ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/1 ገጽ 25-31
  • ንየሆዋ ብሕጕስ ልቢ ኣገልግሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ብሕጕስ ልቢ ኣገልግሎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ብሕጕስ ልቢ” ብኸመይ ከም እተገልግል
  • ሓጐስ ክጐድል ከሎ
  • ብሓጐስ ምጽባይ
  • ኣብ መስጐግቲውን ሓጐስ
  • “ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግልዎ”
  • ብተስፋኻ ተሓጐስ
  • ሓጐስ—ካብ ኣምላኽ እነጥርያ ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ሓጐስ የሆዋ ዕርድና ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • “ጻድቕ ብየሆዋ ኺሕጐስ . . . እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ወትሩ ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/1 ገጽ 25-31

ንየሆዋ ብሕጕስ ልቢ ኣገልግሎ

“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብሕጕስ ልቢ ስለ ዘየገልገልካዮ: እዚ ኹሉ መርገም ኪወርደካ . . . እዩ። ”​—⁠ዘዳግም 28:​45-47 “ትሓዓ”

1. እቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም የገልግልዎ ሕጕሳት ከም ዝኾኑ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ?

ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ: ፍቓዱ ዝገብሩ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ሕጕሳት ኢዮም። መላእኽቲ ዝጽውዑ “ከዋኽብቲ ጽባሕ” ምድሪ ክትስረት ከላ ብሓጐስ ጨደሩ: ብዘይጥርጥር እዞም ኣእላፋት መላእኽቲ ሰማይ ብሓጐስ ኢዮም ‘ቃሉ ዝፍጽሙ።’ (እዮብ 38:​4-7፣ መዝሙር 103:​20) እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ሕጕስ “ሰራሕተኛ” ኢዩ ነይሩ: ኣብ ምድሪውን ነቲ መለኮታዊ ፍቓድ ከም ሰብ: የሱስ ክርስቶስ: ኰይኑ ክገብሮ ደስ ኢልዎ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ‘ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል ተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ።’​—⁠ምሳሌ 8:​30, 31፣ እብራውያን 10:​5-10፣ 12:​2

2. እቶም እስራኤላውያን በረኸት ወይ መርገም ንኽረኽቡ እንታይ ኢዩ ዝውስኖ ነይሩ?

2 ህዝቢ እስራኤል ንኣምላኽ ባህ ከብልዎ ኸለዉ ይሕጐሱ ነይሮም። እንተ ዘይተኣዘዝዎኸ? “[መርገም] ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪኾኑ ኢዮም። ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ: ንእግዚአብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ [ብሕጕስ ትሓዓ ] ልቢ ስለ ዘየገልገልካዮ: ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ: ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ” ዝብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘዳግም 28:​45-48) በረኸትን መርገምን: መን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዝነበሩን መን ከኣ ከም ዘይነበሩን የነጽሮ ነበረ። ከምዚ ዝበለ መርገም ንናይ ኣምላኽ መትከልን ዕላማን ዋጋ ዘይብሉ ገይርካ ክርአ ወይ ከኣ ክንዓቕ ከም ዘይክእል የረጋግጽ። እስራኤላውያን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምብዳምን ምምራኽን ዝህቦም ዝነበረ መጠንቀቕታ ስለ ዘይሰምዕዎ የሩሳሌም “ን[ኹ]ላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ” ኮነት። (ኤርምያስ 26:​6) እምብኣርከስ ንኣምላኽ ንተኣዘዞ እሞ ስምረቱ ኸኣ ንርከብ። ሓጐስ ሓደ ካብቲ እቶም ኣምልኾ ዘለዎም ዝምኮርዎ መለኮታዊ በረኸት ኢዩ።

“ብሕጕስ ልቢ” ብኸመይ ከም እተገልግል

3. እቲ ምሳልያዊ ልቢ እንታይ ኢዩ?

