ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/9 ገጽ 26-29
  • ማሶራውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ማሶራውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስድራቤት ቤን ኣሸር
  • ዕዙዝ ዝዀነ ምዝካር የድሊ ነይሩ
  • እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም፧
  • ካብቲ ናታቶም ስራሕ ምጥቃም
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልእኽቱ ንምጥዋይ ብእተገብረ ፈተነ ኣይጠፍአን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ካባታቶም እንታይ ክትምሃሩ ትኽእሉ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • እቲ መጽሓፍ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ፧
    ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/9 ገጽ 26-29

ማሶራውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧

የሆዋ እቲ “ኣምላኽ ሓቂ:” ንቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዓቂብዎ ኢዩ። (መዝሙር 31:⁠5) እንተዀነ ግና ሰይጣን: እቲ ጻላኢ ሓቂ: ከበላሽዎን ከጥፍኦን ስለ ዝፈተነ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኢዩ ከምቲ መጀመርያ እተጻሕፎ ኰይኑ ኣባና ክበጽሕ ዝኸኣለ፧​—⁠ማቴዎስ 13:⁠39 ርአ።

ክፋል ናይቲ መልሲ ኣብቲ ብሮበርት ጎርዲስ እተዋህበ ሓሳባት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና:- “ዓወት ናይ [እቶም] ማሶራውያን ወይ ‘ዓቀብቲ ልምዲ’ ዝበሃሉ እብራውያን ጸሓፍቲ: ከምቲ ዝግባእ ሞሳ ኣይተዋህበሉን። እዞም ስሞም ዘይተጠቕሱ ጸሓፍቲ: ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብጥንቃቐን ብፍቕራዊ ሓልዮትን ቀዲሖምዎ ኢዮም።” ሽሕ’ኳ መብዛሕትኦም ካብዞም ቀዳሕቲ ስሞም ሎሚ ንኣና ዘይፍለጥ እንተዀነ: ስም ናይ ሓንቲ ስድራቤት ናይ ማሶራውያን​—⁠ቤን ኣሸር​—⁠ግን ብልክዕ ተመዝጊቡ ኣሎ። ብዛዕብኦምን ብዛዕባ ማሶራውያን ብጾቶምን እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

ስድራቤት ቤን ኣሸር

እቲ ብመጀመርያ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ: መብዛሕትኡ ግዜ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ በዞም ኣይሁዳውያን ጸሓፍቲ ኢዩ ብተኣማንነት ተቐዲሑ። ካብ ሻድሻይ ክሳብ ዓስራይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ.: እዞም ቀዳሕቲ እዚኣቶም ማሶራውያን ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። ስርሖም እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ፧

ንዘበናት ዝኣክል እብራይስጢ ብተነበብቲ ጥራይ ኢዩ ዝጸሓፍ ነይሩ: እቶም ኣናበብቲ በቲ ኣንባቢ ኢዮም ዝውሰኹ ነይሮም። ይኹን እምበር: ኣብ ግዜ ማሶራውያን መብዛሕትኦም ኣይሁዳውያን ምልከት ናይቲ ቋንቋ ስለ ዘይነበሮም: እቲ ግቡእ ኣደማምጻ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ጠፊኡ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ባቢሎንን እስራኤልን ዝነበሩ ጕጅለ ማሶራውያን ኣብቲ ከባቢ ናይቶም ተነበብቲ ዝኣትዉ ኣገባብ ኣዘራርባን ግቡእ ኣደማምጻን ናይቶም ኣናበብቲ ዝሕብሩ ምልክታት መሃዙ። እንተ ወሓደ ሰለስተ እተፈላለየ ኣገባባት ማዕበለ: እንተዀነ ግና እቲ ዝያዳ ጽልዋ ዝነበሮ እቲ ናይቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ጢበርያስ: ዓዲ ናይ ስድራቤት ቤን ኣሸር ዝነበሩ ኢዩ ነይሩ።

