ንመጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ብሓቂ ኾይኑዎ ዘሎ ተቐበሎ
“ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም: ዚዐዪ ዘሎ: ከምቲ ብሓቂ [ኾ]ይኑዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር: ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ: ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና። ”—1 ተሰሎንቄ 2:13
1. ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዝበለጸ መጽሓፍ ዝገብሮ እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ኢዩ?
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓለም እቲ ብብዝሒ እተተርጐመን ብሰፊሑ እተዘርግሐን መጽሓፍ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ስርሓት ናይ ስነ–ጽሑፍ ምዃኑ ብዘይ ገለ ጸገም ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ኢዩ። ይኹን እምበር: ዝያዳ ዘገድስ: መጽሓፍ ቅዱስ ሞያኦም ወይ ኣብ ናብራ ህይወት ዘለዎም ቦታ ብዘየገድስ: ብናይ ነፍሲ ወከፍ ዓሌትን ወይ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ህዝቢ ብህጹጽ ዝድለ መምርሒ ዝህብ ምዃኑ ኢዩ። (ራእይ 14:6, 7) መጽሓፍ ቅዱስ: ንክልቲኡ ማለት ንኣእምሮን ልብን ብዘዕግብ ኣገባብ ገይሩ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ይምልስ:- ህይወት ሰብ: ዕላማኡ እንታይ ኢዩ? (ዘፍጥረት 1:28፣ ራእይ 4:11) ናይ ደቅሰብ መንግስታት ነባሪ ሰላምን ድሓንን ከምጽኡ ዘይከኣሉስ ስለምንታይ ኢዮም? (ኤርምያስ 10:23፣ ራእይ 13:1, 2) ሰባት ስለምንታይ ይሞቱ? (ዘፍጥረት 2:15–17፣ 3:1-6፣ ሮሜ 5:12) ኣብ ማእከል እዛ ብሽግር መሊኣ ዘላ ዓለም: ነቲ ናይ ህይወት ግድላት ብዓወት ክንዋጽኣሉ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና? (መዝሙር 119:105፣ ምሳሌ 3:5, 6) መጻኢ ግዜ እንታይ ኢዩ ሒዙልና ዘሎ?—ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 21:3–5
2. መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታትና ምሉእ ብምሉእ ሓቀኛ መልስታት ዝህብ ስለምንታይ ኢዩ?
2 መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት ብወግዒ ዝምልሾም ስለምንታይ ኢዩ? ቃል ናይ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት እኳ እንተ ኣጽሓፎ: ከምቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ብብሩህ ተጻሒፉ ዘሎ ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኢዩ’ [ትሓዓ ] እምበር ውጽኢት ናይ ብሕታዊ ትርጕም ናይ ሰብኣዊ ፍጻሜታት ኣይኰነን። “ትንቢትሲ [ናይ ዝመጹ ነገራት ኣዋጅ: መለኮታዊ ትእዛዛት: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ–ምግባር መለክዒታት] ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር: ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”—2 ጴጥሮስ 1:21
3. (ሀ) ኣብ እተፈላለየ ዓድታት ዝነብሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ልዑል ግምት ከም ዘለዎም ዘርኢ ኣብነታት ሃብ። (ለ) ውልቀ ሰባት ንቅዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ከንብቡ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ፍቓደኛታት ዝነበሩስ ስለምንታይ ኢዮም?
