ገዛእ ርእስኻ ንንባብ ወፊ
“ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ: ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ።”—1 ጢሞቴዎስ 4:13
1. መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና ፧
የሆዋ ኣምላኽ ንደቅሰብ ምንባብን ምጽሓፍን ናይ ምምሃር ድንቂ ዝዀነ ክእለት ሂብዎም ኢዩ። ብግቡእ ምእንቲ ክንማሃር ድማ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ሂቡና ኢዩ። (ኢሳይያስ 30:20, 21) ብምሳልያዊ መገዲ: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገጻት ምስቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ርእሲ ኣቦታት ዝዀኑ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን “ክንመላለስ” የኽእለና። ከም እኒ ሳራ: ርብቃ: ከምኡውን እታ እምንቲ ሞኣባዊት ሩት ዝኣመሰላ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ “ክንርኢ” ንኽእል ኢና። እወ: የሱስ ክርስቶስውን ነቲ ናይ ከረን ስብከቱ ክህብ ከሎ “ክንሰምዖ” ንኽእል ኢና። ንፉዓት ኣንበብቲ እንተድኣ ኴንና እምበኣር: ኵሉ እዚ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ሓጐስን ዓቢ ትምህርትን ናትና ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
2. የሱስን ሃዋርያቱን ጽቡቕ ገይሮም ከንብቡ ይኽእሉ ከም ዝነበሩ ዝሕብረልና እንታይ ኢዩ፧
2 እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ብሉጽ ናይ ንባብ ክእለት ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ነቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ። የሱስ ብድያብሎስ ምስ ተፈተነ: ብተደጋጋሚ “ጽሑፍ አሎ” እናበለ ካብ ጽሑፋት ይጠቅስ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:4, 7, 10) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ኣብቲ ኣብ ናዝሬት ዝርከብ ቤት ጸሎት: ክፍሊ ናይ ትንቢት ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኰይኑ ዓው ኢሉ ብምንባብ ኣብ ገዛእ ርኡሱ ኣውዒልዎ ኢዩ። (ሉቃስ 4:16-21) ሃዋርያት የሱስከ ከመይ ኢዮም ነይሮም፧ ኣብቲ ጽሑፋቶም መብዛሕትኡ ግዜ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጠቕሱ ነይሮም ኢዮም። ዋላ እኳ እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ: ንጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብቲ ናይ እብራውያን ዝለዓለ ቤት ትምህርቲ ስለ ዘይተማህሩ: ከም መሃይማን: ተራ ሰባት ገይሮም ይርእይዎም እንተ ነበሩ: እቲ ብመለኮታዊ መምርሒ እተጻሕፈ ደብዳበታቶም ጽቡቕ ገይሮም ምንባብን ምጽሓፍን ይኽእሉ ከም ዝነበሩ ኣነጺሩ የረጋግጽ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) ግናኸ ናይ ንባብ ክእለት ብሓቂ ኣድላዪዶ ኢዩ፧
‘እቲ ዓው ኢሉ ዘንብብ ሕጕስ ኢዩ’
3. ንቅዱሳት ጽሑፋትን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ምንባብ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ነቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ርጡብ ፍልጠት እንተድኣ ተረዲእናዮን ኣብ ተግባር ኣውዒልናዮን ዘለኣለማዊ ህይወት ከፍርየልና ይኽእል ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እምበኣር: ቅዱሳት ጽሑፋትን ነቲ ኣምላኽ ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ ክፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ገይሩ ዘዳልዎ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ከንብቡን ከጽንዑን ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ይግንዘብዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:45-47) አረ በቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተዳለወ ፍሉይ ናይ መምሃሪ ጽሑፋት ብምጥቃም: ኣሽሓት ምንባብ ተማሂሮም: በዚ ኸምዚ ድማ ህይወት ዝህብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ረኺቦም ኢዮም።
