ንኣምላኽ ዝፈርሃ ናይ ቀደም ስድራቤታት ንግዜና ዝዀና ኣብነት
ስድራቤት—ሕቡራት ሃገራት ናይ ዓለም ኣቓልቦ ከም እትስሕብ ክትገብራ ፈቲና ኢያ። ብኸመይ፧ 1994 “ኣህጕራዊ ዓመት ስድራቤት” ክትከውን ብምእዋጅ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ናይ ዓለም መራሕቲ: ብዛዕባ ማሕበረሰብ ዘጽንዑ ሰባት: ከምኡውን ናይ ስድራቤት ኣማኸርቲ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ከም እኒ ብዘይ ሕጊ ምውላድን ብናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ቝጸሪ ናይ ፍትሕን ንምስቁርቋር ቅልጡፋት እንተዀኑ: ንኸምዚኦም ዝበሉ ግድላት ተግባራውን ቅቡልን ዝዀነ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ግና ዝሒሎም ኢዮም።
መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ስድራቤት ግድል መፍትሒ ይህልዎ ዶዀን ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ሎሚ ዘለዋ ስድራቤታት ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ ምባል ንገሊኣቶም የዋህነት ክመስሎም ይኽእል ኢዩ። ቅድም ቀዳድም: ብዙሕ ዘበናት ይገብር ኣብ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ቦታን ባህልን እተጻሕፈ ኢዩ። ካብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሩ ድማ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለም ናብራ ቅልጡፍ ለውጥታት ኢዩ ዝገብር ዘሎ። እንተዀነ ግና: መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ካብኡ ዝስመ የሆዋ ኣምላኽ ብመንፈስ እተጸሓፈ ኢዩ። (ኤፌሶን 3:14, 15፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ስድራቤት ግድላት እንታይ ይብል፧
የሆዋ: ናብራ ስድራቤት ዘሐጕስን ዘዕግብን ምእንቲ ክኸውን እቲ ዘድሊ ብልክዕ ይፈልጦ ኢዩ። ስለዚ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ ናብራ ስድራቤት: ገለ ብመልክዕ ምዕዶ ገይሩ: ብዙሕ ዝብሎ ነገር ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ናይተን ኣምላኻዊ ስርዓታት ኣብ ተግባር ዘውዓላ ስድራቤታት እውን ዝሓዘ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ናይ ሓቂ ምቅርራብን ዕግበትን ኣስተማቒረን ኢየን። ነቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ስድራቤት ንተዓዘብ እሞ: ካብኡ እንታይ ትምህርቲ ክንማሃር ከም እንኽእል ንርአ።
ርእስነት—ጸገም ዝፈጥር ድዩ፧
