ሓጐስ የሆዋ ዕርድና ኢዩ
“እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ: ሓጐስ እግዚኣብሄር [ዕርድኹም “ትሓዓ” ] እዩ እሞ: ኣይትጕሀዩ: በሎም። ”—ነህምያ 8:10
1, 2. (ሀ) ዕርዲ እንታይ ኢዩ? (ለ) ዳዊት ኣብ የሆዋ ከም ዘዕቆበ ብኸመይ ኣርእዩ?
የሆዋ መዋዳድርቲ ዘይብሉ ዕርዲ ኢዩ። ዕርድኸ እንታይ ኢዩ? ጸኒዑ እተሃንጸ ቦታ ናይ ዑቕባን ድሕነትን ኢዩ። እቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ንኣምላኽ ከም ዕርዱ ይርእዮ ነበረ። ንኣብነት: ዳዊት ናብቲ ኣዝዩ ልዑል “ካብ ኢድ ኵላቶም ጸላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን:” ንጉስ እስራኤል: “ምስ ኣናገፎ” ዘቕረቦ መዝሙር ንርአ።—መዝሙር 18 ናይ ላዕሊ ጽሑፍ።
2 ነዚ ዘለዓዕል መዝሙር እዚ: ዳዊት ከምዚ ብምባል ጀመሮ:- “ዎ እግዚኣብሄር ሓይለይ: ኤፍቅረካ እየ። እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ: ዕርደይ: መናገፍየይ: ኣምላኸይ: ዝሀድመሉ ጸግዔይ: ዋልታይ: ቀርኒ ምድሓነይ: ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ።” (መዝሙር 18:1, 2) ብንጉስ ሳኦል ብዘይግቡእ ከም ዝኹብልልን ከም ዝስጐጕን ምስ ኮነ: ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ካብ መዓት ክድሕን ምእንቲ ናብ ሓደ ብጽኑዕ እተሃንጸ ቦታ ዝጐዪ: እቲ ጻድቕ ዝነበረ ዳዊት ከኣ ናብ የሆዋ ኢዩ ተዓቊቡ።
3. እቶም ኣብ ግዜ እዝራ ዝነበሩ ኣይሁድ “ዓብዪ ሓጐስ” ዝረኸቡ ስለምንታይ ኢዩ?
3 እቲ የሆዋ ዝህቦ ሓጐስ: ነቶም ብመገዱ ከም ሓለውቲ ንጽህና ኴይኖም ዝመላለሱ: ዘይዓኑ ዕርዲ ኢዩ። (ምሳሌ 2:6-8፣ 10:29) ውህበት ኣምላኽ ዝኾነ ሓጐስ ምእንቲ ክህልዎም: ሰባት ብርግጽ ነቲ መለኮታዊ ፍቓድ ክገብርዎ ኣለዎም። ብዛዕባዚ ዝምልከት ብ468 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዮሩሳሌም እተፈጸመ ንመልከት። እዝራ እቲ ጸሓፍን ካልኦትን: ትርጕም ዘለዎ ንባብ ናይቲ ሕጊ ብምግባር ፍልጠት ኣመሓላለፉ። ሽዑ ነቶም ህዝቢ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም:- “እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ: ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን: . . . ኪዱ ዝሰብሔ ብልዑ: ዝጠዐመ ድማ ስተዩ: ነቶም ዜብሎም ከኣ ግዲኦም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ: ሓጐስ እግዚኣብሄር [ዕርድኹም ትሓዓ ] እዩ እሞ: ኣይትጕሀዩ።” እቶም ኣይሁድ ነቲ ዝረኸብዎ ፍልጠት ምስ ተግበርዎን ደስ ዘብል ብዓል ዳስ ምስ ኣብዓሉን: “ዓብዪ ሓጐስ” ኣምጽኣሎም። (ነህምያ 8:1-12) እቶም ‘ሓጐስ የሆዋ ከም ዕርዶም ዝነበረ’ ንኣምልኾኡን ኣገልግሎቱን ሓይሊ ኣከቡ። ሓጐስ የሆዋ ዕርዶም ስለ ዝነበረ: ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ድማ ሕጕሳት ክኾኑ ኢና እንጽበዮም። እሞኸ ደኣ: ገለ ናይዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝሕጐሱሉ ምኽንያታት እንታይ ኢዩ?