4. (ሀ) ንቓል ኣምላኽ ምንባብን ምጽናዕን ኣብ ተግባር ምውዓልን ሓጐስ ዘምጽእ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ምንባብ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝነገሮ፧
4 ሓጐስ ንቓል ኣምላኽ ብምንባብን ብምጽናዕን ኣብ ተግባር ብምውዓልን ኢዩ ዝርከብ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ከምኡ ምስ እንገብር ንኣምላኽ ነሐጕሶን ነኽብሮን: በረኸቱ ንቕበል: ሓጐስ ከኣ ነስተማቕር። የሆዋ ኣገልገልቱ ሕጕሳት ክዀኑ ኢዩ ዝደልዮም። ስለ ዝዀነ እኳ: እቶም ካህናት ነቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ህዝቢ ሕጉ ከንብቡሎም ኣዚዝዎም ኢዩ። (ዘዳግም 31:9-12) እዝራ እቲ ጸሓፍን ካልኦትን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ኵሎም ህዝብታት ነቲ ሕጊ ኣንበቡሎም: እቲ ትርጕሙ ተነጸረ: ፍሪኡ ድማ “ዓቢ ሓጐስ” ነበረ። (ነህምያ 8:6-8, 12) እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ጸኒሑ ነቲ መተዓይይቱ ጢሞቴዎስ “ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ: ናብ [“ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኴንካ:” ትሓዓ] ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ” ኢሉ ነገሮ። (1 ጢሞቴዎስ 4:13) ካልእ ትርጕም ድማ “ገዛእ ርእስኻ ነቲ ቅዱስ ጽሑፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንንባብ ወፊ” ይብል።—ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን። (እንግሊዝኛ)
5. ራእይ 1:3 ከመይ ገይራ ኢያ ንሓጐስ ምስ ንባብ እተተሓሕዞ፧
5 ሓጐስና ንቓል ኣምላኽ ኣብ ምንባብን ኣብ ተግባር ምውዓልን እተመርኰሰ ምዃኑ ኣብ ራእይ 1:3 ግልጺ ኰይኑ ኣሎ። ኣብኡ “እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ: እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ [“ዓው ኢሉ:” ትሓዓ ] ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን: ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም” ተባሂሉልና ኣሎ። እወ: ነቲ ኣብ ራእይን ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱሳት ጽሑፋትን ዘሎ ትንቢታዊ ቃላት ዓው ኢልና ከነንብቦን ክንሰምዖን ከድልየና ኢዩ። እቲ ናይ ሓቂ ሕጕስ ሰብ: እቲ ‘ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዚመራምሮ’ ኢዩ። ፍሪኡኸ፧ ‘ዚገብሮ ዅሉ ይሰልጦ።’ (መዝሙር 1:1-3) በዚ ቅቡል ዝዀነ ምኽንያታት እዚ እምበኣር ኢያ: ማሕበር ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ብብሕቲ: ከም ስድራቤት መጠን: ከምኡውን ምስ ብጾትና ኴንና ንቓሉ ከነንብብን ከነጽንዕን እትላበወና።
ኣጸቢቕካ ሕሰብን ኣስተንትን
6. እያሱ እንታይ ከንብብ ኢዩ መምርሒ እተዋህቦ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ጠቓሚ ዝኸውን፧
