ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ንምምልላስ ዝቘረጹ
ነቶም ንኣምላኽ ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባት እቲ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ” ዘርእስቱ ዓበይቲ ኣኼባታት ብዙሕ ዝህቦም ነገራት ነይርዎ ኢዩ ! ሓንቲ ልእኽቲ ነቲ ዓቢ ኣኼባ “መምርሕን መተባብዕን ፍልጠትን እተረኽበሉ ዘደንቕ እዋን ” ብምባል ገለጸቶ።
ሓደ ካልእ ድማ “እትሕጐሰሉን እተስተንትነሉን እትጥቀመሉን ብዙሕ ነገራት ኢዩ ነይሩ” በለ። እስከ እምበኣር ሕጂ ነቲ ፕሮግራም ሓደ ብሓደ ንርኣዮ።
የሱስ ክርስቶስ—እቲ መገድን ሓቅን ህይወትን
እዚ ናይታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዓቢ ኣኼባ ኣርእስቲ ነበረ። (ዮሃንስ 14:6) እቲ ኣብ መጀመርታ እተዋህበ ዝርርብ: ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ሓቢርና እተኣከብናሉ ዕላማ ብዝርዝር ገለጸ። እዚ ዕላማ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ተወሳኺ ትምህርቲ ምእንቲ ክንረክብ ኢዩ። የሆዋ ንህዝቡ ከመይ ገይሮም ብመገድታቱ ከም ዝመላለሱ ይምህሮም ኢዩ። ነዚ ድማ ብመጽሓፍ ቅዱስ: በቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን’ ብመንፈስ ቅዱስን ገይሩ ኢዩ ዝገብሮ። (ማቴዎስ 24:45-47፣ ሉቃስ 4:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) በቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ክትመሃርሲ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!
እቲ ምስ ኣርእስቲ ናይታ መዓልቲ እቲኣ ዝሰማማዕ ሕመረት ዝርርብ “በጅነት ክርስቶስ—ኣምላኽ ዝጥቀመሉ መገዲ ድሕነት” ዝብል ነበረ። ምስቲ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ተሰማሚዕና ክንመላለስ ከሎና: ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ተዛራባይ “ብዘይ እቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ: ዝዀነ ይኹን ሰብ: እምነቱ ወይ ተግባሩ ብዘየገድስ: ካብ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ህይወት ክቕበል ኣይክእልን ኢዩ” በለ። ድሕሪኡ ኸኣ ነቲ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዝብል ኣብ ዮሃንስ 3:16 ዘሎ ጥቕሲ ጠቐሰ። ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ እምነት ንምግባር: ርጡብ ፍልጠት ሓቂ ክንረክብ የድልየና። ብዘይዚውን ህይወትና ንየሆዋ ምውፋይን ብማይ ጥምቀት ገይርና ምግላጽን ምስቲ የሱስ ክርስቶስ ዝገደፎ ኣብነት ተሰማሚዕና ምንባርን ዘጠቓልል ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:21
እቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ በቲ “መገዲ ፍቕሪ ፈጺሙ ኣየቋርጽን ኢዩ” ዘርእስቱ ዝርርብ ይጅምር። ኣብዚ ዝርርብ እዚ ኸኣ እቲ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4-8 ጳውሎስ እተጠቕመሉ ዘነቓቕሕ ናይ ፍቕሪ መግለጺ በብቝጽሪ ተተንቲኑ ኢዩ። እቶም ሰማዕቲ: እታ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዋ ፍቕሪ: ናይ ክርስትና መለለዪት ምዃና ንኣምላኽን ንብጻይካን ምፍቃር ከኣ የሆዋ ዝሰምሮ ኣገዳሲ ክፍሊ ኣምልኾ ምዃኑ ተዘኻኺሮም ኢዮም።
ቀጺሉ ሰለስተ ኽፍሊ ዘለዎ “ወለዲ—ንደቅኹም መገዲ ኣምላኽ ስረጹሎም” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ ቐረበ። ወለዲ ንቓሉ ኣብ ምንባብን ምጽናዕን ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን ደቆም ንኣምላኽ ከገልግሉ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። ምስቲ ነታ ስድራቤት ዘድልያ ነገራት ዝሰማማዕ ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ብምግባር: ንደቆም ሓቂ ክሰርጹሎም ይኽእሉ ኢዮም። ቈልዑ ኣብ ናይ ጉባኤ ዕዮታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ንኽሳተፉ ምሕጋዞም እውን ኣድላዪ ኢዩ። ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ንኣምላኽ ዝፈርሁ ውሉዳት ከተዕቢ ብድሆ እኳ እንተዀነ: ዓቢ ዓስቢ ዘምጽእ ኢዩ።
ካብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ እዚ ስዒቡ ድማ “የሆዋ ንኽቡር ዕላማ ከም እትጠቕሙ ገይሩ ክቐርጸኩም ፍቐድሉ” ዝብል ዝርርብ ተዋህበ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰራሕ መሬት ነቲ ካይላ ቅርጺ ዘትሕዞ: ኣምላኽ ድማ ነቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባት ቅርጺ የትሕዞም ኢዩ። (ሮሜ 9:20, 21) ነዚ ኸኣ ብቓሉን ብማሕበሩን ገይሩ ምኽሪ ብምሃብ ኢዩ ዝገብሮ። ንገዛእ ርእስና ቅርብቲ እንተድኣ ገይርናያ: ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚታት ከኣ ምላሽ ንህበሉ እንተድኣ ዄንና: ስጕምትታትና ከቕንዓልና ድማ ነፍቅደሉ እንተድኣ ዄንና የሆዋ ንኽእለታትና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ክሕግዘና ኢዩ።
ቀጺሉ “ኣብ ዓውዲ ሚስዮናውነት ዘሎ ኣገልግሎት” ዝብል ዘነቓቕሕ ክፍሊ ናይቲ ፕሮግራም ሰዓበ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ምድሪ ኣብ 148 ሃገራት ዘገልግሉ ከም ሚስዮናውያን ዝቝጸሩ 2,390 ክርስትያን ኣገልገልቲ ኣለዉ። ናይ ተኣማንነትን ቅንእን ብሉጽ ኣብነት ኢዮም: ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ንምግልጋል ዝረኸብዎ መሰል ከኣ ኣዕሚቖም ኢዮም ዘማስዉሉ። ኣብቲ ኣህጉራዊ ኣኼባታት እተኻየደሉ ቦታታት እዚ ፕሮግራም እዚ ክውሰድ ከሎ: ሚስዮናውያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሚስዮናዊ ናብራ ዘጋጥሞም ብድሆታትን ሓጐስን ተዛሪቦም ኢዮም።
እቲ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ዝርርብ: “ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ፧” ዝብል ኢዩ። እዚ ሕቶ እዚ ንደቅሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ከደናግሮም ዝጸንሐ ሕቶ ኢዩ። ኣብ ኵሉ ሕብረተሰብ ዘለዉ ሰባት ምስ እዚ ኣርእስቲ እዚ ክቃለሱ ጸኒሖም ኢዮም። ብግምት ዝወሃብ መልስታት ሒደት ኣይኰነን። እቲ መልስታት ከኣ ከከም ልምድታትን ሃይማኖታትን ናይቶም ዘቕርብዎ ሰባት እተፈላለየ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሰባት ሓቂ ክማሃሩ የድልዮም።
ብድሕሪኡ እቲ ተዛራባይ: እታ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ዘርእስታ 32 ገጽ ዘለዋ ሕብራዊት ብሮሹር ከም ዝወጸት ኣፍለጠ። እዛ ብሮሹር እዚኣ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ መበቈሉ ካበይ ከም ዝዀነ ትገልጽ: እዚ ሓሳብ እዚ ዳርጋ ናይ ኵለን እዘን ሎሚ ዘለዋ ሃይማኖታት ቀንዲ ትምህርቲ ዝዀነሉ መገዲ ድማ ተርኢ። ብዛዕባ ነፍሲ ከምኡውን ስለምንታይ ከም እንመውትን ኣብ ግዜ ሞት ከኣ እንታይ ከም እንኸውንን መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ብንጹርን ተቐባልነት ብዘለዎን መገዲ ተቕርቦ። እታ ብሮሹር ንምዉታትን ነቶም ብህይወቶም ዘለዉን እንታይ ተስፋ ከም ዘለዎም እውን ትገልጽ ኢያ። እዛ ብሮሹር እዚኣ ነቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ ዘለዉ ደለይቲ ሓቂ ኣየ ከመይ ዝበለት በረኸት ኰን ኢያ!