ምንጭታት ካብዛ ፍልይቲ ስድራቤት እዚኣ ካብቲ ኣብ ሻሙናይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እቲ ቦኽሪ ዝነበረ ኣሸር ጀሚርካ ሓሙሽተ ወለዶታት ናይ ማሶራውያን ይዝርዝሩ። እቶም ካልኦት ነህምያህ ቤን ኣሸር: ኣሸር ቤን ነህምያህ: ሞሰስ ቤን ኣሸር: መጨረሽታ ድማ እቲ ኣብ ዓስራይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ኤረን ቤን ሞሰስ ቤን ኣሸር ኢዮም።a እዞም ሰባት እዚኣቶም: ናይቶም ነቲ ግቡእ ኣደማምጻ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ: በቲ ዝነበሮም ምርዳእ ብዝበለጸ ክገልጾ ይኽእል ኢዩ ኢሎም ዝኣመንሉ ናይ ጽሑፍ ምልክታት ዘዐርዩ ዝነበሩ ሰባት: መራሕቲ ኢዮም ነይሮም። ነዞም ምልክታት እዚኣቶም ምእንቲ ከማዕብሉ: ነቲ ናይ እብራይስጢ መሰረት ስዋስዋዊ ኣገባብ እብራይስጢ ክውስንዎ ነበሮም። ንሰዋሱው እብራይስጢ ዝኸውን እተመዝገበ ናይ መምርሒ ኣገባብ ፈጺሙ ኣይነበረን። ስለዚ: ሓደ ሰብ ማሶራውያን ካብ መንጎ እቶም ናይ መጀመርያ ናይ እብራይስጢ ክኢላታት ሰዋስው ኢዮም ነይሮም ክብል ይኽእል ኢዩ።

ኤረን: እቲ ካብ ናይ ቤን ኣሸር ስድራቤት ናይ መጨረሽታ ማሶራዊ: ነዚ ሓበሬታ እዚ ብመጀመርያ ዝመዝገበን ዘዳለወን ኢዩ። ከምኡ ዝገበረ ድማ ኣብታ “ሰፈር ዲክዱከይ ሃ-ተ‘እሚም:” ዘርእስታ ናይ መጀመርያ ናይ እብራይስጢ ስዋስዋዊ መምርሒታት ዝሓዘት መጽሓፉ ኢዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብቲ ቀጺሉ ዝመጸ ዘበናት ነቲ ናይ ካልኦት ብዙሓት እብራውያን ክኢላታት ሰዋስው መጻሕፍቲ መሰረት ኰይና ኢያ። እንተዀነ ግና: እዚኣ ካልእ ውጽኢት ናይተን ኣዝየን ኣገደስቲ መጻሓፍቲ ናይ ማሶራውያን ኢያ። እዚኸ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

ዕዙዝ ዝዀነ ምዝካር የድሊ ነይሩ

ንማሶራውያን እቲ ቀንዲ ዘገድሶም ዝነበረ ነፍሲ ወከፍ ቃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ፊደል እውን ከይተረፈ: ብልክዕ ምትሕልላፍ ኢዩ ነይሩ። ማሶራውያን: ልክዕነት ንምርግጋጽ: በቶም ቀዳሞት ቀዳሕቲ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ እተገብረ ለውጢ ንምምዝጋብ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ዘሎ ናይ ጐድኒ ሕድጋት ተጠቕምሉ። ማሶራውያን: ኣብዚ ናይ ሕድጋት መዘኻኸሪታት ናይ ዘይልሙዳት ቃላት ኣሰራርዓን ምትሕውዋስን: ኣብቲ መጽሓፍ ወይ ኣብ ብምልኡ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንደይ ግዜ ከም ዝርከቡ እውን ኣመልኪቶም ኢዮም። እቲ ቦታ ውሱን ስለ ዝነበረ እዞም ርእይቶታት እዚኣቶም ኣዝዩ ብዝሓጸረ ኣገባብ ኢዮም ዝምዝገቡ ነይሮም። ከም ተወሳኺ ካብ እተፈላለየ ኵርናዓት መወከሲ ድማ ነታ ማእከለይቲ ቃልን ፊደልን ናይ ገለ መጽሓፍቲ የመልክቱላ ነበሩ። ብልክዕ ከም እተቐድሐ ንምርግጋጽ ድማ ክሳብ ነፍሲ ወከፍ ፊደል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ምቝጻር በጺሖም ኢዮም።