3 ንጥቕሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሳው: ንኽውንንዋን ከንብብዋን ኣብ ሓደጋ ናይ ማእሰርትን ሞትውን ከይተረፈ ዝወደቑ: ሒደት ኣይኰኑን። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት: ኣብቲ ሰብ ብቋንቋኡ መጽሓፍ ቅዱስ እንተደኣ ኣንቢቡ ስልጣንና ክደክም ኢዩ ብምባል ዝፈርሁ ኣቕሽሽቲ ዝነበርዋ: ዓዲ ካቶሊክ ዝኾነት እስጳኛ ተራእዩ ኢዩ፣ ኣብ ኣልባንያ እውን: ኣብ ትሕቲ ኢዘሄራዊ ግዝኣት ኣብቲ ንኹሉ ሃይማኖታዊ ጽልዋታት ንምጥፋእ ተባሂሉ ዝውሰድ ዝነበረ ኣሰቃቒ መቕጻዕትታት እዚ ሓቂ ምንባሩ ተራእዩ ኢዩ። ገና ግን ንኣምላኽ ዝፈርሁ ወልቀ ሰባት ቅድሓት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ዓቂቦም: ኣንቢቦምዎ: ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ተኻፊሎምዎ ኢዮም። ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዘክሰንሃውዘን እተባህለ መዳጐኒ ደምበ (ሽሕኳ ክልኩል እንተነበረ) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ ብጥንቃቐ ይተሓላለፍ ነበረ: እቶም ዝኽእሉ ዝነበሩ ኸኣ ንኻልኦት ምእንቲ ኸካፍልዎ ካብኡ ገለ ክፍሊ የጽንዑ ነበሩ። ኣብ 1950ታት ኣብታ ሽዑ ኮሚኒስት ዝነበረት ምብራቕ ጀርመን: እቶም ብምኽንያት እምነቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብለይቲ ምእንቲ ክንበብ: ገለ ሒደት ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓደ እሱር ናብ ካልእ እሱር ኸመሓላልፉ ከለዉ ኣብ ሓደጋ ናይ ነዊሕ ግዜ ማሕዩር ይኣትዉ ነበሩ። ከምኡ ዝገበሩስ ስለምንታይ ኢዮም? ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዝኣመኑ: ከምኡውን “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚአብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ቃል” ደኣምበር “ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር” ስለ ዝፈለጡ ኢዮም። (ዘዳግም 8:3) እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ መግለጺታት: ነቶም መሰኻኽር ሽሕኳ ኣብ ትሕቲ ዘይእመን ጭከና ተገዚኦም እንተነበሩ: ብመንፈስ ህያዋን ኰይኖም ክጸንሑ ኣኽኣሎም።
4. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራና እንታይ ቦታ ኢዩ ክህልዎ ዘለዎ?
4 መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ንመወከሲ ወይ ኣመንቲ ብጾት ንኣምልኾ ክእከቡ ከለዉ ጥራይ ንኽጥቀምሉ ኣብ እንዳ መጻሕፍቲ ዝቕመጥ መጽሓፍ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነቶም ዘጋጥሙና ኩነታት ንምርድኦም ከምኡውን እቲ ክንከደሉ ዘሎና ቅኑዕ መገዲ ምእንቲ ክሕብረና ክንጥቀመሉ ኣሎና።—መዝሙር 25:4, 5
ከተንብቦን ክትርድኦን ዘሎካ ኢዩ
5. (ሀ) ዝከኣል እንተድኣ ኾይኑስ: ነፍሲ ወከፍና እንታይ ኢዩ ከጥሪ ዘለዎ? (ለ) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ሰባት ነቲ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ኢዮም ዝረኽብዎ ዝነበሩ? (ሐ) መዝሙር 19:7–11 ነቲ ናብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ኣረኣእያ ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፎ?
5 ኣብዚ ግዜና: ቅድሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መብዛሕትኡ ዓድታት ብቀሊሉ ክርከብ ይከኣል ኢዩ: ንሕና ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ኣንባቢ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሓደ ቅዳሕ ክረክብ ነተባብዕ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፈሉ ዝነበረ ግዜ: ሓተምቲ ኣይነበራን። ብሓፈሻ ሰባት ነናቶም ብሕታዊ ቅዳሕ ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር የሆዋ ንኣገልገልቱ ነቲ እተጻሕፈ ንኽሰምዑ መደብ ሰሪዒሎም ነበረ። ስለዚ ኸአ ኢዩ: ዘጸኣት 24:7: ሙሴ እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ድሕሪ ምጽሓፉ “ነቲ መጽሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣንበቦ ” ብምባል ዝዛረብ። (ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ናይቲ ኣብ ከረን ሲናይ እተራእየ ልዕለ-ባህርይ መሰኻኽር ብምዃን: እቲ ሙሴ ዘንበበሎም ካብ ኣምላኽ ምንባሩን ነዚ ሓበሬታ እዚ ከኣ ክፈልጥዎ ከም ዘድልዮምን ተገንዘቡ። (ዘጸኣት 19:9, 16–19፣ 20:22) ንሕና እውን ነቲ ኣብ ቓል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዘሎ ክንፈልጦ የድልየና ኢዩ።—መዝሙር 19:7–11
6. (ሀ) ህዝቢ እስራኤል ናብታ ምድሪ ተስፋ ቅድሚ ምእታዎም: ሙሴ እንታይ ኢዩ ዝገበረ? (ለ) ኣብነት ናይ ሙሴ ብኸመይ ኽንቀድሖ ምኸኣልና?
