ክርስትያናዊ ህይወት
ካባታቶም እንታይ ክትምሃሩ ትኽእሉ፧
ሓድሽ እተሸምካ ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ዲኻ፧ ካልኦት ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ዘይብሎም ክእለትን ዓለማዊ ትምህርትን ይህልወካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ካብ ከም እዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ኰነ ብምኽንያት ዕድመ ምድፋእን ጸገም ጥዕናን ሓላፍነት ስድራ ቤትን ኣገልገልቲ ጉባኤ ወይ ሽማግለታት ኰይኖም ምግልጋል ደው ካብ ዘበሉ ኣሕዋት፡ ብዙሕ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።
ነታ ንምኩራት ሰባት ኣኽብሮም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
1. ሓውና ሪቻርድ ንሓውና ቤሎ ኸም ዜኽብሮ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
2. በን እንታይ ጌጋ እዩ ፈጺሙ፧ ስለምንታይከ፧
3. በን ካብ ኣብነት ኤልሳእ እተማህረ ብኸመይ እዩ፧
4. ሓው ኩን ሓብቲ ብዘየገድስ፡ ተመክሮ ንዘለዎም ክርስትያናት ብጾት ኣኽብሮት ከተርእዮምን ካባታቶም ክትምሃርን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