ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/10 ገጽ 29-31
  • ሲንጋፖር ናጽነት ኣምልኾ ትረግጽ ኣላ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሲንጋፖር ናጽነት ኣምልኾ ትረግጽ ኣላ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ንሃገራዊ መንነትን ሓድነትን ዘስግኡ ኣይኰኑን
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/10 ገጽ 29-31

ሲንጋፖር ናጽነት ኣምልኾ ትረግጽ ኣላ

ኣብ እዋን ምሸት ናይ 24 ለካቲት 1995: ኣብ ከተማ ሲንጋፖር ዝርከባ ኣርባዕተ ኣባይቲ ብፖሊስ ተወራ። ብድምር 69 ሰባት ተኣስሩ።a ኣብ መንጎኦም 71 ዓመት ዝዕድሜኣ ሰበይትን 15 ዓመት ዝዕድሜአን ክልተ ኣዋልድን ነበራ። ስለምንታይ፧ ብምኽንያት ናይ ገበን ወይ ናዕቢ ምንቅስቃስ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን። ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣብ ዝዀነ ብቑሩብ እውን ይኹን ምስ ሓደገኛ: ዘይስነ-ምግባራዊ: ወይ ጸረ ማሕበረሰብ ክሕሰብ ዝኽእል ነገር ኣይተኻፈለን። ነቲ ናይ ደቂ ሲንጋፖር ብጾቶም ናይ ስነ-ምግባር ክብርታት: ድሕነት: ከምኡውን ጥዕና ስግኣት ኣየስዓቡን። እንተዀነ ግን: እቶም ፖሊስ ነተን ኣርባዕተ ኣባይቲ ድሕሪ ምጐርጓሮም: ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እተኣከቡን ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዘስተማቕሩ ዝነበሩን 69 ሰባት ናብ መደበር ፖሊስ ወሰድዎም። ምሉእ ለይቲ: ክምርመሩን: ኣሰር ኣጻብዕቶም ክውሰድን: ከምኡውን ክስኣሉን ሓደሩ​—⁠እወ: ከም ተራ ገበነኛታት ኣፈራርህዎም! ኣብዚ እዋን እዚ​—⁠ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት ዳርጋ 18 ሰዓታት ምስ ገበሩ​—⁠ናብ ሕጋዊ ኣማኻሪ ከይበጽሑን ኣበይ ከም ዘለዉ ንኣባላት ስድራቤቶም ብቴሌፎን ከይነግሩን እውን ተኸልከሉ። ሓደ ሰብ ከምዚ ዝበለ ቅልጡፍ ስጕምቲ ነዞም ሰላማውያን: መኽበርቲ ሕጊ: ዝዀኑ ዜጋታት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተንከፎም ክግምቶ ይኽእል ኢዩ!

እዚ ትርኢት እዚ ኣብቲ ጸልማት እዋን ናይ ናዚ ጀርመን ዝነበረ ኵነታት ከምኡውን ኣብ ሕብረት ሶቭየትን ምብራቕ ኤውሮጳን ዝነበረ ጨካን መዋእል ኮሚኒስት ዘዘክር ኢዩ። ሓደ ንእግረ መገዱ ንሲንጋፖር ዝበጽሕ ሰብ ኣብዛ ኣዝያ ጽርይትን ሃብታምን ዝዀነት ዘመናዊት ከተማ ከምዚ ክረክብ ኢሉ ኣይጽበን ኢዩ። ሲንጋፖር ከም ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ናይ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለታት ተኣምር ዝና ኣትሪፋ ኢያ። ናይ ዘረባ: ሃይማኖት: ከምኡውን ናይ ኣኼባ ናጽነት ዘጠቓለለ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንዜጋታቱ ዘረጋግጽ ቅዋም ዘለዎ ደሞክራሲ ኣዊጃ ኢያ።

እንተዀነ ግን: እቶም ኣብ ለካቲት እተኣስሩ ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕን ክርስትያናዊ ብጻይነት ንምምቓልን እተኣከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃኖም ጥራይ ኢዮም ግዳይ ዝዀኑ። እቲ ኣንጻሮም ዝቐረበ ክሲ “ኣብ ናይ ሓንቲ ዘይሕጋዊት ማሕበር ኣኼባ ስለ እተኻፈሉ” ዝብል ኢዩ ነይሩ።