6 ህዝቢ እስራኤል ነቲ ሰበኽ ሳግማዊ ናብራኦም ንድሕሪት ገዲፎም: ናብ ምድሪ ተስፋ ንኽኣትዉ ፈለግ ዮርዳኖስ ክሳገሩ ምስ ተቐረቡ: ንሕጊ የሆዋን ነቲ ንሱ ምስኦም ዝነበሮ ዝምድናን ከም ብሓድሽ ክደግምዎ ግቡእ ኢዩ ነይሩ። ሙሴ: ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ነቲ ሕጊ ደገመሎም። ንዝርዝር ናይቲ ሕጊ ኣዘኻኸሮም ከምኡውን ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ክትንክፎ ዝነበሮ ቀንዲ መምርሒታትን ኣረኣእያታትን ኣጕሊሕዎም ኢዩ። (ዘዳግም 4:9, 35፣ 7:7, 8; 8:10–14፣ 10:12, 13) ሎሚውን እንተኾነ ሓድሽ መዝነት ክንቅበል ወይ ኣብ ህይወትና ምስ ሓደሽቲ ኩነታት ክንጋጠም ከሎና እቲ ምኽሪ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ እንገብሮ ብኸመይ ክጸልዎ ከም ዘለዎ ከነስተብህል ጠቓሚ ኢዩ።
7. እስራኤላውያን ንዮርዳኖስ ድሕሪ ምስጋሮም ኣብ ዝነበረ ሓጺር እዋን ሕጊ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ንምስራጽ እንታይ ኢዩ እተገብረ?
7 እስራኤላውያን ንፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገሩ: ድሕሪ ሓጺር ግዜ: እቶም ህዝቢ ነቲ የሆዋ ብሙሴ ገይሩ እተዛረቦም ክደግሙ እንደገና ተኣከቡ። እቶም ህዝቢ ካብ የሩሳሌም ዳርጋ 50 ኪሎሜትር: ንሰሜን ኣቢሎም ኢዮም ተኣኪቦም። እቶም ነገዳት ፍርቆም ኣብ መንጽር ከረን ዔባል: ፍርቆም ከኣ ኣብ መንጽር ከረን ጌሪዚም ኢዮም ነይሮም። እያሱ ኣብቲ ቦታ “ንብዘሎ ቓላት ሕጊ: ነቲ በረኸትን መርገምን . . . ኣንበቦ።” ስለዚ ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ህጻናት ምስቶም ጓኖት ብምዃን: እዋናዊ ድግማ ናይቲ ስምረት የሆዋ ዘየውህብ ጠባያት ከምኡውን ነቲ ንየሆዋ እንተደኣ ተኣዚዞም ዝቕበልዎ በረኸታት ዝጥርንፍ ናይ ጠባይ ሕግታት ሰሚዖም ኢዮም። (እያሱ 8:34, 35) ብኣረኣእያ የሆዋ ኣየናይ ጽቡቕ አየናይ ከኣ ሕማቕ ከም ዝነበረ ኣብ ኣእምርኦም ብንጹር ክሕዝዎ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። ብተወሳኺ: ከምቲ ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ክንገብሮ ዘድልየና: ፍቕሪ ናይቲ ጽቡቕ ከምኡውን ጽልኢ ናይቲ ሕማቕ ኣብ ኣልባቦም ክቕረጽ የድልዮም ነይሩ ኢዩ።—መዝሙር 97:10፣ 119:103, 104፣ ኣሞጽ 5:15
8. ኣብ እስራኤል ኣብ ገለ ገለ ሃገራዊ ኣኼባታት እዋናዊ ንባብ ቃል ኣምላኽ ጥቕሙ እንታይ ኢዩ ነይሩ?