3 እስራኤላውያን ንየሆዋ “ብሕጕስ ልቢ” ከገልግልዎ ነበሮም። እዞም ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽውን ከምኡ ክገብሩ ኣለዎም። ምሕጓስ ማለት “ባህ ምባል፣ ብሓጐስ ምምላእ” ማለት ኢዩ። እቲ ኣካላዊ ልቢ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ’ኳ እንተሎ ቃል ብቓሉ ግን ዘይሓስብ ወይ ዘይመራመር ኢዩ። (ዘጸኣት 28:​30) እቲ ቀንዲ ዕዮኡ ነቲ ናይ ኣካላት ዋህዮታት ዝምግብ ደም ምጭንጓዕ ኢዩ። ዝኾነ ኾይኑ ግን መብዛሕትኡ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሳልያዊ ልቢ ይጠቅስ: እዚ ኸኣ ካብ ማሕደር ምፍታውን ድራኼን ምርዳእን ንላዕሊ ኢዩ። ልቢ “ነቲ ማእከላይ ክፍሊ ብሓፈሽኡ: ንውሽጢ: ስለዚ ነቲ ውሽጣዊ ሰብ ባዕሉ የመልክት: እዚ ኸኣ ኣብቲ እተፈላለየ ዝርአ ንጥፈታቱ: ባህግታቱ: ምፍታዉ: ስምዒታቱ: ተመስጦታቱ: ዕላማታቱ: ሓልዮቱ: ኣቓልቦኡ: ሓሳቡ: ጥበቡ: ፍልጠቱ: ክእለቱ: እምነቱ ከምኡውን ኣተሓሳስብኡ: ተዘክሮኡ ከምኡውን ሕልንኡ” ከም ዘመልክት ይብሃለሉ። (ጆርናል ኦፍ ዘ ሶሳይቲ ኦፍ ቢብሊካል ሊትሬቸር ኤንድ ኤክሰጀሲስ 1882 ገጽ 67) ምሳልያዊ ልብና ስምዒትናን ተመስጦናን: ሓጐስ እውን ዘጠቓለለ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 16:⁠22

4. ንየሆዋ ብሕጕስ ልቢ ንኸነገልግሎ እንታይ ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል?

4 ንየሆዋ ብሕጕስ ልቢ ምእንቲ ኸነገልግሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል? ንበረኸታትናን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና መሰላትን ኣወንታውን መማሰውን ዝኾነ ኣረኣእያ ምህላው ሓጋዚ ኢዩ። ንኣብነት ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ “ቅዱስ ኣገልግሎት” ንምሃብ ዘሎና መሰል: ብሓጐስ ከነስተንትነሉ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 1:​74) ምስኡ ዝተተሓሓዘ ከኣ: ከም መሰኻኽሩ መጠን ስም የሆዋ ናይ ምጻር መሰልውን ኣሎ። (ኢሳይያስ 43:​10-12) ነዚ ኸኣ: ቓል ኣምላኽ ብምስዓብና ባህ ነብሎ ከም ዘሎና ስለ እንፈልጥ: እንረኽቦ ሓጐስ ክንውስኸሉ ንኽእል። መንፈሳዊ ብርሃን ብምንጽብራቕና ንኻልኦት ካብ ጸልማት ንኽውጹ ስለ እንሕግዝ ከኣ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢዩ ዘሎና!​—⁠ማቴዎስ 5:​14-16 ምስ 1 ጴጥሮስ 2:⁠9 ኣነጻጽሮ።

5. ምንጪ ናይ ኣምላኻዊ ሓጐስ እንታይ ኢዩ?