ብርግጽ: እታ ናይ ሲንጋፖር ጉባኤ ካብቲ ወግዓዊ መዝገብ ምስ ተሓከት: ከምኡውን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱሳት ዘጠቓለለ ጽሑፋት ምስ ተኣገደ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1972 ኣትሒዞም ኣብ ሲንጋፖር ሕጋዊ ተፈላጥነት ተኸሊኦም ኢዮም። ነቲ እቲ ስጕምቲ እቲ እተወስደሉ ግምታት መልሲ ንምሃብ ኣጋጣሚ ኣይተፈቕደን። ኣብዚ ቐረባ እዋን: ንሕጋውነት ናይዚ ወግዓዊ ኣድልዎ እዚ: ኣብ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ለካቲት 1994: እተኸልከለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብምሓዞም እተፈርዱ ኣርባዕተ መሰኻኽር: ኣብ ናይ ሲንጋፖር ኣብያተ ፍርድታት መልሲ ተዋሂብሉ ኢዩ። ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊኦም እተወስደ ፍርዲ ዝቐረበ ይግባይ ኣብ ነሓሰ 1994 ተሰምዐ ብቕልጡፍ ድማ ተሰረዘ። ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ላዕለዋይ ዳኛ ዮን ፔን ሃው ኣብታ እትስዕብ ወርሒ ርእይቶኡ ሃበ። ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዘይነበረ እቲ ፍርዲ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣባላቶም ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ስለ ዘይሳተፉ ንሃገራዊ ድሕነት ስግኣት ኢዮም ኣብ ዝብል ስለ እተመርኰሰ ምኽኑይ ኢዩ ነይሩ ብምባል ፍርዱ ሃበ። ብ17 ለካቲት 1994: እዞም ኣርባዕተ መሰኻኽር ነዚ ዘይቅኑዕ ውሳኔ ናብቲ ናይ ሲንጋፖር ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክብሉ ፍቓድ ሓተቱ። ግናኸ እቲ ሕቶ ተነጽገ።

እዚ ናይ መወዳእታ ውሳኔ እዚ ኣብቲ መንግስቲ ዝቈጻጸሮ ናይ ሲንጋፖር ጋዜጣ ጕሉሕ ቦታ ተዋህቦ። ብዘይጥርጥር እዚ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔን እቲ ዝሰዓበ ኣብ ጋዜጣ ምሕታምን ጽላሎት ናይቲ ዝሰዓበ ፍጻመታት ነበረ። ኣብ ውሽጢ ሰሙን እቶም 69 መሰኻኽር ተኣስሩ። ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ካብዚኣቶም ዝቐረበ ክሲ​—⁠ዜጋታት ብሪጣንያ: ፈረንሳ: ከምኡውን ላክሰምበርግ​—⁠ብተኸታታሊ ተሰረዘ። ይኹን እምበር: እቲ ተመኵሮ ነዚኣቶም ዘርዕድ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኣብ ሲንጋፖር ንብዙሕ ዓመታት እተቐመጠን ዝሰርሐን ኢዩ። ስርሖምን እተኻረይዎ ገዛን ሰኣኑ: ከምኡውን ንብዙሓት ናይ ቀረባ ኣዕሩኾም ክፋነውዎም ተገደዱ።

እቶም ዝተረፉ 63 በጽሕታት ድማ ኣባላት ናይ ሓንቲ እተኣገደት ማሕበር ብምዃኖን ገሊኦም እውን እተኸልከለ ጽሑፋት ብምሓዞምን ኢዮም ተኸሲሶም ነይሮም። ዝለዓለ ናይ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ወይ $3,000: ናይ ሲንጋፖር ዶላር ($2,100: ናይ ኣመሪካ ዶላር) መቕጻዕቲ ወይ ድማ ክልቲኡ ተቐበሉ። እተን ክልተ ደቂ 15 ዓመት ኣዋልድ ነንበይነን ኣብ ናይ መንእሰያት ቤት ፍርዲ ቀረባ።