“ምሉእ ሓጐስ”
4. ንህዝቢ የሆዋ ሓደ ቀንዲ ምንጪ ናይ ሓጐስ እንታይ ኢዩ?
4 ሓደ ንሓጐስ ቀንዲ ምኽንያት ዝኸውን እቲ የሆዋ ብሓደ ንምእካብ ገይርዎ ዘሎ ምድላው ኢዩ። ከምቲ ንእስራኤላውያን እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዓመታዊ በዓላት ንልቦም ሓጐስ ዘምጽእ ዝነበረ: ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትንውን ሎሚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓጐስ የምጽኣሎም ኢዩ። ህዝቢ እስራኤል ከምዚ ዝብል ተነጊርዎም ነይሩ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብ[ኹ]ሉ እቶትካን ብ[ኹ]ሉ ግብሪ ኢድካን ኪባርኸካ: ንስኻ ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐስ ኢኻ እሞ: ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዕል።” (ዘዳግም 16:13-15) እወ: ኣምላኽ ‘ምሉእ ሓጐስ ክሕጐሱ’ ይደልዮም ነበረ። ንክርስትያናትውን ከምኡ ኢዩ: ምኽንያቱ ሃዋርያ ጰውሎስ ንብጾቱ ኣመንቲ “ብጐይታ [ኹ]ሉ ሳዕ ተሓጐሱ: ደጊመ: ተሓጐሱ: እብል ኣሎኹ” ኢሉ ተላብዩዎም ኢዩ።—ፊልጲ 4:4
5. (ሀ) ሓጐስ እንታይ ኢዩ: ክርስትያናትከ ብኸመይ ይረኽብዎ? (ለ) ፈተናታት እኳ እንተሎ ሓጐስ ክህልወና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ?
5 የሆዋ ሕጕሳት ክንከውን ስለ ዝደልየና: ንሓጐስ ከም ሓደ ካብቲ ፍረ መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ሂቡና ኣሎ። (ገላትያ 5:22, 23) ሓጐስከ እንታይ ኢዩ? ሰናይ ብምጽባይ ወይ ከኣ ብምርካብ ዝመጽእ ናይ ፍስሃ ስምዒት ኢዩ። ሓጐስ ናይ ሓቂ ባህታ: ምፍንጫሕውን ዘለዎ ኵነታት ኢዩ። እዚ ናይ ኣምላኽ ፍረ መንፈስ እዚ ኣብ ግዜ ፈተና ይድግፈና። ‘[የሱስ] ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል ተዓጊሱ ኣብ የማን ኣምላኽ ከኣ ተቐመጠ።’ (እብራውያን 12:2) ወደ መዝሙር ያእቆብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ኣሕዋተየ: በበይኑ ዝኾነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ን[ኹ]ሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፍለጡ።’ ብዛዕባ ሓደ ፈተና እንታይ ከም እንገብር እንተ ዘይፈለጥናኸ እንታይ ይኹን? ንኽንዋጽኣሉ ጥበብ ክወሃበና ብምትእምማን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ምስቲ ሰማያዊ ጥበብ ምስምማዕ ንሽግራት ክንፈትሕ ወይ ከኣ: ነቲ ዘየቋርጽ ፈተናታት ሓጐስ የሆዋ ከየጥፋእና: ንኽንጋጠሞ የኽእለና።—ያእቆብ 1:2-8
6. ኣብ መንጐ ሓጐስን ናይ ሓቂ ኣምልኾን እንታይ ዝምድና ኣሎ?