8 ኣብ ርእሲ እቲ ኣብቶም ታሪኻውያን ኣጋጣሚታት ዝግበር ዝነበረ ንባብ ናይቲ ሕጊ: ንስርዓታዊ ንባብ ናይ ቃል ኣምላኽ ዝኸውን ምድላዋት ኣብ ዘዳግም 31:10–12 ተሰሪዑ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሻብዓይቲ ዓመት ብምሉኡ እቲ ህዝቢ ንባብ ናይ ቃል ኣምላኽ ክሰምዕ ክእከብ ነበሮ። እዚ መንፈሳዊ ምግቢ ሂቡዎም ኢዩ። ነቲ ብዛዕባ እቲ ዘርኢ ዝነበረ መብጽዓታት ኣብ ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ህያው ከም ዝኸውን ብምግባር ነቶም እሙናት ሰባት ናብቲ መሲህ ንምምራሕ ኣገልጊሉ ኢዩ። እቲ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ኸለዉ ንመንፈሳዊ መግቢ ተባሂሉ ዝቖመ መደባት: ናብታ ምድሪ ተስፋ ኽኣትዉ ከለዉ ኣየቋረጸን። (1 ቈረንቶስ 10:3, 4) ኣብ ክንድኡ እኳደኣ ቃል ኣምላኽ ነቶም ነብያት እተዋህበ ራእያት ስለ እተወሰኾ ዝያዳ በልጺጉ ነበረ።
9. (ሀ) እስራኤላውያን ብብዝሒ ኣብ እተኣከብሉ እዋን ጥራይ ድዮም ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘንብቡ ነይሮም? ግለጽ። (ለ) ኣብ ውሽጢ ውልቃውያን ስድራቤታት እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ትእዛዝ ብኸመይ ኢዩ ዝወሃብ ነይሩ: ምስ እንታይ ዕላማኸ?
9 ድግማ ናይቲ ምኽሪ ቃል ኣምላኽ ኣብቶም እቲ ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሎም ዝነበሩ ግዚያት ጥራይ እተሓጽረ ክኸውን ኣይነበሮን። ገለ ክፍልታት ናይ ቃል ኣምላኽን እቲ ሒዙዎ ዝነበረ መምርሒታትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምምይያጥ ክግበረሉ ነይሩዎ። (ዘዳግም 6:4–9) ሎሚ ኣብ ዝበዝሐ ቦታታት: መንእሰያት ብሕታዊ ቅዳሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክህልዎም ዝከኣል ኢዩ: ከምዚ ክገብሩ ከኣ ንእኦም ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ግን ከምዚ ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ: ወለዲ ካብ ቃል ኣምላኽ መምርሒ ክህቡ ከለዉ: ኣብቲ ዘጽንዕዎ ከምኡውን ኣብ ኣልባቦም ዘሕድርዎ ሓቅታት: ምስቲ ምናልባት ብብሕቶም ዝጸሓፉዎ ንኣሽቱ ቁንጽለ–ጽሑፋት ገይሮም ኢዮም ዝሕገዙ ነይሮም። ብዘየቋርጽ ምድግጋም ገይሮም ፍቕሪ ንየሆዋን መገድታቱን ኣብ ኣልባብ ናይ ውሉዳቶም በብቕሩብ ንምህናጽ ይጽዕሩ ነበሩ። እቲ ዕላማ ፍልጠት ዝመልአ ሓንጎል ምህላው ጥራይ ዘይኰነስ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ንየሆዋን ንቓሉን ፍቕሪ ብምርኣይ በዚ መገዲ እዚ ክነብር ንምሕጋዙ ኢዩ ነይሩ።—ዘዳግም 11:18, 19, 22, 23
ኣብ ኣብያተ ጸሎት ዝግበር ንባብ ናይቲ ቅዱስ ጽሑፍ
10, 11. ኣብቲ ኣብያተ ጸሎት ከመይ ዝበለ መደብ ንባብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኢዩ ዝግበር ዝነበረ: የሱስከ ነዚ አጋጣሚታት እዚ ብኸመይ ረኣዮ?