ብኸመይ ከም እትመላለሱ ኣዚኹም ተጠንቀቑ
እዚ ምስታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ክንደይ ዝሰማማዕ ኣርእስቲ ኰን ኢዩ ዝነበረ! (ኤፌሶን 5:15) እቲ ናይ ንግሆ ፕሮግራም ኣብቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዕዮ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። ደድሕሪ እቲ ናይ ዕለት ጥቕሲ ምይይጥ ከኣ እቲ ፕሮግራም “ንሰባት መገዲ ህይወት ንኽረኽቡ ምሕጋዞም” ዝብል ዝርርብ ቀጸለ። ነዚ ህጹጽ ዕዮ እዚ ክንፍጽም ከሎና ሓቂ ንኻልኦት ምክፋል መሰልን ግዴታን ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ምሓዝ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. መብዛሕትኦም ሰባት ንቓል ኣምላኽ ነጺጎምዎ ኢዮም። ይኹን እምበር: ተቓውሞ እኳ እንተ ነበረ: ‘ንዘለኣለማዊ ህይወት እተመደቡ እሞ ኣመንቲ ዝዀኑ’ ሰባት ነይሮም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:48, 50፣ 14:1-5) ሎሚ እውን እቲ ዅነታት ተመሳሳሊ ኢዩ። ሽሕኳ ብዙሓት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነጽግዎ እንተዀኑ: ነቶም ኣወንታዊ ምላሽ ዝህቡ ሰባት ምድላይ ክንቅጽል ኢና።—ማቴዎስ 10:11-13
እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዝርርብ: ንኻልኦት ናይ ህይወት መልእኽቲ ሒዝካ ክትበጽሖም ከሎኻ ዘጋጥም ብድሆ ይገልጽ። ሎሚ ንሰባት ኣብ ገዝኦም ክትረኽቦም ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ: ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብእተኻእለ መጠን ኣብ ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኸነብጽሖ ኣብ ኵሉ ቦታታት እነገልግልን ብልሓተኛታትን ክንከውን ከድልየና ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ብናይ ተሌፎን ምስክርነትን ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብምስባኽን ሰናይ ፍረ ይረኽቡ ኣለዉ: በዚ መገዲ እዚ ነቶም ብኻልእ መገዲ ክትረኽቦም ኣጸጋሚ ዝዀነ ሰባት ክበጽሕዎም ክኢሎም ኢዮም።
“ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኵሉ እቲ የሱስ ዝኣዘዞ ምምሃሮም” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣብ ኣገልግሎትና ክኢላታት ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሑ ኢዩ። ካብ ካልኦት ክንመሃር ከሎናን ነቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝረኸብናዮ ብሉጽ ምልምማድ ከኣ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልናዮ እቲ ናይ ምምሃር ክእለትና ይሰሓል ኢዩ። ኣብ ኣመሃህራና ክኢላታት እንተድኣ ዄንና: ኣብቲ ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኽማሃሩ እንገብሮ ናይ ምሕጋዝ ዕዮ ቀጻሊ ዝዀነ ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ ኢና።
እቲ ናይ ንግሆ ኣኼባ: ናይ ህይወትካ ምውፋይን ምጥማቕን ትርጕም ብዝገልጽ ዝርርብ ተደምደመ። ሓደ ካብቲ እቲ ተዛራባይ ዝሃቦ ነጥቢ: ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኣምን: ፍቓዱ ንምግባር ከኣ ልባዊ ጻዕሪ ንገብር እንተድኣ ዄንና: ክባርኸናን ከዐንግለናን ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ [ንኣምላኽ] ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።” (ምሳሌ 3:6) እቲ ሓጐስ ዝመልኦ ጥምቀት እውን ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ጕሉሕ ክፍሊ ኢዩ ነይሩ: ብዙሓት ሰባት ምስ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ተሰማሚዖም ንኽመላለሱ ከም ዝጀመሩ ዝገልጽ ከኣ ኢዩ።