6 እቲ የሆዋ ዝህበና ሓጐስ: ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድንፋዕ የበርትዓና። እዚ ኣብ መዓልትታት ነህምያን እዝራን ዝኾነ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓጐስ የሆዋ ዕርዶም ዝነበረ ኣይሁድ: ረብሓታት ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ንኸቐድሙ በርቲዖም ኢዮም። ንኣምልኾ የሆዋ እናኣደንፍዕዎ ምስ ከዱ ኸኣ: ሓጐሶም እናዓበየ ከደ። ሎሚውን እንተኾነ ከምኡ ኢዩ። ከም ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን: ዓብዪ ሓጐስ ንኽንሕጐስ መሰረት ኣሎና። እስከ ካብቶም ብዙሓት ምኽንያታት ናይ ሓጐስ ዝኾኑና ገለ ተወሰኽቲ ንርአ።
ብክርስቶስ ኣቢልካ ዝምድና ምስ ኣምላኽ
7. ክርስትያናት ብዛዕባ የሆዋ ዝምልከት: ንኽሕጐሱ እንታይ ምኽንያት ኣለዎም?
7 እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጥብቂ ዝምድና: ኣብ ምድሪ እቶም ኣዝዮም ሕጕሳት ሰባት ይገብረና። ክርስትያናት ቅድሚ ምዃንና: ክፍሊ ናይቲ ‘ኣእምሮኡ ዝጸልመተ: ካብ ህይወት ኣምላኽ ዝረሓቐ’ እኩይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢና ነይርና። (ኤፌሶን 4:18) ሕጂ ግን ካብ የሆዋ ርሑቓት ዘይምዃንናስ: ኣየ ክንደይ ኢዩ ደስ ዝብለና! ኣብ ስምረቱ ክንቅጽል ብርግጽ ጻዕሪ ይሓትት ኢዩ። ‘ካብቲ ተስፋ ናይቲ ወንጌል: ከይተናቓነቕና: ተሰሪትና ደልዲልና ብእምነት’ ክንቅጽል ኣሎና። (ቈሎሴ 1:21-23) ምስቲ የሱስ ባዕሉ “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” ዝበሎ ቃላት ብምስምማዕ: የሆዋ ኣብ ቤቱ ስለ ዝሰሓበና ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 6:44) ነቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዘሎና ክቡር ዝምድና ነማስወሉ እንተ ደኣ ኴንና: ካብ ዝኾነ ከባላሽዎ ዝኽእል ነገር ክንሕሎ ኢና።
8. ነዚ ሕጕስ ኵነታትና የሱስ ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ?
8 ናብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ብምእማን ዝርከብ ሕድገት ሓጢኣት: ሓደ ዓቢ ምኽንያት ናይ ሓጐስ ኢዩ: ምኽንያቱ እዚ ኢዩ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና ክዉን ዝገብሮ። ኣቦና ኣዳም ብድልየቱ መገዲ ሓጢኣት ብምኻዱ: ኣብ ልዕሊ ኩሉ ወድሰብ ሞት ኣምጽአ። ይኹን እምበር ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ገሊጹ ኣሎ:- “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።” ጳውሎስ ከምዚ ኢሉውን ጸሓፈ:- “እምበኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝ[ኾ]ኑ: ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪ[ኾ]ኑ እዮም እሞ: ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመጸ: ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኵሉ ሰብ መጸ።” (ሮሜ 5:8, 18, 19) የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ንኸምዚ ዝበለ ፍቕራዊ ምድላው ዝጥቀምሉ ዘርኢ ኣዳም: ሓራ ክገብሮም ደስ ስለ ዝብሎስ: ኣየ ክንደይ ኢና እንሕጐስ!
ሃይማኖታዊ ሓርነትን ምንቕቓሕን
9. ብሃይማኖታዊ ኣመለኻኽታ ሕጕሳት እንኸውን ስለምንታይ ኢና?
