ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/10 ገጽ 25-28
  • ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትካ ሓልዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትካ ሓልዎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ህጹጽነት ፍሉይ እዋናት
  • ህጹጽነት ኣብ ግዜ ክርስትና
  • እዚ ህጹጽነት እዚ ኣብ ዘይቦታኡ ውዒሉ ድዩ፧
  • ንህጹጽነት ዝኸውን ተወሳኺ መተባብዒ
  • ናይ ህጹጽነት ኣወንታዊ ሳዕቤን
  • ናይ ህጹጽነት መንፈስካ ኣይተጥፍእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንስብከት ብዚምልከት ናይ ህጽጹነት መንፈስ እነማዕብለሉ መገድታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐናእ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/10 ገጽ 25-28

ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትካ ሓልዎ

ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ምእንቲ ክትቅጽል: ሓደ ርግጽ: ኣምላኽ ዝሰምሮ መገዲ እንታይ ኢዩ፧ ቅኑዕ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣብ ውሽጢ ኣልባብና ምህላው ኢዩ። ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍሲ ምግልጋል ማለት ብዅልንትናና ንዕኡ ምግልጋል: እዚ ድማ ነቲ ክንገብሮ ዝሓተና ዝዀነ ይኹን ነገር ልባውን ምውልዋል ዘይብሉን ተኣዛዝነት ይሓትት።

ነብዪ ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል “ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” ኢሉ ክእዝዞም ከሎ ነዚ ኣድላይነት እዚ ኣጕሊሕዎ ኢዩ። (ዘዳግም 6:⁠5) ዘበናት ጸኒሑ እዛ ትእዛዝ እዚኣ ብየሱስ ክርስቶስ ተደጊማ ነበረት:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:37) ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን “ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ” ክገብርዎ ክዛረቦም ከሎ: ንሰብ ቈሎሴ ድማ “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ” ብምባል ክምዕዶም ከሎ ነዚ ተደላይነት እዚ ኢዩ ዝኣመተ።​—⁠ኤፌሶን 6:6፣ ቈሎሴ 3:⁠23

ይኹን እምበር: ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣብ ውሽጥና እንተድኣ ዘይብልና ወይ ድማ እቲ ሓደ ግዜ ዝነበረና ናይ ህጹጽነት ስምዒት ሕጂ ምስ ዝሃስስ​—⁠ምናልባትውን ኵሉ ጠፊኡ ይኸውን​—⁠ልብናን ነፍስናን ናብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከነቕርቦ ኣጸጋሚ ኢዩ። ሎሚ: ኣብ ታሪኽ ሰብ ምስ ዝነበረ ዝዀነ እዋን ክወዳደር ኣብ ዘይክእል ናይ ህጹጽነት ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና።

ናይ ህጹጽነት ፍሉይ እዋናት

ኣብቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ግዜያት እተፈላለዩ ናይ ህጹጽነት እዋናት ነይሮም ኢዮም። መዓልትታት ኖህን እቶም ናብ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ዘምርሑ እዋናትን ብርግጽ ናይ ሓቀኛ ህጹጽነት ግዜያት ኢዮም ነይሮም። (2 ጴጥሮስ 2:​5, 6፣ ይሁዳ 7) እቲ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ዓመታት ብዘይጥርጥር ብህጹጽ ንጥፈታት ዝመልአ ኢዩ ነይሩ። ሽሕ’ኳ ኖህን ስድራቤቱን እቲ መዓት ብልክዕ መዓስ ከም ዝጅምር እንተ ዘይፈለጥዎ: ‘ኣምላኻዊ ፍርሃቶም’ ከም ዘይተደናጐዩ ኣረጋጊጹ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 11:⁠7

