ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/1 ገጽ 5-10
  • ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ግብርታቱን ምዕዋት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ግብርታቱን ምዕዋት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጽህና ኣብ ትሕቲ መስጐግቲ
  • ኣብታ ግጭት ዘናወጻ ሩዋንዳ
  • ንጽህንኦም ዝሓለዉ መንእሰያት
  • ካልእ ጐራሕ ሜላታት ናይ ሰይጣን
  • ንጽህናኻ ሓሊኻ ኽትመላለስ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ንጽህናኻ ሓሉ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ምንባር
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/1 ገጽ 5-10

ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ግብርታቱን ምዕዋት

“እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ።”​—⁠ያእቆብ 4:⁠7

1. ሎሚ “ኢድ እቲ ረሲእ” ንወድሰብ ብኸመይ ኢዩ ተንኪፉዎ ዘሎ?

እዮብ ብትኽክል “ምድሪ ኣብ ኢድ [እቲ ረሲእ ትሓዓ ] ተውሂባ እያ” በለ። (እዮብ 9:24) ከምኡውን ንሕና ሎሚ: ምስቲ ካብ ታሪኽ ሰብ ኣዝዩ ዝጸንከረ እዋን ኢና ገጢምና ዘሎና። ስለምንታይ? ምኽንያቱ እዚኤን እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይ ሰይጣን ጋኔናዊ ግዝኣት ናይ ምድሪ ኢየን። ብምድፍፋእ ናይ ሰይጣን: ‘እኩያት ሰባትን ጠበርትን እናኣሰሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ እንተበጽሑስ’ ዘገርም ኣይኮነን። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1, 13) ብተወሳኺ: መስጐጕቲ: ዘይፍትሓውነት: ጭካኔታት: ዓመጻታት: ቁጠባዊ ሽግራት: ሕዱር ሕማማት: ናይ እርጋን ቃንዛታት: ስምዒታዊ ጭንቀታት​—⁠እዝን ካልእ ተወሳኽን ኣብ ልዕሌና ኣዝዩ ኣኽቢዱ ይጽዓነና ይኸውን።

2. ከመይ ገይርና ኢና ሎሚ ነቲ ናይ ሰይጣን መጥቃዕትታት እንዋጽኣሉ?

2 ሰይጣን ድያብሎስ: እቲ ዓቢ ተጻራሪ: ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣምለኽቲ ኣምላኽ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኢዩ ዘውርድ ዘሎ። ሸቶኡ ነቶም ንጽህንኦም ኪሕልዉ ተኽእሎ ዘለዎም: ኣንጻር ኣምላኽ ከም ዝኾኑ ብምግባር: ምስኡን ምስቶም ናቱ ኣጋንንቲ ዝኾኑ መላእኽትን ጌርካ ምጥፋእ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብንጽህና እንተድኣ ተጸሚምና: ድያብሎስ ካባና ከም ዚሃድም ተረጋጊጹልና ኢዩ። ከም የሱስ: ንሕናውን በቲ ዘሳቕየና ነገራትን በቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘውህበና ዘይንበቕዖ ሕያውነቱን ንኣምላኽ ‘ምእዛዝ ክንመሃር’ ንኽእል ኢና።​—⁠እብራውያን 5:​7, 8፣ ያእቆብ 4:7፣ 1 ጴጥሮስ 5:​8–10

3, 4. (ሀ) ጳውሎስ ምስ እንታይ ናይ ደገ ፈተናታት ኢዩ ክቃለስ ዝነበሮ? (ለ) ከም ሓደ ክርስትያን ሽማግለ መጠን ተገዳስነት ናይ ጳውሎስ እንታይ ነበረ?

3 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብብዙሕ መገድታት ተፈቲኑ ኢዩ። ከም ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝነበሮ ብቕዓታት ኣመልኪቱ: ከምዚ ኢሉ ጸሐፈ:- “ኣነ እበልጾም እየ። ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ: ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ: ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ: ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ። ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ። ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ: ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ: ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት: ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቕ ባሕሪ ሓዲረ ወዐልኩ። ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ: ኣብ ርባታት ብፍርሃት: ካብ ከተርቲ ብፍርሃት: ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት: ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት: ኣብ ከተማ ብፍርሃት: ኣብ በረኻ ብፍርሃት: ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት: ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ። ብዕዮን ብጻዕርን: ብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕ: ብጥሜትን ብጽምእን: ብዙሕ ጊዜ ብቑርን ብዕርቃንን ነይረ።

