ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣሎኻ
1900 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር እተፈጸመ ሞት ናይቲ ሰብኣይ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ሰብ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ኢዩ። ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ከፊቱ ኢዩ። የሱስ ኣብ ሓደ ሕጽር ዝበለ በዓል: ከም ምሳሌ ናይቲ ፍቕራዊ ሰብኣዊ መስዋእቱ: ዘይቦኽዔ ቅጫን ወይንን ኢዩ እተጠቕመ። ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በሎም። (ሉቃስ 22:19) ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ክትዝክሮ ዲኻ? ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምብዓል ናይዚ በዓል ዝኽሪ ክትሓብሮም ብሓጐስ ይዕድሙኻ ኣለዉ። ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብታ ኒሳን 14 እትውዕለላ መዓልቲ ጸሓይ ምስ ዓረበት ኢያ እትውዕል። ኣብቲ ጥቓኻ ዘሎ መንግስቲ ኣዳራሽ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ። ንልክዕ ግዜን ቦታን ኣብቲ ዞባኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕተት። ኣብ 1995: እዛ በዓል እዚኣ ዓርቢ 14 ሚያዝያ ኢያ እትውዕል።