ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/1 ገጽ 10-19
  • እቲ ንጽህንኡ ዝሕሉ ህዝቢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ንጽህንኡ ዝሕሉ ህዝቢ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ህዝቢ ተወሊዱ ኢዩ
  • ሓድሽ ዝለዓለ ቁጽሪ ኣስፋሕቲ
  • ‘እዚ ምግባር ቀጽሉ’
  • “ኣኼባና ኣይንሕደግ”
  • ‘ብህጹጽ’
  • ክሳዕ መወዳእታ ንጽህና ምሕላው
  • ንሰናይ ነገር ጽዓት!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/1 ገጽ 10-19

እቲ ንጽህንኡ ዝሕሉ ህዝቢ

“እቲ [እሙን ጠባይ “ትሓዓ” ] ዚሕሉ ጻድቕ ህዝቢ ኺኣቱስ: ደጌታት ክፈቱ።”​—⁠ኢሳይያስ 26:⁠2

1. እቲ ናይ ኢሳይያስ ቃላት ብዛዕባ እቲ “ጻድቕ ህዝቢ” ዘገርም ዝኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ?

ሎሚ: ከም ኩሉ ዓይነት ሃገራት ኢየን ዘለዋ። ገለ ደሞክራስያውያን: ገለ ድማ ውልቀ–መለኽቲ። ገለ ሃብታማት: ገለ ድማ ድኻታት። ሓደ ናይ ሓባር ነገር ኣለወን:- ኵለን ክፍሊ ናይታ ሰይጣን ዝኣምላኻ ዓለም ኢየን። (2 ቈረንቶስ 4:​4) በዚ ክርኤ ከሎ ንገለ ሰባት እቲ ቃላት ናይ ኢሳይያስ “እቲ [እሙን ጠባይ ትሓዓ ] ዚሕሉ ጻድቕ ህዝቢ ኪኣቱስ ደጌታት ክፈቱ” ክብል ከሎ ይገርሞም ይኸውን። (ኢሳይያስ 26:​2) ጻድቕ ህዝቢ? እወ: እቲ ትንቢት ኣብዚ ግዜና ከም ዘሎ ካብ ኣመልከተስ: ጻድቕ ህዝቢ ኣሎ። እዚ ፍሉይ ህዝብስ ከመይ ገይርካ ክልለ ይከኣል?

2. እቲ “ጻድቕ ህዝቢ” እንታይ ኢዩ? ኸመይ ገይርና ንፈልጦ?

2 ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም: ኢሳይያስ 26:​2 ክትርጐም ከላ: እቲ ህዝቢ “እሙን ጠባይ ዝሕሉ” ኢዩ ተባሂሉሉ ኣሎ። ኪንግ ጀምስ ቨርዥን (ኣብቲ ሕድጋት) ነታ ጥቕሲ: “እቲ ሓቂ ዝሕሉ ጻድቕ ህዝቢ” ኢሉ ይትርጕማ። ክልቲኡ ብቑዕ መግለጺታት ኢዩ። ብሓቂ: እዚ ጻድቕ ህዝቢ እዚ ብቐሊሉ ክልለ ዝከኣል ኢዩ: ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ እቲ ጥራይ ኢዩ ኣብ ምድሪ ንክርስቶስ እቲ ንጉስ ዝግዛእ: ስለዚ ክፍሊ ናይዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣይኰነን። (ዮሃንስ 17:​16) በዚ እቶም ኣባላቱ ‘ኣካይዳኦም ኣብ ማእከል ኣህዛብ ብምጽባቕ’ እተፈልጡ ኢዮም። ንሳቶም ንኣምላኽ ዘኽብር ኣነባብራ ኢዮም ዝስዕቡ። (1 ጴጥሮስ 2:​12) ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብዛ ዓለም ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ: ንሳቶም ክፍሊ “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝ[ኾ]ነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ” ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) ንሓቂ ብምድጋፍ: ንሳቶም ነቲ ህዝበ–ክርስትያን እትምህሮ ኣረማዊ ፍልስፍናታት ይነጽግዎ ከምኡውን ነቲ “ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ”​—⁠ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ–ኢዮም ዝድግፉ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠2) ብተወሳኺ: “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ [ኹ]ሉ ፍጡር” ብስራት ናይታ መንግስቲ ይሰብኩ። (ቈሎሴ 1:23) እዚ ህዝቢ እዝስ ካብቶም ተረፍ ናይ ‘አምላኽ እስራኤል:’ ጉባኤ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቖመ ምዃኑስ ገለ ምጥርጣር ክህሉዶ ይኽእል? ፈጺሙ የለን!​—⁠ገላትያ 6:⁠16