4 “ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ [ኹ]ሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚጸበኒ: ማለት ብዛዕባ እቲ ንኹላተን ማሕበራት ዝሓልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ። መን እዩ ዚደክም: ኣነ ኸኣ ዘይደኽመሉ[?] መን እዩ ዚዕንቀፍ: ኣነ ኸኣ ዘይነድድ[?]” (2 ቆረንቶስ 11:​23–29) ስለዚ: ጳውሎስ ካብ ደገ ፈተናታትን መስጐጕትን ከጋጥሞ ከሎ ንጽህንኡ ሓልዩ ኢዩ: ከምኡ’ውን: ከም ሓደ ክርስትያን ሽማግለ መጠን: ኣብታ ጉባኤ ንዝነበሩ ድኹማት ኣሕዋትን ኣሓትን ንጽህንኦም መታን ክሕልዉ ብምሕጋዝ: ንምብርትዖም ኣዕሚቑ ይግደስ ነይሩ ኢዩ። ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣርኣያ ኮን ኢዩ!

ንጽህና ኣብ ትሕቲ መስጐግቲ

5. ንቀጥታዊ መስጐጕቲ መልሱ እንታይ ኢዩ?

5 ሰይጣን ንጽህና ንምብልሻው እንታይ ሜላታት ኢዩ ዚጥቀም? ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተራእየ: ሓደ ካብቲ ናይ ሰይጣን ኣዝዩ እኩይ ዝኾነ ብልሓታት ቀጥታዊ መስጐግቲ ኢዩ: እንተኾነ ግን ሓደ መልሲ ኣሎ። ኤፌሶን 6:​10–12:- “ብዝተረፈስ: ኣሕዋተየ: ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። . . . ንፍሕሶ [ወይ “ጉርሒ ዘለዎ ተግባራት” ትሓዓ እግረ ጽሑፍ] ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ብምባል ይመኽረና።

6. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ኣጸቢቖም ከም ዝሰዓሩ’ ከመይ ገይርካ ክርአ ይከኣል?

6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ኩሉ ግዜ ምስ ፈተናታት ይቃለሱ ኣለዉ። እምበኣርከስ ምስ ጳውሎስ ኰይና “በዚ ኹሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና” ክንብል ንኽእል ኢና። (ሮሜ 8:37) እዚ በቲ መዝገብ ንጽህና ናይቶም ብግዜ ናዚ ኣብ መንጎ 1933 ከምኡውን 1945 ኣብ መዳጎኒ ደምበታት ናይ ጀርመን: ኣውስትርያ: ፖላንድ: ከምኡውን ዩጎዝላቭያ: ኣብ መንጎ 1945 ከምኡውን 1989 ድማ ኣብ ትሕቲ ኮሙኒስታዊ ጸቕጢ ናይ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝነበሩን ኣብዚ ኣዝዩ ቀረባ ግዜ ኸኣ ኣብቲ መስጐጕቲ ዝሃሰዮ ክፍልታት ናይ ኣፍሪቃ ከምኡውን ላቲን ኣመሪካ ዘለዉን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተረጋጊጹ ኢዩ።

7. እንታይ ዘበራትዕ ኣብነታት ናይ ንጽህና ኢዩ ካብ ኢትዮጲያ እተረኽበ?

7 ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1974–1991 ዘበራትዕ ኣብነት ናይ ንጽህና ሂቦም ኢዮም። ሓደ ካብቶም ፖለቲከኛታት ኣሰርቲ ንሓደ እሱር ሓው: “ንዓኻትኩም እንደገና ናጻ ካብ ምስዳድ ካብ መካነ–እንስሳታት ኣናብስ ምፍናው ይሓይሽ!” በሎ። እዞም ጨካናት ኣሳጐግቲ ንኣገልገልቲ የሆዋ ኣሳቕዮሞም ኢዮም: ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ እቲ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ክርሸኑ ኣዘዘ። እቲ ኣካል ናይ ሓደ ካብቶም ኣሕዋት ከም ናይ መጠንቐቕታ ኣብነት ተባሂሉ ኣብ ህዝቢ ዝርእየሉ ቦታ ተደርበየ። ካልኦት ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ይግባይ ዝበሉ ኣሕዋት ከኣ ብሓደ ኣዝዩ ዝሰፍሔ ኣረኣእያ ዝነበሮ ቤት ፍርዲ ናጻ ተለቁ: ገለ ካብዞም እሙናት ‘ሰዓርቲ’ ከኣ ኣብቲ ኣብ መጀመርያ ናይ 1994 ኣብ ኣዲስ ኣበባ እተገብረ ናይ “መለኮታዊ ትምህርቲ” ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብቲ መደብ ክፍልታት ነበሮም።a​—⁠ዮሃንስ 16:33፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 4:⁠9 ኣነጻጽሮ።