ንኣብነት: ንዅነታት ርእስነት ስድራቤት እስከ ሕሰብ። ኣብ ግዜ ኣበው ከም ኣብራሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ዝኣመሰሉ “ርእሲ [ስድራቤት ትሓዓ ]” ከም ዝነበሩ ዘካትዕ ኣይኰነን። (ግብሪ ሃዋርያት 7:8, 9፣ እብራውያን 7:4) እታ ብራልፍ ጎወር እተጻሕፈት ዘ ኒው ማነርስ ኤንድ ካስተምስ ኦፍ ባይብል ታይምስ (ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሓድሽ ወግዕታትን ልምድታትን) እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ስድራቤት . . . ብኣቦ እትግዛእ ‘ንእሽቶ መንግስቲ’ ኢያ ነይራ። ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ: ውሉዳት: ደቂ ደቂ: ከምኡውን ኣገልገልቲ—ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ገዛ ዝነበረ ኵሉ ይገዝእ ነበረ።” ብርግጽ: ኣበው መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ ናይ ደቆም ስድራቤት እውን ከይተረፈ ስልጣን ነይርዎም ኢዩ።—ምስ ዘፍጥረት 42:37 ኣነጻጽሮ።
እሞ እዝስ ሰብኡት ደቆምን ኣንስቶምን ክጭቍኑ ፍቓድ ዝህብዶ ኣይኰነን፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን። ሓቂ ኢዩ: ኣምላኽ ነታ ናይ መጀመርያ ሰበይቲ: ሄዋን: “ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ: ንሱውን ኪመልከኪ እዩ” ኢልዋ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:16) እዘን ቃላት እዚኣተን: ብጠቕላላ ምርዑዋት ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ክዀና ከም ዘለወን ዝሕብራ ደኣ እምበር: ኣብ መንጎ ሓቀኛታት ኣምላኽቲ ኣምላኽ ኵነታት ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝገልጻ ኣይኰናን። ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰብኡት: ነቲ ናይ መጀመርያ ዕላማ የሆዋ ክዝክርዎ ነይርዎም ኢዩ። የሆዋ ሰበይቲ ንሰብኣይ ባርያኡ ክትከውን ዘይኰነስ “[ከም መመላእታኡ ትሓዓ ] . . . ደጋፊት” ክትከውን ኢዩ ሰሪሕዋ። (ዘፍጥረት 2:20) እቶም ቀደም ዝነበሩ ናይ ኣምላኽ ሰባት: ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ምዃኖምን ንዕኡ ድማ ጸብጻብ ከም ዝህቡን ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ንስልጣኖም ብዘይ ግቡእ ኣይጥቀምሉን ኢዮም ነይሮም። ንኣምላኽ ዝፈርሁ ኣበው: ነንስቶምን ደቆምን ዝሕዝዎም ዝነበሩ ከም ባሮት ገይሮም ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ፍቕርን ምፍታውን የርእይዎም ነይሮም ኢዮም።
መርኣያ ናይቲ ውሉዳት ኵሉ ግዜ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ምፍታው ኣብ ዘፍጥረት 50:23 ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብኡ ብዛዕባ ደቂ ደቁ ንዮሴፍ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ብርኪ ዮሴፍ ተወልዱ።” እዚ ብቕልል ዝበለ መገዲ ዮሴፍ ነቶም ውሉዳት ከም ዘርኡ ገይሩ ኣፍልጦ ሂቡሎም ማለት እኳ እንተዀነ: ኣብ ብርኩ እናሰራሰረ ምፍታው ብዘለዎ ኣገባብ ምስቶም ቈልዑ ይጻወት ከም ዝነበረ ከመልክት እውን ይኽእል ኢዩ። ሎሚውን ኣቦታት ንደቆም ተመሳሳሊ ምፍታው ብምርኣይ ሰናይ ይገብሩ።