እቲ ህዝቢ ተወሊዱ ኢዩ

3. እቲ “ጻድቕ ህዝቢ” ከመይ ኢሉ ከም እተወልደ ግለጽ።

3 “እቲ ጻድቕ ህዝቢ” መኣስ ኢዩ እተወልደ? ኣጀማምራኡ: ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ተዘሪቡሉ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ኢሳይያስ 66:​7, 8 ከምዚ ነንብብ: “ቅልውላው ከይሐዛ [ጽዮን] ወለደት: ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት።. . . ጽዮን. . . ቅልውላው ምስ ሓዛ: ብኡብኡ ደቃ ወለደት።” ብዘይተለምደ ኣገባብ: ጽዮን: ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ: ከይተጻዕረት “ተባዕታይ ወዲ” ከተምጽእ ነበራ። ብ1914 እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣብ ሰማይ ተወልደት። (ራእይ 12:⁠5) ድሕርዚ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እናኣከታተለ ንብዙሓት ሃገራት ኣጥለቕለቐን: ቅቡኣት ክርስትያናት ከኣ ብሕሱም መከራ ከምኡውን መስጐግቲ ተሳቐዩ። ኣብ መወዳእታ: ኣብ ዓመት ናይ 1919: እቲ መንፈሳዊ ህዝቢ: እቲ “ተባዕታይ ወዲ”: ኣብ ምድሪ ተወልደ። ከምዚ ኢላ ከኣ ጽዮን “ደቃ ወለደት”​—⁠እቶም ቅቡኣት ኣባላት ናይቲ ሓድሽ “ጻድቕ ህዝቢ”​—⁠እዚኦም ከኣ ንሓደ ብቐጻሊ ዘስፋሕፍሕ ናይ ምስክርነት ዕዮ ተመሓደሩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠3, 7, 8, 14፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠9

4. እቲ ናይ ኣምላኽ ጻድቕ ህዝቢ ንጽህንኡ ክሕሉ ክቃለስ ዝነበሮስ ስለምንታይ ኢዩ?

4 እዚ ህዝቢ እዚ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ምስ ጽንኩራት ፈተናታት ናይ ንጽህንኡ ተጋጢሙ ኢዩ። ስለምንታይ? እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣብ ሰማይ ምስ ተወልደት: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ተደርበዩ። ሓደ ዓው ዝበለ ድምጺ ከምዚ ብምባል ኣወጀ:- “እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ: ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና [ኾ]ይኑ: ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ[!] ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዓርዎ: ንህይወቶም እውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።” ሰይጣን ነዚ ናይ ኩነታት ለውጢ ብብርቱዕ ቁጥዓ መለሸሉ “ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ [ናይታ ሰበይቲ] ኺዋጋእ ከደ።” ነዚ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ናይ ሰይጣን ገጢሞም: ቅቡኣት ክርስትያናት ጸኒዖም ቈሙ። ክሳዕ እዚ እዋን’ዚ ቀናኣት ኣባላት ናይዚ ናይ ኣምላኽ ጻድቕ ህዝቢ ኣብ በጅነታዊ ደም ናይ የሱስ እምነት የርእዩ ከምኡውን የሆዋ ነቲ ዓቢ ተጻራፊ [ሰይጣን] ምላሽ መታን ክህብ ንጽህንኦም “ክሳዕ ሞት እውን ይኹን” ምሕላው ይቕጽሉ ኣለዉ።​—⁠ራእይ 12:​1, 5, 9–12, 17፣ ምሳሌ 27:⁠11

5. እንታይ ጽቡቕ ኣረኣእያ ናይዞም ዘመናውያን መሰኻኽር ኢዩ ንጽህንኦም ክሕልዉ ዝሓገዞም?