ማሶራውያን: ኣብቲ ናይ ላዕልን ታሕትን ሕድጋት ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ጐድኒ ሕድጋት ዘሎ ብሓጺር እተጻሕፈ መዘኻኸሪ ሰፊሕ ሓሳባት ጽሒፎም ኢዮም።b እዚ ድማ ንጽሑፎም ካብ እተፈላለየ ኵርናዓት ኣብ ምምርማር ሓጋዚ ኢዩ ነይሩ። ሽዑ: እቲ ጽሑፍ ቍጽሪ ስለ ዘይነበሮ ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተርታ ናይ ፊደላት ዝነግር መጽሓፍ ስለ ዘይነበረ: ብኸመይ ኢዮም ማሶራውያን ካብ እተፈላለየ ኵርናዓት ዝምርምርዎ ነይሮም፧ እቲ ቃል ወይ ቃላት ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣበይ ከም ዝርከብ ንኸዘኻኽሮም ገለ ክፍሊ ናይቲ ተመሳሳሊ ሓሳባት ዘለዎ ጥቕሲ ኣብቲ ናይ ላዕልን ታሕትን ሕድጋት ይጽሕፉ ነበሩ። ብምኽንያት ድሩትነት ናይ ቦታ: መብዛሕትኡ ግዜ ተመሳሳሊ ሓሳባት ንዘለዎ ጥቕሲ: ምእንቲ ከተዘኻኽሮም መፍትሒት ዝዀነት ሓንቲ ቃል ኢዮም ዝጽሕፉ ነይሮም። እዞም ናይ ሕድጋት መዘኻኸሪታት ጠቐምቲ ምእንቲ ክዀኑ: እዞም ቀዳሕቲ እዚኣቶም ንብምሉኡ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ግድን ክሽምድድዎ ነበሮም።

እቶም ኣብቲ ሕድጋት ክኣትዉ ኣዝዮም ነዋሕቲ ዝዀኑ ዝርዝራት ድማ ናብ ካልእ ክፍሊ ናይቲ ኢደ-ጽሑፍ ይግዕዙ ነበሩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ዘፍጥረት 18:3 ኣብ ናይ ጐድኒ ሕድጋት ዘሎ ማሶራዊ መዘኻኸሪ ሰለስተ ናይ እብራይስጢ ፊደላት קלד ኢዩ ዘርኢ። እዚ ድማ ማዕረ ናይ እብራይስጢ 134 ቍጽሪ ኢዩ። ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይቲ ኢደ-ጽሑፍ ድማ እቶም ቅድሚ ማሶራውያን ዝነበሩ ቀዳሕቲ ኰነ ኢሎም “ጐይታ” ዝብል ብምትካእ ንስም የሆዋ ካብቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ዘልገስዎ 134 ቦታታት ዝሕብር ዝርዝር ይርከብ።c ሽሕ’ኳ እቲ ለውጥታት እንተ ተረድእዎ: ማሶራውያን ነቲ እተረከብዎ ጽሑፍ ንምልዋጥ ዝነበሮም ሓርነት ኣይተጠቕምሉን። ኣብ ክንድኡስ: ነዞም ለውጥታት እዚኣቶም ኣብቲ ናይ ሕድጋት መዘኻኸሪታቶም ኣመልከትዎም። እንተዀነ ግና: እቶም ቀዳሞት ቀዳሕቲ ለዊጦም ክንሶም: ስለምንታይ ኢዮም ማሶራውያን ንኸይልውጥዎ ክሳዕ ክንድዚ ልዑል ጥንቃቐ ዝገ⁠በሩ፧ እቲ ዝነበሮም ናይ ኣይሁድ እምነት ካብቲ ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ እተፈልየ ድዩ ነይሩ፧

እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም፧

ኣብዚ ናይ ማሶራዊ ምዕባለ እዋን: ኣይሁድነት ኣብ ሓደ ሱር ዝሰደደ ስነ-ሓሳባዊ ቃልሲ ኢዩ ጥሒሉ ነይሩ። ካብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ እቲ ናይ ራቢ ኣይሁድነት ቍጽጽሩ ይውስኽ ነይሩ ኢዩ። ምስ ምጽሓፍ ናይ ታልሙድን ተኸተልቲ ራቢ ዝወሃብ ትርጕማትን: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ደድሕሪ እቲ ናይ ራቢ ትርጕም ናይቲ ቃል ሕጊ ኰነ።d ስለዚ ድማ: እቲ ጥንቁቕ ምዕቃብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ኣድላይነቱ ክጠፍእ ይኽእል ነይሩ ማለት ኢዩ።

ኣብ ሻሙናይ ክፍለ ዘበን: ካረይትስ እተባህሉ ጕጅለ ኣንጻር እዚ ኣንፈት እዚ ዓለዉ። ኣድላይነት ናይ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጕላሕ ድማ: ነቲ ስልጣንን ትርጕምን ናይ ራቢን ታልሙድን ነጸግዎ። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ጥራይ ከኣ ከም በዓል ስልጣኖም ገይሮም ተቐበልዎ። እዚ ድማ ንልክዕ ምትሕልላፍ ናይቲ ጽሑፍ ኣድላይነት ወሰኸሉ: ከምኡውን ናይ ማሶራውያን መጽናዕቲ እተሓደሰ ድፍኢት ረኸበ።

እቲ ናይ ራቢ ወይ ናይ ካረይት እምነት ንማሶራውያን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጸልይዎም፧ እቲ ናይ እብራይስጢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት ፈላጥ ኤም. ኤች. ጎሸን-ጎትስተይን እተባህለ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቶም ማሶራውያን . . . ናይ ቀደም ልምዲ ይዕቅቡ ከም ዝነበሩ: ከምኡውን ኰነ ኢልካ ነቲ ስራሕ ምትዕንቓፍ ንዕኦም እቲ ዝኸፍአ ገበን ምፍጻም ማለት ከም ዝዀነ ኣሚኖም ነይሮም ኢዮም።”

ማሶራውያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ገይርካ ምቕዳሕ ከም ቅዱስ ስራሕ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። ሽሕ’ኳ ብብሕቶም ብኻልእ ሃይማኖታዊ ሓሳባት ኣዝዮም እተለዓዓሉ እንተ ነበሩ: እቲ ማሶራዊ ስራሕ ልዕሊ ስነ-ሓሳባዊ ክርክራት ከም ዝዀነ ኢዩ ዝመስል ነይሩ። እቲ ሓጺርን ንጹርን ናይ ሕድጋት መዘኻኸሪታት ንስነ-ሓሳባዊ ክትዓት ዕድል ዝህብ ኣይነበረን። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ኣብ ህይወቶም እቲ ዘገድሶም ኢዩ ነይሩ፣ ኣብኡ ጠልቀፍቀፍ ኣይብሉን ኢዮም።