10 ኣይሁድ ንምርኮ ናብ ባቢሎን ምስ ተወስዱ ገለ ግዜ ጸኒሑ ንቦታ ናይ ኣምልኾ ተባሂለን ኣብያተ ጸሎት ቈይመን ነበራ። ኣብዚ ናይ መኣከቢ ቦታታት እዚ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ክንበብን ክዝተየሉን: ዝያዳ ቅድሓት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ተዳልዩ ነበረ። እዚ ገለ 6,000 ዝኣኽሉ ክፍሊ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ዝሓዙ: ብኢድ እተጻሕፉ ጥንታውያን ቅድሓት ክሳዕ ሕጂ ንኽጸንሑ ምኽንያት ኰይኑ ኢዩ።
11 ሓደ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ቤት ጸሎት ዝግበር ኣኼባ ንባብ ናይቲ ማዕረ እተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ናይዚ ዘመናዊ መጽሓፍ ቅዱሳት ዝኾነ ቶራህ ኢዩ ነይሩ። ግብሪ ሃዋርያት 15:21 ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ከምዚ ዝኣመሰለ ንባብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ይግበር ከም ዝነበረ ይነግር ኢዩ: ከምኡውን ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘበን ንባብ ናይ ቶራህ ኣብ ካልኣይን ሓሙሻይን መዓልትታት ናይ ሰሙን ይግበር ከም ዝነበረ እውን እቲ ሚሸናህ ይገልጽ ኢዩ። ብዝሕ ዝበሉ ውልቀ ሰባት: ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ እናተኸታተሉ ኣብቲ ክንበብ እተመደበ ክፍልታት ይሳተፉ ነይሮም ኢዮም። ልምዲ ናይቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ ንቶራህ ብምሉኡ ዓመት ዓመት ከንብብዎ ኢዩ ነይሩ፣ ኣብ ጳለስጢና ዝነበረ ልምዲ ድማ ነቲ ንባብ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ክግበር ዝብል ኢዩ ነይሩ። ካብ ትንቢትውን ሓደ ክፍሊ ይንበብን ይግለጽን ነበረ። የሱስ ድማ ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ቦታታት ኣብቲ ናይ ሰንበት መደባት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምክፋል ልማዱ ነበረ።—ሉቃስ 4:16–21
ብሕታዊ ምላሽን ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላን
12. (ሀ) ሙሴ ነቶም ህዝቢ ነቲ ሕጊ ምስ ኣንበበሎም: እቶም ህዝቢ ብኸመይ ተጠቕሙ? (ለ) እቶም ህዝቢኸ ብኸመይ መለሹ?
12 መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት ምንባብ ማለት መልክዕ ጥራይ ክኸውን ማለት ኣይነበረን። ንህንጡይነት ናይቲ ህዝቢ ንምዕጋብ ጥራይ እተገብረውን ኣይነበረን። ሙሴ ኣብቲ ኣብ መንጽር ከረን ሲናይ ዝነበረ ለሰ ኰይኑ “ነቲ መጽሓፍ ኪዳን” ንእስራኤላውያን ከንብበሎም ከሎ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ሓላፍነት ምእንቲ ክፈልጡን ከማልእዎን ኢሉ ኢዩ ከምዚ ዝገበረ። ፈሊጦምዶኸ? እቲ ንባብ ምላሽ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። እቶም ህዝቢ ነዚ ተረዲኦም: “እግዚአብሄር ዝበሎ [ኹ]ሉ ንገብር: ንእዘዝ ድማ” ብምባል: ዓው ኢሎም መለሹ።—ዘጸኣት 24:7፣ ምስ ዘጸኣት 19:8፣ 24:3 ኣነጻጽሮ።
13. እያሱ ነቲ መርገማት ናይ ዘይምእዛዝ ከንብቦ ኸሎ: እቶም ህዝቢ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ነይርዎም: ምስ እንታይ ዕላማኸ?