5 ይኹን እምበር ንየሆዋ ብሕጕስ ልቢ ምግልጋል ናይ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ጕዳይ ጥራይ ኣይኮነን። ብኣረኣእያ ኣወንታዊ ምዃን ጠቓሚ ኢዩ። እንተኾነ ግን ኣምላኻዊ ሓጐስ: ጠባይ ብምምዕባል እነፍርዮ ነገር ኣይኮነን። ፍረ ናይ መንፈስ የሆዋ ኢዩ። (ገላትያ 5:​22, 23) ከምዚ ዝበለ ሓጐስ እንተደኣ ዘየልዩና: ንመንፈስ የሆዋ ከጕሂ ዝኽእል ኣተሓሳስባ ወይ ብዘይጽሑፋዊ ኣገባብ ምምልላስ ምእንቲ ከነወግድ: ምትዕርራይ ከድልየና ኢዩ። (ኤፌሶን 4:​30) ንየሆዋ ከም እተወፈና መጠን እምበኣር: ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ልባዊ ሓጐስ እንተ ጎደለና ምልክት ናይ መለኮታዊ ምንጻግ ኢዩ ኢልና ኣይንፍራህ። ዘይፍጹማት ኢና ስለዚ ቃንዛ: ጓሂ: ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ መንፈስ ጭንቀት ከጋጥመና ይኽእል ኢዩ: እንተኾነ ግን የሆዋ ይርድኣና ኢዩ። (መዝሙር 103:​10-14) ስለዚ እምበኣር እቲ ፍረ መንፈስ ቅዱሱ ዝኾነ ሓጐስ ውህበት ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጥና: መንፈሱ ክህበና ንጸሊ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ንኸምዚ ዝበለ ጸሎት ክምልሰልና ኢዩ: ከምኡውን ብሕጕስ ልቢ ንኸነገልግሎ ከኽእለና ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 11:⁠13

ሓጐስ ክጐድል ከሎ

6. ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ሓጐስ ምስ ዝጐድለና: እንታይ ክንገብር ኣሎና?

6 ኣብ ኣገልግሎትና ሓጐስ እንተደኣ ጐዲሉ: ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ክንዝሕል ወይውን ዘይእሙናት ክንከውን ንኽእል። ስለዚ: ብትሕትናን ብጸሎትን ነቲ ድራኼታትና ከነስተብህለሉ እሞ ኣድላዪ ምትዕርራይ ክንገብር ጥበባዊ ኢዩ። እቲ ውህበት ኣምላኽ ዝኾነ ሓጐስ ምእንቲ ኽህልወና: ንየሆዋ ብፍቕርን ብምሉእ ልብናን ነብስናን ሓሳብናን ከነገልግሎ ከድልየና ኢዩ። (ማቴዎስ 22:​37) ብናይ ውድድር ኣመለኻኽታ ከነ⁠ገል⁠ግሎ የብልናን: ምኽንያቱ ጳውሎስ:- “ህይወት ብመንፈስ እንተ ኣልያትናስ: ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ: ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ገላትያ 5:​25, 26) ንኻልኦት ክንበልጾም ወይ ከኣ ምስጋና ክንረክብ ኢልና ነገልግል እንተኴንና ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣይህልወናን ኢዩ።

7. ንናይ ልብና ሓጐስ ብኸመይ ክንመልሶ ምኸኣልና?

7 ምስቲ ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ተሰማሚዕና ምስ እንኸይድ ሓጐስ ኣሎና። መጀመርታ ንየሆዋ ምስ ተወፈና: ብቕንኢ ነቲ ክርስትያናዊ ኣናባብራ ሓዝናዮ። ቅዱሳት ጽሑፋት ነጽንዕ: ከምኡውን ስርዓታውያን ኴንና ኣኼባ ንካፈል ነይርና። (እብራውያን 10:​24, 25) ኣብ ኣገልግሎት ምክፋልውን ሓጐስ ሃበና። እንተኾነ ሓጐስና ጐዲሉ እንተ ኣልዩኸ ደኣ? ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣኼባ ምክፋል: ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል​—⁠ብሓቂ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ክርስትና ምሉእ ተሳትፎ​—⁠ንህይወትና መንፈሳዊ ርግኣት ክህበናን ነቲ ናይ መጀመርታ ፍቕርን ነቲ ዝነበረና ሕጕስ ልብን እንደገና ክመልሰልና ኢዩ። (ራእይ 2:​4) በዚ ኸምዚ ከምቶም ዘይሕጕሳትን ብዙሕ ግዜ ኸኣ መንፈሳዊ ደገፍ ዘድልዮምን ኣይንኸውንን። ሽማግለታት ክሕግዙ ባህ ይብሎም ኢዩ: እንተኾነ ግን በብውልቅና ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነት ክንምልእ ኣሎና። ዋላሓደ ካልእ እዚ ንዓና ክገብረልና ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብ የሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ምእንቲ ክንምልእን ናይ ሓቂ ሓጐስ ምእንቲ ክህልወናን: ነቲ ልሙድ ዝኾነ ክርስትያናዊ ኣሰራርሓ ምስዓብ ሸቶና ንግበሮ።

8. ሕጕሳት ክንከውን እንተደኣ ደሊና ጽሩይ ሕልና ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?

