ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/4 ገጽ 9
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዓቢ ጭፍራ—ካበይ ዝመጹ ኢዮም?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ ዘለዉ ብዙሓት ሰብ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ይውድስዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ኣዝዮም ብዙሓት ዓቢ ጭፍራ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/4 ገጽ 9

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ብርቕቕ ዝበለ ኣዘራርባ ኣብ መንጐ “ካልኦት ኣባጊዕ” ከምኡውን “ዓቢ ጭፍራ” ዝብል ስያመታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልልይ ኣሎዶ?

እወ: ይኹን እምበር ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይ ቃላት ብዘየድሊ ተኣፈፍቲ ክንከውን ወይ ከኣ ሓደ ሰብ ነተን ስያመታት እናቐያየረ ዝጥቀመለን እንተደኣ ኰይኑ ክንሓርቕ የብልናን።

መብዛሕትኦም ክርስትያናት እዘን ስያመታት እዚኣተን ኣበየናይ ጥቕስታት ከም ዝርከባ ይፈልጥወን ኢዮም። ሓደ ካብኡ ዮሃንስ 10:16 ኢዩ። የሱስ ኣብኡ ከምዚ ይብል:- “ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን አለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ: ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪ[ኾ]ና እየን ጓሳኤንውን ሓደ።” እቲ ካልእ “ዓቢ ጭፍራ” ዝብል መግለጺ ከኣ: ኣብ ራእይ ዮሃንስ 7:⁠9 ኢዩ ዝርከብ። ኣብኡ ከምዚ ነንብብ:- “ድሕርዚ ድማ ርኤኹ: እንሆ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ [ቋ]ንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪ[ቈ]ጽሮም ዘይኽእል [ዓቢ ጭፍራ ትሓዓ ]: ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም: ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ።”

ብመጀመርታ ንዮሃንስ 10:16 ንርአ። እተን ኣባጊዕ እንታዎት ኢየን? ኵሎም እሙናት ሰዓብቲ የሱስ ከም ኣባጊዕ ተጠቒሶም ምህላዎም ክንዝክር ሰናይ ኢዩ። ኣብ ሉቃስ 12:32: ነቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንሰማይ ክኸዱ ዘለዎም “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ኢዩ ጸዊዕዎም። ናይ እንታይ መጓሰ? መጓሰ ናይ ኣባጊዕ። እቶም “ኣባጊዕ” ናይዚ “ሒደት መጓሰ” ኣብ ሰማይ ኣባላት ናይታ መንግስቲ ኪኾኑ ኢዮም። ይኹን እምበር: የሱስ ከም ኣባጊዕ ዝርእዮም እተፈልየ ተስፋ ዘለዎም ካልኦት ኣለዉ።

ነዚ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 10 ክንርእዮ ንኽእል ኢና። የሱስ ብዛዕባ እቶም ንሰማያዊ ህይወት ክጽውዖም ዘለዎ: ከም ሃዋርያቱ ዝኣመሰሉ ኣባጊዕ ድሕሪ ምዝራቡ: ኣብ ቁጽሪ 16 ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን አለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም: ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ: የሱስ ብዛዕባ ተስፋ ናይ ምድራዊ ህይወት ዘለዎም ሰባት ይዛረብ ከም ዝነበረ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ከም በዓል ኣብርሃም: ሳራ: ኖህ: ከምኡውን ሚልክያስ ዝኣመሰሉ ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ብዙሓት እሙናት ሰባት ከምዚ ዝበለ ተስፋ ኢዩ ነይሩዎም። ብልክዕ እምበኣር ከም ክፍሊ ናይቶም ኣብ ዮሃንስ 10:16 ዘለዉ “ካልኦት ኣባጊዕ” ክንወስዶም ንኽእል ኢና። ኣብቲ ሽሕ ዓመት: ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽር ኪትንስኡን “ካልኦት ኣባጊዕ” ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ ብምኽዋን ኪማሃሩን ንክርስቶስ ኪቕበልዎን ኢዮም።

