይዋ ኪኢሎም ኢዮም። ኣብ ደቡብ ኣፐርናቪክ: ቅድሚ ናብቲ ቦታ ምብጻሕና ብዙሓት ሰባት ብጃልባ ናባና መጹ። ስለዚ ድማ ምሉእ ምሸት ኣጋይሽ ነይሮምና: ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ድማ መለስና።”

ድሕሪ ናይ መጀመርያ 700 ኪሎ ሜትር ጕዕዞ ምግባር ሕጂ እተን ክልተ ጃላቡ ንማልቪል በይ ክሰግራ ተቐረባ።

ጽንኩር ብድሆ

“እዚ እቲ ጽንኩር ክፍሊ ናይቲ ጕዕዞ ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፍለጥ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሳቪሲቪክ ቍሸት (እቲ ዞባ ዝጅምረሉን መዕረፊ ድማ ክንረኽበሉ እንኽእል ዝነበርና ቦታ) ጌና ብበረድ ተሸፊኑ ስለ ዝነበረ ነቲ ቦታ ደው ከይበልና ኢና ክንሰግሮ ነይሩና።

“ስለዚ ድማ ክንሰግር ጀመርና። ብዙሕ በረድ ስለ ዝነበረ ኸኣ በቲ በረድ ዘይብሉ ክፍሊ ናይቲ ባሕሪ ኣግፊሕና ተጓዓዝና። ኣጋጣሚ ኰይኑ እቲ ማይ ህዱእ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ መጀመርያ ብዝሕ ዝበለ ሰዓታት እተፈጸመ ነገር ኣይነበረን: ሓደ ኪሎ ሜትር ድሕሪ እቲ ሓደ ኪሎ ሜትር በቲ ውቅያኖስ ምጥሓስ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ብምሸት ንኬፕ ዮርክ ርኣናያ: ቀስ ኢልና ከኣ ናብ ሰሜን ገጽና ተጠወና: ናብ መሬት ድማ ተጸጋዕና። ሕጂውን እንደገና በረድ​—ዓይንና ክርእዮ ክሳዕ ዝኽእል ነዊሕ ዝገበረ: ጽዑቕ: ዘይተሰባበረ ዝንሳፈፍ በረድ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ: በቲ ኣብ መንጐ በረድ ዘሎ ማይ ብጸቢብ መሕለፊታት እናወጻእና ደረት ደረት እቲ በረድ ሒዝና ነዊሕ ንጓዓዝ ነበርና። ካብኡ ቀጺሉ ጽዑቕ ሓሙዅሽታይ ዝዀነ: ብፍላይ ኣብ ብርሃን ናይ ጻሓይ ዕራርቦ ውቁብ ሕብሪ ዘለዎ ግመ ነበረ። ማዕበል ከኣ ነይሩ ኢዩ! ግመ: ማዕበል: ከምኡውን በረድ ኵሉ ብሓንሳእ​—መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ካብዚኣቶም ጥራይ ክትስዕሮ ብድሆ ዝኸውን ኢዩ።”

እተገብረልና ኣቀባብላ

“ናብ ፒቱፊክ ምስ ቀረብና: ናብ ህዱእ ማያት ኣቶና። ተፈጥሮ ድማ ውዕዉዕ ኣቀባብላ ገበረልና:- ጻሓይ ኣብ ድሙቕ ሰማያዊ ሰማይ ልዕል ኢላ ነበረት፣ ኣብ ቅድሜና ነነጢሩ ዝንሳፈፍ ናይ በረድ ኣኻውሕ ዝነበሮ ሰፊሕ: ዘንጸባርቕ መጻብቦ ነበረ፣ ኣብ ቅድሜና ርሕቕ ኢሉ ናይቲ ኣብ ዳንዳስ​—ናይ ጥንቲ ቱሊ​—ዘሎ ፍሉጥ ናይ ከውሒ ጽላሎት ነበረ!”በጃኻ ኣስተብህለላ: ርግጸኛ ኣይኰንኩን ናብ ሰሜን ገጾም ዳርጋ 100 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ምስ ተጓዕዙ: ናብቲ ናይ መጨረሽታ ቦታኦም በጽሑ።

ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኩ ህንጡያት ኢዮም ነይሮም። ክልተ ካብኣቶም ኣብታ ዝዃሕኵሕዋ ናይ መጀመርያ ማዕጾ ኣሻዅ ዝዀነ መልሲ ኣጋጠሞም። ንሳቶም “ልክዕ ከም ኣብ ደንማርክ ዘሎና ዓይነት ምንጻግ ኣጋጠመና። መብዛሕትኦም ግን ልባዊ ኣቀባብላ ገበሩልና። እቶም ሰባት ዝሓስቡን ንቑሓትን ኢዮም። ገሊኣቶም ብዛዕባና ከም ዝሰምዑን ኣብ መወዳእታ ብምምጻእና ከም እተሓጐሱን ድማ ነገሩና። ገለ ገፈፍቲ ናይ ባሕሪ እንስሳታት ክድህስሱ ናብ ሰሜናዊ ዋልታ ገጾም ከይዶም ዝነበሩ: ከምኡውን ዕጉባትን ቈጠብትን ዝዀኑ ብዛዕባ ዘመናዊ ስልጣነ ድማ ምጥርጣር ዘለዎም ደቂ ዓዲ ዝኣመሰሉ ዘገርሙ ሰባት ረኸብና” በሉ።

ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ውሑዳት መዓልትታት ንዅሎም ዘሐጕስ ተመክሮታት ኣጋጠሞም። ኣብ ኵሉ ቦታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብምስጋና ተቐበልዎ። እቶም መሰኻኽር: ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ ሽዑ ንሽዑ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። ኢንግ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ገዛ ዝረኸበቶ ተገዳስነት ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:- “ጽርይትን ምችእትን ዝዀነት ሓንቲ ክፍሊ ዘለዋ ገዛ ኢያ። ብተኸታታሊ ሰለስተ መዓልቲ ነቲ ኣብኣ ዝነብር ልኡም ሰብኣይ በጻሕናዮ: ኣዚና ድማ ፈተናዮ። በታ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ዝነበረት ታንኳ ገይሩ ብኽእለት ናይ ባሕሪ እንስሳታት ዝገፍፍ ሰብ ኢዩ። ብዙሓት ኣብቲ ዋልታ ዝርከቡ ድቢ: ዋልሩስ: ከምኡውን ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ እንስሳታት ሃዲኑ ኢዩ። ኣብታ ንመወዳእታ ግዜ ዝበጻሕናዮ መዓልቲ ምስኡ ኰይንና ጸለና: ኣዒንቱ ድማ ንብዓት ቈጸራ። ሕጂ ኵሉ ኣብ ኢድ የሆዋ ክንገድፎ ኣሎና: እንደገና ንኽንምለስ ድማ ግዜን ኣጋጣምን ክህበና ንየሆዋ ብተስፋ ንጽበ።”

ደቂ ካናዳ ኤስኪሞ ንቱሊ ብዙሕ ግዜ ይበጽሕዋ ኢዮም። ኢንግ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ሄለንን ኣነን ብዙሓት ደቂ ካናዳ ኤስኪሞ ረኸብና። ምስቶም ደቂ ግሪንላንድ ክረዳድኡ ምኽኣሎም ድማ ኣዝዩ ባህ ዘብል ኢዩ፣ ኣብቲ ኣርክቲካዊ ቦታ ዘለዉ ሰባት ተመሳሳሊ ቋንቋታት ዘለዎም ኢዮም ዚመስሉ። ሽሕ’ኳ እቶም ደቂ ካናዳ ኤስኪሞ ናይ ገዛእ ርእሶም ጽሑፍ ቋንቋ እንተለዎም: ነቲ ብቛንቋ ግሪንላንድ እተጻሕፈ ጽሑፋትና ከንብብዎ ኪኢሎም ኢዮም። እዚ ድማ ደስ ዘብል ኣጋጣሚታት ይኸፍተሎም ይኸውን ኢዩ።”

