ብዛዕባ ሃይማኖት ምዝርራብ እንታይ ጥቕሚ ኢዩ ክርከቦ ይኽእል?
ወለዲ ነተን ህጻኖም ዘውስአን ናይ መጀመርታ ቃላት ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበዩወን። ኣብ መንጐ እቲ ወታእ ደሃይ “ማማ” ወይ “ባባ” ዝብል ተደጋጋሚ ድምጺ ክሰምዑ ከለዉ ኣልባቦም ብሓጐስ ኢዩ ዝፍንጫሕ። ቀልጢፎም ከኣ ብዛዕባ እዚ ንኣዕርኾምን ጐረባብቶምን ይነግርዎም። ናይ ህጻን ናይ መጀመርታ ዘረባ ብሓቂ ሓጐስ ዘምጽእ ብስራት ኢዩ።
እቶም በቲ ናይቲ ቈልዓ ህዋሳት ዝስምዑ ድምጽታት: ዝርኣዩ ትርኢታትን ዝሽተቱ ሽታታትን ምላሽ ዘለዓዕሉ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ምላሽ ይፈላለ ኢዩ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ገለ እዋን: እቲ ህጻን ነዞም ድራኼታት እዚኣቶም ግብረ–መልሲ እንተደኣ ዘየርእዩ: ወለዲ ናይ ውሉዶም ዕብየት ደኺሙ ኸይከውን ብሓቂ ይሻቐሉ ኢዮም።
ህጻናት ንዝፈልጥዎም ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ኢዮም ዘርእዩ። ህጻን ኣዲኡ ክትሓቍፎ ከላ መብዛሕትኡ ግዜ ይስሕቕ ኢዩ። ክበጽሕ ዝመጸ ዘመድ ምስ ዝትንክፎ ግን ይበኪ: በቲ ሰብ እቲ ከይሕቆፍ እውን ይኣቢ። ከምዚ ዘጋጥሞም መብዛሕትኦም ኣዝማድ ተስፋ ኣይቈርጹን ኢዮም። እቲ ህጻን ኣጸቢቑ እናፈለጦም ምስ መጸ: እቲ ሓጹር ናይ ዘይምልላይ ስለ ዝፈርስ ይሕጐሱ: እቲ ህጻን ከኣ በብቍሩብ ክስሕቕ ይጅምር።
ብተመሳሳሊ: ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ምስ ናይ ነዊሕ ግዜ ሌላ ዘይብሎም ካልእ ሰብ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ እምነታቶም ክዘራረቡ ይጠራጠሩ ኢዮም። ሓደ ጋሻ ስለምንታይ ብዛዕባ ብሕታዊ ነገር ማለት ሃይማኖት ክዘራረብ ከምዝደሊ ኣይርድኦምን ይኸውን። በዚ ኸኣ ኣብ መንጐኦምን ኣብ መንጐ እቶም ብዛዕባ ፈጣሪ ዝዛረቡን ሓጹር ንኽህሉ የፍቅዱ። ብዛዕባ እቲ መፋጥርቲ ደቅሰብ ዝኾነ: ናይ ምምላኽ ባህጊ እውን ከይተረፈ ምዝርራብ ይኣብዩ።
ብሓቂ: ብዛዕባ ፈጣሪና ንኽንማሃር ተገዳስነት ከነሕድር ኣሎና: ምስ ካልኦት ምዝርራብ ከኣ ንኽንማሃር የኽእለና ይኸውን። ኣምላኽ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ መራኸቢ መስመር ስለ ዝኸፈተ እዚ ሓቂ ኢዩ። እምበኣር ከመይ ምኽዋኑ እስከ ንርአ።
‘ስማዕን ተማሃርን’
ኣምላኽ ምስ ሰብ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ርክብ ምስ ኣዳም ኣብ ገነት ኤድን ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ምሕጥኦም: ኣምላኽ እንደገና ምስኦም ክራኸብ ደልዩ ምስ ጸወዖም: ክሕብኡ መረጹ። (ዘፍጥረት 3:8-13) እንተኾነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ርክብ ናይ ዝነበሮም ሰብኡትን ኣንስትን ዝርዝር መዝጊቡ ኣሎ።
