ሃይማኖት ከይዝረበሉ እተኸልከለ ኣርእስቲ ድዩ?
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክዛረብዎም ከለዉ ብተደጋጋሚ ዘጋጥሞም መልሲ “ፈጺመ ዘይዘራረበሎም ክልተ ኣርእስትታት ኣለዉ:- ሃይማኖትን ፖለቲካን!” ዝብል ኢዩ። እቲ ኣረኣእያ ኸኣ ርዱእ ኢዩ።
ሰባት ብዛዕባ ፖለቲካ ክካትዑ ከለዉ: ሓርቖት ይልዓልን ባእሲ ይስዕብን ይኸውን። ብዙሓት በቲ ባዶ ተስፋታት ኣይታለሉን ከምኡውን ፖለቲከኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ሓይሊ: ዝና: ገንዘብ ጥራይ ከም ዝደልዩ ይርድኡ ኢዮም። ዘሕዝን ድማ ሓድሓደ ግዜ ፖለቲካዊ ፍልልያት ናብ ናዕቢ ኢዩ ዘምርሕ።
‘ይኹን እምበር: ብዛዕባ ሃይማኖትከ ልክዕ ከምኡዶ ኣይኰነን?’ ዝብል ምርዳእ ይህልወካ ይኸውን። ሃይማኖታዊ ስምዒት ነዞም ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ግርጭታት ኣባሪዑዶ ኸይኰነ? ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ: ናይ ሮማ ካቶሊክን ፕሮቴስታንትን ኣብ ንሓድሕዶም ንነዊሕ ግዜ ኣንጻር ኢዮም ነይሮም። ኣብ ሃገራት ባልካን: ኣባላት ናይ ምብራቕ ተዋህዶ ቤተ–ክርስትያን: ናይ ሮማ ካቶሊክ ከምኡውን ካልኦትን ግዝኣት ንክህልዎም ተወዳዲሮም ኢዮም። ውጽኢቱኸ? ጭካነን ቀጻሊ ጽልእን ኰነ።
ብዙሓት ሰባት ናይ ሞት ምፍርራሕ ምስ ኣጋጠሞም: ብሕታዊ እምነቶምን እምነት ናይ ቤተሰቦምን ክሓብኡ ፈቲኖም ኢዮም። ኣብ ኣፍሪቃ: ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ ኣመንቲ ህዝበ ክርስትያንን ናይ ካልእ ናይ ወጻእን ዓሌታውን ሃይማኖታት ደገፍትን ዝነበረ ናይ ዘበናት ሃይማኖታዊ ጽልኢ: ወለዲ እቲ ክሳዕ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ ልምዲ: ማለት ንውሉዳቶም ክከላኸለሎም ዝኽእል ክልተ ኣስማት ከውጽእሎም ተገዲዶም ኢዮም። ስለዚ: ሓደ መንእሰይ ወዲ ነታ ሓንቲ ስም ገዲፉ ነታ ሓንቲ ብምጥቃም ንገዛእ ርእሱ ከም ኣባል ቤተ–ክርስትያን ወይ ሰዓቢ ናይ ካልእ ሃይማኖት ኢዩ ዘፋልጣ። ንሓደ ሰብ ሃይማኖታዊ እምነቱ ህይወቱ ዝሓቶ እንተደኣ ኰይኑ: ብዛዕባ ሃይማኖት ብግልጺ ንምዝርራብ ክጠራጠርሲ ዘገርም ኣይኰነን።
ንኻልኦት ድማ: ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ እውን እንተኾነ ሃይማኖት ከይዝረበሉ እተኸልከለ ኣርእስቲ ኢዩ። ብዛዕባ እምነቶም ምስ ሓደ እተፈልየ እምነት ዘለዎ ሰብ ምዝርራብ ናብ ነጥቢ ዘይብሉ መጐተ ከምርሕ ኢዩ ዝብል ፍርሂ ኣለዎም። ካልኦት እውን ኵሉ ሃይማኖት ጽቡቕ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ። ንሓደ ሰብ እቲ ዝኣምኖ ክሳዕ ዘዕገቦ: ብዛዕባ ፍልልያት ምዝርራብ ከንቱ ኢዩ ኸኣ ይብሉ።
እቶም ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት እንታይነት ዘጽንዑ ቀንዲ ተማሃሮ እውን እንተኾኑ ኣብ ንሓድሕዶም ኣይሰማምዑን ኢዮም። ዘ ኒው ኤንሳይክሎፔዲያ ብሪታኒካ ኣብቲ “መጽናዕትን ምዳበን ናይ ሃይማኖታት” ዝብል ዓንቀጻ “ሳሕቲ እንተዘይኰይኑ . . . ብዛዕባ እንታይነት [ናይ ሃይማኖት] ኣብ መንጐ ምሁራት ጽልኢ ዘይተራእየሉ ግዜ ዳርጋ የለን . . . ስለዚ እምበኣር: እዚ ኣርእስቲ እዚ: ኣብ ታሪኹ: ናይ ክርክር ጉዳያት ዝሓዘ ኢዩ” ብምባል ትእመን።
ሓደ መዝገበ ቃላት ንሃይማኖት “ንሓደ ከም ፈጣርን ገዛእን ናይ ኣድማስ ዝፍለጥ ልዕለ–ሰብኣዊ ሓይሊ ናይ ሰብ መግለጺ እምነትን ክብርን” ኢሉ ይገልጾ። በዚ: ሃይማኖት ኣብ ህይወት ኣገዳሲ ተራ ከም ዝነበሮ ይገልጽ። ብርግጽ: ሃይማኖት ንሰብኣዊ ታሪኽ ኣብ ምቕራጽ ኣድማሳዊ ረቋሒ ኰይኑ ኢዩ። እቲ ኦክስፎርድ ኢላስትረይትድ ኤንሳይክሎፔዲያ ኦቭ ፒፕልስ ኤንድ ካልቸርስ ዝበሃል መጽሓፍ “ብገለ መልክዕ ናይ ሃይማኖት ገይሩ: ንህይወት ትርጉምን ስርዓትን ክህቦ ዘይደለየ ማሕበረሰብ የለን” ይብል። ነዚ ከም “ስርዓት” ከምኡውን “ትርጉም” ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ብምጥቕላሉ ሃይማኖት ብርግጽ ኣብ ክንዲ መጐተን ክትዕን: ካልእ ምተገብኦ። ብሓቂ: ምስ ገለ ሰብ—ዕምቍ ዝበለ—ምዝርራብ ዘድልዮ ኢዩ። ግን ምስ መን: እንታይ ጥቕሚኸ ክርከቦ ይኽእል?