13 ጸኒሑ: እያሱ ነቶም ህዝቢ እቲ ተነጊሩ ዝነበረ በረኸታትን ኩነኔታትን ወይ: መርገማት: ከንብበሎም ከሎ ምላሽ ክወሃብ ተደልዩ ነበረ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መርገም: ከምዚ ዝብል ትእዛዝ ተዋሂቡ ነበረ:- “ኵሉ ህዝቢ ድማ፤ ኣሜን ይበል።” (ዘዳግም 27:4–26) ስለዚ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ምስቲ ብዛዕባ እቲ ተጠቒሱ ዝነበረ በደላት ዝምልከት ኩነኔ ናይ የሆዋ ከም እተሰማምዑ ገለጹ። ብምሉኡ እቲ ህዝቢ ምስምምዑ ከቃልሕ ከሎስ ከመይ ዝበለ መሳጢ ፍጻመ ኰን ኢዩ ነይሩ!
14. ኣብ መዓልትታት ነህምያ: ህዝባዊ ንባብ ናይቲ ሕጊ ብፍላይ ጠቓሚ ምንባሩ እተረጋገጸ ስለምንታይ ኢዩ?
14 ኣብ መዓልትታት ነህምያ: ኩሎም እቶም ህዝቢ ነቲ ሕጊ ኽሰምዑ ኣብ የሩሳሌም ምስ ተኣከቡ: እቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዝነበረ ትእዛዛት መሊኦም ከም ዘይፈጸምዎ ኣስተውዓልዎ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ነቲ እተማህርዎ ብቕልጡፍ ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ። እቲ ፍረኸ እንታይ ነበረ? “ኣዝዩ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።” (ነህምያ 8:13–17) ኣብቲ እዋን በዓል: ንሰሙን ዝኣክል መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምንባቦም: ዝያዳ ከም ዘድሊ ተረድኡ። ነቲ ካብ መዓልትታት ኣብርሃም ንነጀው የሆዋ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ምምልላስ ዝገልጽ ታሪኽ ብጸሎት ደገምዎ። እዚ ኹሉ ምስቲ ሕጊ ካብኦም ዝደልዮ: ምስ ጓኖት ኣንስቲ ካብ ምምርዓው ንኽቍጠቡ: ከምኡውን ነቲ ቤት መቕደስን ኣገልግሎቱን ምክንኻን ዝነበረ ግዴታታት ንኽቕበሉ ብማሕላ ገይሮም ኽሰማምዑ ኣለዓዓሎም።—ነህምያ: 8–10 ዘሎ ምዕራፋት።
15. እቲ ኣብ ዘዳግም 6:6–9 ዘሎ መምርሒ: ከመይ ገይሩ ኢዩ ነቲ ኣብ ውሽጢ ስድራቤታት ዘሎ ናይ ቃል ኣምላኽ ትእዛዛት ንመልክዕ ጥራይ ክኸውን ከም ዘይነበሮ ዘርኢ?