5 ብ1919: እቲ ናይዚ ዘበን’ዚ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምስክርነት ምስ ተጀመረ: እቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ተባሂሎም ዝጽዉዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብቁጽሪ ሒደት ብእምነት ግን ብርቱዓት ነበሩ። ንሳቶም ኣባላት መሰረት ናይታ ‘ጽንዕቲ ከተማ: ንቐጽራን ዕርዳን ከኣ ምድሓን እተገብረሉ’ ኰኑ። እምነቶም ኣብ “[ያህ የሆዋ ትሓዓ ] [እቲ] ናይ ዘለኣለም ከውሒ” ነበረ። (ኢሳይያስ 26:​1, 3, 4) ከምቲ ናይ ጥንቲ ሙሴ “ስም [የሆዋ ትሓዓ ] እነግር ኣሎኹ እሞ ንኣምላኽና ኣዕብይዎ። ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ኢሎም ኣወጁ።​—⁠ዘዳግም 32:​3, 4

6. በየናይ መገድታት ኢዩ የሆዋ ንህዝቡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ባሪኹዎም ዘሎ?

6 ካብ ሽዑ ኣትሒዙ: እቲ ኣፍ ደገ ስርዓት መንግስቲ ኣምላኽ ርሒቡ ተኸፊቱ ኢዩ ዘሎ: ከም ናይ መጀመርታ እቶም ቅቡኣት ክርስትያን ተረፍ ናይቶም 144,000 ተኣከቡ: ከምኡውን ሕጂ ሓደ ዓቢ ጭፍራ ናይቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብቲ ምእዋጅ ዕላማታት መንግስቲ ኣምላኽ ይሓብሩ ኣለዉ። (ዮሃንስ 10:16) ስለዚ: ብሓጐስ “ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ: ዎ እግዚኣብሄር: ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ: ከበርካ: ንወሰን እቲ ሃገር ኵሉ ድማ ኣርሐብካዮ” ኢልካ ክእወጅ ይከኣል ኢዩ። (ኢሳይያስ 26:15) ሎሚ ነዚ ናይ ዓለም ግራት ክንዕዘቦ ከሎናስ: እዞም ቃላት እዚኦም ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኖም ኰን ኢና እንርኢ! ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ: እቲ ምስክርነት ናይታ እትመጽእ መንግስቲ ክርስቶስ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ተውሂቡ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:​8) እቲ ዝርጋሐ ናይቲ ምስፍሕፋሕ ካብቲ ኣብ ገጽ 12–⁠15 ወጺኡ ዘሎ ናይ 1994 ኣገልግሎት ዓመት ዓለምለኸ ጸብጻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዕቀን ይከኣል ይኸውን።

ሓድሽ ዝለዓለ ቁጽሪ ኣስፋሕቲ

7, 8. (ሀ) ህዝቢ ኣምላኽ ‘ኣግማድ ድንኳኖም ከም ዘንውሑስ’ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ? (ለ) ነቲ ናይ 1994 ኣገልግሎት ዓመት ጸብጻብ ብምርኣይ ኣየኖት ከባቢታት ኢዮም ብዝበለጸ ‘ዶባቶም ዘስፍሑ’ ዘለዉ?