ካብቲ ናታቶም ስራሕ ምጥቃም

ሽሕ’ኳ ብትውልዲ እስራኤል: ናይ ኣምላኽ ሕሩያት ህዝቢ ካብ ምዃን እንተ ኣቋረጹ: እዞም ኣይሁዳውያን ቀዳሕቲ እዚኣቶም ንቃል ኣምላኽ ብልክዕ ንምዕቃብ ምሉእ ብምሉእ እተወፈዩ ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 21:​42-44፣ 23:​37, 38) እቲ ዓወት ናይ ቤን ኣሸር ስድራቤትን ካልኦት ማሶራውያንን ብሮበረት ጎርዲስ ብጽቡቕ ተጠቓሊሉ ቀሪቡ ኣሎ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዞም ትሑታት ግን ዘይሕለሉ ሰራሕተኛታት . . . ነቲ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ምጥፋእ ወይ ለውጢ ናይ ምክልኻል ከቢድ ስርሖም ብሕቡእ ኢዮም ፈጺሞም።” (ዘ ባይቢልካል ቴክስት ኢን ዘ ሜኪንግ ) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቶም ናይ መበል 16 ክፍለ ዘበን ከም ሉተርን ቴንድልን ዝኣመሰሉ ጸገንቲ ነቲ ዝነበረ ሕጊ ናይ ቤተ-ክርስትያን ብምጥሓስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ምእንቲ ከንብቦ ናብቲ ተራ ቋንቋ ክትርጕምዎ ከለዉ: ንስርሖም ከም መሰረት ንኽጥቀምሉ ብግቡእ እተዓቀበ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ነይርዎም ኢዩ።

እቲ ስራሕ ናይ ማሶራውያን ሎሚውን ንዓና ይጠቅም ኢዩ። እቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋቶም ነቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት መሰረት ዘቕውም ኢዩ። እዚ ትርጕም እዚ በቶም ናይ ቀደም ማሶራውያን እተራእየ ብሓደ ዓይነት ናይ ተወፋይነት መንፈስን ንልክዕነት ብምግዳስን ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ምትርጓም ይቕጽል ኣሎ። ነቲ ቃል የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ምቕላብ ተመሳሳሊ ዝዀነ መንፈስ ብምርኣይ ሰናይ ንገብር።​—⁠2 ጴጥሮስ 1:⁠19

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብእብራይስጢ “ቤን” ማለት “ወዲ” ማለት ኢዩ። ስለዚ ቤን ኣሸር ማለት “ወዲ ኣሸር” ማለት ኢዩ።

b እቲ ኣብ ናይ ጐድኒ ሕድጋት ዘሎ ማሶራዊ መዘኻኸሪ ንእሽቶ ማሶራ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። እቲ ኣብ ናይ ላዕልን ታሕትን ሕድጋት ዘሎ መዘኻኸሪ ድማ ዓብዪ ማሶራ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። እቲ ኣብ ካልእ ናይቲ ኢደ-ጽሑፍ ዘሎ ዝርዝር ድማ ናይ መወዳእታ ማሶራ ይበሃል።

c ኣብቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምስ መወከሲታቱ: “ኣፔንዴክስ ” 1B ርአ።

d ብዛዕባ እቲ ናይ ቃል ሕግን ናይ ራቢ ኣይሁድነትን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተጻሕፈት ውግእ ዘይብላ ዓለምሲ ክትህሉዶ ትኸው⁠ን፧ እትብል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ገጽ 8-11 ርአ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ኣገባብ ኣደማምጻ እብራይስጢ

ንኣናበብቲ ምልክታትን ናይ ኣዘራርባ ምልክታትን እቲ ዝበለጸ ናይ ምምዝጋብ መገዲ ምድላይ ኣብ መንጎ ማሶራውያን ብዙሕ ዘበናት ዝወሰደ ኢዩ። ስለዚ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ናይ ቤን ኣሸር ስድራቤት ቀጻሊ ምዕባለ ምርኣይ ዘገርም ኣይኰነን። ሕጂ ዘሎ ኢደ-ጽሑፍ ናይቶም ናይ መጨረሽታ ማሶራውያን ስድራቤት ቤን ኣሸር: ሞሰስን ኤረንን: ጥራይ ዝውክል ኣገባብን መገድን ኢዩ።e ተነጻጻሪ ዝዀነ መጽናዕቲ ናይዞም ኢደ-ጽሑፋት እዚኣቶም ኤረን ካብቲ ናይ ኣቦኡ: ሞሰስ: እተፈልየ ገለ ንኣሽቱ ነጥብታት ናይ ኣደማምጻን ምልክትን ከም ዘማዕበለ የርኢ።