እተን ካብ 50 ክሳዕ 60 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ርሒቐን ዝነበራ ኣቝሻት እውን ብጃልባ ተበጺሐን ኢየን። “ናብ ኴኴርታት እትብሃል ቍሸት ክንከይድ ከሎና: ንእግረ መገድና ኖርዎልስ ዝሃድኑ ሰባት እንተረኸብና ኢልና በቲ ገማግም ተጸጊዕና ኢና ንጐዓዝ ነይርና። ከምቲ እተጸበናዮ ድማ: ኣብ ሓደ ከውሒ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዝዀኑ ስድራቤታት ዲኖ ተኸዲኖም ምስ ድንኳውንቶምን ታንኳታቶምን ረኸብናዮም። እቶም ሰብኡት ኣብ ኣእዳዎም ጭማራ ሒዞም ነቶም ኣጸቢቖም ተደለይቲ ዝዀኑ ኖርዎልስ ክመጹ በብተራ ኣብቲ ከውሒ ኮፍ ኢሎም ይሕልዉ ነበሩ። ድሮ ዋላ ሓደ ከይሓዙ ንብዙሕ መዓልትታት ስለ ዝተጸበዩ: ነቶም ዓሳ ኣንበርቲ ከይነህድመሎም ስለ ዝፈርሑ ምምጻእና ኣዝዩ ኣየሐጐሶምን! ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጕዳያት ጥራይ እተጸምዱ ኢዮም ዝመስሉ። እተን ኣንስቲ ገለ ጽሑፋት ተቐበላ: እንተዀነ ግን: ዝያዳ ንኽንዛራረብ ምቹእ ግዜ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ምስ ኰነ ኣብ ኴኴርታት በጻሕና: ሰዓት 2 ናይ ለይቲ ነቲ ኣብቲ ቍሸት ዝገበርናዮ ካብ ቤት ናብ ቤት ዕዮ ወዳእና!”

“ኣብ መወዳእታ ናብ ሲራፓሉክ እታ ብወገን ሰሜን ዝረሓቐት ቍሸት ናይ ግሪንላንድ በጻሕና። ኣብ ትሕቲ እቲ ብዘይካ ሳዕሪ ዋላ ሓንቲ ካልእ ዘይብሉ ኣኻውሕ: ዝርከብ ሑጻ ዘለዎ ገማግም እተመስረተት ኢያ።” እቶም መሰኻኽር ኣብቲ ዝገብርዎ ናይ ምስክርነት ዕዮኦም እንተ ወሓደ ብሰሜናዊ ወገን ቃል ብቓሉ ናብ ርሑቕ ቦታታት ምድሪ በጺሖም ኢዮም።

ጕዕዞ ተፈጸመ

እቶም መሰኻኽር ዕዮኦም ፈጺሞም ኢዮም። ካብ ቤት ናብ ቤትን ካብ ድንኳን ናብ ድንኳንን ሰቢኾም: ጽሑፋት ዓዲሎም: ናይ መጽሔት ምዝገባ ገይሮም: ቪድዮ ኣርእዮም: ንብዘሓት ደቂ ግሪንላንድ ኣዘራሪቦም: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት ድማ መሪሖም ኢዮም። ሕጂ ንገዛ ዝምለስሉ ግዜ በጸሐ። “ኣብታ ምሸት እቲኣ ካብ ቍሸት ሞሪስካ ክንብገስ ናብታ ብጣውላ እተሰርሐት ጃልባ ክንድይብ ከሎና: ብዝሕ ዝበሉ ሰባት ነቲ እተቐበልዎ መጽሓፍቲ ወይ ብሮሹራት እናንበልበሉ ከፋንውና ናብቲ ገምገም መጹ።”

ድሕርዚ እቶም መሰኻኽር: ኣብቲ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ናይቲ ገማግም ሓደ ሰብኣይ ኣብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ዝነበረ ከውሒ ደው ኢሉ ቻው ቻው ክብሎም ምስ ረኣዩ ተገረሙ! “ንዕኡ ንኽንረኽቦ ድማ ናብቲ ደንደስ ገጽና ከድና። ኣብኡ ምስ በጻሕና ካብ በርሊን: ጀርመን: ዝመጸ በታ ታንኳኡ ገይሩ ናብቲ ገማግም ዝጐዓዝ ዝነበረ: ኣብ መገዲ ሓደ ወርሒ ዝገበረ መንእሰይ ኰይኑ ጸንሓና። ኣብ ጀርመን ከሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ግዜ ኣብ ቤቱ በጺሖምዎ ኢዮም: ብዙሕ ካብ መጽሓፍቶም ድማ ኣለዎ። ምስኡ ውሑዳት ሰዓታት ኣሕለፍና: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምርካቡ ድማ ብሓቂ ተመሰጠ።”

እቶም ገየሽቲ ኣገልገልቲ: ኣብታ ክኸዱ ከለዉ ዝሓለፍዋ ናይ ሳቪሲቪክ ቍሸት ምስ በጽሑ ውዕዉዕ ኣቀባብላ ተገብረሎም። ገሊኣቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጽሑፋት ተቐቢሎምን ኣንቢቦምን ኢዮም: ከምኡውን ዝያዳ መንፈሳዊ መግቢ ንኽረኽቡ ድማ ሃረር ይብሉ ነበሩ።