8. ከመይ ገይሩ ኢዩ ሰይጣን ነቲ “ዓሌታዊ ምጽራይ” ክብለጸሉ ዝፈተነ?

8 ሰይጣን: በቲ ቀጥታዊ ናይ ፊት ንፊት መጥቃዕቲ ገይሩ ናይ ከምዚኦም ዝበሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንጽህና ከበላሹ ኣይከኣለን። ስለዚ: እንታይ ካልእ ጐራሕ ሜላታት ኢዩ ዚጥቀም? ራእይ ዮሃንስ 12:12 ብዛዕባ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከምዚ ይብል:- “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቁጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ ወይለኹም።” ንእሙናት ህዝቢ ኣምላኽ ብመስጐግቲ ገይሩ ከጥፍኦም ስለ ዘይከኣለ: ንኹሉ ህዝቢ ከጽንት ፈተነ: እዚ ድማ ንህዝቢ የሆዋ ምስቶም ዝተረፉ ለኪሙ ከጥፍእ ከም ዝደለየ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ኢዩ ኸኣ ኣብ ዞባታት ዩጎዝላቭያ ነበር እቲ ዓሌታዊ ምጽራይ ዝበሃል እተፈጸመ: ከምኡውን ኣብ ላይበርያ: ብሩንዲን ሩዋንዳን ማህለቕቲ እተፈተነ።

9. ስለምንታይ ኢዩ ናይ ሰይጣን ሜላታት ዝበዝሕ ግዜ ዝፈሽል? ኣብነታት ሃብ።

9 ሰይጣናዊ መጉዳእቲ ንቕኑዕ ዝልቦም ሰባት እታ እንኮ ተስፋኦም ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕንኢ እትስበኽ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ንኸስተውዕሉ ስለ ዘነቓቕሖም: መብዛሕትኡ ግዜ ኣንጻር እቲ ንሱ ትጽቢት ዝገበረሉ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። (ማቴዎስ 12:21) ብርግጽ: ተገደስቲ ሰባት ናብታ መንግስቲ ይውሕዙ ኣለዉ! ንኣብነት ኣብተን ግጭት ዘናወጸን ቦዝንያን ሄርዞጐቪናን ብ26 መጋቢት 1994 ኣብቲ እተባዕለ መዘከርታ ሞት ናይ የሱስ 1,307 ሰባት ተኻፊሎም: እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ291 ይዛይድ። ኣብ ሳራየቮ (414): ኣብ ዜነትሰ (223): ኣብ ቱዝላ (339): ኣብ ባንየ ሉከ (255): ከምኡውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ዝለዓለ ቁጽሪ ተኣከብቲ ኢዩ ተመዝጊቡ። ኣብታ ጐረቤት ዝኾነት ክሮአሽያ ከኣ ሓድሽ ዝለዓለ ቁጽሪ ተኣከብቲ 8,326 ነበረ። ነቶም ኣብተን ዓድታት እቲአን ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ኣብ ከባቢኦም እተፍጸመ ናዕቢ ነቲ “ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ: ሞቱ ትነግሩ ኢኹም” ዝብል ትእዛዝ ንኽእዘዙ ኣይከልከሎምን።​—⁠1 ቈረንቶስ 11:26

ኣብታ ግጭት ዘናወጻ ሩዋንዳ

10, 11. (ሀ) ኣብታ ዓዲ ክርስትያን እትበሃል ሩዋንዳ እንታይ ተፈጸመ? (ለ) እሙናት ሚስዮናውያን ብኸመይ ኢዮም ሓሳቦም ዝገለጹ?