7 ገለ ካብዚ ጸብጻብ እቶም ዝጐልሑ እስከ ንርአ። ኣብቲ ግራት እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ 4,914,094 ኢዩ በጺሑ! ነዚ ቀጻሊ ምእካብ ናይዞም ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ [ቋ]ንቋታትን እተኣከቡ: ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሽልን ደው ኢሎም ዘለዉ [ዓቢ ጭፍራ ትሓዓ ]’ ክትዕዘብስ ክሳዕ ክንደይ ዝምስጥ ኰን ኢዩ! እወ: እዚኣቶም ሓለውቲ ንጽህና ምዃኖም ኣረጋጊጾም ኢዮም። “ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሽል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ:” ኣብቲ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ እምነት ስለ ዘርኣዩ ድማ ጻድቃን ተቖጽሩ።​—⁠ራእይ 7:​9, 14

8 ብፍላይ ካብ 1919: ንማሕበር የሆዋ ከምዚ ዝብል ጻውዒት ተመሓላለፈላ:- “ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ: እቲ መጋረጃታት ማሕደሪኺ ብዘይ ም[ቑ]ጣብ ይገተር: ኣግማድኪ ኣንውሒ: መታኽልኪውን ኣጽንዒ።” (ኢሳይያስ 54:⁠2) ከም ምላሽ ከኣ: እቲ ዕዮ ስብከት ኣብቲ ብርቱዓት ጉጅለ ፓይነራት ነቲ ኣብ ሓደ ግዜ ንሰሙናት ዝኣክል ካብ 45 ክሳዕ 50 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ትሕቲ ዜሮ ክበጽሕ ዝኽእል ኩነታት ኣየር ዝጻወርሉ: ምስ ኣላስካ ዝዳወብ ብበረድ እተሸፈነ ዩኮን እውን ከይተረፈ ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ሰባት ናብቲ ንጽህንኡ ዝሕሉ ህዝቢ የሆዋ ብቕልጡፍ እናወሰኹ ይመጹ ኣለዉ። እቲ ኣፍ ደጌታት ነዞም ካብ ህዝበ–ክርስትያን ወጻኢ ንዝኾኑ ዓድታት ኤስያ: ካብቲ ብኮሚኒስት ነበር እተሓዝአ: ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኡውን ካብቲ ግዝኣት ካቶሊክ ዝኾነ: ከም ብዓል ዓዲ ጣልያን: ስጳኛ: ፖርቱጋል: ከምኡውን ደቡብ ኣመሪካ ንዝመጹ ክቕበል ርሒቡ ኢዩ ተኸፊቱ። ካብ ቦታኦም እተመዛበሉ ሰባት ከኣ ካልእ ግራት ከፊቶም ኣለዉ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ: ንኣብነት: መሰኻኽር ንድሌት ናይቶም 13 ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዘለዎም ዓሌታዊ ጉጅለታት ይሓልዩ ኣለዉ።

‘እዚ ምግባር ቀጽሉ’

9. (ሀ) እቲ ናይ 1994 ናይ ዝኽሪ ተኣከብቲ እንታይ ኢዩ ዝሕብር? (ለ) ኣየኖት ሃገራት ኢየን ፍልይ ዝበለ ዝለዓለ ቁጽሪ ተኣከብቲ ዝኽሪ ዝነበረን?

9 ካልእ ካብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ዝጎልሕ ድማ ቁጽሪ ተኣከብቲ ዝኽሪ ኢዩ። የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ነቲ በዓል ናይ ዝኽሪ ሞቱ ኣቖሞ: ንሰዓብቱ ከኣ ‘እዚ ንመዘከርታይ ምግባር ቀጽሉ’ በሎም። (1 ቈረንቶስ 11:24 ትሓዓ ) ኣብ 1994 12,288,917​—⁠ካብቲ ቁጽሪ ናይ ንጡፋት ኣስፋሕቲ ካብ ዕጽፊ ዝያዳ ዝኾኑ​—⁠ከም ተኻፈልቲ ወይ ድማ ከም ተዓዘብቲ ኮይኖም ነቲ ትእዛዝ ክእዘዙ ሓቢሮም ኪመጹ ክትርእስ መሳጢ ኢዩ ነይሩ። አረ ኣብ ገለ ዓድታትስ እቲ ቁጽሪ ተኣከብቲ ዝኽሪ ምስቲ ናይ ኣስፋሕቲ ክነጻጸር ከሎ ዝዓበየ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ኢስቶንያ: ላትቭያ ከምኡውን ሊቱወንያ ዘለዉ 4,049 ኣስፋሕቲ: ኣብቲ ዝኽሪ ካብቲ ቁጽሪ ኣስፋሕቲ ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ዝኾኑ 12,876 ተኣከብቲ ብምንባሮም ተሓጒሶም ኢዮም። ከምኡውን ኣብ ቤኒን: እቶም 16,786 ተኣከብቲ ዝኽሪ ዳርጋ ሓሙሽተ ዕጽፊ ናይቲ ቁጽሪ ኣስፋሕቲ ኢዮም ነይሮም። ሓንቲ 45 ዝኾኑ ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ጉባኤ 831 ተኣከብቲ ነበሩዋ!