9 ካብ ዓባይ ባቢሎን: እታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ምዃን ካልእ ንምሕጓስ ምኽንያት ዝኸውን ኢዩ። መለኮታዊ ሓቂ ኢዩ ሓራ ገይሩና። (ዮሃንስ 8:32) ካብዛ ሃይማኖታዊት ኣመንዝራ እዚኣ ሓራ ምዃን ማለት ከኣ ካብ ሓጢኣታ ዘይምክፋል: ኣብ መዓታ ዘይምጽንባር: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ምስኣ ዘይምጥፋእ ማለት ኢዩ። (ራእይ 18:1-8) ካብዚ ኵሉ ምምሏቕ ዘጉሂ ነገር የብሉን!
10. ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ኣየናይ ምንቕቓሕ ኢና እነስተማቕሮ?
10 ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ክትርድኦን ክትገብሮን ካልእ ምኽንያት ናይ ዓብዪ ሓጐስ ኢዩ። ካብ ጽልዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ኴንና: ነቲ እቲ ሰማያዊ ኣቦና በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ ዝህበና: ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርሀ ዝኸይድ መንፈሳዊ ምስትውዓል ከነስተማቕሮ ኢና። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ ) ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት: እቶም ናብ የሆዋ ፍጹም ተወፋይነት ዘለዎም ጥራይ ኢዮም: መንፈስ ቅዱሱን እተባረኸ ምርዳእ ናይ ቃሉን ፍቓዱን ዝህልዎም። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ኢዩ:- “እቲ መንፈስ ግና መዓሙ[ቕ] ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ን[ኹ]ሉ ይምርምር እዩ እሞ: ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና [እቲ ነቶም ዜፍቅርዎ ዘዳለወሎም]።” (1 ቈረንቶስ 2:9, 10) ነቲ ኣብ ምሳሌ 4:18 ተገሊጹ ዘሎ እናማዕበለ ዝኸይድ ምርዳእ ነስተማቕሮ ምህላውና ከነመስግነሉን ክንሕጐሰሉን ንኽእል ኢና ከምዚ ዝብል:- “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ።”
ተስፋ መንግስትን ዘለኣለማዊ ህይወትን
11. እቲ ዘሐጕስ ተስፋ መንግስቲ ብኸመይ ኢዩ ንኻልኦት ተዘርጊሑ?
11 ናይ መንግስቲ ተስፋና እውን ሕጕሳት ይገብረና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ካብ ነዊሕ ኣትሒዝና እታ ሓንቲ ተስፋ ናይ ኵሉ ወድሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ኣዊጅና ኢና። ንኣብነት: ነቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ዝነበረ ውሳኔ: ኣብ ብዘላ ዓለም እተኻየደ 51 ዓበይቲ ኣኼባታት: ብዓቢ ሓጐስን ጭብጨባን ዘጽደቕናሉ ናይ 1931 ዓመት ንመልከት። (ኢሳይያስ 43:10-12) እዚ ውሳኔ እዝን ሓደ ብጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ (እቲ ሽዑ ዝነበረ ፕረሲደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ) ዝቐረበ ኣገዳሲ ናይ ዓቢ ኣኼባ ዝርርብን ኣብታ እታ መንግስቲ: ተስፋ ናይ ዓለም ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ ንእሽቶ መጽሓፍ ተሓትመ። ብዛዕባ ናይ ህዝበ ክርስትያን ክሕደትን ንምኽሪ የሆዋ ምንዓቓን ዘመልክት: ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ እቲ ዝጸደቐ ካልእ ውሳኔውን ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ኣትዩ ነይሩ። “ተስፋ ናይ ዓለም መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ: ካልእ ተስፋ ፈጺሙ የለን” ኢላውን ኣዊጃ ኢያ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ቅድሓት ናይዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ኩሉ ክፍሊ ናይ ምድሪ ዓደሉ። ካብ ሽዑ ኣትሒዝና እታ ሓንቲ ተስፋ ናይ ወድሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ኩሉ ግዜ ኣረጋጊጽና ኢና።
12. ኣብ ቅድሚ እቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ እንታይ ዘሐጕስ መጻኢ ህይወት ኢዩ ተቐሚጡሎም ዘሎ?