ንሃገራዊ መንነትን ሓድነትን ዘስግኡ ኣይኰኑን

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ከባቢ ዓለም: ኣብተን ዝነብሩለን ልዕሊ 200 ዝዀና ዓድታት: ከም ምቕሉላትን እሙናትን ኣኽበርቲ ሕግን ኢዮም ዝፍለጡ። ንሳቶም በቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ናዕቢ: ጸረ መንግስቲ ምንቅስቓስ​—⁠ምስጓግ: ወይ ምውጋድ ከስዕበሎም ዝኽእል ዘይክርስትያናዊ ተግባር​—⁠ንኸይሳተፉ ዘለዎም ጽኑዕ እምቢታ እተፈልጡ ኢዮም። ብሓቂ: መንግስቲ ሲንጋፖር ካብኣቶም ዝፈርሃሉ ነገር የብሉን። ነቲ ናይ ሲንጋፖር ሃገራዊ ድሕነት ወይ ናይ ሃገራዊ መንነትን ሓድነትን ስምዒት ብዝዀነ መገዲ ዘስግኡ ኣይኰኑን። (ሮሜ 13:​1-7) እዚ ኣብቲ ብዕለት 21 መጋቢት 1995 ካብ ሚልተን. ጂ. ሄንሸል ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዓኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሲንጋፖር ጎ ቾክ ቶን እተላእከ ደብዳበ ብብሩህ ተገሊጹ ኢዩ። እዚ ደብዳበ እዚ ንጥቕሚ ኣንበብትና ተባሂሉ ኣብዚ ተቐዲሑ ኣሎ።

ኣብ ስራሕ: ኣብ መንግስቲ: ከምኡውን ኣብ ብሕታዊ ክፋላት ማሕበረ ሰብ ሓርነት ዘፍቅሩ ሰባት: እዚ ኵነታት እዚ ከመይ ኢሉ ኣብ ሲንጋፖር ከም ዝማዕበለ ብተገዳስነት ክዕዘብዎ ኢዮም። መንግስቲ ሲንጋፖር ምስቲ ብናቱ ቅዋምን ብኣህጉራዊ ናይ ሃገራት ማሕበረሰብን እተደገፈ ናይ ሰብ መሰረታዊ መሰላትን ናጽነታትን ብምስምማዕ ክዓዪ ድዩ፧ ብሓቂ: ኣብ ከባቢ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቶም ኣብ ሲንጋፖር ዘለዉ ኣምለኽቲ ብጾቶም ኣዕሚቖም ኢዮም ዝግደሱ። ኣብ ጸሎቶም ይዝክርዎም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ “እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ: ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን” ዝብል መረጋገጺ ኸኣ ይዝክርዎ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 37:⁠28

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዞም 69 ሰባት ካብ እተኣስርሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ: ካልኦት 11 መሰኻኽር ተኣሲሮምን ዘይሕጋዊ ጽሑፋት ሒዝኩም ተባሂሎም ተኸሲሶምን ኢዮም።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]

21 መጋቢት 1995

Goh Chok Tong

Prime Minister

Istana Annexe

Singapore 0923

Republic Of Singapore

Lee [Pron: lē] Kuan [Pron: kwȧn] Yew [Pron: yiu̇]

Senior Minister

Prime Minister’s Office

460 Alexandra Road

37-00 PSA Bldg

Singapore 0511

Republic of Singapore

ክቡራት ሚኒስተራት:-

ብዕለት 25 ለካቲት 1995: ካብ ሲንጋፖር እተረኽበ ናይ ቀረባ እዋን ናይ ሮይተርስ ፈነወ ኣዝዩ ዘሰምብድ ኢዩ ነይሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኣኼባ ብፖሊስ ተቛሪጹ: 69 ሰባት ከኣ ተኣሲሮም ዝብል ኢዩ ነይሩ። እዚ ጸብጻብ እዚ: ኣብቲ ንጥፈታቶምን ጽሑፋቶምን ንልዕሊ 20 ዓመታት እተኣገደሉ ሲንጋፖር ዘሎ ኵነታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ኢዩ።

