ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/1 ገጽ 5-9
  • ከም ሕጉሳት ወደስቲ መጠን ኢዮም ተኣኪቦም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከም ሕጉሳት ወደስቲ መጠን ኢዮም ተኣኪቦም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ኣቱም ህዝብታት: ንየሆዋ ኣመስግንዎ . . . ተሓጐሱ!’
  • ‘ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና ነቕርብ‘
  • “ኣቱም ህዝብታት ደስ ይበልኩም ንዘለኣለም ተሓጐሱ”
  • ኣብ መላእ ዓለም ሕጕሳት ወደስቲ ንምዃን እተፈለዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ገበርቲ ቓል ኣምላኽ ሓጐስ ይረኽቡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘሐጕስ ኣኼባ ገይሮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ንምምልላስ ዝቘረጹ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/1 ገጽ 5-9

ከም ሕጉሳት ወደስቲ መጠን ኢዮም ተኣኪቦም

ጥንታውያን ህዝቢ የሆዋ ኣምላኽ: ንኣምልኾ ክእከቡ ኸለዉ ‘ምሉእ ሓጐስ ክሕጐሱ’ ተኣዚዞም ነበሩ። (ዘዳግም 16:15) እቲ ናይ 1995/96 “ሕጉሳት ወደስቲ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽሕጐሱ ብርግጽ ጽቡቕ ምኽንያት ኰይንዎም ኢዩ።

እዚ ተኸታታሊ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ: እምነት ሃኒጹ ኢዩ። ከምኡውን ኣብዛ ሓጐስ ዘይብላ ዓለም ብኸመይ ሓጐስ ከም ዝርከብ ኣርእዩ ኢዩ። እስከ እምበኣር: ነቲ ዓቢ ኣኼባ እቲ በብሓደ መዓልቲ ገይርና ንርኣዮ።

‘ኣቱም ህዝብታት: ንየሆዋ ኣመስግንዎ . . . ተሓጐሱ!’

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ቀንዲ ኣርእስቲ: ኣብ መዝሙር 149:​1, 2 (ትሓዓ) እተመስረተ ኢዩ ነይሩ። እቲ “ብሓጐስ ንኽንጭድር ምኽንያት ኣሎና” ዝብል ዝርርብ: ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ዘሎ ትንቢት ኣወዓዕላ ዝምርምር ኢዩ ነይሩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ፍጻሜ ነይርዎ ኢዩ: ብፍላይ ኣብ ግዜና ድማ ምስቲ ናይ የሆዋ ኣምለኽቲ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ናብ ብልጽግናን ጥዕናን ምምላሶም እተተሓሓዘ ፍጻሜ ኣለዎ። ስለዚ: እቶም ተኣከብቲ በቲ ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊት ገነትን ኣብታ ድሕሪ ኣዝዩ ቐረባ ግዜ እትመጽእ ምድራዊት ገነትን ንህዝቡ ዓሊምዎ ዘሎ: ብሓጐስ ክጭድሩ ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ።

“ኣብ ምሉእ ዓለም ከም ሕጉሳት ወደስቲ መጠን ተፈለዩ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሕመረት ዝርርብ ከምዚ ዝብል ሕቶ መሊሱ ኢዩ:- ካብዛ ዓለም እዚኣ ዝፈልየና እንታይ ኢዩ፧ እቲ ናብ የሆዋ እነቕርቦ ሕብረት ዘለዎ ኣምልኾና ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ ብስምምዕ ኢዮም ዝዛረቡን ዝምህሩን። በቲ የሆዋ ብመንግስቱ ገይሩ ነቲ ቅዱስ ስሙ ንምቕዳስን ናይ ሉዓላውነቱ ሓቅነት ድማ ንምርግጋጽን ዘለዎ ዓቢ ዕላማ እውን ይሕጐሱ ኢዮም። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣብቲ ዕላማኡ ቦታ ምእንቲ ክህልወና ብኸመይ ኢዩ ዝሕግዘና፧ ናይቲ ቅዱስ ቃል ሓቂ ሕድሪ ሂቡና ኢዩ። ኣምላኽ መንፈስ ቅዱሱ ሂቡና ኢዩ። በቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትን ናይ ጽሩይ ኣምልኾ መደብን ገይሩ ባሪኹና ኢዩ። እዚ ኣህጉራዊ ስድራቤትና ንየሆዋ ብዓቢ ልባዊ ሓጐስ ከነገልግሎ ይሕግዘና ኢዩ።