6 ቃል ኣምላኽን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ብዝበለጸ ክጠቕመካ ብዝኽእል መገዲ ከተንብብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ከምቲ እያሱ እቲ ንኣምላኽ ዝፈርህ ዝነበረ መራሒ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ዝገበሮ ምግባር: ጠቓሚ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ንሱ “ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ: መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ [“ቀስ ኢልካ ኣንብቦ: ” ትሓዓ ] እምበር: እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎ ነበረ። (እያሱ 1:8) ‘ቀስ ኢልካ ምንባብ’ ክበሃል ከሎ ነቲ ቃላት ብትሑት ድምጺ ገይርካ ንገዛእ ርእስኻ ምዝራብ ማለት ኢዩ። እዚ ነቲ ጽሑፍ ኣብ ኣእምሮኻ ስለ ዝቐርጾ ንምዝካር ዝሕግዝ ኢዩ። እያሱ ንሕጊ ኣምላኽ “መዓልትን ለይትን” ወይ ድማ ስራዓታዊ ኰይኑ ከንብቦ ነበሮ። ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦ ሓላፍነታት ክፍጽም ከሎ ክዕወትን ብጥበብ ክመላለስን ዘኽእሎ ዝነበረ መገዲ እዚ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታዊ ናይ ቃል ኣምላኽ ንባብ ንዓኻውን ብተመሳሳሊ መገዲ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።
7. ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከሎና ኣብ ምቕልጣፍ ከነተኵር ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
7 ቃል ኣምላኽ ከተንብብ ከሎኻ: ኣብ ምቕልጣፍ ኣይተተኵር። መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ከኣ ገለ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ንምንባብ ገለ ግዜ ከተሕልፍ መዲብካ እንተድኣ ኣሊኻ: ቀስ ኢልካ ከተንብብ ትደሊ ትኸውን። እዚ ብፍላይ ኣድላዪ ዝዀነሉ ድማ ኣገደስቲ ነጥብታት ንምዝካር ብዝብል ዕላማ ተጽንዕ እንተድኣ ኣሊኻ ኢዩ። ከተንብብ ከሎኻ ኣጸቢቕካ ሕሰብ። ናይቲ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ተንትኖ። ንገዛእ ርእስኻ ‘እንታይ ኢዩ ክብል ደልዩ፧ ነዚ ሓሳባት እዚ ብኸመይ ኣብ ተግባር ከውዕሎ ኣሎኒ፧’ ኢልካ ሕተት።
8. ቅዱሳት ጽሑፋት ከነንብብ ከሎና ምስትንታን ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ቅዱሳት ጽሑፋት ከተንብብ ከሎኻ ግዜ ወሲድካ ኣስተንትን። እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ንምዝካርን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ስርዓታት ኣብ ተግባር ንምውዓልን ክሕግዘካ ኢዩ። ንቓል ኣምላኽ ብምስትንታን ነቲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝ: ነቶም ብቕንዕና ዝሓቱ ሰባት ኣብ ክንዲ ጸኒሑ ከጣዕሰካ ዝኽእል ዘረባ እትዛረብ: ካብ ልቢ ክትዛረቦምን ርጡብ መልሲ ክትህቦምን ከኽእለካ ኢዩ። ሓደ ብመለኮታዊ መምርሒ እተነግረ ምስላ “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ” ይብለና።—ምሳሌ 15:28
ሓደስቲ ነጥብታት ምስቲ ቅድም እተማሃርካዮ ነጥብታት ኣተሓሕዞ
9, 10. ሓደስቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ምስቲ ቅድም እትፈልጦ ዝነበርካ ብምትሕሓዝ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ክዓቢ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
9 መብዛሕትኦም ክርስትያናት ሓደ እዋን ብዛዕባ ኣምላኽን ቃሉን ዕላማታቱን ብዙሕ ፍልጠት ከም ዘይነበሮም ክእመኑሉ ይግባእ። ይኹን እምበር ሎሚ: እዞም ክርስትያን ኣገልገልቲ እዚኣቶም ካብ ፍጥረትን ወድሰብ ኣብ ሓጢኣት ዝወደቐሉን ጀሚሮም: ዕላማ መስዋእቲ ክርስቶስ ክገልጹ: ብዛዕባ ምጥፋእ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ክነግሩ: ከምኡውን እዙዛት ደቅሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ብምርካብ ብኸመይ ከም ዝባረኹ: ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። ከምኡ ገይሮም ክገልጽሉ ዝኽእልሉ ምኽንያት ብዓቢኡ: እዞም ኣገልገልቲ የሆዋ እዚኣቶም መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጸሑፋትን ብምጽናዕ “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ስለ ዝረኸቡዎ ኢዩ። (ምሳሌ 2:1-5) ቀስ እናበሉ ሓደስቲ ነጥብታት ምስቲ ድሮ እተረድእዎ ናይ ቅድም ነጥብታት ከተሓሕዝዎ ክኢሎም ኢዮም።