ኣብ ምምላስ ንማልቪል በይ ንምስጋር 14 ሰዓታት ወሰደ። “ብቐጻሊ ዝለዋወጥ ዘዐንዝዝ ሕብርታት ዘለዎ ኣብዚ ቦታ እዚ ኸኣ ንብዙሕ ሰዓታት ዝጸንሕ ጸሓይ ዕራርቦ ረኣና። ስዒቡ ዝመጸ ናይ ንግሆ ጻሓይ እውን ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ኢዩ። እቲ ብኡብኡ ስዒቡ ዝመጽእ ምብራቕ ጸሓይ እውን ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ኢዩ። ብወገን ሰሜናዊ ምብራቕ ቂሐ ጽልሚ ናይ ጸሓይ ዕራርቦ ጌና እናተራእየ ኸሎ ጸሓይ ቁሩብ ንደቡብ ገጻ ኣቢላ በረቐት። ከምቲ ዝድለ ገይርካ ንኽትገልጾ ወይ ድማ ንኽትስእሎ እውን ከይተረፈ ዘሸግር ትርኢት ኢዩ።” እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ምሉእ ለይቲ ኣብኡ ሓደሩ።

“ኩሎሩሳክ ምስ በጻሕና ኣዚና ደኺምና ነበርና። እንተዀነ ግን: ሕጕሳትን ዕጉባትን ኢና ነይርና። ነቲ ጕዕዞ ብዓወት ዛዚምናዮ! ኣብቲ ዝተረፈ ጕዕዞና ኣብተን ኣብ ገማግም ዝነበራ ዓድታትን ኣቝሻትን ብዙሓት ዝግደሱ ረኸብና። ‘ገለ ካባኻትኩም ምሳና ክትጸንሑ ዘይትኽእሉ ስለምንታይ ኢኹም፧’ ዝብል ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ሕቶ ኢዩ ነይሩ። ‘ቀልጢፍኩም ብምኻድኩም ብዙሕ ኣጒሁና ኢዩ!’ ድማ በሉ።”

ኣብ ኳርሱት: ሓንቲ ምቕልልቲ ስድራቤት ንሓሙሽተ ካብቶም ኣጋይሽ ምሳሕ ዓደመቶም። “እቶም ስድራቤት ምስኦም ክንሓድር ደለዩ። እንተዀነ ግን: 40 ኪሎ ሜትር ርሒቕና ዝሓሸ መዐሸጊ ቦታ ከም እንረክብ ስለ ዝፈለጥና ነቲ ዕድመ ኣይተቐበልናዮን: ጕዕዞ ድማ ጀመርና። ዳሕራይ ከም ዝሰማዕናዮ ድማ: ንጽባሒቱ ሓደ ዓቢ በረድ ተሰበረ: ኣብቲ ዝሓለፍናዮ ቦታ ኸኣ 14 ናእሽቱ ጃላቡ ገልበጠ!”

ኣብ መወዳእታ እቲ ጕጅለ ኣብ ቱሊ ዝገበሮ ምድህሳስ ወዲኡ ኣብ ኢሉሊሳት በጽሐ። እቶም መሰኻኽር ኣብኡ ክበጽሑ ከለዉ: ክልተ ካልኦት ኣስፋሕቲ ድማ ናብ ምብራቓዊ ገማግም ግሪንላንድ ናብ ዘሎ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ገጾም ተጓዕዙ። ኣብዘን ክልተ ጕዕዞታት እዚኣተን እቶም መሰኻኽር ብጠቕላላ 1,200 መጻሕፍቲ: 2,199 ብሮሹራት: ከምኡውን 4,224 መጽሔታት ዓደሉ: ከምኡውን 152 ናይ መጽሔት ምዝገባ ዝኣትዉ ሰባት ረኸቡ። ሕጂ: ምስቶም ብዙሓት ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ብተሌፎንን ምልእኣኽን ርክብ ይግበር ኣሎ።

ዋላ እኳ ግዜ: ጉልበት: ከምኡውን ገንዘብ ዝሓትት እንተዀነ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ዝብል ናይ ጐይታኦም ትእዛዝ ኣብ ምፍጻም ዓቢ ሓጐስ ኢዮም ዝረኽቡ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ግሪንላድ