10. (ሀ) እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ተኣከብቲ ዝኽሪ እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ኣብ ልዕሌና ዘንብር? (ለ) ሓደ ኣብቲ ዝኽሪ እተኻፈለ ሰብ ተወሳኺ ሓገዝ እንተድኣ ተገይርሉ እንታይ ክፍጸም ከም ዝከኣል ግለጽ።

10 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብቲ ተስፋ ዘለዎ ኣጋጣሚ ኣዝዮም ብዙሓት ተገደስቲ ሰባት ስለ ዝሓበሩዎም ሕጉሳት ኢዮም። ንሳቶም ሕጂ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ኣብቲ ንሓቂ ዘለዎም ምርዳእን ፍቕርን ተወሳኺ ዕብየት ክገብሩ ክሕግዝዎም ይደልዩ ኢዮም። ገሊኦም ልክዕ ከምታ ኣብ ሩስያ ዘላ ኣላ ዝገበረቶ ገይሮም ይምልሹ ይኾኑ። ኣላ ምስ ሓንቲ ፍልይቲ–ፓይነር ሓብቲ ኢያ እተጽንዕ ነይራ: ምዕብልና ስለ ዘይገበረት ግን: እቲ ጽንዓት ተቋረጸ። እንተኾነ ግን: ኣላ ኣብቲ ዝኽሪ ክትካፈል ሓደ ዕድመ ተቐበለት። እቲ ዕዙዝ ትርጉም ዘለዎ ኣኼባ: ዓሚቍ ስምዒት ኣሕደረላ። ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት: ንኹሉ ዝነበራ ምስልታት ደርበየቶ: የሆዋ ክሕግዛ ኸኣ ጸለየት። ክልተ መዓልቲ ጸኒሓ እታ ፓይነር ሓብቲ ነቲ ዝኽሪ ከመይ ከም እተሓጐሰትሉ ክትርኢ ንኣላ ደወለትላ። ፍረ ዘለዎ ምይይጥ ከኣ ሰዓበ። ናይ ኣላ ጽንዓት እንደገና ተጀመረ። ብኡብኡ ከኣ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ትካፈል ነበረት። እዚ ተመኩሮ እዚ: ነቶም ኣብቲ ዝኽሪ ዝካፈሉ ተኸታቲልካ ምብጻሕ ረብሓ ከም ዘለዎ ኢዩ ዘርኢ። ብዙሓት ከምቲ ናይ ኣላ ዝገበረቶ ገይሮም ክምልሹ ኢዮም።

“ኣኼባና ኣይንሕደግ”

11-13. (ሀ) ናይቲ ጻድቕ ህዝቢ ክፍሊ ናይ እሙን ጠባዩ እንታይ ኢዩ? (ለ) ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣኼባታት ምክፋል ዘድልዮምስ ስለምንታይ ኢዩ?