8 እቲ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝኾነ ሓጐስ ክህልወና እንተደኣ ኰይኑ ጽሩይ ሕልና የድልየና። ዳዊት: እቲ ናይ እስራኤል ንጉስ: ሓጢኣቱ ክሓብእ ክሳዕ ዝፈተነ ግዜ: ሕዙን ኢዩ ነይሩ። ማርኡ እኳ ደኣ ዝነቐጸ ይመስል ነበረ: ኣካሉ እውን ሓሚሙ ክኸውን ዝኽእል ኢዩ። ጣዕሳን ነስሓን ምስ ገበረ ግን ኣየ ከመይ ዝበለ እፎይታ ተሰሚዕዎ ይኸውን! (መዝሙር 32:​1-5) ከቢድ ሓጢኣት ንሓብእ እንተደኣ ኣሊና ሕጕሳት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ሽግር ዘለዎ ህይወት ከም እንነብርውን ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ብርግጽ እዚ ሓጐስ ዘምጽኣልካ መገዲ ኣይኰነን። ነስሓን ጣዕሳን ግን እፎይታን ናይ ሕጕስ መንፈስ ምምላስን ከምጽኣልና ይኽእል።​—⁠ምሳሌ 28:⁠13

ብሓጐስ ምጽባይ

9, 10. (ሀ) ኣብርሃም እንታይ መብጽዓ ኢዩ እተቐበለ: እምነቱን ሓጐሱን ግን ብኸመይ ክፍተና ይኽእላ ነይረን? (ለ) ካብቲ ኣብነት ናይ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ብኸመይ ኢና እንጥቀም?

9 መጀመርታ ብዛዕባ እቲ መለኮታዊ ዕላማ ምስ ተማሃርና ሓጐስ ክህልወና ሓደ ነገር ኢዩ: ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደውን ሕጕስ ኴንካ ምትራፍ ካልእ ነገር ኢዩ። እዚ በቲ ናይቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ገይርካ ክምሰል ይከኣል ኢዩ። ብትእዛዝ ኣምላኽ ንወዱ ይስሃቅ ክውፍዮ ምስ ፈተነ: ሓደ መልኣኽ ከምዚ በሎ:- “ብርእሰይ መሐልኩ: ይብል እግዚኣብሄር: እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር: ነቲ ሓደ ውሉድካውን ካብ ዘይትኸልእ ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ: ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም: በሎ።” (ዘፍጥረት 22:​15-18) ብዘይጥርጥር ኣብርሃም በዚ መብጽዓ እዚ ተሓጒሱ ነይሩ ኢዩ።

10 ኣብርሃም: እቲ በረኸታት ከምጽእ ዘለዎ “ዘርኢ” ይስሃቅ ክኸውን ተጸብዩ ነይሩ ይኸውን። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን: ብይስሃቅ ኣቢሉ ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይተፈጸመ ንእምነትን ሓጐስን ናይ ኣብርሃምን ስድራቤቱን ፈቲንዎ ይኸውን። ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዘርኢ ንይስሃቅን ጸኒሑ ኸኣ ንወዱ ያእቆብን ምስ ኣፍለጦም ምምጻእ ናይቲ ዘርኢ ገና ንመጻኢ ከም ዝኾነ ኣረጋገጸሎም: እዚ ኸኣ እምነቶምን ሓጐሶምን ንኽሕዙ ሓገዞም። ዝኾነ ኾይኑ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ መፈጸምታ ናይቲ ተዋሂብዎም ዝነበረ መብጽዓ ኣምላኽ ከይረኣዩ ኢዮም ሞይቶም: ይኹን እምበር ዘይሕጕሳት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣይነበሩን። (እብራውያን 11:​13) ንሕናውን መፈጸምታ ናይ መብጽዓታቱ እናተጸበና ንየሆዋ ብእምነትን ብሓጐስን ምግልጋል ክንቅጽል ንኽእል ኢና።

ኣብ መስጐግቲውን ሓጐስ

11. መስጐግቲ እኳ እንተ ሃለወ ሕጕሳት እንኸውን ስለምንታይ ኢና?