ኣምላኽ ኣብቲ “ሰባኽ ጽድቂ” ኖህ ዝነበረሉ ግዜ: ብዛዕባ እቲ ቐሪቡ ዝነበረ ጥፍኣት ናይታ ብግዜኡ ዝነበረት እክይቲ ዓለም ዝምልከት ምስ ኖህ ርክብ ነይርዎ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ ወለዶ ከም ኣፈኛ ናይ ኣምላኽ መጠን: ኣብቲ ኣምላኽ ምስ ሰባት ዝነበሮ ምምልላስ እምነት ኣርእዩ ጥራይ ዘይኰነስ: ንገዛእ ርእሱ ወገን የሆዋ ምኽዋኑ ብግልጺ ኣዊጁ ኢዩ። ከመይ ዝበለ ምላሽከ ኢዩ ዝረኸበ? ዘሕዝን ኢዩ: እቶም በቲ እዋኑ ዝነበሩ ሰባት: “ማይ ኣይሂ መጺኡ: ን[ኹ]ሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።” (ማቴዎስ 24:37-39) እቲ ዘሓጕስ ግን: ሸውዓተ ኣባላት ስድራቤት ኖህ: ሰሚዖም: ንትእዛዛት ኣምላኽ ሓልዮም: ካብቲ ዓለምለኻዊ መዓት ደሓኑ። ካብኦም ከኣ እዞም ሎሚ ዘለዉ ኵሎም ሰባት ተፋረዩ።
ድሕርዚ: ኣምላኽ ምስ ምልእቲ ሃገር ማለት ጥንታዊት እስራኤል ርክብ ነበሮ። ኣምላኽ ብሙሴ ገይሩ: እተን ዓሰርተ ትእዛዛትን ካልእ ዳርጋ 600 ዝኸውን ጽኑዕ ሕግታትን ሃቦም። የሆዋ እስራኤላውያን ብምሉኦም ክእዘዝዎ ኢዩ ተጸብዩ ነይሩ። ሙሴ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ኣብ እዋን በዓል ዳስ: ሕጊ ኣምላኽ ዓው ኢሉ ንኽንበብ ኣዚዙ ነበረ። “ነቲ ህዝቢ: ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ደጌታትካ ዘሎ ጓናኻን: ኣክቦም” ኢሉ ኣዘዘ። ንምንታይ ዕላማ? “ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ: ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ንምግባሩ ኺጥንቀቑ።” ኵሎም ክሰምዑ ከምኡውን ክማሃሩ ነበሮም። ሕስብ እሞ ኣብሎ: ነቲ ዝሰምዕዎ ክዘራረብሉስ ከመይ ኰን ተሓጒሶምሉ ክኾኑ ኣለዎም!—ዘዳግም 31:10-12
ልዕሊ ሓሙሽተ ዘበናት ጸኒሑ: ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ነቲ ጽፉፍ ኣምልኾ የሆዋ ንምምላስ ኣብ እተገብረ ወፈራ ንመሳፍንትን ሌዋውያንን ኣመሓደሮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቶም ተቐማጦ ሕግታት የሆዋ እናማሃሩ ኣብተን ከተማታት ይሁዳ ዞሩ። እቲ ንጉስ ነዚ ሕግታት እዚ ብግልጺ ከም ዝዝረበሉ ብምግባር: ንሓቀኛ ኣምልኾ ዘለዎ ትብዓት ኣርኣየ። እቶም ተገዛእቱ ከኣ: ክሰምዑን ክማሃሩን ነበሮም።—2 ዜና መዋእል 17:1-6, 9
ብምዝርራብ ገይርካ ምስክርነት ምሃብ
ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ: የሱስ: ከም ናቱ ኣፈኛ ኰይኑ ከገልግል ናብ ምድሪ ለኣኾ። (ዮሃንስ 1:14) ሰለስተ ደቀ መዛሙርቲ: የሱስ ኣብ ቅድሚኦም ትርኢቱ ቀይሩ ክርእይዎ ከለዉ “ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምጺ ኣምላኽ ሰምዑ። (ማቴዎስ 17:5) ብቕልጡፍ ከኣ ተኣዘዙ።
ብተመሳሳሊ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዕላማ ኣምላኽ ንኻልኦት ክእውጁ ኣዚዝዎም ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብ ምድሪ ናይ ሹድሽት ኣዋርሕ ኣገልግሎት ምስ ተረፎ: የሱስ እቲ ዕዮ ስብከት ናይ መንግስተ ሰማያት ሰፊሕ ስለ ዝነበረ ዝያዳ ደቀ መዛሙርቲ ከድልዩ ምኽዋኖም ኣፍለጠ። ን70 ካብኣቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓደስቲ ሰባት ከመይ ገይሮም ከም ዝዘራረቡ ምሂሩ ነቲ መልእኽቲ ብግልጺ ክዝርግሕዎ ለኣኾም። (ሉቃስ 10:1, 2, 9) ናብ ኣቦኡ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ዝነበረ ሓጺር እዋን: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነዚ መልእኽቲ እዚ ንኻልኦት ኣብ ምዝራብ መሪሕነት ክወስዱ ኣተባቢዕዎም ኢዩ: ከምዚ ኢሉ እውን ኣዘዞም:- “ስለዚ ኺዱ ን[ኹ]ሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” (ማቴዎስ 28:19, 20) ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት: ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ጐረባብቶም ብምዝርራብ ነቲ ትእዛዝ እቲ ይፍጽምዎ ኣለዉ። እዚ ምዝርራባት እዚ ብዛዕባ ፈጣሪ: የሆዋ: ሓቂ ክምስክሩ የኽእሎም ኢዩ።—ማቴዎስ 24:14
ሰላማዊ: ሃናጺ ምዝርራባት
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብምንታይ ኣገባብ ኢዮም እምነቶም ምስ ካልኦት ሰባት ክዘራረብሉ ዝነበሮም? ንተጻረርቲ ከሕርቑ: ወይ ምስኦም ክካትዑ ኣይኰኑን ነይርዎም። ኣብ ክንዳኡ: ነቲ ብስራት ዝቕበልዎ ክደልዩን ንዕኡ ዝድግፍ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ከቕርቡን ኢዩ ነይርዎም። ልክዕ ኢዩ: ኣምላኽ ነቲ ግብረ መልሲ ናይቶም ምስ ደቀ መዛሙርቲ ወዱ ዝራኸቡ ይዕዘቦ ኢዩ: ከምቲ የሱስ ዝበሎ እውን:- “ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል: እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚቕበሎ።” (ማቴዎስ 10:40) መብዛሕትኦም እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት ነቲ መልእኽቱ ክኣብዩዎ ከለዉስ ከመይ ዝበለ ንኣምላኽ ምንጻግ ኰን ኢዩ ዝነበረ!
እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ “ባርያ እግዚኣብሄር ን[ኹ]ሉ ለዋህ: መሃሪ: ዕጉስ ኪኸውን እምበር ኪበአስ ኣይግብኦን እዩ። ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ: ንስሓ እንተ ሀቦም: ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም:” ብምባል ይመክር። (2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25) እቲ ጳውሎስ ንሰብ ኣቴንስ: ግሪኽ: ብስራት ዝእውጀሉ ዝነበረ መገዲ ጽቡቕ ኣብነት ዝኸውን ኢዩ። ምስ ኣይሁድ ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዘራረብ ነበረ። ኵሉ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ “ምስ ዝረኸቦም” ይዘራረብ ነበረ። ሽሕኳ ገሊኦም ሓድሽ ሓሳባት ክሰምዑ ጥራይ ዝፈትዉ ምንባሮም ዘየጠራጥር እንተ ነበረ: ጳውሎስ ብቐጥታን ሕያውነት ብዘለዎ መገድን ኢዩ ዝዛረቦም ነይሩ። ምስ ሰማዕቱ ብዛዕባ እቲ ክናስሑ ዘዘኻኸሮም መልእኽቲ ናይ ኣምላኽ ኢዩ ተዛሪቡ። እቲ ግብረ መልሶም ምስዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት ዝመሳሰል ኢዩ ነይሩ። “ገሊኦም ኣላገጹሉ: ገሊኦም ከኣ፤ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና: በልዎ።” ጳውሎስ ነቲ ምዝርራብ ከንውሖ ኣይደለየን: ንሱ “ካብ ማእከሎም ወጸ።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:16-34
ጸኒሑ: ጳውሎስ ነቶም ኣባላት ናይታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ ‘ ዝጠቅም ዘበለ እናሰበኸሎም ኣብ ዋዕላ [ኾ]ነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃሮም ከቶ ከም ዘየብኰረ’ ተዛረቦም። ወሲኹ ከኣ ‘ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ ከም ዝመስከረ’ ይዛረብ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21
እዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት እዚ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሃይማኖት ይዘራረቡ ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ኢዩ። ሎሚውን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተኣዛዝነት ብዛዕባ ሃይማኖት ምስ ጐረባብቶም ይዘራረቡ ኢዮም።
ፍረ ዝርከቦ ምዝርራባት
‘ንቓል ኣምላኽ ስማዕ።’ ‘ንትእዛዛቱ ጽን በል።’ ከምዚ ዝበሉ መዘኻኸሪታት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዝርከቡ! ኣብ ዝመጽእ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዛረቡኻ ከለዉ ነዞም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት እዚኦም ክትምልሸሎም ትኽእል ኢኻ። ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግሩኻ መልእኽቲ ስምዓዮ። እዚ መልእኽቲ እዚ ፖለቲካዊ ዘይኰነስ ንሓንቲ ብኣምላኽ እትመሓደር ሰማያዊት መንግስቲ ማለት መንግስቲ ኣምላኽ ዝጣበቕ ኢዩ። ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ ግርጭታት ንምውጋድ ዝጥቀመሉ ኣገባብ እዚ ኢዩ። (ዳንኤል 2:44) ብድሕርዚ እዚ ካብ ሰማይ ዝመጽእ ናይ ኣምላኽ ኣገዛዝኣ: ንምልእቲ ምድሪ ከምታ ኣብ ገነት ኤድን ዝነበረት ገነት ንምልዋጣ ኪምድብ ኢዩ።
ቀደም ናይ ፖሊስ መርማሪ ዝነበረ ሰብ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከዘራርብዎ ከለዉ ኵሉ ግዜ ምስማዕ ይኣቢ ነበረ። ይኹን እምበር እቲ ክጋጠሞ ዝነበሮ ዓመጻታት እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን: በቲ ክውንነት ናይ ህይወት ተስፋ ቈረጸ። ብድሕርዚ ነቲ ቐጺሉ ዝመጾ ምስክር ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ መረጋገጺታት ክምርምሮ ምኽዋኑ ነገሮ። ስርዓታዊ ዝኾነ ምዝርራባት ቀጸለ። ሽሕኳ እቲ ፖሊስ ብዙሕ ግዜ ኣድራሻኡ ይቕይር እንተነበረ: እቶም መሰኻኽር