ልዕሊ 200 ኣብ ዝዀና ሃገራት ናይ ሕጊ ምሉእ ዕቝባ እናረኸበ ብግልጺ ዝዓዪ ሃይማኖታዊ ማሕበር: ኣብ ሲንጋፖር: ኣብ ሓንቲ ንመምርሒታት ደሞክራሲ እትድግፍ ሃገር ስለምንታይ ክእገድ ከም ዘለዎ ንኽትርድኦ ዘጸግም ኢዩ። ብዓይኒ እቲ ንዜጋታቱ ናጽነት ኣምልኾ ዝህብ ናይ ሲንጋፖር ቅዋማዊ ዋሕስ ክርአ ከሎ ድማ ኣዝዩ ዘሰምብድ ኢዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝዀነ ቦታ ንሃገራዊ ድሕነት ፈጺሞም ስግኣት ኣየምጽኡን ኢዮም። ብርግጽ: ኣብ ምልእቲ ዓለም ሰላማውያን: ጻዕረኛታት: ብስነ-ምግባር ዝመጸ ቅኑዓት: ከምኡውን ኣኽበርቲ ሕጊ ብምዃኖም ጽቡቕ ስም ዘትረፉ ኢዮም: እዚ ኣብ ሃገርኩም ክህሉ እትደፍእሉ ባህርያት ምዃኑ ርግጸኛ ኢየ።

ሓቂ ኢዩ ብምኽንያት እቲ ንክርስትያናት ዝኸውን መምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ጽኑዕ ደገፍ: መርገጽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ምርዳእ ወይ ጌጋ ትርጕም ረኺቡ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ብጌጋ ኣንጻር “ቄሳር:” በቲ ግዜኡ ዝነበረ መንግስቲ: ከም ዝዀነ እተወስደ ናይ ክርስትና መስራትስ ከምኡዶ ኣይኰነን ዘጋጠሞ፧ ብሓጺሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነት የሱስን ቀዳሞት ክርስትያናትን ኢዮም ዝስዕቡ። ኣብቲ ዝነብርሉ ቦታ ንዘሎ መንግስቲ የኽብሩ: ግብሪ ይኸፍሉ: ከምኡውን ጽቡቕ ስነ-ምግባር የተባብዑ። ሕልና ዘለዎምን ቅኑዓትን ዜጋታት ኢዮም። ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃገር ኣብ ዝዀነ ዓይነት ናይ ናዕቢ ምንቅስቓሳት ኣይካፈሉን ኢዮም: ኣብ ሲንጋፖር ምህላዎም ድማ ንሃገራዊ ረብሓታት ሃገርኩም ስግኣት ከም ዘየምጽእ ከረጋግጸልኩም እኽእል ኢየ።

ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጻባት: እቲ ብመንግስትኹም ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተወስደ ጸቓጢ ስጕምቲ ሕጂ ኵሉ ፈሊጡዎ ኢዩ። ብፍላይ ነቶም ኣብ ከባቢ ዓለም ዝርከቡ 12 ሚልዮን ዝዀኑ መተሓብርቶም ድማ ኣገዳሲ ጉዳይ ኢዩ። ነቲ ዘሎኩም ጽቡቕ ስልጣን ነቲ ኵነታት ንምህዳእ ክትጥቀምሉን ነቶም ኣብ ሃገርኩም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብቕዋም እተረጋገጸ ናይ ኣምልኾን ሕልናን ናጽነት ክትህብዎም እሓትት።

ምስ ወከልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግሁድ ምይይጥ ምግባር: ንማሕበርናን ንጥፈታትናን ዝምልከት ዝዀነ ዓይነት ጌጋ ምርዳእ ንምውጋድ ከም ዝሕግዝ እኣምን ኢየ: ከምኡውን መንግስቲ ሲንጋፖር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈርሃሉ ዝዀነ ምኽንያት ከም ዘይብሉ ደጊመ አረጋግጸልኩም። ንኸምዚ ዝበለ ኣኼባ ክምድብ ሕጉስ ኢየ።

መልስኹም ብተስፋ እጽበ።

ኣኽባሪኹም:

ሚልተን ጂ. ሄንሸል

ፕረዚደንት

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Nik Wheeler/H. Armstrong Roberts

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