ብተመሳሳሊ: ቅድሚ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን: እቶም መላእኽቲ ‘ንሎጥ ሃወኽዎ’ “ነፍስኻ ኣድሕን” ድማ በልዎ። (ዘፍጥረት 19:​15, 17) እወ: ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እውን: ህጹጽነት ጻድቕ ነፍሳት ኣድሒኑ ኢዩ። ዘበናት ጸኒሑ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ “ርሓቑ: ርሓቑ: ካብዚ ውጹ: ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ: . . . ካብ ማእከል ውጹ” ብምባል ተማዒዶም ነይሮም ኢዮም። (ኢሳይያስ 52:11) ብ537 ቅ.ኣ.ዘ.: 200,000 ዝዀኑ ምሩኻት ነቲ ህጹጽ ትንቢታዊ ትእዛዝ ብምሕላው ካብ ባቢሎን ብቕልጡፍ ወጹ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት ዝነበረ ናይ ህጹጽነት ስምዒት: በቶም ኣብ ህጹጽ እዋን ይነብሩ ከም ዝነበሩ እተሰምዖምን ጽኑዕ እምነት ዝነበሮምን ሰባት ናይ ምሉእ ነፍሲ ኣገልግሎት ኣፍርዩ ኢዩ።

ህጹጽነት ኣብ ግዜ ክርስትና

ኣብ ብምሉኡ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት: ናይ ህጹጽነት መቓልሓት ክስማዕ ይከኣል ኢዩ። “ንቕሑ:” “ተጠንቀቑ:” “እተዳሎኹም ኩኑ:”​—⁠እዚ ዅሉ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰዓብቱ ግቡእ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ንምስራጽ እተጠቕመሉ መግለጺታት ኢዩ። (ማቴዎስ 24:​42-44፣ ማርቆስ 13:​32-37) ብተወሳኺ: ነተን ዓሰርተ ደናግል: ነቲ እኩይ ባርያ: ነቲ መክሊት: ከምኡውን ነቲ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ምፍልላይ: ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምስላታት ኵሉ: ትጽቢት ዘለዓዕልን ናይ ህጹጽነት ስምዒት ዝፈጥርን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 25:​1, 14, 15, 32, 33

የሱስ ብዛዕባ ህጹጽነት ተዛሪቡ ጥራይ ዘይኰነስ ንሓቅነት ቃላቱ ብህጹጽነት ብምዕያይ ደጊፍዎ እውን ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እቶም ጭፍራ ሰባት ክሕዝዎ ምስ ፈተኑ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ: ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በሎም። (ሉቃስ 4:​42, 43) ብተወሳኺ: ንደቀ መዛሙርቱ ‘እቲ እኽሊ ብዙሕ ዓየይቲ ግና ሒደት ብምዃኖም’ ንጐይታ እቲ እኽሊ ንእኽሉ ዝያዳ ዓየይቲ ክልእከሉ ክልምንዎ ኣተባብዖም። (ማቴዎስ 9:​37, 38) ከምዚ ዝበለ ንኣምላኽ ዝግበር ጸሎት ዝመልኦ ልማኖ ብርግጽ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ዝገልጽ ኢዩ።

እዚ ህጹጽነት እዚ ኣብ ዘይቦታኡ ውዒሉ ድዩ፧

ገለ ሰባት: እቲ ኣቐዲሙ ተዘሪብሉ ዝነበረ “ዓቢ ጸበባ” (ትሓዓ) ዘበናት ተሪፍዎ እንተድኣ ነይሩ: ሽዑ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣድላዪ ዝነበረስ ስለምንታይ ኢዩ፧ ዝብል ርትዓዊ ሕቶ የልዕሉ ይዀኑ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠21

ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዕዮ ስብከትን ምምሃርን ትሑዛት ምእንቲ ክዀኑ ኢሉ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላ ከም ዘይነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ክንድኡ: ናይዚ ንህጹጽነት ዝምልከት ምኽሩ መሰረት: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮ ፍቕሪ: ከምኡውን ናይቲ የሆዋ ብዛዕባ ግዜ ዘለዎ ኣረኣእያ ዝነበሮ ፍጹም ምርዳእ ኢዩ ነይሩ። እወ: ክርስቶስ የሱስ ፍቓድ የሆዋ ከምቲ ዕላማ ኣምላኽ ገይርካ ንምፍጻም ናይ ህጹጽነት መንፈስ ከም ዘድሊ ይፈልጥ ኢዩ። ብተወሳኺ: ደቀ መዛሙርቱ ክሳዕ ግዜ ምምላሱ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ብምሓዝ ንገዛእ ርእሶም ብመንፈስ ከም ዝጥቀሙ ይፈልጥ ኢዩ።