10 ሩዋንዳ: ምስቶም 2,080 ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ: ብ1993 ነቲ “መለኮታዊ ትምህርቲ” ኣውራጃዊ ኣኼባ 4,075 ተኻፈልዎ: 230 ከኣ ተጠምቁ። ካብዚኣቶም: 142 ብኡንብኡ ሓገዝቲ ፓይነራት ኪኾኑ ኣመልከቱ። ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ 7,655 ደየበ​—⁠ብርግጽ ምስቲ ድሌት ናይ ሰይጣንሲ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ! ሽሕኳ መብዛሕትኡ እቲ ህዝቢ ክርስትያን ኢየ ዝብል እንተኾነ ውሽጠ–ቀቢላዊ ጃምላዊ ቅትለት ጀሚሩ ኢዩ። እቲ ናይ ቫቲካን ላ’ኦዘርቫቶረ ሮማኖ:- “እዚ ሓደ ጠቕላላዊ ምጽናት ኢዩ: ዘሕዝን ከኣ ካቶሊካውያን እውን ብሓላፍነት ዝሕተትሉ ኢዩ” ኢሉ ተኣመነ። ፍርቂ ሚልዮን ዝግመቱ ሰብኡትን ኣንስትን ቆልዑን ሞይቶም: ገለ ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ከኣ ብዘይ ኣባይቲ ተረፉ ወይ ክሃድሙ ተገደዱ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዘየናዕብ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ኣጽኒዖም ብምሓዝ ብሓንሳእ ክኾኑ ፈቲኖም ኢዮም። ብኣማእታት ዝቑጸሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተቐቲሎም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ነሓሰ 1994 ኣብ ሓንቲ 65 ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ጉባኤ: 13 ካብኣቶም ከኣ እተቐትሉ: ቁጽሪ ተኣከብቲ ናብ 170 ደየበ። ኣብ ካልእ ሃገራት ካብ ዘለዉ መሰኻኽር እተረኽበ ናይ ረድኤት ህያባት: ካብቲ ኣብታ ሃገር ዝበጽሔ እቲ ናይ መጀመርያ ነበረ። ኣብ ክንዲ እቶም ዘለዉ ከኣ ጸሎትና ነዕርግ።​—⁠ሮሜ 12:12፣ 2 ተሰሎንቄ 3:​1, 2፣ እብራውያን 10:​23–25

11 ምስናይ እዚ ኹሉ ራዕዲ ኸኣ እቶም ኣብ ሩዋንዳ ዝነበሩ ሰለስተ ሚስዮናውያን ኣምሊጦም ኢዮም። ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “ኣብ ምልእቲ ዓለም ዝርከቡ ኣሕዋትና ተመሳሳልን ካብኡ ዝገድድን ኩነታት ይጋጠምዎ ከም ዘለዉ ንርዳእ ኢና: እዚ ኹሉ ኸኣ ክፍሊ ናይቲ ምልክት ናይ ዳሕሮት መዓልታት ናይዚ እኩይ ኣገባብ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ባዕሉ ኣብቲ ኩነታት ክኣቱ ከሎ ሓቅነት ናይቲ ነገራት ክርዳእን ህይወት ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ከማሱን ኢዩ ዝገብሮ። ንኣና: ሓድሓደ ጥቕስታት ሓድሽ ትርጉም ኣለዎ። እቲ ናይ ቀደም ዘይዝከረሉ ግዜ ኪመጽእ ከኣ ብተስፋ ንጽበ። ክሳዕ ሽዑ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ክንከውን ኢና እንደሊ።”

ንጽህንኦም ዝሓለዉ መንእሰያት

12, 13. (ሀ) ሓንቲ መንእሰይ እንታይ ንጽህና ዚሕሉ ስጉምቲ ኢያ ዝወሰደት? (ለ) መንእሰያትናኸ ሎሚ ኣበይ ኢዮም ምትብባዕ ክረኽቡ ዝኽእሉ?