11 ናይ ዝኽሪ በዓል ኣብቲ ዓውደ–ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ እኳ እንተኾነ ኣኼባኦምሲ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ብምእዛዝ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰሰሙን ሓቢሮም ይእከቡ ኢዮም:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አለኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:​24, 25) ንሳቶም ምስቲ ብእሙን ጠባዩ ዝልለ ጻድቕ ህዝቢ የሆዋ ሓቢሮም ኢዮም። እሙን ጠባይ ኣብ ኣኼባታት ብተኣማንነት ምክፋል ዘጠቓለለ ኢዩ።

12 እዚ ብርግጽ በቲ ኣብ ፊሊፕንስ ዘሎ ኩነታት ኣጸቢቑ ርዱእ ኢዩ: ከመይሲ እቲ ገምጋም ሃገር–ለኸ ቁጽሪ ተኣከብቲ ኣብቲ ናይ ሰንበት ኣኼባታት ካብቲ ቁጽሪ ናይቶም ኣስፋሕቲ 125 ሚእታዊት ኢዩ። እዚ ብሓደ ኣብ ኣርጀንቲና ዘሎ ጉጅለ መሰኻኽርን ተገደስቲ ሰባትን እውን ኣጸቢቑ ርዱእ ኢዩ። ንሳቶም ካብቲ መንግስቲ ኣዳራሽ 20 ኪሎ ሜተር ርሒቖም ኢዮም ዝነብሩ። እንተኾነ ግን: እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ብምኽንያት ሕማም እንተዘይኮይኑ ሓደ እውን ይኹን ካባታቶም ካብ ኣኼባ ኣብኲሩ ኣይፈልጥን: ኢሉ ጸብጻብ ሃበ። ንሳቶም ብዓረብያ ፈረስ ወይ ኣብ ፈረስ ተወጢሖም ንኣርባዕተ ሰዓታት ይጐዓዙ: ኣብ ግዜ ሓጋይ ከኣ ብጸልማት ለይቲ ኢዮም ናብ ቤቶም ዝጐዓዙ።

13 እዚ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን: ህይወት ከኣ እናጸንከረ ኢዩ ዝኸይድ: ግድላት ይዓቢ: ስርዓታዊ ኴንካ ኣኼባታት ምክፋል ድማ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ጥራይ ክርከብ ዝከኣል መንፈሳዊ መግብን ምውቕ ብጻይነትን ካብ ናይ ቅድም ብዝበለጸ የድልየና ኢዩ።

‘ብህጹጽ’

14. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ናይ ህጹጽነት ስምዒት ዘለዎምስ ስለምንታይ ኢዩ: እንታይ ውጽኢት ኢዩኸ ነዚ ዚገልጽ?

14 ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት እታ ናይ ዓዲ ጥልያን ካቶሊካዊት ቤተ–ክርስትያን ነቲ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ጐነጻዊ ምስዳዕ” በለቶ። ብሓቂ: ብዛዕባ እቲ ናይቶም መሰኻኽር ዕዮ ጐነጽ ዝበሃል የለን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣስ እቲ ኣገልግሎት መግለጫ ናይቲ ንጐረባብቶም ዘለዎም ዓሚቍ ፍቕሪ ኢዩ። ብተወሳኺ ከኣ ንቃላት ናይ ጳውሎስ ዘለዎም ተኣዛዝነት ዘረጋግጽ ኢዩ:- ‘ነቲ ቃል: ብግዜኡን ብዘይግዜኡን [ብህጹጽ ትሓዓ ] ስበኽ።’ (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2) ናይ ህጹጽነት ስምዒት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣገልግሎቶም ቀናኣት ኪኾኑ ኣለዓዒልዎም ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ 1994 ንጐረባብቶም ክሰብኩ: ተመላሊስካ ምብ⁠ጻሕ ክመርሑ: ከምኡውን 4,701,357 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ብጠቕላላ 1,096,​065,354 ሰዓታት ብምሕላፎም ተራእዩ ኢዩ። ብዙሓት ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክካፈሉ ምኽኣሎም: እቲ ናይ ፓይነር መንፈስ ህያውን ንጡፍን ከም ዘሎ የርኢ። እቲ ገምጋም ናይቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ 636,202 ፓይነራት ነዚ የረጋግጽ።

15, 16. (ሀ) ከመይ ኢሎም ኢዮም መንእሰያት ከምኡውን ዓበይቲ መንፈስ ናይ ፓይነር ዘርእዩ ዘለዉ? (ለ) ኣብቲ ጸብጻብ ናይ 1994 ኣገልግሎት ዓመት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብምዕዛብ: ኣበይ ኢኻ ዝለዓለ ቁጽሪ ፓይነራት እትርኢ?

