ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/9 ገጽ 24-25
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከባቢ ዓለም--ህንዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከባቢ ዓለም--ህንዲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ንጽፉፍ ኣምልኾ ጽኑዕ ምዃን
  • ንደም ዝምልከት ሕጊ ኣምላኽ ምእዛዝ ዓስቢ ረኸበ
  • ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ተቐቢለዮ
    ንቕሑ!—2003
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/9 ገጽ 24-25

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከባቢ ዓለም—ህንዲ

ህንዲ! እዛ ዓባይ ሓውሲ ክፍለ⁠-​ዓ⁠ለም እዚኣ: ኣብዛ ፕላኔት እዚኣ ዘለዉ ካብ ነፍሲ ወከፍ 6 ሰባት ናይ 1 ሰብ መንበሪ ኢያ። ኣብዛ እተፈላለዩ ህዝብታት ዘለውዋ ሃገር እዚኣ: ንዅሉ ጸባጺብካ ልዕሊ 1,000 ዝኸውን ቋንቋታትን ድያለክትን ኣለዉ። ካብቶም ህዝቢ ዝበዝሑ: 83 ካብ ሚእቲ: ሂንዱ: እቶም 11 ካብ ሚእቲ ድማ ኣስላም ክዀኑ ከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣመንቲ ሲክ: ቡድሃ: ጀይን: ከምኡውን ስመ-ክርስትያን ኢዮም።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ህንዲ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዑል ዝዀነ ዓወታት ኢዮም ዘስተማቕሩ ዘለዉ። ኵሉ ዓይነት ጸቕጥታትን ተጻራርነትን ከሎ: ኣብ ወገን መንግስቲ የሆዋ ጽኑዕ ኣቕዋም ዝሕዙ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ይረኽቡ ኣለዉ።

ንኣብነት: ሓንቲ ኣብ ናይ ሂንዱ ኦርቶዶክስ ስድራቤት ዘላ ጓል ካብ ቝልዕነታ ጀሚራ ብሕማም ፖልዮ ዝሰንከለት ኢያ። እቲ ዘሕለፈቶ ስቓይ ድማ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማ ህይወትን ከም እትሓስብ ገበራ። መልሲ ደልያ ብዙሓት ሃይማኖታት መርመረት: እንተዀነ ግና ምንም ምጽንናዕ ኣይረኸበትን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ዋላ’ኳ ኣብ ኣምላኽ ዝነበራ እምነት እንተ ዘየጥፍአት ኣብ ሃይማኖት ዝነበራ እምነት ግና ኣጥፍአት።

ከምዚ ኢላ እንከላ ክልተ መሰኻኽር ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎቶም ክገብሩ ከለዉ ነዛ ጓል እዚኣ ረኸብዋ። ንሳ “ራእይ 21:​4 ከንብቡ ምስ ሰማዕክዎም ነባዕኩ” ብምባል ትዝክር። ብዙሕ ካብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ተቐበለት ከምኡውን ናይ ኣዲኣ ምጽራር እናተጋጠማ ከሎ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት። እታ ጓል ኣብ ህይወታ ብዙሕ ለውጥታት ገበረት: ንናይ ቤተሰብ ምጽራር ብትብዓት ብምቅዋም ድማ ጥምቕቲ ምስክር ኰነት። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ብዙሕ ለውጥታት ኢየ ገይረ: ከቢድ ለውጥታት ከኣ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ምሳይ ኢዩ: ከምኡውን ዓቢ ሰላምን ሓጐስን ይህበኒ ኢዩ።”

ኣብ ቤት ትምህርቲ ንጽፉፍ ኣምልኾ ጽኑዕ ምዃን

ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ: መምህራ ምስቶም ደቂ ክፍላ ሓቢራ ኣብቲ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ክትከይድ ነገረታ። እታ ሓብቲ ብትሕትና ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃና ከምኡውን ብዘይካ ንየሆዋ ንዝዀነ ሰብ ወይ ካልእ ነገር ከም ዘይተምልኽ ገለጸትላ። እታ መምህር ግና ኵሎም ናብቲ ቤተ-ክርስትያን እናኸዱ ንስኺውን ክትከዲ ኣሎኪ በለታ። እታ ሓብቲ ግን ጸንዐት ከምኡውን እቶም ናብቲ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ዘለዉ ናብ የሆዋ ስለ ዘይጽልዩ: ንሳ ኣብኡ ክትካፈል ከም ዘይትኽእል ትፈልጥ ምዃና ገለጸት።