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ እተወሰነ ግዜ ዓለምለኻዊ ናይ ስብከት ዕዮ ክፍጸም ምዃኑ ብንጹር ሓቢሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ ማርቆስ 13:10) እቲ ዝቕጽል ደረጃታት ናይዚ መዝነት እዚ: እቲ ዕዮ ምስ ተጋህደ ጥራይ ኢዩ እተገልጸ። ይኹን እምበር ንነፍሲ ወከፍ ደረጃ ንምፍጻም ህጹጽነት ኣድልዩ ኢዩ። የሱስ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ክብል ከሎ ናይዚ መዝነት እዚ ቀጻልነት ሓቢሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኢዩ እቲ መዝነት ክሳዕ እዚ እዋን እዚ ግሁድ ኰይኑ ዘሎ። እዚ ኣብቲ ናይ ግዜ ጕዕዞ ንዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓድሓደ ግዜ ናይ ምርዳእ ምትዕርራያት ክገብሩ ይሓቶም ብምንባሩ ይገርሞም ነይሩ ኢዩ።

ናይ ክርስትያን ስምዒት ህጹጽነት ንዕላማ የሆዋ ኣገልጊሉ ኢዩ። ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንቐጻልነት መዝነቶም ብመሰረት እቲ ዘይጋገ መደብ የሆዋ ንኽፍጽሙ ሓጊዝዎም ኢዩ። ሎሚውን: ንልዕሊ ኣስታት 2,000 ዝኸውን ዓመታት ምልስ ኢልና ብምርኣይ: ነቲ መለኮታዊ መደብ እቲ ዝያዳ ኢና እንርድኦ።

ናይ ክርስትያን ህጹጽነት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ የሩሳሌም: ይሁዳ: ሰማርያ: ከምኡውን ነቶም ቅድሚ 36 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ፍሉይ ስምረት ክዕጾ ምስ ቀረበ: ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣይሁድ ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ ሓጊዝዎም ኢዩ። (ዳንኤል 9:27፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:​46, 47) ብተመሳሳሊ: ናይ ክርስትያን ህጹጽነት ነታ ቀዳመይቲ ጉባኤ: ንዅሎም እቶም ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣገባቦም ክውዳእ ዝነበሮ ኣይሁድ ንጹር መጠንቀቕታ ንምሃብ ሓጊዙዋ ኢዩ። (ሉቃስ 19:​43, 44፣ ቈሎሴ 1:​5, 6, 23) ከምኡውን ነቶም ናይ መጀመርታ መሰኻኽር ክርስቶስ: እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ብሃንደበት ድሕሪ ምውድኡ: እቲ ኣቐዲሙ እተዘርበሉ ክሕደት ብልሹው ጕልባቡ ቅድሚ ምዝርግሑ: ነቲ ሰማያዊ ተስፋ ንኽእውጁ ሓጊዝዎም ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2) ድሕርዚ: ኣብ ኵሉ እቲ ዘበናት ጸልማት መዋእል: ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ: እቶም ስርናይ መሰል ሒደት ክርስትያናት ንተስፋ ናይታ መንግስቲ ህያው ገይሮም ሓዝዎ። (ማቴዎስ 13:​28-30) ኣብ መወዳእታ: ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ: የሆዋ: በቲ ነቶም ኣብዚ ናይ መወዳእታ ወለዶ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ዝኸውን ህጹጽ ናይ ፍርዲ መልእኽቱ እተደረኸት ሓያል: ዘመናዊት ጉባኤ ኣተንስአ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠34