ቤን ናፍታሊ ኣብ ግዜ ኤረን ቤን ኣሸር ዝነበረ ኢዩ። እቲ ናይ ሞሰስ ቤን ኣሸር ናይ ካይሮ ናይ ኢደ-ጽሑፍ መጽሓፍ: ናይ ቤን ናፍታሊ መለለዪ ዝዀነ ብዙሕ ትርጕም ዝሓዘ ኢዩ። ስለዚ: ወይ ቤን ናፍታሊ ኣብ ትሕቲ ሞሰስ ቤን ኣሸር ኰይኑ ኣጽኒዑ ኣሎ: ወይ ድማ ክልቲኦም ኣዝዩ ናይ ቀደም ልሙድ ልምዲ ዓቂቦም ኣለዉ ማለት ኢዩ። ብዙሓት ምሁራት ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ቤን ኣሸርን ቤን ናፍታሊን ዘሎ ፍልልይ ይዛረቡ ኢዮም: እንተዀነ ግና: ኤም. ኤች. ጎሸን-ጎትስተይን ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ብዛዕባ እተን ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ቤን ኣሸር ዘለዋ ክልተ ንኡሳን ኣገባባት ምዝራብ ከምኡውን እቲ ናይ ትርጕማተን ምውድዳር ቤን ኣሸር ምስ ቤን ኣሸር ኢልካ ምስያሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን።” ስለዚ ብዛዕባ ሓንቲ ንጽል መገዲ ናይ ቤን ኣሸር ምዝራብ ልክዕ ኣይኰነን። እታ ናይ ኤረን ቤን ኣሸር መገዲ: እታ ናይ መጨረሽታ ቅብልቲ ኣሰራርዓ ዝዀነትሉ በቲ ባህርያዊ ልዕልነት ኣይኰነትን። እቲ ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘበን ዝነበረ ናይ ታልሙድ ምሁር ሞሰስ ማይሞኒደስ ስለ ዝሞገሳ ጥራይ ኢያ ናይ ኤረን ቤን ኣሸር ጽሕፍቲ ዝያዳ ቅብልቲ ዝዀነት።

[Artwork​—Hebrew characters]

ምስ ኣናበብትን ብዘይኣናበብትን ከምኡውን ብመለለዪን ብዘይመለለዪን ምልክታት እተጻሕፈ ክፍሊ ናይ ዘጸኣት 6:2

[እግረ-ጽሑፍ]

e እቲ ናይ ቀዳሞትን ዳሕሮትን ነብያት ጥራይ ዝሓዘ ናይ ካይሮ ናይ ኢደ-ጽሑፍ መጽሓፍ (895 ከ.ኣ.ዘ.): ናይ ሞሰስ ናይ ኣጸሓሕፋ መገዲ ዘርኢ ኣብነት ኢዩ። እቶም ናይ ኣሌፖ (ከባቢ 930 ከ.ኣ.ዘ.) ከምኡውን ሌኒንግራድ (1008 ከ.ኣ.ዘ.) ናይ ኢደ-ጽሑፍ መጻሕፍቲ ድማ ናይ ኤረን ቤን ኣሸር ናይ ኣጸሓሕፋ መገዲ ኣብነት ዘርእዩ ኢዮም ተባሂሎም ኢዮም ዝሕሰቡ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ጢበርያስ: እታ ካብ ሻሙናይ ክሳብ ዓስራይ ክፍለ ዘበናት ሕምብርቲ ናይ ማሶራዊ ንጥፈታት ዝነበረት

[ምንጪ ስእሊ]

ስእላዊ መዛግብ (ጥቓ ምብራቓዊ ታሪኽ ) ምብራቕ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