ከም ርእሲ ስድራቤት መጠን: እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ኣበው ንመንፈሳዊ ድልየት ናይ ስድራቤቶም እውን ይሓልዩ ነይሮም ኢዮም። ካብቲ ጠቕላላዊ ማይ ኣይሂ ምስ ወጹ ‘ኖህ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ: . . . ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣዕረገ።’ (ዘፍጥረት 8:20፣ ምስ እዮብ 1:5 ኣነጻጽሮ።) እቲ እሙን ርእሲ ኣቦታት ኣብርሃም ንስድራቤት ብሕታዊ መምርሒ ብምሃብ ጽቡቕ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። ንሱ ‘ብድሕሪኡ ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልዉን: ጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን: ኣዘዞም።’ (ዘፍጥረት 18:19) ስለዚ: ፍቕራዊ ርእስነት ንስምዒታውን መንፈሳውን ጥዕና ናይተን ስድራቤታት ኣስተዋጽኦ ገይሩ ኢዩ።
ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሰብኡት ነዚ ኣብነት እዚ ኢዮም ዝስዕቡ። ንስድራቤቶም ምስ ብቕዓታት ናይ ኣምላኽ ክሰማምዑ ብምሕጋዝን ባዕላቶም ድማ ሰናይ ኣብነት ብምዃንን ንኣምልኾ ኣብ ዝምልከት ነገራት ርእስነት የዘውትሩ ኢዮም። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ እብራውያን 10:24, 25) ከምቶም ኣበው: ክርስትያናት ሰብኡትን ኣቦታትን እውን ንኣባላት ስድራቤቶም ብሕታዊ መምርሒ ክህቡ ግዜ ይወስዱ ኢዮም።
ቈራጽ ስጉምቲ ምውሳድ
ያእቆብ እቲ ኣቦ: ነቲ ዝነበሮ ብዙሕ ዕዳ ንሓሙኡ ምስ ከፈሎ: ከምዚ በለ:- “ንቤተይ ደኣ ምኣዝ ክምህዝ እየ፧” (ዘፍጥረት 30:30) ልክዕ ከም ኵሎም ኣቦታት: ያእቆብ ንስድራቤቱ ዘድሊ ስጋዊ ነገራት ንምምላእ ዝነበረ ጸቕጢ ተሰሚዕዎ ኢዩ: ነዚ ንኽገብር ከኣ ኣበርቲዑ ሰሪሑ ኢዩ። ዘፍጥረት 30:43 ከምዚ ትብል:- “እቲ ሰብኣይ እቲ ድማ ኣዝዩ ሀብተመ። ብዙሓት መጓሴታትን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ነበሮ።”
ይኹን እምበር: ገለ ዓመታት ጸኒሑ: ያእቆብ ናብ ምድሪ ከንኣን ምስ ገዓዘ: ዲና ጓሉ ምስቶም ኣረማውያን ዝዀኑ ከንኣናውያን ሓደገኛ ዝዀነ ርክብ ከም ዝጀመረት ካብ ምግንዛብ ሰነፈ።a (ዘፍጥረት 34:1) ኣብ ቤቱ ሃይማኖታዊ ኣቝሑ ከም ዘሎ ምስ ፈለጠ እውን ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ሰኒፉ ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ዲና በቲ ከንኣናዊ ብዘሐዝን ምስ ተዓመጸት: ያእቆብ ቈራጽ ዝዀነ ስጕምቲ ወሲዱ ኢዩ። “ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ: ጽረዩ” ብምባል መምርሒ ሃበ።—ዘፍጥረት 35:2-4
ክርስትያን ኣቦታት ንመንፈሳውነት ናይ ስድራቤታቶም ብዝምልከት ጥንቍቓት ክዀኑ ኣለዎም። ንመንፈሳዊ ድሕንነት ናይታ ስድራቤት ክብድ ዝበለ ስግኣት ክኸውን ዝኽእል ከም ናይ ርኽሰት ጽሑፍ ወይ ዘይጥዑይ ሙዚቃ ዝኣመሰለ ኣብታ ቤት ምስ ዝህሉ: ቈራጽ ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም።