ልክዕ ከምቲ ናይ ጥንቲ ዳንኤል: እሙናት ዘመናውያን መሰኻኽር ኣምላኽ: “እንታይ ትገብር ኔርካ፧” ኢሎም ብምሕታት ንየሆዋ ክምርምርዎ ፈጺሞም ኣይደፍሩን ኢዮም። (ዳንኤል 4:35 ትሓዓ) የሆዋ ዕዮኡ ልክዕ ኣብ መደቡ ንኽግበር እንታይ ከም ዘድሊ ይፈልጥ ምዃኑ ርግጸኛታት ኢዮም። ስለዚ: ኣብ ክንዲ ነቲ ንነገራት ዝሰርዓሉ መገዲ የሆዋ ዝጥርጥርዎ: ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን እዚ ኣምላኽ ምስኡ ኰይኖም ክዓዩ ኣጋጣሚ ስለ ዝሃቦም ሕጉሳት ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 3:⁠9

ንህጹጽነት ዝኸውን ተወሳኺ መተባብዒ

ናይ ህጹጽነት ካልእ ምኽንያት ድማ ነታ ልክዕ መዓልትን ሰዓትን ናይቲ ሃንደበታዊ ምብራዕ ዓቢ ጸበባ ፈሊና ክንፈልጣ ዘይምኽኣልና ኢዩ። ክርስቶስ የሱስ ነታ ምጅማር ናይቲ ዘየላቡ ኵነታት ዝዀነት: ኣቐዲማ እተመደበት መዓልትን ሰዓትን ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝዀነ ሰብ ከም ዘይፈልጣ ርግጸኛ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:36) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ነቶም ህንጡያት ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ “ኣቦ ብስ⁠ልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠7) እወ: እቲ ውጽኢት ንጹር ኢዩ: ይኹን እምበር ኵሉ እቲ ዝርዝር ክንፈልጥ ናትና ኣይኰነን።

ሃዋርያ ጳውሎስ ናይ ህጹጽነት ቅኑዕ ኣረኣእያ ነበሮ። ንሰብ ተሰሎንቄ “ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ” ብምባል ብዛዕባ ህላዌ ክርስቶስ ክጽሕፈሎም ከሎ: ምናልባት ቃላት የሱስ ዘኪሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠1) ንሱ ነዛ ደብዳበ እዚኣ: የሱስ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ድሕሪ ምባሉ ገለ 17 ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ ጽሒፍዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) ኣብቲ እዋን እቲ ልዕሊ እዚ ስለ ዘይተገልጸ: ልዕሊ እዚ ክጻሓፍ ኣይተኻእለን። ይኹን እምበር ክርስትያናት ጌና ብህጹጽ እናሰበኹ ከለዉ: መዓልቲ የሆዋ ብርግጽ “ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ” ከም እትመጽእ ክተኣማመኑ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠2

ነዚ ቃላት እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናት: መዓልቲ የሆዋ ዘበናት ተሪፍዋ ኣሎ ኢሎም ክሓስቡ ዘይመስል ኢዩ ነይሩ። ሓቂ ኢዩ: ነቲ ንርሑቕ ሃገር ዝኸደ ንጉስን ንወጻኢ ዝገሸ ሰብኣይን ዝምልከት ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታታት ይፈልጥዎ ኢዮም። እቲ ምሳልያዊ ዛንታታት: እቲ ንጉስ “ኣብ መወዳእታ:” (ትሓዓ ) እቲ ገያሻይ ድማ “ድሕሪ ብዙሕ ዘመን” ክምለሱ ምዃኖም ከም ዝሕብር እውን ይፈልጡ ኢዮም። ይኹን እምበር “መወዳእታ” መዓስ ኢዩ፧ “ድሕሪ ብዙሕ ዘመን”ከ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ዓሰርተ ዓመት፧ ዕስራ ዓመት፧ ሓምሳ ዓመት፧ ወይስ ካብኡ ዝነውሐ፧ ዝብሉ ሕቶታት ብርግጽ ኣደንጽዮምዎም ኢዮም። (ሉቃስ 19:​12, 15፣ ማቴዎስ 25:​14, 19) “ንስኻትኩም ድማ: ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: እተዳሎኹም ኩኑ” ዝብል ናይ የሱስ ቃላት ኣብ ኣእዛኖም ምድዋል ክቕጽል ነበሮ።​—⁠ሉቃስ 12:⁠40