15 ኣብ መንጐ እዞም ፓይነራት እዚኣቶም ብዙሓት መንእሰያት ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ከለዉ: ንደቂ ክፍሎም ከም ቀንዲ ዞባ ብምግባር ሕጂ ከም ፓይነራት ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ። እዞም መንእሰያት እዚኦም ነዚ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት: ኣብታ ሃገር ዘለዋ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርትታት ተዘርጊሑ ካብ ዘሎ ሓሽሽ: ርኽሰት ከምኡውን ዓመጽ: ንገዛእ ርእሶም ክከላኸልሉ ዝኽእሉ ዝበለጸ መገዲ ኮይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ብዙሓት ካልኦት መንእሰያት ትምህርቲ ምስ ወድኡ ፓይነር ምዃን ሸቶኦም ገይሮሞ ኢዮም። ኤሬና: ኣብ ዩክሬይን: ድሕሪ መመረቕታ ነቲ ናይ ፓይነርነት ዕዮ መታን ከዳልዋ: ኣብቲ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርታ ብምሉኡ ሓጋዚት ፓይነር ነበረት። ትምህርቲ ምስ ወድኤት: ንሳ ኣብቲ ናይ ስርዓታዊ ፓይነር ዕዮ መታን ክትውክሎም ስድራኣ ዓለማዊ ስራሕ ብዝምልከት ተሓባበሩዋ። ብቑጠባ ዝመጸ ኣብ ዩክሬይን ነገራት ቀለልቲ ኣይኮኑን። ይኹን እምበር: ኤረና ከምዚ ትብል:- “ንዓይ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ዝሰብከሎም እውን ህይወት ዝኾነ ዕዮ ይዓዩ ከም ዘለኹ እፈልጥ ኢየ።” ሎሚ ብሓቂ ብዙሓት መንእሰያት ከምቲ ናይ ኤረና ገይሮም ዚሓስቡ ክትርእስ ዘሐጉስ ኢዩ። ‘ብመዓልታት ንእስነቶም ነቲ ዓቢ ፈጣሪኦም ካብ ምዝካር’ ዝበልጽ እንታይ ካልእ መገዲ ኣሎ?​—⁠መክብብ 12:⁠1

16 ብዙሕ ዝቑጽሮም ፓይነራት ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ ኢዮም። ሓንቲ ዘቕረበቶ ጸብጻብ: ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ኣቦኣን ሓዋን ኣብቲ ውግእ እናተዋግኡ ከለዉ ተቐትሉ: ኣዲኣን ሓፍታን ከኣ ኣብ ሓደ ጌቶ ተቐትላ። ጸኒሓ ወዳ ሰኣነት። ሕጂ ኣብዘን እናደኸመት እትኸደለን ከምኡውን ብሕማም እትሳቐየለን ዘላ ዓመታት: የሆዋ: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ካብቲ ዘጥፍኣቶ ኣዝዩ ዝዓበየ ቤተሰብ ሃባ: ከምኡውን ንኻልኦት ከም ስርዓታዊት ፓይነር ኮይና ብምሕጋዝ ትሕጐስ ኣላ: ብምባል ሓደ ጸብጻብ ይነግር።

17, 18. ፓይነራት ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ ነፍሲ ወከፍና ከመይ ገይርና ኢና ናይ ፓይነር መንፈስ ከነርኢ እንኽእል?