15 ብተመሳሳሊ: ኣብ ውሽጢ ስድራቤት: ቅዱሳት ጽሑፋት ምምሃር ማለት ንመልክዕ ጥራይ ኣይነበረን። ከምቲ ድሮ እተራእየ: ኣብ ዘዳግም 6:6–9 እቶም ህዝቢ ብምሳልያዊ መገዲ ‘ቃላት ኣምላኽ ኣብ ኢዶም ክኣስርዎ:’ ተባሂልሎም ነይሩ ኢዩ—በዚ ኸምዚ ድማ ብኣብነታትን ግብርታትን ገይሮም ንመገድታት የሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ይገልጹ። ከምኡውን ንቓላት ኣምላኽ ‘ኣብ መንጎ ኣዒንቶም ከም ክታብ’ ገይሮም ከቐምጥዎ ነበሮም—በዚ ኸምዚ ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ሒዝዎ ዘሎ መምርሒታት ብቐጻሊ ኣብ ኣእምሮኦም ይሕዝዎ እሞ ንውሳኔታቶም ከም መሰረት ገይሮም ይጥቀምሉ። (ምስቲ ኣብ ዘጽኣት 13:9, 14–16 ዘሎ ኣገላልጻ ኣነጻጽሮ።) ‘ኣብ ልዳት ቤቶምን ኣብ ማዕጾኦምን ክጽሕፍዎ’ ነበሮም—በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣባይቶምን ማሕበረሰቦምን ቃል ኣምላኽ ዝኽበረሉን ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉን ቦታታት ምዃኑ ይልለ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ኣነባብራኦም ነቲ ናይ የሆዋ ጽድቃዊ ናይ ሞራል መምርሒታት የፍቅሩን ኣብ ግብሪ የውዕሉን ምንባሮም እኹል መረጋገጺ ክህብ ነይርዎ። ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እዚ ጠቓሚ ክኸውን ዝኽእል! ቃል ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ናይ ስድራ ቤትና ከምዚ ዓይነት ግቡእ ቦታዶ ኣለዎ ኢዩ? ዘሕዝን ግን: ኣይሁድ ነዚ ኹሉ: ከም ክታብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ ቍጻራት ብምእሳር: ናብ መልክዕ ጥራይ ቀየርዎ። ኣምልኾኦም ካብ ልቢ ምምጸእ ስለ ዘቋረጸ ብየሆዋ ተነጽጉ።—ኢሳይያስ 29:13, 14፣ ማቴዎስ 15:7–9
ሓላፍነት ናይቶም ኣብ ቦታ ምዕዛብ ዘለዉ
16. ንእያሱ ስርዓታዊ ንባብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣድላዪ ዝነበረስ ስለምንታይ ኢዩ?
16 ንቅዱሳት ጽሑፋት ምንባብ ብዝምልከት: ናብቶም ተዓዘብቲ ናይቲ ህዝቢ ዝነበሩ ፍሉይ ቈላሕታ ኢዩ ተገይሩ ነይሩ። የሆዋ ንእያሱ ከምዚ በሎ:- “[ኹ]ሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ [ተጠንቀቕ]።” ነቲ ሓላፍነት እቲ ምእንቲ ክፍጽም “መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ . . . ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ: ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ” ተባህለሉ። (እያሱ 1:7, 8) ከምቲ ሎሚ ዝኾነ ክርስትያን ተዓዛቢ ዝገብሮ: ናይ እያሱ ስርዓታዊ ንባብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት: ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ሂብዎም ዝነበረ ንጹር ትእዛዝ ኣነጺሩ ኣብ ኣእምሮኡ ንኽሕዞ ይሕግዞ ነበረ። ብተወሳኺውን ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ኩነታት የሆዋ ምስ ኣገልገልቱ ብኸመይ ይመላለስ ከም ዝነበረ ክርዳእ ኣድልይዎ ኢዩ። ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ዝነግር ሓሳባት ከንብብ ከሎ: ብዛዕባ ምስቲ ዕላማ እቲ እተተሓሓዘ ሓላፍነቱ ክሓስብ ንእኡ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ።
17. (ሀ) ነቶም ነገስታት: ከምቲ የሆዋ ዝገልጾ መገዲ ገይሮም ቅዱሳት ጽሑፋት ብምንባብ ምእንቲ ክጥቀሙ: ምስቲ ምንባቦም እንታይ ኢዩ ዘድሊ ዝነበረ? (ለ) ንክርስትያን ሽማግለታት ስርዓታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ምስትንታንን ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ?