ደድሕሪ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ: እቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ በቲ “ነባሪ ህይወት ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ ምግልጋል” ዘርእስቱ ዝርርብ ጀመረ። ኣምላኽ እዙዛት ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከገልግልዎ ዝዓለሞ ዕላማ ክፍጸም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣተሓሳስባናን መደባትናን ተስፋታትናን ንየሆዋ ንዘለኣለም ኣብ ምግልጋል ከም ዘተኵር ክንገብሮ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! “መዓልቲ ኣምላኽ” ኣብ ኣእምሮና ኣቕሪብና ክንሕዛ ንደሊ እኳ እንተ ዀንና: ሸቶና ግን ንዘለኣለም ከነገልግሎ ምዃኑ ክንዝክር ኣድላዪ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:12) የሱስ ፍርዲ ኣምላኽ ዝፍጽመሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ብልክዕ ዘይምፍላጥና ንቑሓት ከም እንኸውን ዝገብረናን ንየሆዋ ካብ ስስዐ ናጻ ብዝዀነ ዕላማ ከም እነገልግሎ መዓልቲ-መዓልቲ መረጋገጺ ንኽንህብ ኣጋጣሚ ዝኸፍተልናን ኢዩ።
እቲ ስዒቡ ዝመጸ ክልተ ዝርርብ ንምዕራፍ 4 ናይታ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ዝሰደደሎም መልእኽቲ ዝምርምር ኢዩ ነይሩ። ገለ ካብቲ እተዋህበ ነጥብታት: ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም “ውህበት ሰብኡት” (NW ) ብምቕባል ዝረኸብናዮ በረኸት ዝምልከት ኢዩ ነይሩ። እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ንመንፈሳዊ ጥቕምና ዝውዕል ምኽርን መምርሕን ይህቡና። እታ መንፈስ ዝነፈሳ መልእኽቲ ጳውሎስ ክርስትያናት ‘ሓድሽ ሰብነት’ ክለብሱ እውን እትምሕጸን ኢያ ነይራ። (ኤፌሶን 4:8, 24) ኣምላኻዊ ሰብነት ከም እኒ ድንጋጽ: ሕያውነት: ናይ ኣእምሮ ትሕትና: ልእመት: ነዊሕ-ተጻዋርነትን ፍቕርን ዝኣመሰለ ባህርያት ዘጠቓልል ኢዩ።—ቈሎሴ 3:12-14
ብኸመይ ከም እንመላለስ ኣዚና ጥንቁቓት ምዃን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ነውሪ ምምልላስ እውን ዘጠቓልል ኢዩ: እዚ ኸኣ ናይቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዝርርብ ቀንዲ ነጥቢ ኢዩ ነይሩ። መዘናግዕን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ስጋዊ ነገራትን ክንመርጽ ከሎና ሚዛናውያን ምዃን የድልየና። ነቲ ርእስና ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎና ክንመላለስ እተዋህበና ናይ ያእቆብ 1:27 ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልናዮ: ምስ ኣምላኽ ዘሎና ኣቕዋም ንጹህ ይኸውን ሰናይ ሕልና ኸኣ ይህልወና። ዕላማ ዘለዎ ህይወት ክንነብር ንኽእል: ብሰላምን መንፈሳዊ ብልጽግናን ባህ ብዘብል ሕብረትን ከኣ ክንባረኽ ኢና።
ቀጺሉ ድማ “መንእሰያት—መገዲ ኣምላኽ ስዓቡ” ዘርእስቱ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ቀረበ። መንእሰያት ኣምላኽ ከም ዘፍቅሮምን ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ንምድጋፍ ዝገብርዎ ጻዕርታት ከኣ ከም ዘማስወሉን ብምፍላጥ ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ንዕኡ ብተኣማንነት ንምግልጋል ከለማምድዎ ክጥቀምሉ ይግባእ። ናይ ምስትውዓል ክእለት ክዓብየሉ ዝኽእል ሓደ መገዲ: ቃል ኣምላኽ መዓልቲ-መዓልቲ ብምንባብን ብእኡ ብምስትንታንን ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ገይርና መገድታት ኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 119:9-11) ናይ ምስትውዓል ክእለት ክዓብየሉ ዝኽእል ካልእ መገዲ ድማ ካብ ወለድን ሽማግለታትን ናይ ማሕበር ጽሑፋትን ብሱል ዝዀነ ምኽሪ ብምድላይ ኢዩ። መንእሰያት: ነቲ መለለዪ ናይዛ ካብ ኣምላኽ ርሒቓ ዘላ ዓለም ዝዀነ ብፍቕረ-ንዋይ ምዕብላል: ርኹስ ዘረባ: ከምኡውን መጠኑ ዝሓለፈ መዘናግዒታት ንናይ ምስትውዓል ክእለቶም ብቕኑዕ መገዲ ብምጥቃም ይጻረርዎ ኢዮም። መንእሰያትን ዓበይትን ነቲ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ብምስዓብ ናይ ሓቂ ዓወት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።
