“ንፋስ ኣብ ዝነፈሶ” ምስ ዝኸውን
“ሓደ ሰብ ኣበየናይ ወደብ ከም ዝዓርፍ ዘይፈልጥ ምስ ዝኸውን: ንፋስ ኣብ ዝነፈሶ ኢዩ ዝኸይድ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነብር ዝነበረ ሮማዊ ፈላስፋ ሉክዩስ ኤንያስ ሰኔካ: ነቲ ህይወት ኣንፈት ንኽህልዋ ሸቶታት ኣድለይቲ ኢዮም ዝብል ነዊሕ ዝጸንሐ ሓቂ ዝድግፋ ኢየን።
ይኹን እምበር: ህይወት መብዛሕትኡ ግዜ ዕላማ ዘይብላ ኢያ። ብዙሓት ነቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘጋጥም ኣኻውሕን ዘራጊቶ ማይን ብምልጋስ ጥራይ ይዓግቡ። ፍሉጥ ማኣዝን ስለ ዘይብሎም ከምቲ “ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን” ማዕበል ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። (ያእቆብ 1:6 ) ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት “ንፋስ ኣብ ዝነፈሶ” ዓይነት ሰባት ኢዮም።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት ናይቶም ሸቶ ዝነበሮም ሰባት ይጠቅስ ኢዩ: በዚ ድማ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከም ናይ ስራሕ ኣብነት ኰይኖም የገልግሉ ኢዮም። ሙሴ “ናብቲ ዓስቢ ጠመተ።” (እብራውያን 11:26 ) ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ዓስቢ ምእንቲ ክረክብ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ እጐዪ ኣሎኹ።” ነቶም ብጾቱ ኣመንቲ ድማ “እዚ ሓሳብ እዚ ይሃልኹም” ኢሉ ኣተባብዖም።—ፊልጲ 3:14, 15፣ “ቱደይ’ስ ኤንግሊሽ ቨርሽን። ”
ኣዒንትና ናብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ነቒሕና ብምጥማት: እምነት ናይዞም ሸቶ ዝነበሮም ሰባት እንቐድሕ ይግበረና።—ምስ እብራውያን 13:7 ኣነጻጽሮ።