10 ሓደስቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ምስቲ ድሮ እትፍልጦ ዝነበርካ ምትሕሓዝ ጠቓምን ዓስቢ ዘለዎን ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕግታት: ስርዓታት: ወይውን ረቂቕ ሓሳባት ክቐርቡ ከለዉ: ምስቲ ድሮ እትፈልጦ ዝነበርካ ኣተሓሕዞ። ነቲ ሓበሬታ ምስቲ ብዛዕባ’ቲ “ጥዑይ ቃል” እተማሃርካዮ ነገራት ኣሰማምዓዮ። (2 ጢሞቴዎስ 1:13) ነቲ ምስ ኣምላክ ዘሎካ ርክብ ንምድልዳል: ንክርስትያናዊ ባህርያትካ ንምምሕያሽ: ወይ ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንኻልኦት ንምክፋል ክሕግዘካ ዝኽእል ሓበሬታ ድለ።
11. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጠባይ ዝብሎ ነገራት ከተንብብ ከሎኻ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧ ኣብነት ሃብ።
11 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጠባይ ዝብሎ ከተንብብ ከሎኻ: ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ስርዓት ከተስተውዕለሉ ፈትን። ኣስተንትኖ: ተመሳሳሊ ኵነታት ምስ ዘጋጥመካ ኸኣ እንታይ ከም እትገብር ወስን። ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ: ሰበይቲ ጶጢፋር ኣብ ጾታዊ ዘይስነ-ምግባር ንኽጽመድ ብቐጻሊ ምስ ደፋፍኣቶ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ብምባል ነጺግዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 39:7-9) ኣብዚ ዘነቓቕሕ ጸብጻብ እዚ: ጾታዊ ዘይስነ-ምግባር ኣንጻር ኣምላኽ ሓጢኣት ምፍጻም ማለት ምዃኑ መሰረታዊ ስርዓት ትረክብ። ነዚ ስርዓት እዚ ብኣእምሮኻ ምስ ካልእ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓሳባት ከተተሓሕዞ ትኽእል ኢኻ: ከምኡውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ተግባር ክትጽመድ እንተድኣ ተፈቲንካ: ካብዚ ፍልጠት እዚ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።—1 ቈረንቶስ 6:9-11
ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍጻመታት ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ
12. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ከተንብብ ከሎኻ ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ከተንብብ ከሎኻ ኣብ ኣእምሮኻ ነጥብታት ምሓዝ ምእንቲ ክትክእል: ነቲ ኣብቲ ምንባብ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ኣቀማምጣ መሬት: ገዛውቲ: ነቶም ሰባት ብኣእምሮኻ ርኣዮም። ድምጽታቶም ስምዓዮ። ነቲ ኣብ መቕሎ ዝስንከት ዘሎ ቅጫ ኣሸትቶ። ነቲ ትርኢት እንደገና ብሓሳብካ ድገሞ። ሽዑ ንባብካ ዘነቓቕሕ ተሞክሮ ክዀነልካ ኢዩ: ከመይሲ ጥንታዊት ከተማ ትርኢ ትኸውን: ናብ ሓደ ዓቢ ኸረን ትድይብ: በቲ ኣብ ፍጥረት ዘሎ ድንቂ ነገራት ትድነቕ: ወይውን ምስቶም ዓቢ እምነት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ትሓብር ትኸውን ኢኻ።
13. ኣብ መሳፍንቲ 7:19-22 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ከመይ ገይርካ ምገለጽካዮ፧