12 የሱስ: እቶም ምእንቲ ሓቂ ክብሉ ብኣባላት ስድራቤት እተገለሉ “ሚእቲ ካዕበት” ኺከሓሱ ምዃኖም ኣመልኪቱ ኣሎ። (ማርቆስ 10:​29, 30) እዚ ኣብታ ንስም ኣምላኽ​—⁠የሆዋ​—⁠ምስ ሰምዔት ቀልጢፋ ዝፈተወታ: ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ዘላ ጓል ዓሰርተ ዓመት ኢንተልየ ሓቂ ኮይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ንሳ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጽንዕ ነበረት: ሽሕኳ ክትምለስ ከላ እቶም ተጻረርቲ ስድራኣ ማዕጾ ይዓጽዉዋ እንተነበሩ: ናብ ኣኼባታት ክትከይድን ክትምለስን 90 ደቒቕ ትጐዓዝ ነበረት። ኣብ 13 ዓመት ዕድሜኣ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ክትሰብኽ ጀመረት: እቲ ናይ ስድራኣ ተጻራርነት ከኣ በርትዐ። ሓደ መዓልቲ ኣዝማዳ ኣእዳዋን ኣእጋራን ኣሲሮም ኣብ ጸሓይ ንሾብዓተ ሰዓታት ቀራዕ ኣበልዋ: ጸጸኒሖም ድማ ረሳሕ ማይ ይደፍኡላ ነበሩ። ክፉእ ኣተሃራርማ ብምህራም ሓንቲ ዓይና ኣጥፍኡዋ: ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ገዝኣ ኣውጽእዋ። ዝኾነ ኾይኑ: ኣብ ሆስፒታል ስራሕ ረኺባ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣላዪት ሕሙማት ኮነት። ኣብ መበል 20 ዓመታ ተጠምቀት: ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ሓጋዚት ፓይነር ንኽትከውን ተመዝገበት። ስድራኣ በቲ ንጽህንኣ ተተንኪፎም: ናብ ቤቶም ክትምለስ ተቐበልዋ: ትሽዓተ ካብኦም ከኣ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ።

13 ኢንተልየ ካብቲ ደጋጊማ እተንብቦ ዝነበረት መዝሙር 116: ብፍላይ ቁጽሪ 1–4: ብዙሕ ምትብባዕ ኢያ ረኺባ:- “ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ: ንእግዚኣብሄር ኤፍቅሮ እየ። እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ እዩ እሞ: ኩለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ። መኣስር ሞት ከበበኒ: ጸበባ ሲኦል ሓዘኒ: ጭንቀትን መከራን ረኸብኩ። ሽዑ ኣነ ዎ እግዚአብሄር: ንነፍሰይ ኣድሕና[!] ኢለ ስም እግዚአብሄር ጸዋዕኩ።” የሆዋ ንኸምዚ ዝበለ ጸሎት ይምልሾ ኢዩ!

14. ናይ ፖላንድ መሰኻኽር ብኸመይ ኢዮም ብሉጽ ንጽህና ዘርኣዩ?

14 ከምቲ ብመዓልታት የሱስ: ሰይጣን ኩሉ ግዜ ነቲ ሃልሃልታ ናይ መስጐግቲ ንምንብድባድ ሃይማኖታዊ ድርቅና ኢዩ ዝጥቀም​—⁠ግናኸ ኣይዕወትን። ከምቲ ኣብ ናይ 1994 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር [እንግሊዝኛ] እተገልጸ እቲ ኣብነት ናይቶም ኣብ ፖላንድ ዝነበሩ ኣሕዋትና ብሉጽ ኢዩ። መንእሰያትውን ንጽህንኦም ዝሕልዉ ምዃኖም ከርእዩ ተደልዮም ኢዮም። ብ1946 ሓንቲ ካብዚኦም “ናይ ካቶሊክ ምልክት መስቀል ግበሪ። እንተዘይኮነ ጥይት ኢያ እትጽበየኪ!” እተባህለላ 15 ዓመት ዝዕድሜኣ ጓል ነበረት። ንጽህንኣ ሓልያ ናብ ጫካ ተወስደት: ብዘስካሕክሕ ተሰቀየት: ብጥይት ከኣ ተቐትለት።​—⁠ምስ ማቴዎስ 4:​9, 10 ኣነጻጽሮ።

ካልእ ጐራሕ ሜላታት ናይ ሰይጣን

15, 16. (ሀ) ናይ ሰይጣን ጋኔናዊ መምርሒ እንታይ ኢዩ: ብኸመይ ኢናኸ እንቃወሞ? (ለ) መንእሰያትናኸ ስለምንታይ ኢዮም ኪዕንቀፉ ዘየድልዮም?