እቲ ጠቕላላዊ ጻውዒት ናይቶም ሰማያውያን ክፍሊ ድሕሪ ምውድኡ: ሚልዮናት ሰባት ሓቀኛታት ክርስትያናት ከም ዝኾኑ ንፈልጥ ኢና። እዚኣቶም እውን ክፍሊ ናይቶም “ሒደት መጓሰ” ስለ ዘይኰኑ: ብልክዕ “ካልኦት ኣባጊዕ” ተባሂሎም ኢዮም ዝስየሙ። ኣብ ክንዳኡ: እዞም ሎሚ ዘለዉ ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ክነብሩ ኢዮም ብተስፋ ዝጽበዩ።

ብዛዕባ መንነት ናይቶም ኣብ ራእይ 7:9 ተጠቒሶም ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራ” እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል? እምበኣር: ኣብ ቁጽሪ 13: ነቲ “እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት እዮም[?] ካበይከ መጹ[?] ዝብል ሕቶ ንርአ። እቲ መልሲ ኣብ ራእይ 7:14 ንረኽቦ:- “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም።” ስለዚ እምበኣር እዞም “ዓቢ ጭፍራ” በቶም ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዝወጹ: ወይ ዝድሕኑ ሰባት ዝቖሙ ኢዮም። ከምቲ ቁጽሪ 17 ዝብሎ: ኣብ ምድሪ ‘ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ኪምርሑ’ ኢዮም።

እንተኾነ ግን: እዚኣቶም ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ምእንቲ ክድሕኑ: ኣቐዲሞም ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ክሓጽቡ ማለት ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ክኾኑ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት እዚ: ሽሕኳ ራእይ 7:9 ነዞም ጭፍራ ድሕሪ እቲ ጸበባ ከም ዝነበሩ ገይሩ እንተገለጾም: እቲ “ዓቢ ጭፍራ” ዝብል ስያመ ምስቲ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘውርድዎ መጥቓዕቲ ተተሓሒዙ ዝባራዕ ዓቢ ጸበባ ቅድሚ ምጅማሩ: ንኹሎም እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም: ሕጂ ኸኣ ንየሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርቡ ዘለዉ ሰባት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

ንምጥቕላል: “ካልኦት ኣባጊዕ” ንኹሎም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝሓቍፍ ዝሰፍሐ ስያመ ከም ዝኾነ ገይርና ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ነቶም ካብቲ ዝቐርብ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ድሒኖም ክነብሩ ተስፋ ብምግባር ከም “ዓቢ ጭፍራ” ዝእከቡ ዘለዉ ድሩት ክፍሊ ናይ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ዘጠቓለለ ኢዩ። መብዛሕትኦም እዞም ሎሚ ዘለዉ እሙናት ክርስትያናት ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኢዮም ከምኡውን ክፍሊ ናይቶም “ዓቢ ጭፍራ” እውን ኢዮም።

ከምቲ ክኾኖ ዘለዎ ልክዕ ዝኾነ መግለጺታት ምጥቃም ሰናይ እኳ እንተኾነ: ደጊምና ክንዛረበሉ ዘድሊ ኢዩ: ዝኾነ ክርስትያን ብቓላት ኣመና ዝግደስ ማለት ቃላት ዝኣሪ ክኸውን ኣየድልዮን ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ “ብትዕቢት እተነፍሑ” ከምኡውን ኣብ “ክትዕ ናይ ቃላት” ኣትዮም ዝነበሩን ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠4 ትሓዓ ) ብብሕትና ኣብ መንጐ ስያመታት ዘሎ ገለ ፍልልያት እንተደኣ ፈሊጥና ጽቡቕ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስያመታት ብልክዕ ገይሮም ንዘይጥቀምሉ ካልኦት ሰባት ነቐፍቲ ምኽዋን ኣየድልየናን ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