13 ንኣብነት: መሳፍንቲ 7:19-22 ተንብብ ኣሎኻ ንበል። ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። መስፍን ጊዴዎንን ሰለስተ ሚእቲ ዝዀኑ ተባዓት እስራኤላውያን ሰብኡትን ኣብ ወሰናስን ናይ ሚድያናውያን ሰፈር በቦታኦም ሒዞም ኣለዉ። እዋኑ ኣብ መጀመርታ “ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ” ማለት ዳርጋ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ምሸት ኣቢሉ ኢዩ። እቶም ሚድያናውያን ዘብዐኛታት ኣብ ዕርዶም ኢዮም ነይሮም: ነቶም ኣብ ስፍራኦም ደቂሶም ዝነበሩ ጸላእቲ እስራኤላውያን ጸልማት ሸፊንዎ ነበረ። ርአ እሞ! ጊዴዎንን እቶም ናቱ ሰብኡትን መለኸት ሒዞም ኣለዉ። ነቲ ኣብ ጸጋማይ ኢዶም ሒዞምዎ ዝነበሩ ፋናታት ዝሽፍን ዓበይቲ ናይ ማይ ዳነሱ ኣለዎም። ብሃንደበት ድማ እቶም በብሚእቲ ዝነበሩ ሰለስተ ጭፍራታት ነፍሲ ወከፎም ነቲ መለኸት ነፍሕዎ: ነቲ ዳነሱ ሰበርዎ: ነቲ ፋናታት ከኣ ንላዕሊ ሓፍ ኣቢሎም “ሴፍ እግዚኣብሄርን ጊዴዎንን” ኢሎም ድማ ጨርሑ። ኣብቲ ሰፈር ርአ። እቶም ሚድያናውያን ሃደሙ: ክጭርሑ ድማ ጀመሩ! እቶም ሰለስተ ሚእቲ መለኸት ምንፋሖም ምስ ቀጸሉ: ኣምላኽ ነቲ ሴፍ ናይ ሚድያናውያን ኣብ ንሓድሕዶም ከም ዝውዕል ገበሮ። ሚድያናውያን ሃደሙ: የሆዋ ኸኣ ንእስራኤል ዓወት ሃቦም።
ጠቓሚ ትምህርቲ ምምሃር
14. ንቘልዓ ትሑት ናይ ምዃን ኣድላይነት ክትምህሮ ከሎኻ ንመሳፍንቲ ምዕራፍ 9 ብኸመይ ክትጥቀመላ ምኸኣልካ፧
14 ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ብዙሕ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ንደቅኻ ትሑት ናይ ምዃን ኣድላይነት ኣብ ኣእምሮኦም ክትቀርጸሎም ትደሊ ትኸውን። ኣብቲ ትንቢት ናይ ዮታም ወዲ ጊዴዎን ዘሎ ነገራት ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎን ነቲ ትርጕሙ ክትርድኦን ቀሊል ክዀነልካ ኢዩ። መሳፍንቲ 9:8 ብምንባብ ጀምር። ዮታም “ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ” በለ። ኣውልዕን በለስን ወይንን ኣይንገዝእን በሉ። እቲ ትሑት ግምት ዝነበሮ እሾኽ ግን ገዛኢ ክኸውን ሕጕስ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጸብጻብ ንደቅኻ ዓው ኢልካ ምስ ኣንበብካሎም: እቶም ክቡራት ኣእዋም: ነቶም ኣብ ልዕሊ ብጾቶም እስራኤላውያን ናይ ንግስና ቦታ ክሕዙ ዘይደለዩ ምርኡያት ሰባት ዘመልክት ምዃኑ ክትገልጸሎም ትኽእል ኢኻ። እቲ ንሓዊ ጥራይ ዝጠቅም እሾኽ: ነቲ ንኻልኦት ክዕብልል ዝደሊ ዝነበረ ቀታሊ: ግናኸ ንመፈጸምታ ትንቢት ዮታም ጥፍኣት ዝዓጸደ ዕቡይ ንግስነት ኣቢመሌክ የመልክት። (መሳፍንቲ ምዕራፍ 9) ኣየናይ ቈልዓ ኢዩ ምስ ዓበየ ከም እሾኽ ክኸውን ዝደሊ፧
15. ናይ ተኣማንነት ኣድላይነት ኣብ መጽሓፍ ሩት ጐሊሑ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
15 እቲ ናይ ተኣማንነት ኣድላይነት ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ሩት ተነጺሩ ኣሎ። ንኣብነት ኣባላት ስድራቤትካ ነቲ ጸብጻብ በብተራ ዓው ኢሎም ብምንባብን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ክሕዝዎ ብምፍታንን ይከታተሉ ይዀኑ። እታ ሞኣባዊት ሩት ምስታ መበለት ሓማታ ናእሚ ኰይና ናብ ቤተልሄም ክትከይድ ከላ ትርእያ: ሩት “ህዝብኺ ህዝበይ: ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” ክትብል ከላ ድማ ትሰምዓ። (ሩት 1:16) እታ ጻዕረኛ ሩት ኣብ ግራት ቦኣዝ ኰይና ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ክትቅርም ከላ ትርአ። “ደጊ ሰበይቲ ምዃንኪ ዅላ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ” ኢሉ ክድግፋ ኸሎ ድማ ትሰምዖ። (ሩት 3:11) ብዙሕ ከይጸንሐ ቦኣዝ ንሩት ተመርዓዋ። ብመሰረት እቲ ንሓሙትካ ናይ ምምርዓው ስርዓት ድማ: ካብ ቦኣዝ “ንናእሚ” ወዲ ወለደትላ። ሩት: ናይ ዳዊት ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ የሱስ ክርስቶስ እኖሓጎ ኰነት። በዚ ኸምዚ ድማ ‘ምሉእ ዓስቢ’ ረኸበት። ብተወሳኺ ድማ እቶም ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ጸብጻብ ዘንብቡ: ነቲ ንየሆዋ እሙን ኵን: ኣጸቢቕካ ድማ ክትባረኽ ኢኻ ዝብል ጠቓሚ ትምህርቲ ይረኽቡ።—ሩት 2:12፣ 4:17-22፣ ምሳሌ 10:22፣ ማቴዎስ 1:1, 5, 6