ነቲ ዝርርብ ምእንቲ ክቕጽልዎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ኣድራሻ እናኸዱ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ፖሊስ “እቲ ኵሉ ግዜ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝረኽቦ ዝነበረኩ መርትዖ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ። እዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ምዝራበይ እንተ ዘይቅጽሉ ነይሮም: ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ትርጕም ናይ ህይወት እንታይ ምኽዋኑ እግረም ምሃለኹ ነይረ። ሕጂ ግና: ሓቂ ተማሂረ: ዝተረፈ ህይወተይ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣነ ዝነበርክዎ ኻልኦት ንኣምላኽ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ምድላይ ከሕልፎ ኢየ” በለ።
ግዱሳት ሰማዕቲ ብልቢ ኢዮም ዝያዳ ክፈልጡ ዝደልዩ። ነቲ ዝቐረበሎም እምነታት ብቕንዕና መርትዖ ዝህብ ምኽንያታት ይጽበዩ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:15) ልክዕ ከምቲ ሓደ ቈልዓ ንወለዱ ኵሉ ግዜ ሕቶታት ዝሓቶም እሞ ክምልሹሉ ኸኣ ዝጽበ: ንስኻውን ብቕንዕና እቶም መሰኻኽር ዘተኣማምን መልስታት ክህቡኻ ትጽበ ኢኻ። ተወሳኺ መልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳኻ ክዘራረቡን ብሓጐስ ክምለሱኻን ምኽዋኖም ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
ምናልባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ፍልጠት ይህልወካ ይኸውን። እቲ ኣምላኽ ካባኻ ዝጽበዮ ኣብቲ ኣገባብ ኣነባብራኻ ገለ ለውጢ ክትገብር ኪሓተካ ምኽዋኑ ትርዳእ ትኸውን። እቲ ኣምላኽ ካባይ ዝደልዮ ብዙሕ ክሓተኒ ኢዩ ብምባል ነገራት ንምክትታሎም ኣይትጠራጠር። ናይ ሓቂ ሓጐስ ጥራይ ኢዩ ዘምጽኣልካ። ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ስጕምቲ እናወሰኽካ ብዝኸድካ መጠን ነዚ ከተማስወሉ ኢኻ።
ቅድሚ ኹሉ: የሆዋ መን ምኽዋኑ: ካባኻ እንታይ ከም ዝደሊ: ከምኡውን እንታይ ከም ዝህብ ሕሰበሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝብል ነቶም መሰኻኽር ሕተቶም። ኣብቲ ናትካ ቅዳሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል መርምር። እቶም መሰኻኽር ነቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝመጸ ከም ሓቂ ገይሮም ዘቕርብዎ ነገር: ምኽንያታውያን ምኽዋኖም ምፍላጥካ: ነቲ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከካፍሉኻ ዝኽእሉ ካልእ ተወሳኺ ሰናይ ዝኾነ ነገራት ክትምርምር ከም እትደሊ ዘየጠራጥር ኢዩ።—ምሳሌ 27:17
ነቶም መሰኻኽር ኣብቲ ዞባዊ መኣከቢ ቦታኦም ማለት መንግስቲ ኣዳራሽ: መጺእካ ክትዕዘቦም ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ጠቓሚ ዝኾነ ምዝርራብ ናይ ቃል ኣምላኽ ክትሰምዕ ኢኻ። እቶም ኣብኡ ዝካፈሉ ኣብ ንሓድሕዶም ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ምዝርራብ ብኸመይ ከም ዘስተማቕርዎ ክትርኢ ኢኻ። ነዞም መሰኻኽር እዚኣቶም እቲ ሎሚ ንኣና ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጦ ዘድልየና ሓቂ ክትማሃሮ ክሕግዙኻ ኣፍቅደሎም። ብዛዕባ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምዝርራብን ስምረት ኣምላኽ ንምቕባልን: አረ ኣብ ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ: ንጻውዒት ኣምላኽ መልሸሉ።—ሚልክያስ 3:16፣ ዮሃንስ 17:3
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ኖህ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ብግልጺ ተዛረበ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ዝገበሮ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ይምህሩ ኢዮም