11 ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ብመስጐግቲ ኣብ እንሳቐየሉ ግዜውን ንየሆዋ ብሕጕስ ልቢ ከነገልግሎ ንኽእል ኢና። የሱስ ነቶም ምእንትኡ እተሰጕ ሕጕሳት ኢሉ ጸውዖም: ሃዋርያ ጴጥሮስውን ከምዚ በለ:- “ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ: ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እት[ኾ]ኑስ: ተሓጐሱ ደኣ። ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም: እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ: ብጹኣን ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 4:​13, 14፣ ማቴዎስ 5:​11, 12) ንጽድቂ ክትብል መስጐግትን ስቅያትን ትጽመም እንተደኣ ኣሊኻ: መንፈስ የሆዋን ስምረቱን ኣሎካ: እዚ ኸኣ ብርግጽ ሓጐስ የምጽኣልካ ኢዩ።

12. (ሀ) ናይ እምነት ፈተናታት ብሓጐስ ክንጋጠሞ እንኽእል ስለምንታይ ኢና? (ለ) ካብ ኵነታት ናይ ሓደ ኣብ ምርኮ ዝነበረ ሌዋዊ እንታይ መሰረታዊ ትምህርቲ ክንማሃር ንኽእል?

12 ኣምላኽ ዑቕባና ስለ ዝኾነ ንናይ እምነት ፈተናታት ብሓጐስ ንጋጠሞም ኢና። እዚ ኣብ መዝሙር 42 ከምኡውን 43 ተገሊጹ ኣሎ። ብገለ ምኽንያት ሓደ ሌዋዊ ኣብ ምርኮ ነበረ። ከምታ ዝጸምአት ዋላ ወይ ድማ ኣንስተይቲ እራብ ኣብ ንቑጽን ደረቕን ቦታ ማይ ሃረር እትብል: ንሱ ኸኣ ነቲ ኣምልኾ ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣዝዩ ናፈቖ። ንየሆዋን ነቲ ኣብ ቤት መቕደሱ ኴንካ ንኣምላኽ ናይ ምግልጋል መሰልን ‘ናፈቖ’ ወይ ድማ ሃረር በሎ። (መዝሙር 42:​1, 2) ናይዚ ምሩኽ እዚ ተመኵሮ ነቲ ምስ ህዝቢ የሆዋ እንረኽቦ ሕብረት ንኸነማስወሉ ክደፋፍኣና ይግባእ። ብሰንኪ መስጐግቲ ንበይንና ምስ እንእሰር ንግዜኡ ምስኦም ንኸይንኸውን ይኽልክለና ይኸውን: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ብሓደ ዝረኸብናዮ ሓጐስ ነስተንትነሉ: ከምኡውን ኣብቲ ምስ ኣምለኽቱ ዝነበረና ልሙድ ንጥፈታት ንኽመልሰና ‘ተስፋና ኣብ ኣምላኽ እናገበርና’ ንኽንጽመም ንጸሊ።​—⁠መዝሙር 42:​4, 5, 11፣ 43:​3-5

“ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግልዎ”

13. መዝሙር 100:​1, 2 ሓጐስ ገጽ ናይቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ከም ዝኾነ ብኸመይ የርእየና?

13 ሓጐስ ቀንዲ ገጽ ናይቲ ንኣምላኽ ዘሎና ኣገልግሎት ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣብቲ ዜማ ምስጋና ናይቲ መዝሙራዊ ተራእዩ ኣሎ:- “ኵልኺ ምድሪ: ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ [ኣገልግልዎ ትሓዓ ] ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ።” (መዝሙር 100:​1, 2) የሆዋ “ሕጕስ ኣምላኽ” ኢዩ: ኣገልገልቱ ኸኣ ነቲ ኣብኡ ዘለዎም ተወፋይነት ክፍጽሙ ኸለዉ ሓጐስ ክረኽቡ ኢዩ ዝደልዮም። (1 ጢሞቴዎስ 1:​11) ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝኾኑ ሰባት ብየሆዋ ኣዝዮም ክሕጐሱ ይግብኦም: ልክዕ ከምቲ ‘ዕዉት ጭድርታ’ ናይ ዝተዓወተ ሰራዊት: እቲ ናይ ውዳሴ መግለጺና ኸኣ ብርቱዕ ክኸውን ኣለዎ። ንኣምላኽ ምግልጋል የሐድስ ስለ ዝኾነ: ብሓጐስ ክስነ ይግባእ። ስለዚ: እቲ መዝሙራዊ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ብእልልታ” ክመጹ ተማሕጸኖም።