እቲ “ብዘይ መንቅብ ኴንካ ካብ ዓለም ምፍላይ” ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ናይ ሌላን ጕሌላን ከምኡውን ናይ ደርቢ ፍልልያት ዝምልከት መንቅባት ናይ ምርሓቕ ኣድላይነት ኢዩ ኣጕሊሑ። (ያእቆብ 2:​5-9) ገሊኦም ምናልባት ነቶም ድኻታት ወይ ስኡናት ዝዀኑ ክርስትያን ብጾቶም ዕሽሽ ብምባል: ምስቶም ተመሳሳሊ መበቈል ወይ ናይ ገንዘብ ደረጃ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ይሓብሩ ይዀኑ። ካልኦት ምናልባት ነቶም ኣብታ ጉባኤ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ዘለዎም ሰባት ናብ ምፍታው ይዘዝዉ ይዀኑ። ንዝዀነ ሰብ ክህልዎ ዝኽእል ዝዓበየ መሰል ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ከም ዝዀነ ይርስዕዎ። ስለዚ: ዓለማዊ ዝንባለታት መንቅብ ከም ዝህልወና ክገብርን ንሰላም ናይታ ጉባኤ ክዝርግን ከነፍቅደሉ የብልናን።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠14

እቲ “ንኽምርዖ ድሉው ድየ፧” ዝብል ዝርርብ: ብዙሓት ንመርዓ ብሃወኽ ከም ዝገብርዎ ኣመልኪቱ ኢዩ። ገሊኣቶም ኣብ ቤት ካብ ዘሎ ኣሸጋሪ ኵነታት ንምህዳም ወይ መሳቱኦም ይምርዓዉ ስለ ዘለዉ ኢዮም ዝምርዓዉ። ይኹን እምበር: ንኽትምርዖ ዝገብር ቅቡል ምኽንያታት ቲኦክራቲካዊ ሸቶታት ንምስዓብ ሓባራዊ ባህጊ ምህላው: ናይ ሓቂ ፍቕሪ: ብጻይነትን ድሕንነትን ምድላይ: ከምኡውን ቈልዑ ከተዕቢ ምብሃግ ዘጠቓለለ ኢዩ። ንመርዓ ኣብ ዝግበር ምድላው መንፈሳዊ ምልምማድ ኣድላዪ ኢዩ። ካብ መንጎ እቲ ኻልእ ነገራት: ሓድሽ ሰብነት ብምልባስ ተበሃጊ ባህርያት ምጥራይ የድሊ። እቲ ተስፋ ተገይርሉ ዘሎ ናይ መርዓ ብጻይ ምስ የሆዋ ናይ ሓቂ ዝምድና ከም ዘለዎን ምስ ካልኦት ድማ ብኣኽብሮት ዝመላለስ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምርግጋጽ እውን ጥበባዊ ኢዩ። ካብ ብሱላት ክርስትያናት ምኽሪ ምድላይ እውን ጥበባዊ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 11:⁠14

ነዚ ዘነቓቕሕ ምይይጥ እዚ ስዒቡ “ብውሉዳቶም ሓጐስ ዝረኽቡ ወለዲ” ዘርእስቱ ዝርርብ ቀጸለ። መብዛሕትኡ ግዜ ቈልዓ ምውላድ ናይ ዓቢ ሓጐስ እዋን ኢዩ። ይኹን እምበር: ቈልዑ ምውላድ ዓቢ ሓላፍነት እውን የምጽእ ኢዩ። (መዝሙር 127:⁠3) ስለዚ: ውሉዳት ንየሆዋ ከፍቅሩ ክማሃሩ ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ ኸኣ ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ የሆዋ ስርዓታውያን ኰይኖም ብምምሃርን ነቲ ናይ ቃሉ መምርሒታት ድማ ኣብታ ስድራቤት ብምውዓልን ክገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም።

እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይቲ ኣኼባ ብሓደ ዘደንቕ ነገር ተዛዘመት​—⁠እዚ ድማ: ምውጻእ ናይታ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ትምህርትን ዘርእስታ ሓዳስ ብሮሹር ኢዩ። መሰኻኽር “ንመንእሰያቶም ክጽዕሩን ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እተዋህቦም ዕዮታት ድማ ብዕቱብ ክርእይዎን ከም ዘተባብዕዎም” ኣነጺራ እትገልጽ ኢያ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይጀርያ: ሜክሲኮ: ከምኡውን ካልኦት ሃገራት ንብዙሕ ዓመታት መሃይምነት ኣብ ምጥፋእ ዝረኸብዎ ጕሉሕ ውጽኢታት እውን ትገልጽ ኢያ። እታ ብሮሹር ንትምህርቲ ዓቢ ዋጋ ከም እንህቦ ምሁራት ንኽርድእዎ ክትሕግዞም ኣለዋ።

‘ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና ነቕርብ‘

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይታ ካልኣይቲ መዓልቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ኣብ እብራውያን 13:15 እተመስረተ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ንግሆ ፕሮግራም “ንየሆዋ ንምውዳስ ዝቐረበ ጻውዒት ምምላሽ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ እተመርኰሰ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ኢዩ ቐሪቡ። ነዚ ጻውዒት እዚ ንምምላሽ ዕድመ ሓጹር ኣይኰነን። መዝሙር 148:12, 13 ኣጕባዝ: ጐራዙት: ዓበይትን ናእሽቱን ንየሆዋ ክውድስዎ ኢያ እተተባብዖም። ብዙሓት ሕጉሳት ኣገልገልቲ የሆዋ ዘለዎም ውዳሴ ከዕብዩ ክኢሎም ኢዮም። ኣብ ምሉእ ዓለም ልዕሊ 600,000 ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ወይ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ይሳተፉ። ልዕሊ 15,000 ዝዀኑ ኣብ ናይ ፍሉይ ፓይነር ዕዮ: ልዕሊ 15,000 ዝዀኑ ድማ ኣብ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ይሳተፉ ኢዮም።

“ምስ ማሕበር የሆዋ እሙን ኴንካ ምግልጋል” ዝብል ዝርርብ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ እሙን ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጸ ዝርርብ ኢዩ ነይሩ። ንየሆዋ እሙን ምዃን ማለት ምስኡ ብሓደ ከም ኣዝዩ ብርቱዕ መላገቢ ኰይኑ ዝዓዪ ሓያል ተወፋይነት ምጥባቕ ማለት ኢዩ። እሙን ምዃን ካልኦት ይርኣዩና ኣይርኣዩና ብዘየገድስ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዛት ኰነ ኢልካ ዘይምጥሓስ ዝሓትትት ኢዩ። ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ከምኡ ድማ ነቲ ኣብ ካልእ ኵሉ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝዳሎ መንፈሳዊ መግቢ ዝርከብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታት እሙን ኴንካ ምሓዝ እውን ዝሓትት ኢዩ። ነዚ ዝርርብ እዚ ስዒቡ ናይ ጥምቀት ዝርርብ ኢዩ ተዋሂቡ። ናይ ጥምቀት ሕጹያት ናይቲ ንየሆዋ ዘለዎም ወፈያ መረጋገጺ ክህቡ ከለዉ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዝነበረ!