ብምኽንያት ናይታ ጓል ጽንዓት ድማ መምህራ ዝያዳ ክትፈልጥ ደለየት። ስለዚ ድማ ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ እታ ሓብቲ ብዛዕባ ኣምልኾ የሆዋ እትዛረብ ግምቢ ዘብዐኛ ሃበታ። እታ መምህር በቲ ዘንበበቶ ተመሲጣ: ካብ ኵሉ እቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝግበር ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ናጻ ኣውጽኣታ። እታ ሓብቲ ነታ መምህርን ንኻልኦት መምህራንን ዓሰርተ መጽሔታት ክትዕድል ከኣለት።

ንደም ዝምልከት ሕጊ ኣምላኽ ምእዛዝ ዓስቢ ረኸበ

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ገለ ክፍልታት ምምሕዳር ከራላ ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ሕማም ከም ተላጋቢ ኰይኑ ተባርዐ። እዚ ሕማም እዚ ንኵሊት ኣዝዩ ዝሃሲ ኰይኑ ድያሊሲስ እተባህለ ናይ ሕክምና ኣገባብ ከም እትጥቀም ዝገብር ኢዩ። ምትሕልላፍ ደም ምጥቃም ከኣ ልሙድ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ከተማ 14 ሰባት በዚ ሕማም እዚ ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታል ኣተዉ። ሓደ ካብዞም ሕሙማት ምስክር ናይታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤ ሽማግለ ኢዩ። እቲ ዘሎ እንኮ ሕክምና ድማ ደም ምትሕልላፍ ምዃኑ ተነግሮ። እቲ ሽማግለ: ቅዱስ ጽሑፋዊ እምነቱ ገለጸሎም ከምኡውን ደም ምውሳድ ብጽኑዕ ተቓወሞ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:​28, 29) ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ ድማ እቶም ሓካይም ምውሳድ ደም ስለ ዝኣበየ ክመውት ኢዩ በሉ።

እቶም ካልኦት 13 ሕሙማት ደም ወሰዱ። እቲ ዘሕዝን ድማ: ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ኵሎም ሞቱ። እቲ ሓው ጥራይ ንበይኑ ደሓነ! እቶም ናይቲ ሆስፒታል ሓለፍቲ ኣዝዩ ደንጸዎም። እቶም ናይ ሕክምና ቤት ጽሕፈት ኣባላት በቲ እቶም ኣባላት ናይቲ ጉባኤ ዝገብርዎ ዝነበሩ ስርዓታዊ ምብጻሕ ኣጸቢቖም ተተንከፉ። እቲ ሓው ካብቲ ሆስፒታል ምስ ወጸ: ነቶም ዶክተራት ከመስግኖም ከደ: ንሳቶም ግና “ስለምንታይ ኢኻ እተመስግነና፧ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣመስግን። ዘድሓነካ ንሱ እምበር ንሕና ኣይኰንናን። በጃኻ ንዓናውን ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ጸልየልና” በልዎ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን]

ሓጺር ጸብጻብ ሃገር

ናይ 1994 ዓመት ኣገልግሎት

ዝለዓለ ቍጽሪ መሰኻኽር:- 14,271

መጠነ ዝምድና:- 1 ምስክር ን65,266

ተኣከብቲ ዝኽሪ:- 38,192

ገምጋም ፓይነር ኣስፋሕቲ:- 1,780

ገምጋም ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ:- 12,453

ቍጽሪ ጥሙቓት:- 1,312

ቍጽሪ ጉባኤታት:- 410

ጨንፈር ቤት ጽሕፈት:- ሎናቭላ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጨንፈር ቤት ጽሕፈት: ሎናቭላ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ምስቲ ብ1963 እተገብረ “ዘለኣለማዊ ብስራት” ዘርእስቱ ዓቢ ኣኼባ ብምትሕሓዝ እተገብረ ምስክርነት

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ደልሂ ካብቲ ሬድ ፎረት ወጻኢ ንዘሎ ሸቃጣይ እናተሰብከሉ ከሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