12 በቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ መንግስቲ እንጽበዮ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ንሕጐስ ኢና። እቲ “ሒደት መጓሰ” ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያን ሕጕስ ሰማያዊ ተስፋ ኣለዎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ይባረኽ” ብምባል ጸሓፈ: ምኽንያቱ ‘ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡ ዘሎ ርስቲ: ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ስለ ዝወለደና።’ (ሉቃስ 12:32፣ 1 ጴጥሮስ 1:3, 4) ሎሚ መብዛሕትኦም ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ዝርከብ ህይወት ዘለኣለም ኢዮም ዝጽበዩ። (ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 17:3) ምስቲ ንሕና እንጽበዮ ዘሐጕስ ነገራት ዝወዳደር ዘለዎ ዋላ ሓደ ህዝቢ ኣብ ምድሪ የለን። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና ከነማስወሉ ዘሎና!
እተባረኸ ሕውነት
13. ነቲ ኣህጉራዊ ሕውነትና ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና?
13 ክፍሊ ናይቲ ንበይኑ ኣምላኻዊ ስምረት ዝረኸበ ኣህጉራዊ ሕውነት ምዃን እውን: ምንጪ ናይ ዓብዪ ሓጐስ ኢዩ። ዘሐጕስ ከኣ እቶም ኣብ ምድሪ ኣዝዮም ዝብሃጉ ብጾት ኢዮም ዘለዉና። የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ንግዜና ብምምልካት ከምዚ በለ:- “ን[ኹ]ላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ [ተባሃጊ ትሓዓ ] ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” (ሃጌ 2:7) ልክዕ ኢዩ: ኵሎም ክርስትያናት ዘይፍጹማት ኢዮም። ይኹን እምበር: የሆዋ ንኸምዚኦም ዝበሉ ዘይፍጹማት ውልቀሰባት ብክርስቶስ ኣቢሉ ናብኡ ኣምጺእዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 14:6) የሆዋ ተባሃግቲ ገይሩ ዝረኣዮም ሰባት ናብኡ ኣምጺእዎም ስለ ዘሎ: ሕውነታዊ ፍቕሪ እንተ ኣርኢናዮም: እንተ ኣኽቢርናዮም: ኣብ ኣምላኻዊ ንጥፈታት እንተ ተሓባቢርናዮም: ኣብ ግዜ ፈተንኦም እንተ ደጊፍናዮም: ከምኡውን ኣብ ክንድኦም እንተ ጸሊና: ሓጐስና ኪዓቢ ኢዩ።
14. ካብ 1 ጴጥሮስ 5:5-11 እንታይ ምትብባዕ ኢና እንወስድ?