እቲ ናይ መሰኻኽር ጕጅለ ኣብ ቱሊ ክበጽሕ ከሎ: ሰብኣይን ሰበይትን መሰኻኽር: ቨጎን ሶንያን ድማ ናብ ካልእ ዘይተዓየየ ዞባ—ናብ ምብራቓዊ ገማግም ግሪንላንድ ዘላ ኢቶኮርቶርሚቲ (ስኮርስባይሳንድ) ተጓዕዙ። ናብኡ ንኽበጽሑ መጀመርያ ናብ ኣይስላንድ ክኸዱ: ካብኡ ድማ ብነፋሪት ናብታ ኣብ ገማግም ግሪንላንድ ዘላ ኮንስታብል ፖይንት ክምለሱ: ዳሕራይ ከኣ ብሄሊኮፕተር ክኸዱ ነበሮም።

እዞም ቋንቋ ግሪንላንድ ዝዛረቡ ክልተ ፓይነራት “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ቦታ እዚ ዝመጹ ንመጀመርያ ግዜኦም ኢዩ” ኢሎም የዘንትዉ። “እቶም ሰባት ዋላ እኳ ግልል ዝበሉ እንተዀኑ ንቑሓት ኢዮም። ጌና ሓደስቲ ነገራት ንኽማሃሩ ሕጕሳት ኢዮም ነይሮም። ዛንታታት ብምንጋር ክኢላታት ስለ ዝነበሩ ብዛዕባ እንስሳታት ባሕሪ ንምርካብ ዝገብርዎ ሃድንን ካልእ ብተፈጥሮ ዘጓንፎም ነገራትን ብምህንጣይ ነገሩና።” ነቲ ናይ ስብከት ዕዮኸ ብኸመይ መለስሉ፧

“ካብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ከሎና: ጀይ——: እተባህለ ወዲ እቲ ዓዲ ዝዀነ ናይ ክርስትና መምህር ረኸብና። ‘ኣብ መንጎ እቶም እትበጽሕዎም ዘሎኹም ሰባት ስለ ዝሓወስኩምኒ አመስግነኩም’ በለ። ጽሑፋትናን ኣጠቓቕምኡን ኣርኣናዮ። ንጽባሒቱ ናባና መጸ: ብዛዕባ ስም የሆዋ ክማሃር ድማ ደለየ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ብቛንቋ ግሪንላንድ እተጸሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ እግረ-ጽሑፍ ዘሎ መግለጺ ኣርኣናዮ። ካብኡ ምስ ከድና ናብቶም ኣብ ኑኩ ዘለዉ ኣሕዋት ደዊሉ: ስለ ዝበጻሕናዮ ምስጋንኡ ገለጸ። ነዚ ሰብኣይ እዚ ንምሕጋዝ ክንቅጽል ክንፍትን ኣሎና።

“ኦ—— እተባህለ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈልጥ መምህር እውን ረኸብና። ምስቶም ካብ 14 ክሳዕ 16 ዝዕድሚኦም ኣብ ክፍሉ ዝነበሩ ተማሃሮ ንኽንዛረብ ክልተ ሰዓት ፈቐደልና። ነቲ ዝነበረና ቪድዮ ኣርኣናዮም ሕቶታቶም ድማ መለስና። ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቶምንa እትበሃል መጽሓፍን ካልእ መጻሕፍትን ጣምጣም ኢሎም ወሲዶሞ። ዳሕራይ ካብቶም ኣብቲ ክፍሊ ዝነበሩ ሰለስተ ኣዋልድ ረኸብና። ብዙሕ ሕቶታት ነበረን: ብፍላይ ሓንቲ ካብኣተን ተገዳስነት ነበራ። ‘ሓደ ሰብ ብኸመይ ኢዩ ምስክር ክኸውን ዝኽእል፧ ከማኹም ምዃን ብሓቂ ዘዕግብ ኢዩ። ባባ እውን ይድግፈኩም ኢዩ’ በለት። ክንጽሕፈላ ምዃንና ድማ ተመባጻዕና።

“ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣቝሻት ድማ ኤም—— እተባህለ ካልእ ናይ ክርስትና መምህር ረኸብና: ምስኡ ኸኣ ደስ ዘብል ምይይጥ ገበርና። እቶም ንሃድን ከይዶም ዘለዉ ሰብኡት ምስ ተመልሱ ጽሑፋት ከም ዝቕበሉ ክገብር ምዃኑ ኣረጋገጸልና። ስለዚ ድማ ሕጂ ንሱ ኣብቲ ርሑቕ ቦታ ዘሎ ‘ኣስፋሒ’ ኢዩ።”

ዋላ እኳ ጥውይዋይን ኣድካምን ጕዕዞ እንተዀነ: እቶም ክልተ ፓይነራት ጻዕሮም ኣጸቢቑ ከም እተባረኸ ተረዲኦም ኢዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