15 ናይ ሰይጣን ጋኔናዊ መምርሒ ብርግጽ: “ግዛእ ወይ ኣዕኑ!” ዝብል ኢዩ። ኣብቲ ናይ ኣጽዋር መኽዘኑ ብዙሕ ጨካን ዝኾነ ኣጽዋር ኣለዎ። እምበኣር ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ እንተ ኣጠንቀቐናስ ዘገርም ኣይኮነን:- “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር: ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ: ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ: ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ: ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ።” (ኤፌሶን 6:​12, 13) ስጋዊ ባህግታት: ሕሱር መዘናግዒታትን ፕሮፖጋንዳን: ሰይጣናዊ ሙዚቃ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ መሳቱ ጸቕጢ: ሓሽሽ ምውሳድ: ከምኡውን ስኽራን​—⁠ዝኾነ ካብዚኣቶም ንናብራና ከዕንዎ ይኽእል ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ሃዋርያ ጳውሎስ:- “ምስናይ እዚ [ኹ]ሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ” ኢሉ ይመክር።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠16

16 እዚ ብፍላይ ሎሚ ነቲ ሰይጣን ነዛ ዓለም እዚኣ ብእኡ ኣጥለቕሊቕዋ ዘሎ ፋሉል ሙዚቃ ርኢኻ: ኣድላዪ ይመስል። ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት ምስ ሰይጣናውነት ቀጥታዊ ርክብ ኢዩ ዘሎ። ሓደ ካብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኣውራጃ ሳን ዲያጎ (ሕ.መ.ኣ.) እተረኽበ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኣብዚ ከተማ: ሓደ ሙዚቃዊ ትርኢት ነይሩና: እቲ ሙዚቃዊ ጉጅለ ‘ናታስ’: ሰይጣን [ብእንግሊዘኛ] ንድሕሪት ክጸሓፍ ከሎ: ኢሎም ብምድግጋም ዜዚሙ 15,000 ቆልዑ ዝነበርዎ ኢዩ።” ሰይጣናዊነት: በጽሕታት ተዓንቂፎም ዝኣትውሉ ጉድጓድ ተባሂሉ ኢዩ ዝግለጽ: “ምኽንያቱ ንሳቶም ዓቕሊ ኣጽቢቦም ዝህውትቱ: ቁጡዓትን ጽምዋ ዝስምዖምን ስለ ዝኾኑ ኢዩ።” ንስኻትኩም ኣብ ክርስትያን ጉባኤታት ዘለኹም መንእሰያት: ክትዕንቀፉ ኣየድልየኩምን ኢዩ! የሆዋ መንፈሳዊ ድርዒ ስለ ዝሃበኩም እቲ ናይ ሰይጣን ፍላጻታት ኣይኪወግኣኩምን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 16:​8, 9

17. ብኸመይ ኢዩ ስምዒታዊ ጭንቀት ዚሰዓር?

17 ናይ ሰይጣን ርሱን ሚሳይላት ንስምዒታት ክቈጻጸር ኢዩ ተነዲፉ። ከም እኒ ስጋዊ ሕማማት ወይ ኩነት ናይ ዓሚቕ ጭንቀት ዝኣመሰሉ ጸቕጥታት ናይ ህይወት ገይሩ: ጸላኢና: ንገሊኦም ስምዒት ናይ ዋጋ ዘይብልካ ምዃን ከም ዝህልዎም ይገብር ይኸውን። ምናልባት ሓደ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዙሕ ሰዓታት ስለ ዘየሕልፍ ወይ ድማ ገለ ገለ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስለ ዘይካፈል ተስፋ ይቖርጽ ይኸውን። ብሽማግለታትን ብካልኦት ርሕሩሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝወሃብ ፍቕራዊ ሓልዮት ነቲ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ምንዋጽ ንኸሰንፍዎ ክሕግዞም ይኽእል ይኸውን። የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ የፍቅር ምዃኑ ወትሩ ዘክር። (1 ዮሃንስ 4:​16, 19) መዝሙር 55:22 ከምዚ ይብል:-“ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።”

18. ምስ እንታይ ሰይጣናዊ ፍሕሶታት ኢዮም ገለ ሰባት ክቃለሱ ዘለዎም?