16. እቶም ሰለስተ እብራውያን እንታይ ፈተና ኢዮም ዘሕለፉ: እዚ ጸብጻብ እዚኸ ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧
16 ጸብጻብ ናይቶም ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዝስሞም እብራዋያን: ፈታኒ ኵነታት ከጋጥመና ከሎ ንኣምላኽ እሙናት ንኽንከውን ክድግፈና ይኽእል ኢዩ። ዳንኤል ምዕራፍ 3 ዓው ኢልካ ክንበብ ከሎ ነቲ ፍጻመ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብ ልዕሊ ጐልጐል ዱራ: ሓደ ብወርቂ ዝቘመ ዓቢ ምስሊ ይርአ: ኣብኡ ድማ ባቢሎናውያን ሰበ-ስልጣናት ተኣኪቦም ኣለዉ። እቲ ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ምስ ተሰምዐ: ፍግም ኢሎም ብምስጋድ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ኣምለኹ። ብዘይካ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኵሎም ከምኡ ገበሩ። ነቲ ንጉስ ድማ ንኣማልኽቱ ከም ዘየገልግልዎም ነቲ ምስሊ ወርቂ ድማ ከም ዘየምልኽዎ ብኣኽብሮት ግናኸ ኣትሪሮም ነገርዎ። እዞም ሰለስተ እብራውያን እዚኣቶም ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ተደርበዩ። እንታይከ ኣጋጠመ፧ ናብ ውሽጢ ምስ ጠመተ: እቲ ንጉስ ኣርባዕተ ሰብኡት ሓደ ካብኣቶም ’ወዲ ኣምላኽ ዝመስል’ ረኣየ። (ዳንኤል 3:25) እቶም ሰለስተ እብራውያን ካብቲ እቶን ሓዊ ወጹ: ነቡካድነጻር ከኣ ንኣምላኾም ባረኾ። ነቲ ጸብጻብ ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎ ከሎኻ ብሓቂ ዓስቢ ኣለዎ። ፈተና ክወርደካ ኸሎ ንየሆዋ ተኣማንነትካ ብዛዕባ ምሕላው ዝመጸስ ኣየ ከመይ ዝበለ ትምህርቲ ኰን ኢዩ ዝህብ!
ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ስድራቤት መጠን ብምንባብ ጥቕሚ ምርካብ
17. ስድራቤትካ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቢራ ብምንባብ ክትማሃሮም እትኽእል ገለ ጠቐምቲ ነገራት ኣሕጺርካ ግለጽ።
17 ሓቢርካ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ስርዓታዊ ግዜ ትውስን እንተድኣ ኴንካ: ስድራቤትካ ብዙሕ ጥቕምታት ከተስተማቕር ትኽእል ኢያ። ካብ ዘፍጥረት ብምጅማር: ንፍጥረት ኣብ ኣእምሮኹም ክትስእልዎ: ናብ ውሽጢ እቲ ናይ ወድሰብ ናይ መጀመርታ ገነት እውን ከተተኵሩ ትኽእሉ ኢኹም። ናይቶም እሙናት ርእሲ ኣቦታትን ስድራቤታቶምን ተመኵሮታት ክትካፈሉ ትኽእሉ ኢኹም: ከምኡውን እስራኤላውያን ኣእጋሮም ማይ ከይጠልቀየ ንቐይሕ ባሕሪ ብእግሮም ክሳገርዎ ከለዉ ክትስዕብዎም ትኽእሉ ኢኹም። እቲ መንእሰይ ጓሳ ዝነበረ ዳዊት ነቲ ገዚፍ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ክስዕሮ ኸሎ ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም። ስድራቤትካ ናይ የሆዋ ቤት መቕደስ ኣብ የሩሳሌም ክትህነጽ ከላ ከተስተብህለሉ: ብሰራዊት ባቢሎን ክትጠፍእ ከላ ክትርእዮ: ብኣመሓዳሪ ዘሩባቤል ድማ እንደገና ክትህነጽ ከላ ክትግንዘቦ ትኽእል ኢያ። ምስቶም ኣብ ጥቓ ቤተ-ልሄም ዝነበሩ ትሑት መነባብሮ ዝነበሮም ጓሶት ኴንኩም: እቲ መልኣኽ ብዛዕባ ምውላድ የሱስ ዝሃቦ መግለጺ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ጥምቀቱን ኣገልግሎቱን ዝገልጽ ዝርዝር ሓሳባት ክትረኽቡ ትኽእሉ: ሰብኣዊ ህይወቱ በጃ ክህብ ከሎ ክትርእይዎ ትኽእሉ: ኣብቲ ናይ ትንሳኤኡ ሓጐስውን ክትካፈሉ ትኽእሉ ኢኹም። ቀጺልኩም ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ክትጓዓዙ: ክርስትና ከስፋሕፍሕ ከሎ ዝነበረ ናይ ጉባኤታት ምምስራት ክትዕዘቡ ትኽእሉ። ድሕርዚ: ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ: ስድራቤትካ ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ናይ ዝመጽእ ግዜ ዓቢ ራእይ: እንተላይ እቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክትርኢ ትኽእል ኢያ።