እቲ ዝገርም: ከም እኒ ሳራ: ርብቃ: ከምኡውን ራሄል ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ስድራቤት ርኡይ ዝዀነ ጽልዋ ይገብራ ነይረን ኢየን። ሽሕ’ኳ ንሰብኡተን ተገዛእቲ እንተ ነበራ: ግቡእን ኣድላይን ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ግና ተበግሶ ክወስዳ ድሕር ኣይብላን ነበራ። ንኣብነት: ዘጸኣት 4:24-26 ሙሴን ስድራቤቱን ናብ ግብጺ ክኸዱ ከለዉ: “እግዚኣብሄር [“መልኣኽ የሆዋ” ሰብዓ ሰገድ ] ተራኸቦ: ኪቐተሎውን [ንወዲ ሙሴ] ደለየ” ብምባል ትነግረና። ብርግጽ: ወዲ ሙሴ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ ሙሴ ካብ ምግዛሩ ሰኒፉ ኢዩ። ጺጶራ ቅልጡፍ ስጕምቲ ብምውሳድ ንወዳ ገዘረቶ። ስለዚ ድማ: እቲ መልኣኽ ይኺድ ሓደጎ። ክርስትያን ኣንስትውን: እቲ ኵነታት ክሳዕ ክንድዚ ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ተበግሶ ክወስዳ ይኽእላ ኢየን።
ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ ኣባታዊ መምርሒ
ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ.: እስራኤል ሃገር ምስ ኰነ: እቲ ናይ ኣበው መዋእል ኣብቅዐ። (ዘጸኣት 24:3-8) ኣቦታት ከም ርእሲ ስድራቤት ኰይኖም ምግልጋል ቀጸሉ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ስድራቤት ሕጊ ኣብ ትሕቲ ብሙሴ ገይሩ ካብ የሆዋ እተዋህበ ከምኡውን በቶም እተመዘዙ መሳፍንቲ ኣብ ተግባር ዝውዕል ዝነበረ ሃገራዊ ሕጊ ኰነ። (ዘጸኣት 18:13-26) እቲ ናይ ሌዋውያን ክህነት ድማ ነቲ ንመስዋእቲ ዝምልከት ናይ ኣምልኾ ክፍሊ ወሰዶ። ጌና ግን እቲ ኣቦ ኣገዳሲ ግደ ነበሮ። ሙሴ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” ብምባል መዓዶም።—ዘዳግም 6:6, 7
እቲ ሕጊ ብስሩዕን ብዘይስሩዕን መምርሒ ክትህበሉ እትኽል ከም ፋስጋ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ነበሮ። እታ ዕለት ፋስጋ: ኒሳን 14: ክትቀርብ ከላ እተን ናይ ኣይሁድ ስድራቤታት ነቲ ልሙድ ዝዀነ ናብ የሩሳሌም ዝግበር ጕዕዞ ይዳለዋ ነበራ። (ዘዳግም 16:16፣ ምስ ሉቃስ 2:41 ኣነጻጽሮ።) በዚ ኸምዚ ዝበለ ምድላዋት ዘይሕጐስ ቈልዓስ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧ እቲ ጕዕዞ ንገዛእ ርእሱ ዘሐጕስ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ዝናም ወቕቲ ዝውድኣሉን: ቍሪ ናይ ክረምቲ ድማ በቲ ናይ ጽድያ ጸሓይ ዝትከኣሉን ግዜ ኢዩ። እቲ ናይ ከረን ሄርሞን በረድ ክመክኽ ከሎ ድማ ነቲ ገማግም ርባ ዮርዳኖስ የጥለቕልቖ ነበረ።
ኣብቲ ጕዕዞ: እቶም ኣቦታት ንደቆም ብዛዕባ ናይ ሃገሮም ኣቀማምጣ መሬት ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ሃብታም ዝዀነ ታሪኽ ናይቲ ክሓልፍዎ ዝኽእሉ ቦታታት እውን ክምህርዎም ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። እዚ እቲ መርገምን ምርቓን ናይቲ ሕጊ እተነበበሉ ከረን ዔባልን ጌሪዚምን ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በቲ ያእቆብ ብዛዕባ ሰማይ ዝጥንቍር መሳልል ራእይ ዝረኣየሉ ቤትኤል እውን ሓሊፎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ከመይ ዝበለ ባህ ዘብል ምምይያጥ ኰን ኢዩ ዘልዕል! እቲ ጕዕዞ እናቐጸለ ክኸይድ ከሎ: ካብ ካልኦት ክፍልታት ናይታ ሃገር ዝመጻ ስድራቤታት ድማ ክሕወሳኦም ከለዋ: ኵሎም ዝሃንጽ ሕብረት የስተማቕሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ እታ ስድራቤት ኣብታ “ፍጻሜ መልክዕ” ዝዀነት የሩሳሌም ትኣቱ። (መዝሙር 50:2) ምሁር ኣልፍረድ ኣደርሺም “ብዙሓት ካብቶም ተጓዓዝቲ ካብቲ መካበብያ ናይታ ከተማ ወጻኢ ክሰፍሩ ነበሮም። እቶም ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ዝሰፈሩ ድማ ናጻ እንግዶት ይረኽቡ” ይብል። እወ: እብራውያን መንእሰያት ብዛዕባ ሕውነታዊ ምፍቃርን ምቕባል ጋሻን ማይ ዘይጠዓመ ትምህርቲ ይረኽቡ ነይሮም ኢዮም። ሎሚ እውን ኣብ ዓመት ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎም ዓበይቲ ኣኼባታት ንተመሳሳሊ ዕላማ ኢዩ ዘገልግል።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኒሳን 14 ትበጽሕ። እቲ ናይ ፋስጋ እንስሳ ይሕረድ: ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ድማ ይጥበስ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ቀረበ ድማ እታ ስድራቤት ነቲ ገንሸልን ዘይበዅዐ ቅጫን መሪር ሓምልን ትበልዕ። ብመሰረት እቲ ልምዲ ድማ ሓደ ውሉድ “እዚ ኣገልግሎትኩም እንታይ እዩ፧” ኢሉ ይሐትት። ሽዑ ኣቦታት “እዚ ነቲ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ: ኣብ ግብጺ ኣባይቲ ደቂ እሰራኤል ዝሐለፈ: ኣባይትና ድማ ዘድሐነ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ፋስጋ እዩ” ብምባል ስርዓታዊ ዝዀነ ትምህርቲ ይህቡ።—ዘጸኣት 12:26, 27፣ 13:8
ናይ እስራኤል ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ በለ:- ‘ንሰሓቕ ግዜ ኣለዎ። ንጓይላ ድማ ግዜ ኣለዎ።’ (መክብብ 3:4) እስራኤላውያን ቈልዑ ንምዝንጋዕ ግዜ ይፍቀደሎም ነይሩ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ብርግጽ ቈልዑ ኣብ ዕዳጋ ክጻወቱ ተዓዚቡ ኢዩ። (ዘካርያስ 8:5፣ ማቴዎስ 11:16) ከምኡውን እቶም ርኹባት ወለዲ ምዝማር: ምስዕሳዕ: ከምኡውን ድግስ ዘጠቓልል ዘሐጕስ ናይ ስድራቤት ምትእኽኻብ መደብ ክገብሩ ሓድሽ ነገር ኣይነበረን። (ሉቃስ 15:25) ሎሚውን ብተመሳሳሊ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ዝኸውን ጥዑይ ምዝንጋዕን ሕብረትን ኣብ ምድላው ተበግሶ ይወስዱ ኢዮም።
ኣብ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ዝነበሩ ኣዴታትን ቈልዑን
ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣዴታት እንታይ ግደ ኢዩ ዝነበረን፧ ምሳሌ 1:8 “ወደየ . . . ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” ብምባል ትእዝዝ። ኣብ ትሕቲ ናይ ሰብኣያ ሰልጣን ኰይና: ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ብኣምላኽ እተዋህባ ዘድሊ ነገራት ኣብታ ስድራቤት ኣብ ተግባር ከም ዝውዕል ትገብር። ምስ ኣረገት እውን ከይተረፈ ብደቃ ክትከብር ነበራ።—ምሳሌ 23:22
እታ ኣደ ንደቃ ኣብ ምልምማድ እውን ዓቢ ግደ ነይርዋ ኢዩ። እቲ ሕጻን ጐቢዙ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ: እታ ኣደ ምሉእ ብምሉእ ኢያ እተንከባኸቦ: እዚ ድማ ብዘይ ጥርጥር ናይ ኣደን ሕጻንን ጥብቂ ምትእስሳር የስዕብ ኢዩ። (ኢሳይያስ 49:15) ኣቦታት ነቶም ኣወዳት ሞያ ክምህርዎም ከለዉ: እተን ኣዴታት ድማ ነዋልደን ዘቤታዊ ብልሓታት ይምህርአን ነበራ። ኣዴታት ኣብቶም ኣወዳት ደቀን እውን ዓሚቝ ጽልዋ ነይሩወን ኢዩ። ንኣብነት: ልሙኤል ካብቲ “ኣዲኡ ዝመሀረቶ ንግራት” ተጠቒሙ ኢዩ።—ምሳሌ 31:1
ሓንቲ ደገኛ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ‘ንብረት ቤታ ኣብ ምሕላው’ ኣኹል ናጽነት ነይሩዋ ኢዩ። ብመሰረት ምሳሌ 31:10-31 ንቤት ዘድሊ ነገራት ትዕድግ: መሬት ትሻየጥ: ንእሽቶ ንግድ እውን ከይተረፈ ተካይድ። ንሓደ መማሰዊ ሰብኣይ “ዋጋኣ ኻብ ክቡር ዕንቊ ኣዝዩ ይኸብር”!
ነዚ ግዜ እዚ ዝኸውን ኣብነት
ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ናይ ስድራቤት ስርዓት ንስሚዒታውን መንፈሳውን ዕቤት ናይ ኵሎም እቶም ኣባላት ዝሰርሕ ኢዩ ነይሩ። ኣቦታት ንስድራቤታቶም ምእንቲ ክጠቕሙ ንስልጣኖም ብፍቕራዊ መገዲ ከዘውትርዎ ነበሮም። ኣብ ኣምልኾ መሪሕነት ክወስዱ ነበሮም። ክልቲኦም ኣቦን ኣደን ኣብ ውሉዳቶም ተገዳስነት ከርእዩ—ክምህርዎምን ከለማምድዎምን: ምስኦም ኰይኖም ከምልኹ: ከምኡውን መዘናግዒ ከዳልውሎም—ነበሮም። ንኣምላኽ ዝፈርሃ ኣዴታት ሰብኡተን ኣብ ክንዲ ስድራቤቶም ኰይኖም ተበግሶ ክወስዱ ከለዉ: ንርእስነቶም ብምኽባር ክቡራት ሓገዝቲ ኢየን ነይረን። እዙዛት ውሉድ ንወለዶምን ንየሆዋ ኣምላኽን ሓጐስ የምጽኡ ነበሩ። ብርግጽ: ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ንኣምላኽ ዝፈርሃ ስድራቤታት ንግዜና ዝዀና ብሉጻት ኣብነታት ኢየን።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ቅድሚ እዚ ግን: ያእቆብ ንስድራቤቱ ካብ ናይ ከንኣናውያን ጽልዋ ንምክልኻል ጽኑዕ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ክዝከር ዝግብኦ ኢዩ። ካብቶም ኣብ ካባቢኡ ዝነበሩ ከንኣናውያን: ብዘይጥርጥር ክፈልዮ ብዝኽእል ኣገባብ: መሰውኢ ሰሪሑ ኢዩ። (ዘፍጥረት 33:20፣ ዘጸኣት 20:24, 25) ብተወሳኺ ድማ: ድንኳኑ ካብ ከተማ ሰኬም ወጻኢ ተኸለ ከምኡውን ናይ ገዛእ ርእሱ ዔላ ኰዓተ። (ዘፍጥረት 33:18፣ ዮሃንስ 4:6, 12) ስለዚ ዲና: ያእቆብ ምስቶም ከንኣናውያን ክትሕወስ ከም ዘይደሊ ጽቡቕ ገይራ ትፈልጥ ነይራ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ስድራቤትካ ከምተን ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ንየሆዋ ዘምለኻ ስድራቤታት ሕጕስቲ ክትከውን ትኽእል’ያ