17 የሆዋ ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝነገሰ ንጉስ: ኣብቲ መጀመርታ ንግስነቱ ብመሰረት እቲ ምስ ካህናት ዝቕመጥ ቅዳሕ ገይሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅዳሕ ናይ ሕጊ ኣምላኽ ከዳሉ ኣዚዙ ነበረ። ድሕርዚ “ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።” እቲ ዕላማ ነቲ ትሕዝቶኡ ምሽምዳድ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡ “ፍርሃት እግዚአብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር:” ከምኡውን “ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዐል” ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 17:18–20) እዚ ኸኣ ነቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኣዕሚቍ ከስተንትነሉ የድልዮ ነበረ። ብርግጽ ገለ ገለ ነገስታት ነዚ ንምግባር ብምምሕዳራዊ ሓላፍነታት ኣዝዮም ትሑዛት ምዃኖም ይሓስቡ ነበሩ: ብምኽንያት ሸለልትነቶም ከኣ ብምሉኡ እቲ ሃገር ይሳቐ ነበረ። ግደ ናይቶም ኣብተን ክርስትያን ጉባኤታት ዘለዉ ሽማግለታት ከምቲ ናይቶም ነገስታት ኣይኰነን። እንተኾነ ግን: ከምቲ እቶም ነገስታት ዝገብርዎ ዝነበሩ: ሽማግለታት ንቓል ኣምላኽ ከንብቡን ከስተንትኑን ኣድላዪ ኢዩ። ከምዚ ምግባሮም ናይቶም ብሓላፍነት ሕድሪ ተዋሂቦምዎም ዘለዉ ሰባት ግቡእ ኣረኣእያ ክሕዙ: ኪሕግዞም ኢዩ። ነቲ ከም መምህራን መጠን ዘለዎም ሓላፍነት ብሓቂ ንኣምላኽ ብዘኽብር መገድን ንክርስትያን ብጾቶም ከኣ ብመንፈሳዊ ዘበርትዕን ኣገባብ ገይሮም ንክፍጽምዎ እውን ከኽእሎም ኢዩ።—ቲቶስ 1:9፣ ምስ ዮሃንስ 7:16-18 ኣነጻጽሮ። ምስ 1 ጢሞቴዎስ 1:6, 7 ኣወዳድሮ።
18. እንታይ ብሃዋርያ ጳውሎስ እተሰርዐ ኣብነት ንኽንቀድሕ ኢዩ ስርዓታዊ ንባብን መጽናዕትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዘና?
18 እቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ክርስትያን ተዓዛቢ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ: ሓደ ካብቶም ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ ገይሮም ዝፈልጡ ኢዩ ነይሩ። ነቶም ኣብ ጥንታዊት ተሰሎንቄ ዝነበሩ ሰባት ክሰብከሎም ከሎ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስላጢ ብዝኾነ መገዲ ምስኣቶም ክዘራረብ ከምኡውን ነቲ ትርጕም ንኽርድእዎ ክሕግዞም ክኢሉ ኢዩ። (ግብሪ 17:1–4) ኣብ ልቢ ናይቶም ቅኑዓት ሰማዕቲ ይበጽሕ ነበረ። በዚ ኸኣ ብዙሓት ካብቶም ዝሰምዕዎ ሰባት ኣመንቲ ኰኑ። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መጽናዕትን መደብካ ብዝረኸብካዮ ፍረ ኣስላጢ ብዝኾነ መገዲ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትዛራረብ ምኸኣልካዶ? እቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራ ህይወትካ ሒዙዎ ዘሎ ግቡእ ቦታን ነዚ እትገብረሉ መገድን ቃል ኣምላኽ ምውናን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ብሓቂ ከም እተማስወሉ መረጋገጺ ይህብ ድዩ? ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ: ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም በቶም መደባቶም ኣዝዩ እተጻበበ ሰባት እውን ይኹን ብኸመይ ኣወንታዊ መልሲ ክወሃብ ከም ዝኽእል ክንርኢ ኢና።
ብኸመይ ምመለስካ?
◻ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ከንብቡ ህይወቶምን ናጽነቶምን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ፍቓደኛታት ዝኾኑስ ስለምንታይ ኢዮም?
◻ ነቶም ጥንታውያን እስራኤላውያን ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ክሰምዑ ተገይርሎም ዝነበረ ምድላዋት ብምድጋም ከመይ ገይርና ኢና እንጥቀም?
◻ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ክንገብሮ ዘሎና እንታይ ኢዩ?
◻ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ምስትንታንን ብፍላይ ንክርስትያን ሽማግለታት ኣድላዪ ዝኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ?
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ንእያሱ “መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ ” ኢሉ ተዛረቦ