14 እዚ ኹሉ ንሓጐስና ኣበርክቶ ኣለዎ። ብርግጽ ሓጐስ የሆዋ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዕርዲ ናይ መንፈሳዊ ሕውነትና ኢዩ። እወ: ኵላትና መስጐግትን ካልእ ሽግራትን የሳቕየና ኢዩ። እዚ ግና: ከም ክፍሊ ናይታ ኣብ ምድሪ ዘላ ሓንቲ ሓቀኛ ማሕበር ኣምላኽ መጠን: ብሓደ ከስምረናን ናይ ሓድነት ስምዒት ክህበናን ኣለዎ። ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ: ከም ዝሓልየልና ስለ እንፈልጥ: ንኹሉ ዘጨንቐና ኣብኡ ብምድርባይ: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ገዛእ ርእስና ከነትሕት ኣሎና። ሰይጣን ክውሕጠና ስለ ዝደሊ ጥንቁቓት ክንከውን ከድልየና ኢዩ: ኣብዚ ግን ንበይንና ኣይኰንናን ምኽንያቱ ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም: ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።” እዚ ዘሐጕስ ኣህጉራዊ ሕውነት እዚ ፈጺሙ ኣይፈርስን ኢዩ ምኽንያቱ ‘ቅሩብ ግዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብና ኣምላኽ ኪፍጽመልና: ኬጽንዓና: ከበርትዓና’ ምዃኑ መረጋገጺ ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 5:5-11) ሕስብ እሞ ኣብሎ። እዚ ዘሐጕስ ሕውነትና ንዘለኣለም ኪቕጽል ኢዩ!
ዕላማ ዘለዎ ህይወት
15. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕላማ ዘለዎ ህይወት ኣለዎም ክብሃል ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ?
15 ዕላማ ዘለዎ ህይወት ስለ ዘሎና ኣብዛ እተሸገረት ዓለም ሓጐስ ናትና ኢዩ። ንዓናን ንኻልኦትን ዘሐጕስ: ሕድሪ ናይ ኣገልግሎት ተዋሂብና ኢና። (ሮሜ 10:10) መዓይይቲ ኣምላኽ ምዃን ብሓቂ ዘሐጕስ መሰል ኢዩ። ብዛዕባዚ ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ኣጵሎስ እንታይ እዩ[?] ጳውሎስሲ እንታይ እዩ[?] ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም: እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሀቦ እዩ። ኣነ ተኸልኩ: ኣጵሎስ ኣስተየ: ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። እምበኣርሲ እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር: እቲ ዝተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዐብሱ የብሎምን። እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም: ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ: ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ: ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።”—1 ቈረንቶስ 3:5-9
16, 17. ህዝቢ የሆዋ ዕላማ ዘለዎ ሕጕስ ህይወት ከም ዘለዎም ንምርግጋጽ እንታይ ኣብነታት ክጥቀስ ምተኻእለ?
16 ንየሆዋ ብእምነት ምግልጋል: ሓጐስ ዘምጽእ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ከም ዘስዕበልና ብዙሕ ኣብነታት ክጥቀስ ምተኻእለ ነይሩ። ከም ኣብነት ዝውሰድ እዚ ዘረባ እዚ ኣሎ:- “ኣብቲ መሊኡ ዝነበረ ኣደራሽ መንግስቲ [ኣብ መዓልቲ ናይ ወፈይኡ በዓል ፕሮግራም] ቁሊሕ ኢለ ረኣኹ እሞ: ሾሞንተ ኣባላት ናይ ስድራና: ንዓይን ንሰበይተይን ከምኡውን ነቶም ሰለስተ ደቅና መምስ ናይ መርዓ ብጾቶም ሓዊስካ: ክርኢ ኸኣልኩ። . . . ኣነን ሰበይተይን ኣብቲ ኣገልግሎት ናይ ኣምላኽ ናይ ብሓቂ ሕጕስን ዕላማ ዘለዎ ህይወትን ነይሩና ኢዩ።”
17 ሓደ ሰብ ዝኾነ ዕድመ ይሃልዎ ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝርከብ ዕላማ ዘለዎ ሕጕስ ህይወት: ክኣቱ ከም ዝኽእል ምፍላጥውን ዘተባብዕ ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ኣብ ናይ ኣረግቶት መእለዪ ቦታ ብዛዕባ ሓቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈለጠት ሰበይቲ: ኣብ 102 ዕድሚኣ ከም ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይና ተጠምቀት። ስለዚ ‘ንኣምላኽ ብምፍራህን: ንትእዛዛቱ ብምሕላውን’ ንህይወታ ብዘሐጕስ ዕላማ ወደአቶ።—መክብብ 12:13
ዘይዓኑ ዕርዲ
18. ተሰፋ ምቍራጽ ንምውጋድን ሓጐስና ንምውሳኽን እንታይ ክግበር ምተኻእለ?