እቲ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ከኣ “ፈጣሪ—ባህርያቱን መገድታቱን” ዝብል ነበረ። እቲ ተዛራባይ: ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ንፈጣሪ ከም ዘይፈልጥዎ ምስ ገለጸ ከምዚ በለ:- “ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት ንፈጣሪ ነቲ ህያው ኣምላኽና ኣብ ምፍላጥ፣ ንባህርያቱ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ፣ ምስ መገድታቱ ተሰማሚዕካ ኣብ ምምልላስ እተመርኰሰ ኢዩ። . . . ሰባት ንፈጣሪ ክቕበልዎን ነቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ትርጕም ክረኽብዎን ንምሕጋዝ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብዛዕባ ዓለምን ብዛዕባናን ዝገልጹ ጭብጥታት ኣለዉ።” ቀጺሉ እቲ ተዛራባይ ብዛዕባ ህላወ ናይ ሓደ መስተውዓልን ፈቃርን ፈጣሪ ዝገልጽ መርትዖታት ኣቕረበ። ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧ እትብሃል ሓዳስ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ተሓቲማ ከም ዝወጸት ምስ ተነግረ እቲ ዝርርብ ተደምደመ።
“እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብኣኣ ተመላለሱ”
ናይ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዓቢ ኣኼባ ኣርእስቱ እዚ ኢዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 30:21) እቲ ፕሮግራም: በቲ ሰለስተ ዝርርብ ዝሓዘ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ናይ ቤት መቕደስ ራእይ ዘተኵር ዘነቓቕሕ ዓውደ-መጸናዕቲ ኢዩ ጀሚሩ። ሎሚ እዚ ራእይ እዚ ምስቲ ኣብ ግዜና ዘሎ ንጹህ ኣምልኾ እተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ ንህዝቢ ኣምለኽ ዓቢ ትርጕም ኣለዎ። ነቲ ራእይ እቲ ንምርዳእ ዝሕግዝ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- እቲ ናይ የሆዋ ዓቢ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ዝገበሮ ምድላው ዘመልክት ኢዩ። መልክዓት ናይቲ ራእይ ክግለጽ ከሎ: ሰማዕቲ በቶም ካብ ቅቡኣት ተረፍ ዝዀኑ ፈቃራት ተዓዘብትን ኣብ መጻኢ ኣባላት ናይቲ ክፍሊ ሓለቓ ዝዀኑ ሰባትን ዝዕየ ዕዮ ንምድጋፍ ዝገብርዎ ንጥፈታት ኣስተንቲኖምሉ ኢዮም።
ናይ ንግሆ ፕሮግራም ኣብ ምውድኡ: ነቲ ዅነታት ዘንጸባርቕ ክዳውንቲ እተኸድኑ ተዋሳእቲ ዝነበርዎ ዝምስጥ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ ነበረ። እቲ ድራማ “ስድራቤታት—መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ናብራኹም ግበርዎ!” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ከይሰግዱ ዝኣበዩ ሰለስተ እብራውያን ዘርኣይዎ እምነትን ትብዓትን ዝገልጽ ከኣ ኢዩ ነይሩ። ዕላማ ናይቲ ድራማ: መጽሓፍ ቅዱስ ጥንታዊ ታሪኽ ዝሓዘ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ ነዞም ሎሚ ዘሎና መንእሰያትን ዓበይትን ብሓቂ ዝጠቅም ምኽሪ ሒዙ ምህላዉ ንምግላጽ ኢዩ።
ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ: እቲ “ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ እንኮ መገዲ” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ እተዋህበሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ደቅሰብ ኣብ ሓጢኣትን ሞትን ዝወደቕሉ ታሪኽ ምስ ገለጸ: እቲ ተዛራባይ በዚ ዝስዕብ ዘተሓሳስብ ቃላት ደምደመ:- “እቲ ናይዛ መዓልቲ እዚኣ ዓቢ ኣኼባ ኣርእስቲ ኰይኑ ዝቐረበ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ: ኢሳይያስ ምዕራፍ 30 ቍጽሪ 21 ኢዩ: ከምዚ ድማ ይብል:- ‘ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።’ ነዚ ድምጺ እዚ ብኸመይ ኢና እንሰምዖ፧ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጽን ብምባል ከምኡውን እቲ ዓቢ ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስን በዛ ዘመናዊት ክርትያናዊት ማሕበሩን ገይሩ ዝህበና መምርሒ ብምስዓብ ኢና እንሰምዖ። እዚ ምግባር ከኣ ብርግጽ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ እንኮ መገዲ ኢዩ።”