እቲ ኣብ ሆሴእ 4:​1-3 ዘሎ ቃላት ነቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ: “ውርዝውናዶ ወይስ ሕማቕ ኣመል​—⁠ነየናይ ኢኻ እትስዕብ፧” ዝብል ዝርርብ መሰረት ነበረ። ሽሕ’ኳ ዓለም ብዛዕባ ውርዝውና ዘለዋ ኣረኣእያ እተዛብዐ እንተዀነ: ክርስትያናት ግን ናይ ስነ⁠-​ምግባር ብሉጽነት ምእንቲ ክስዕቡ “ልባዊ ጻዕሪ” ክገብሩ ኣለዎም። (2 ጴጥሮስ 1:⁠5 ትሓዓ) እዚ ካብቲ ናይ ሓደ ሰብ ናይ ኣተሓሳስባ ኵነታት ኢዩ ዝጅምር። ኣተሓሳስባኡ ውርዙው እንተድኣ ዀይኑ: ጽሩይን ጥዑይን ሃናጽን ቃላት ክዛረብ ኢዩ ከምኡውን ኣብቲ ምስ ካልኦት ዝገብሮ ምምልላስ ቅኑዕ ክኸውን ክጽዕር ኢዩ። ንውርዝውና ምስዓብ ንሓደ ብጓሂ ወይ መንፈስ ጭንቀት ዝሳቐ ክርስትያን ብጻይ ዝርዳእን ደንጋጽን ክትከውን ምጽዓር እውን ዘጠቓለለ ኢዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠14

ካልእ “ካብ ናይ ድያብሎስ መፈንጠራታት ተሓለዉ” ዝብል ዝርርብ ድማ: ንክርስትያናት ገዛእ ርእሶም ንጋኔናዊ ጽልዋታት ከየቃልዑ ኣጠንቂቕዎም ኢዩ። ንሕማም ኣብ ዝግበር ሕክምና: ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ምስ ልዕለ⁠-​ባህርያዊ ዝዀነ ነገር እተተሓሓዘ ናይ ምዕዛም ሜላታት ክጥንቀቑ ኣለዎም። ካብዚ ንላዕሊ ግን: እቲ ውልቀሰባት ኣካላዊ ጥዕናኦም ንምሕላው ዝገብርዎ ሕክምና ብሕታዊ ጕዳይ ኢዩ።

እታ ካልኣይቲ መዓልቲ ብሓደ ዘሐጕስ ኣደናቒ ነገር ኢያ ተዛዚማ​—⁠እዚ ድማ: ምውጻእ ናይ ሓንቲ ንቕኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ብቕልጡፍ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ምእንቲ ክበጽሑ ንምሕጋዞም ተባሂላ እተዳለወት: ኣብ ጁባ እትኣቱ ሓዳስ ጽሕፍቲ ኢዩ። እዛ 192 ገጽ ዘለዋ ሓዳስ መጽሓፍ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኢያ። መጽሓፍ ፍልጠት ነቲ ሓቂ ብዝሃንጽ መገዲ ኢያ እተቕርቦ። ናይ ሓሶት ሰረተ⁠-​እምነታት ኣብ ምፍሻል ዘተኰረት ኣይኰነትን። ናይቲ ቛንቋ ጽፈትን ክውንነታዊ ምትእስሳርን: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ሰባት ድማ ነቲ ልቢ ዘምውቕ ፍልጠት ኣምላኽ ምእንቲ ኽርድእዎ ንምሕጋዝን: ክትጥቀመላ ቀሊል ክገብሮ ኣለዎ።

“ኣቱም ህዝብታት ደስ ይበልኩም ንዘለኣለም ተሓጐሱ”

እዘን ካብ ኢሳይያስ 65:18 እተወስዳ ቃላት: ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ናይ ሳልሰይቲ መዓልቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ኢየን ነይረን። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ፍጻሜ ን1914 እዚ እኩይ ኣገባብ ናብቲ ዳሕሮት መዓልትታቱ ዝኣተወሉ ዓመት ምዃና ኢዩ ዝሕብር። ስለዚ: ናይቲ “ሕጉሳት ወደስቲ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” ዘርእስቱ ናይ ዝርርባት ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ: እቶም ሰማዕቲ ዓሚቝ ኣቓልቦ ከም ዝገብሩ ዝገበረ ኢዩ። እቶም ተዛረብቲ ቢልዮናት ሰባት በቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ስሱዕን ዓመጸኛን መንፈስ ብኸመይ ተጸልዮም ከም ዘለዉ ገሊጾም ኢዮም። ሓደ ግዜ: ከም ክፍሊ ናይዛ ሰይጣን ዝገዛኢኣ ዓለም መጠን ክፍረዱ ኢዮም። ስለዚ: ምርጫ ዝግበረሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ምስ ኣየናይ ወገን ክንከውን ኢና እንደሊ፧ ንየሆዋ ከነምልኽን ንሉዓላውነቱ ድማ ክንድግፍን ዲና እንደሊ ወይስ እቲ ንሰይጣን ዘሕጕሶ ብምግባር ንሱ ገዛኢና ክኸውን ኢና እነፍቅድ፧ ኵልና ብዘይምውልዋል መርገጽና ኣብ ወገን የሆዋ ክንገብር ኣሎና።

“ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ወድስዎ!” ዝብል ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ህዝባዊ ዝርርብ ነቶም ተኻፈልቲ ዘተሓሳስቦም ዕጹም መግቢ ሂብዎም ኢዩ። ሽሕ’ኳ እቲ ናይ ዘለኣለምነት ሓሳብ ክንዮ ናይ ድኹማት ሰባት ምርዳእ እንተ መሰለ የሆዋ ግን ኣጸቢቑ ይርድኦ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 10:16) እዚ ንጉስ ዘለኣለም እዚ ደቅሰብ ብወዱ: የሱስ ክርስቶስ: ኣቢሎም ንዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ከስተማቕርዎ መገዲ ከፊትሎም ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠3) እቲ ተዛራቢ ከምዚ በለ:- “እወ: ንሕና እዞም ሓጢኣተኛታት ሰባት ብመለኮታዊ ትምህርትን ኣብ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ እምነት ብምግባርን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንረክብ ንኸውን።”

እቲ ዓቢ ኣኼባ ናብ ምውዳእ ገጹ ክኸይድ ከሎ: እቶም ተኣከብቲ በቲ “ንየሆዋ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ​—⁠ብሓጐስ ወድስዎ” ዘርእስቱ ዝርርብ ተሃኒጾም ኢዮም። ብዛዕባ ምዕባለ ናይቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝካየድ ዘሎ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ዝነግር ጸብጻብ ክትሰምዕ ልቢ ዘምውቕ ኢዩ ነይሩ። እቶም ተኣከብቲ ድማ ንየሆዋ ‘ኵሉ መዓልቲ ክባርኽዎ: ስሙውን ንዘለኣለመ ኣለም ክውድስዎ’ ተለዓዒሎም ኢዮም።​—⁠መዝሙር 145:⁠2

ዘስካሕክሕ ናይ ጭካነ ተግባራት ነዛ ዓለም እዚኣ ሓጐሳ ሰሪቕዋ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ የሆዋ ምሉእ እምነት ዘለዎም ውልቀሰባት ኣምላኻዊ ሓጐስ ከጥርዩ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዓለምለኻዊ ሕውነት መጠን: ነቲ ኣብ መዝሙር 35:​27, 28 ዘሎ ቃላት ክደግምዎ ይኽእሉ ኢዮም:- “እቶም ንጽድቀይ ዚፈትዉ እልል ይበሉን ይተሐጐሱን: ኵሉ ጊዜውን: ናይ ባርያኡ ሰላም ዚፈቱ ጐይታ [“የሆዋ:” ትሓዓ ] ዓብዪ እዩ: ይበሉ። መልሓሰይ ድማ ጽድቅኻ: ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ።”

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ስድራቤታት ካብታ “ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ትምህርትን” እትበሃል ብሮሹር ክጥቀማ ኢየን

[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]

እታ “ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት” እተባህለት ሓዳስ መጽሓፍ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ሃናጺ ብዝዀነ መገዲ ተቕርብ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ከም ምልክት ናይቲ ንየሆዋ ዘለዎም ወፈያ ተጠሚቖም ኢዮም

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ተኣከብቲ በቲ “ነቶም ዝግብኦም ኣብ ግዜ እርግናኦም ምኽባር” ዝብል ድራማ ብዓሚቝ ተተንኪፎም ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