14, 15. ከመይ ኢሉ ኢዩ መዝሙር 100:​3-5 ኣብቲ ሎሚ ዘሎ ሕጕስ ህዝቢ የሆዋ ዝውዕል?

14 እቲ መዝሙራዊ ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ: ንሱ ገበረና: ባዕላትና ኣይኰንናን: ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።” (መዝሙር 100:​3) የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝኾነ ልክዕ ከምቲ ጓሳ ነባጊዑ ዝውንነን: ይውንነና ኢዩ። ኣምላኽ ብዛዕባና ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝግደስ ብምምስጋን ንውድሶ ኢና። (መዝሙር 23) እቲ መዝሙራዊ ብዛዕባ የሆዋ ከምዚ ኢሉ’ውን ዘመረ:- “ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና: ኣብ ኣጸዱውን ብውዳሴ እተዉ: ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ: ጸጋኡ ንዘለኣለም: እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።”​—⁠መዝሙር 100:​4, 5

15 ሎሚ: ካብ ኩሎም ኣህዛብ ሕጕሳት ሰባት: ምስጋናን ውዳሴን ንምቕራብ ናብ ኣጸድ ቤተ–መቕደስ የሆዋ ይኣትዉ ኣለዉ። ኵሉ ግዜ ብዛዕባ የሆዋ ጽቡቕ ብምዝራብ ንስም ኣምላኽ ብሓጐስ ንባርኾ ኢና: እቲ ብሉጽ ባህርያቱውን ንኽንውድሶ ይደፋፍኣና። ምሉእ ብምሉእ ሰናይ ኢዩ: ከምኡውን እቲ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ወይ ከኣ እቲ ንኣገልገልቱ ዘለዎ ድንጋጽ ዘለዎ ኣረኣእያ ኵሉ ግዜ ትውክልቲ ክግበረሉ ይኽእል ኢዩ: ምኽንያቱ ንዘልኣለም ዝቕጽል ኢዩ። “ካብ ወለዶ ንወለዶ” የሆዋ ነቶም ፍቓዱ ዝገብሩ ፍቕሪ ኣብ ምርኣይ እሙን እዩ። (ሮሜ 8:​38, 39) ብርግጽ እምበኣር: ‘ንየሆዋ ብሓጐስ ከነገልግሎ’ ምኽንያት ኣሎና።

ብተስፋኻ ተሓጐስ

16. በየናይ ተስፋን መጻእን ኢዮም ክርስትያናት ክሕጐሱ ዝኽእሉ?

16 ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብተስፋ ተሓጐሱ።” (ሮሜ 12:​12) ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ: በቲ ኣምላኽ ብወዱ ገይሩ ዝኸፈተሎም ግርማዊ ዝኾነ ተስፋ ናይ ዘይሓልፍ ሰማያዊ ህይወት ይሕጐሱ ኢዮም። (ሮሜ 8:​16, 17 ፊልጲ 3:​20, 21) እቶም ተስፋ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ዘለዎም ክርስትያናትውን ንኽሕጐሱ ምኽንያት ኣለዎም። (ሉቃስ 23:​43) ኵሎም እዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኦም በቲ ተስፋ ናይታ መንግስቲ ንኽሕጐሱ ምኽንያት ኣለዎም: ምኽንያቱ ክፍሊ ናይቲ ሰማያዊ መንግስቲ ክኾኑ ወይ ከኣ ኣብ ምድራዊ ግዝኣቱ ክነብሩ ኢዮም። ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ በረኸት ኢዩ!​—⁠ማቴዎስ 6:​9, 10፣ ሮሜ 8:​18-21

17, 18. (ሀ) ኣብ ኢሳይያስ 25:​6-8 እንታይ ኢዩ ኣቐዲሙ እተነግረ? (ለ) እዚ ትንቢት ናይ ኢሳይያስ እዚ ብኸመይ ኢዩ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ: ብዛዕባ መጻኢ ፍጻሜኡኸ?