18 ናይ ሰይጣን ጐራሕ “ፍሕሶታት” ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብኻልእ ኣገባብ እውን ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ገለ ገለ ዓድታት ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት: እቲ ብቖልዑቶም ከለዉ ብጭካኔ: ብሰይጣናዊ ኣምልኾታት: እተሃሰይዎ: ዓብላሊ ስምዒት ስለ ዘሕደረሎም: ንዕኡ ዘንጸባርቕ ወራራዊ ሓሳባት የሳቕዮም ኣሎ። እዞም ሓሳባት እዚኣቶም ካበይ ኢዮም ዝመጹ? ዋላኳ ሰፊሕ መርመራ እንተ ተገብረ: ዓለማዊ ርእይቶታት ኣዝዮም ኢዮም ዝፈላለዩ። ገለ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሓሳባት ከም ክዉን ተዘክሮታት ይርእይዎም: ካልኦት ከኣ ከም ሕልሚ​—⁠ምናልባት ብዘጠራጥር ፍወሳ ናይ ቴራፒ ዝመጽእ​—⁠ገና ካልኦት ድማ ብሰንኪ ስንባድ ናይ ቁልዕነት ዝመጽእ ዓይነት ናይ ኣእምሮ ምህውታት ከም ዝኾነ ገይሮም ይርእይዎ።

19. (ሀ) እዮብ ምስ እንታይ ሓሳባት ኢዩ ክቃለስ ዝነበሮ? (ለ) ሽማግለታት ንኣብነት ናይ ኤሊሁ ክስዕቡ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም?

19 ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ እዮብ ምስቲ ሰይጣን ብኤሊፋዝን ሶፋርን ገይሩ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ‘ዝህውኽ ሓሳባት’ ክቃለስ ነበሮ። (እዮብ 4:​13–18፣ 20:⁠2, 3) በዚ ኸምዚ እዮብ: ብዛዕባ እቲ ንኣእምሮኡ ጐዲኡዎ ዝነበረ “ስምባድ” ‘ዘይግቱእ ዘረባ’ ብምዝራቡ ‘ይትክዝ’ ነበረ። (እዮብ 6:​2–4፣ 30:​15, 16) ኤሊሁ ብህድኣት ጽን ኢሉ ሰምዖ: ከምኡውን ነቲ የሆዋ ኣብ ነገራት ዘለዎ ምሉእ ጥበባዊ ኣረኣእያ ከስተብህለሉ ሓገዞ። ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን መስተውዓልቲ ሽማግለታት ንኸምዚኦም ዝበሉ ዝሳቐዩ: ዝያዳ “ጸቐጥታት” ብዘይምውሳኽ ይሓልዩሎም ምዃኖም የርእዩ ኢዮም። ብሓቂ ከም ኤሊሁ: ብትዕግስቲ ጽን ኢሎም ይሰምዕዎም ከምኡውን በቲ ዘይቲ ናይ ቃል ኣምላኽ የህድእዎም። (እዮብ 33:​1–3, 7፣ ያእቆብ 5:​13–15) ስለዚ እምበኣር: ዝኾነ ሰብ ስምዒታቱ ብናይ ሓቂ ይኹን ወይ ሓሶት ስንባደታት ናይ ኣእምሮ እተረበሸ: ወይ ከምቲ እዮብ ዝነበሮ ‘ብሕልምታትን ራእያትን ዝፈርሕ’ እንተድኣ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዘህድእ ጽሑፋዊ ምጽንናዕ ይረክብ ይኸውን።​—⁠እዮብ 7:14፣ ያእቆብ 4:⁠7

20. እተጨነቑ ክርስትያናት መንፈሳዊ ሚዛኖም ንኺሕልዉ ብኸመይ ምተሓገዙ?

20 ሎሚ ሓደ ክርስትያን በዚ ይኹን በቲ: ብድሕሪ እዞም ዘሰንብዱ ሓሳባት: ሰይጣን ከም ዘሎ ርግጸኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገለ ኣብቲ ጉባኤ ዘለዉ በዚ ዝሳቐዩ እንተድኣ ኮይኖም: እዚ ከምዚ ዝበለ ዘፈራርሕ ናይ ኣእምሮ ስምዒታት: መንፈሳዊ ሚዛኖም ንምብልሻው ብሰይጣን ዝግበር ቀጥታዊ ፈተና ገይሮም ክርእይዎ ጥበባዊ ኢዩ። ንሳቶም ትዕግስትን ምርዳእን ዝመልኦ ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ ኢዩ ዘድልዮም። እቶም ስቃይ ዘሕልፉ ዘለዉ ብጸሎት ናብ የሆዋ ብምቕራብ ከምኡውን ካብ መንፈሳዊ ጕስነት ብምጥቃም በቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ኪሕገዙ ኢዮም። (ኢሳይያስ 32:2፣ 2 ቈረንቶስ 4:​7, 8) በዚ ኸምዚ ብተኣማንነት ኪጽመሙ ከምኡውን ጦብሎቕታዊ እኩይ ሓሳባት ነቲ ሰላም ናይታ ጉባኤ ንኸይትንክፎ ኪቃወሙ ይኽእሉ ኢዮም። (ያእቆብ 3:​17, 18) እወ: ምስቲ የሱስ “ኪድ ርሓቕ: ሰይጣን” ክብሎ ኸሎ ዝነበሮ መንፈስ ተሰማሚዖም ንድያብሎስ ኪጻረርዎ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 4:10፣ ያእቆብ 4:⁠7

21. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ መታለሊ ኣገባብ ናይ ሰይጣን ከመይ ገይሮም ኢዮም ዘጠንቅቑና?

21 ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2 ቈረንቶስ 11:3 ዘጠንቀቖ: ዕላማ ሰይጣን ንኣእምሮና ብገለ መገዲ ምብልሻው ምዃኑ ንፈልጥ ኢና:- “ግናኸ ከምቲ ተመን ብጒርሑ ንሄዋን ዘስሓታ: ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ።” እዚ ምብልሻው ናይዚ ሎሚ ካብ ኣምላኽ ተነጺሉ ዘሎ ኩሉ ስጋ ወይ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ: ነቲ ብግዜ ኖህ በቶም ብልሹዋትን ዓመጽትን ደቓሉ “መውደቕቲ” እተገብረ ውርደት ኢዩ ዘዘኻኽረና። (ዘፍጥረት 6:​4, 12, 13 ትሓዓ  እግረ ጽሑፍ፣ ሉቃስ 17:26) ስለዚ እምበኣር: ሰይጣን ብፍላይ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ: ቁጥዓኡ መታን ከንፍስ ጒርሒ ዘለዎ ግብርታት ከምኡውን መታለሊ ኣገባብ እንተመረጸስ ዘገርም ኣይኰነን።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:8፣ ራእይ 12:17

22. ሰይጣን ምስ ኣግለሰ እንታይ በረኸታት ኢዩ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል?

22 ሰይጣን ኣብቲ መወዳእታ ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ እዮብ እውን ኣይተጠቕሰን። እቲ: ሰባት ንኣምላኽ ንጽህንኦም ኪሕልዉ ኣይክእሉን ኢዮም ዝብል: እኩይ ብድሆኡ በቲ ናይ እዮብ ንጽህና ሓሶት ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ድሕሪ ቀረባ ግዜ ንጽህንኦም ዝሓለዉ “ዓቢ ጭፍራ” [ትሓዓ] ‘ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ወጹ’ ናይ ሰይጣን ኣብ መዓሙቕ ምእሳር ኪህሉ ኢዩ። ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን: እንተላይ እቲ እሙን እዮብ: ነቲ ካብቲ እዮብ ዝረኸቦ ዓስቢ ዝዓቢ ገነታዊ በረኸታት ንኺሕጐስሉ: ምስቲ “ዓቢ ጭፍራ” ኪሓብሩ ኢዮም!​—⁠ራእይ 7:​9–17 ትሓዓ፣ 20:​1–3, 11–13፣ እዮብ 14:13

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብቲ ናይ 1992 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: [እንግሊዝኛ] ገጽ 177 ርአ።

ናይ ድግማ ሕቶታት

◻ እዮብ: የሱስ: ከምኡውን ጳውሎስ እንታይ ኣብነታት ናይ ንጽህና ኢዮም ዝሃቡ?

◻ ከመይ ኢሎም ኢዮም ሓለውቲ ንጽህና ንሰይጣን እተጋጠምዎ?

◻ ብኸመይ ኢዮም መንእሰያት ንጎራሕ ሜላታት ናይ ሰይጣን ክቃወምዎ ዝኽእሉ?

◻ ንናይ ሰይጣን ፍሕሶታት ክትዋጽኣሉ እንታይ ኪግበር ምተኻእለ?

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኢትዮጵያ: ምጽዋት ከምኡውን ዮላን ኣብነት ናይቲ እተረሸነ ኣቦኦም ብምስዓብ ንየሆዋ ምሉእ ግዜ የገልግልዎ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኢንተልየ: ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ንጽህንኣ ዝሓለወት መንእሰይ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