18 ሓጐስ የሆዋ ነቶም እሙናት ዘይዓኑ ዕርዲ ኢዩ። እዚ ሓጐስ እዚ ምህላው ግን: ከምቲ የሱስ ኣብ ጌተሰማኔ “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጕሂ ኣላ” ክብል ዝደፋፍኦ ዘሕዝን እዋናት: ፈጺሙ ኣይክህልወናን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። (ማርቆስ 14:32-34) ንኣብነት ኣብ ስሱዕ ተግባራት ብምዝባልና ተስፋ ምቍራጽ መጺኡና ይኸውን። እምብኣርከስ ኣነባብራና ንቐይር። ሓጐስና ብዘይስስዐ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዝኾነ ከቢድ ሓላፍነት ብምጻርና ዝቕንስ እንተ ኾይኑ: ንጭንቀትና ዘህድእ: ከምኡውን ሕጕስ መንፈስ ዝመልስ: ምትዕርራያት ክንገብር ንኽእል ንኸውን። ብተወሳኺውን: ነዚ ሓጥእ ስጋናን ነዛ እክይቲ ዓለምን ንድያብሎስን በርቲዕና ብምቅዋም: ንየሆዋ ደስ ከነብሎ እንተ ፈቲንና ብሓጐስ ክባርኸና ኢዩ።—ገላትያ 5:24፣ 6:14፣ ያእቆብ 4:7
19. ነቲ ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘሎና ዝኾነ ይኹን መሰላት ብኸመይ ክንርእዮ ይግብኣና?
19 በዞም እተዘራረብናሎም ምኽንያታትን ብዙሓት ካልኦትን ዓብዪ ሓጐስ ኣሎና። ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ንኹን ወይ ከኣ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተጸመድና: ኵልና ኣብ ዕዮ ጐይታ ዝዕየ ብዙሕ ኣሎና: እዚ ኸኣ ብርግጽ ንሓጐስና ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 15:58) ኣብ ማሕበር የሆዋ ዝኾነ መሰል ይሃልወና ብዘየገድስ: መመስገንቲ ንኹን: ብሓጐስ ከኣ ነቲ ፈቃርን ሕጕስን ኣምላኽና ብቐጻሊ ቅዱስ ኣገልግሎት ነቕርብ።—1 ጢሞቴዎስ 1:11
20. እቲ ዝዓበየ መሰልና እንታይ ኢዩ: ብዛዕባ እንታይከ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል?
20 ብሕልፊ እኳ: ከም መሰኻኽሩ መጠን ነቲ ዓብዪ ስም ኣምላኽ ንምጻር ዘሎና መሰል: ንኽንሕጐስ ምኽንያት ይኾነና ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ዘይፍጹማት ኢና ብዙሕ ፈተናታት ከኣ የጋጥመና ኢዩ: ይኹን እምበር ነቲ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ዘሎና ዘደንቕ በረኸታት: ኣብ ኣእምሮና ንሓዞ። ክንዝክሮ ዘሎና ኸኣ: እቲ ክቡር ሰማያዊ ኣቦና ፈጺሙ ኣየፍሽለናን ኢዩ። ሓጐስ የሆዋ ዕርድና እንተ ኾይኑ: ኵሉ ግዜ ከም እንባረኽ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ብኸመይ ምመለስካ?
◻ “ሓጐስ የሆዋ” እንታይ ኢዩ?
◻ ክርስትያናት ናይ ሓቂ ሓጐስ ዝረኽቡ ብኸመይ ኢዮም?
◻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጕሳት ዝኾኑሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ ኢዮም?
◻ ሓጐስ የሆዋ ዘይዓኑ ዕርዲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?