17 ኢሳይያስውን ንእዙዛት ሰባት ዝኸውን ዘሐጕስ መጻኢ ተነበየ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንኹሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ: ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ ኣንጕዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ: ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ: ኺገብር እዩ። ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ን[ኹ]ሎም ህዝብታት ዚጋርድ መጋረጃን ነቲ ን[ኹ]ሎም ኣህዛብ ዚጕልብብ መጐልበብን ኬጥፍኦ እዩ። ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ: ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 25:​6-8

18 እቲ ሎሚ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንካፈሎ መንፈሳዊ በዓል ብሓቂ ዘሐጕስ ምሳሕ ኢዩ። ነቲ ቃል ብቓሉ ኣብታ ሓዳስ ምድሪ ኣተስፍዩና ዘሎ ናይ ሰናይ ነገራት ምሳሕ እናተጸበና: ንኣምላኽ ቀኒእና ብምግልጋልና ሓጐስና ይጅርብብ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:​13) ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ: የሆዋ ነቲ ንደቂ ሰባት ብሰሪ ሓጢኣት ኣዳም ኣጐልቢብዎም ዘሎ “መጐልበቢ” ከልግሶ ኢዩ። ሓጢኣትን ሞትን ኣልጊሱ ክትርእስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢዩ! ዝተንስኡ ፍቁራትና ክንቅበል: ንብዓት ከም ዘየለ ከነስተብህል: ከምኡውን ኣብቲ ህዝቢ የሆዋ ዘይዋረድሉ ኣብ ክንድኡ ግን ነቲ ዓቢ ተጻራፊ ሰይጣን ድያብሎስ ዝኸውን መልሲ ንኣምላኽ ዝህብሉ ገነታዊት ምድሪ ክንነብርሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!​—⁠ምሳሌ 27:​11

19. ነቲ የሆዋ ከም መሰኻኽሩ መጠን ቀሪቡልና ዘሎ መጻኢ ብኸመይ ክንርእዮ ይግባእ?

19 የሆዋ ነገልገልቱ ዝገብረሎም ምፍላጥካስ: ብሓጐስን ብምስጋናን ኣይመልኣካንዶ? ብሓቂ’ኳ ደኣ ከምዚ ዝበለ ዓቢ መጻኢ ንሓጐስና ግደ ኣለዎ! ብተወሳኺውን ከምዚ ዝበለ እተባረኸ ተስፋና ነቲ ሕጕስ: ፈቃር: ለጋስ ኣምላኽና ብኸምዚ ዝስዕብ ብስምዒት ከም እንጥምቶ ይገብረና:- “እንሆ: ኣምላኽና እዚ እዩ: ተጸቤናዮ: ኬድሕነና ኸኣ እዩ: እቲ እተጸቤናዮ እግዚኣብሄር እዚ እዩ: ብምድሓኑ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና።” (ኢሳይያስ 25:​9) ነቲ ብሩህ ተስፋና ኣብ ኣእምሮና ኣጽኒዕና ብምሓዝ: ንየሆዋ ብሕጕስ ልቢ ንኸነገልግሎ ኣበርቲዕና ንጽዓር።

ብኸመይ ምመለስካ?

◻ ንየሆዋ “ብሕጕስ ልቢ” ከነገልግሎ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ?

◻ ኣብቲ ንኣምላኽ እንገብሮ ኣገልግሎት ሓጐስ ይጐድለና እንተ ኾይኑ እንታይ ክንገብር ንኽእል?

◻ ህዝቢ የሆዋ እንተ ተሰጕውን ሓጐስ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም?

◻ ብተስፋና ክንሕጐስ እንታይ ምኽንያት ኣሎና?

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኵሉ ገጽ ናይ ክርስትያናዊ ህይወት ምስታፍ ንሓጐስና ክውስኸሉ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