18, 19. ብዛዕባ ናይ ስድራቤት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ርእይቶታት ኢዮም ተዋሂቦም ዘለዉ፧
18 ንመጽሓፍ ቅዱስ ብስድራቤት ኴንኩም ዓው ኢልኩም ተንብብዎ እንተድኣ ኣሊኹም: ብንጹርን ብውዕዉዕ ስምዒትን ኣንብብዎ። ገለ ክፋላት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ተንብቡ እንተድኣ ኣሊኹም: ሓደ ኣባል ስድራቤት:—ምናልባት እቲ ኣቦ ክኽውን ይኽእል—ነቲ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ከንብብ ይኽእል። ካልኦት ድማ ግደ ናይቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ገጸ-ባህርያት ብምምስሳል: መመደብኩም ብዝስሕብ ኣገባብ ከተንብቡ ትኽእሉ።
19 ብስድራቤት ኴንኩም መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቡ ከሎኹም: ናይ ምንባብ ክእለትኩም ክመሓየሽ ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎኩም ፍልጠት ይውስኽ: እዚ ድማ ናብኡ ከም እትጽግዑ ክገብረኩም ይግባእ። ኣሳፍ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ: ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ: እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ” በለ። (መዝሙር 73:28) ከምዚ ምግባር ንስድራቤትካ ‘ነቲ ዘይርአ’ የሆዋ ኣምላኽ “ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ” ዝጸንዐ ሙሴ ንኽትመስል ክሕግዛ ኢዩ።—እብራውያን 11:27
ንባብን ክርስትያናዊ ኣገልግሎትን
20, 21. ናይ ስብከት ተልእኾና ምስቲ ናይ ንባብ ክእለትና ዝተሓሓዝ ብኸመይ ኢዩ፧
20 ‘ነቲ ዘይርኤ’ ንምምላኽ ዘሎና ባህጊ: ንፉዓት ኣንበብቲ ንምዃን ጻዕሪ ንምግባር ክድርኸና ይግብኦ። ጽቡቕ ገይርካ ናይ ምንባብ ክእለት: ካብ ቃል ኣምላኽ ክንምስክር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ነቲ የሱስ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ንሰዓብቱ ዝሃቦም ትእዛዝ ዝምልከት ናይ መንግስቲ ዕዮ ስብከት ንምክያድ ክድግፈና ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ቀንዲ ዕዮ ምስክርነት ኢዩ: ናይ ምንባብ ክእለት ከኣ ንምፍጻሙ ይሕግዘና።
21 ናይ ቃል ኣምላኽ ንፉዕ ኣንባብን ክኢላ መምህርን ንምዃን ጻዕሪ ይሓትት። (ኤፌሶን 6:17) ስለዚ ምበኣር ‘ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል ጌርካ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።’ (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ገዛእ ርእስኻ ንንባብ ብምውፋይ ኣብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎካ ፍልጠትን ከም ምስክር ናይ የሆዋ መጠን ዘሎካ ክእለትን እናወሰኽካ ኺድ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ሓጐስ ቃል ኣምላኽ ኣብ ምንባብ እተመርኰሰ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ ኣብቲ እተንብቦ ከተስተንትን ዘድልየካ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ቅዱሳት ጽሑፋት ከተንብብ ከሎኻ ምትሕሓዝን ኣብ ኣእምሮኻ ምስኣልን ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንማሃሮ ገለ ትምህርትታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ከም ስድራቤት መጠን ዓው ኢልና እነንብብ ስለምንታይ ኢና: ንባብ ምስ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና እንታይ ምትሕሓዝ ኣለዎ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ከም ስድራቤት መጠን መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ: ነቲ ጸብጻብ ኣብ ኣእምሮኻ ሰኣሎ: ብዛዕባ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ድማ ኣስተንትን