17 ርግጽ ኢዩ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፓይነር ኪኸውን ኣይክእልን ኢዩ። የሆዋ ነታ ምልእቲ ዕሽርና: ብዓቕምና ዝኾነ ይኹን እቲ ዝበለጸ ከነቕርቦ እንኽእል ክቕበል ሕጉስ ኢዩ። (ሚልክያስ 3:​10 ትሓዓ እግረ ጽሑፍ) ብርግጽ: ኩልና ነቲ መንፈስ ናይቶም ቀናኣት ፓይነራት ክንኩስኩስ ከምኡውን ስብከት ናይቲ ብስራት ንምዕባይ ዝኾነ ይኹን ኩነታትና ዘፍቅዶ ክንገብር ንኽእል ኢና።

18 ንኣብነት: ኣብ ኣውስትራልያ: 16 ሚያዝያ ንናይ መገዲ ስብከት ከም ፍልይቲ መዓልቲ ተወሰነት። ካብቲ ናይታ ወርሒ 58,780 ዝለዓለ ቁጽሪ ኣስፋሕቲ ከም እተራእየ: እቲ ዕዮ ብኣስፋሕቲ ከምኡውን ብፓይነራት ጽቡቕ ኢዩ ተደጊፉ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዝነበረ ዝበዝሕ ተወሳኺ 90,000 መጽሔታት ተዓደለ። ኣብዛ ፍልይቲ መዓልቲ እዚኣ: ሓንቲ ሓፍቲ ንሓደ ሰብኣይ መጽሔት ሂባ: ተገዳስነቱ ንምክትታል ስሙን ኣድራሻኡን ክትምዝግብ ከላ ኣዝማድ ምዃኖም ተረድአት! ን30 ዓመታት ተረኣእዮም ዘይፈልጡ ደቂ ሓትኖታት ኮይኖም ጸንሑ። ብርግጽ እዚ ንገሊኦም ዘሓጉስ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብሩ ኣኽኢሉዎም ኢዩ!

ክሳዕ መወዳእታ ንጽህና ምሕላው

19. ናይ የሆዋ ጻድቐ ህዝቢ ክሳዕ እታ መወዳእታ ንጽህንኡ ክሕሉ ህጹጽ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?

19 ናይ ሰይጣን ዓለም ናብ ጥፍኣታ እናኸደት ከላ ኩሎም እቶም ኣብ ናይ ኣምላኽ ጻድቕ ህዝቢ ዘለዉ ንጽህንኦም ኪሕልዉስ ህጹጽ ኢዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: ናይ የሆዋ ቕዱስ ህዝቢ ከምዚ ዝብል ጻውዒት ኪሰምዕ ኢዩ:- “ኣታ ህዝበይ: ኪድ: ናብ ሕልፍኝኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ: ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሓልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ።” እዛ ናይ ደም ገበነኛ ዓለም: ምስ መለኮታዊ ፍርዲ ግድን ክትገጥም ኢያ። “እንሆ: እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ ኣሎ: ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖ: ንቑቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ።” (ኢሳይያስ 26:​20, 21) ነፍሲ ወከፍና ከም ሓደ ንጽህንኡ ሓልዩ ምስቲ ጻድቕ ህዝቢ የሆዋ ዝሓበረ ክርስትያን መጠን ጸኒዕና እንቐውም ይግበረና። ብድሕርዚ ኣብቲ ምድራዊ ወይ ሰማያዊ ግዝኣት መንግስቲ ክርስቶስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምርካብና ክንሕጐስ ኢና።

ትዝክሮዶ?

◻ “እቲ ጻድቕ ህዝቢ” መኣስ ኢዩ ተወሊዱ?

◻ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ምጽማም ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ?

◻ እቲ ኣብ ናይ 1994 ኣገልግሎት ዓመት እተራእየ ጸብጻብ ዝለዓለ ቁጽሪ ኣስፋሕቲ ከምኡውን ኣብቲ ኣገልግሎት ዝጠፍኤ ሰዓታት እንታይ ኢዩ ዝገልጽ?

◻ እዛ ዓለም ናብ መወዳእታኣ እናኸደት ከላ ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?

◻ ኩሎም እቶም ምስቲ ጻድቕ ህዝቢ ኣምላኽ ዝሓብሩ ንጽህንኦም ኪሕልዉ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ?

[ኣብ ገጽ 12-15 ዘሎ ሰሌዳ]

ናይ 1994 ኣገልግሎት ዓመት ዓለምለኸ ጸብጻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ጻድቕ ህዝቢ የሆዋ ዘለዉ ሓለውቲ ንጽህና ፍጽምና ዘለዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