ናይታ ሰሙን እቲኣ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ጽማቝ ሓሳባት ምስ ተዋህበ: ቀጺሉ “ብመገዲ የሆዋ ምምልላስኩም ቀጽሉ” ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ተዋህበ። ገለ ካብቲ ክፋሉ ነቲ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ፕሮግራም ዝደግም ኢዩ ነይሩ። ቀጺሉ እቲ ተዛራባይ ብናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ንምምልላስ እተገብረ ቈራጽነት ዝገልጽ ውሳነ ኣቕረበ።
እቲ ውሳነ: በዚ ዝስዕብ ዘነቓቕሕ ቃላት ደምደመ:- “በቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ስርዓታትን ምኽርን ማዕዳን ምንባር: ሎሚ በቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ንኽንመላለስ ንመጻኢ ድማ ጽቡቕ መሰረት ከነንብር የኽእለና: በዚ ኸምዚ ድማ ኣብቲ ናይ ሓቂ ህይወት ጽቡቕ መሰረት ንስርት ኣሎና ማለት ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን: ሓሳብናን ሓይልናን ስለ እነፍቅሮ ነዚ ውሳነ እዚ ነጽድቕ ኣሎና!” ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ድማ መቓልሕ ብዝመልስ ድምጺ: እወ ኢሎም ተሰማምዑሉ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧
እታ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዝሓዘት ሓዳስ መጽሓፍ: ብዛዕባ እቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ዘእምን መርትዖ ኢያ እተቕርብ: ብዛዕባ ባህርያቱ ድማ ትገልጽ። ብፍላይ ነቶም ዓለማዊ ትምህርቲ ብግቡእ እተማሃሩ ምሁራት ብኣምላኽ ግን ዘይኣምኑ ተባሂላ ኢያ ተዳልያ። እዛ 192 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ነቶም ድሮ ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑ ሰባት እውን ኣብቲ ብሕታዊ ባህርያቱን መገድታቱን ዘለዎም ሞሳ ብምዕባይ እምነቶም ተደልድለሎም ኢያ።
እዛ ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧ እትበሃል መጽሓፍ እቶም ኣንበብቲ ብኣምላኽ ይኣምኑ ኢዮም ኣብ ዝብል ተመርኲሳ ሓሳብ ኣይትህብን ኢያ። ኣብ ክንድኡ ግን እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ስነ-ፍልጠት ምርምራትን ኣምራትን ንህላወ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘረጋግጽ ሓሳብ ተቕርብ። ገለ ካብ ኣርእስትታት ናይቲ ምዕራፋታ ድማ “ንህይወትካ ትርጕም ክውስኸሉ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧” “ኣድማስና ብኸመይ ኢዩ ኣብ ህላወ ክመጽእ ክኢሉ፧—ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ክትዕ:” ከምኡውን “ኣየ ክሳዕ ክንደይ ፍሉይ ኰን ኢኻ!” ዝብል ኢዩ። እቲ ካልእ ምዕራፋት ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ መንፈስ ዝነፈሶ መጽሓፍ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል ምኽንያታት ይገልጽ። እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ: ብዛዕባ እቲ ናይ ፈጣሪ ባህርያትን መገድታትን ዝገልጽ መጽሓፍ ቅዱስ ሓፈሻዊ ኣመለኻኽታ ክህልወና ትሕግዘና ኢያ። እታ መጽሓፍ: ኣምላኽ ንስቓይ ስለምንታይ ከም ዘፍቀዶ ጥራይ ዘይኰነስ ብኸመይ ንዘለኣለም ደው ከም ዘብሎ እውን ትገልጽ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
ብዙሓት ተጠሚቖም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
ኤ.ዲ.ሽሮደር: ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እታ ሓዳስ ብሮሹር ከም ዝወጸት ሓበረ
[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእልታት]
ዘነቓቕሕ ድራማ: መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክግበር ኣተባብዐ