ናይ ህጹጽነት ኣወንታዊ ሳዕቤን

እወ: ኣምላኽ ዝቐስቀሶ ናይ ህጹጽነት ስምዒት: ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ ስብከትን ምምሃርን ትሑዛት ክዀኑ ብምሕጋዝ: ኣብቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ክርስትያናት ድንቂ ዝዀነ ዘተባብዕ ሳዕቤን ነበሮ። ንኣና ድማ ብብዙሕ መገድታት ምትብባዕ ቀጺሉ ኢዩ። ቅሱናት ወይ ‘ንሰናይ ግብሪ ዝስልክዩ’ ካብ ምዃን ሓልዩና ኢዩ። (ገላትያ 6:​9) ኣብ ዓለምን ኣብቲ ሰላሕታዊ ፍቕረ-ንዋያን ከይንጥሕል ይከላኸለልና። ንኣእምሮና ኣብቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ከም ዘተኵር ይገብሮ። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ጐይታ የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ከም ‘ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ’ ክዀኑ ምዃኖም ተዛሪቡ ኢዩ: ከምኡውን ንዓለም ምእንቲ ክንቃለሳ ቈራጽን ጽኑዕን ኣመለኻኽታ ክንሕዝ ከም ዘድልየና ይፈልጥ ኢዩ። እወ: በቲ ናይ ክርስትያን ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ተሓሊናን ተዓቝብናን ኢና።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠16

የሆዋ ኣምላኽ ኣገልገልቱ ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒቶም ህያው ገይሮም ምእንቲ ክሕዝዎ በቲ ማእለያ ዘይብሉ ጥበቡ ገይሩ ኵሉ ግዜ እኹል ሓበሬታ ይህቦም ኢዩ ዘሎ። ብሕያውነት ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ብልሽው ኣገባብ ንነብር ከም ዘሎና ኣረጋጊጹልና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) እዚ እንነብረሉ ዘሎና ወለዶ በቲ ፍጻሜኡ ኣብ ሃር-ማጌዶን ዝዀነ ዓቢ ጸበባ ክሳዕ ዝውዳእ ከም ብርሃናት ኴንና ከነንጸባርቕ ከም ዝግብኣና ብቐጻሊ ተዘኻኺርና ኢና።​—⁠ፊልጲ 2:15፣ ራእይ 7:14፣ 16:⁠14, 16

እወ: ኣምላኻዊ ናይ ህጹጽነት ስምዒት: ዘይንጸል ክፍሊ ናይቲ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሲ ዝቐርብ ኣገልግሎት ኢዩ። ነቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘ንምድካምን ነፍሳቶም ንምሕላልን’ ዝቐርብ ናይ ድያብሎስ ፈተናታት የርሕቖ ንምክልኻሉ ድማ ይሕግዝ ኢዩ። (እብራውያን 12:⁠3) ንዘለኣለም: ናይ ምሉእ ነፍሲ ተወፋይነት ንኣገልገልቲ የሆዋ ንእኡ ከም ዝእዘዝዎ ክገብሮም ኢዩ: ይኹን እምበር: ሕጂ: ኣብዚ ቅድሚ ኣርማጌዶን ዘሎ መዓልትታት ዓሚቝ: ሓቀኛ ናይ ህጹጽነት ስምዒት: ናይ ምሉእ ነፍሲ ተወፋይነት ኣገዳሲ ክፍሊ ኢዩ።

ነቲ “ኣሜን: ጐይታና የሱስ: ንዓ” ዝብል ናይ ሃዋርያ ዮሃንስ ቃላት ምቅላሕ እናቐጸልና ከሎና: ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ምእንቲ ክንሕሉ የሆዋ ኣምላኽና ይሓግዘና።​—⁠ራእይ 22:⁠20

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