ንጽህና ሓሊኻ ንበር!
“ንኣምላኽ ግዳ ኽሓዶ እሞ ሙት[!]” ገበር ናይ መጽሔትና: ነታ በዞም ቃላት እዚኦም ገይራ ዘጨነቐቶ ሰበይቲ እዮብ ይገልጻ። እዚ 3,600 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ዝኾነ ኢዩ። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝወረደ ናይ ቃላት ዘለፋ: ንሓደ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ንወድሰብ ዝገጥሞ ዘሎ ብድሆ ዘጉልሕ ኢዩ። እቲ እሙን እዮብ መሪር ጉድኣት ተጻዊሩ ኢዩ—ማሉ: ቤቱ: ዓሰርተ ደቁ ሰኣነ። ድሕርዚ: ኣካላቱ በቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝፈተኖ: ሕዱር ሕማም ይሳቐ ነበረ። እቲ ምኽንያትከ እንታይ ነበረ? እቲ ቀንዲ ጸላኢ ናይ ኣምላኽን ሰብን: ሰይጣን ድያብሎስ: ሰብ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ፈተና ንኣምላኽ ንጽህንኡ ኣይሕሉን ኢዩ ዝብል ብድሆ ይኽተል ስለ ዝነበረ ኢዩ።—እዮብ 1:11, 12፣ 2:4, 5, 9, 10
ሎሚ: ከምቲ ብግዜ እዮብ: “ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ:” ሰይጣን ድያብሎስ: “ተትሒዛ ኣላ።” (1 ዮሃንስ 5:19) ብርግጽ: ሎሚውን እዚ ብዝያዳ ሓቂ ኢዩ: ከመይሲ ሕጂ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ሰይጣንን ድያብሎስን ዚበሃል” ካብ ሰማያት ናብ ምድሪ ተደርብዩ ኢዩ ዘሎ። (ራእይ 12:9) ጠንቂ ናይቲ ኣብዚ ግዜና ንወድሰብ ዘሳቕዮ ዘሎ ጽዑቕ መዓታት እዚ ኢዩ። እቲ ብ1914 እተባርዐ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ነቲ ክሳዕ ማእከል ናይዚ መበል 20 ክፍለ ዘበን ዝቐጸለ “መጀመርታ ቕልውላው [ናይ ጸበባ ትሓዓ]” ዘመልክት ነበረ።—ማቴዎስ 24:7, 8
ኣብዛ ጨካንን ሕስርትን ዝኾነት ዓለም: ክሳዕ ጫፍ ናይ ሰብኣዊ ምጽማም ከም ዝበጻሕካ ኮይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ? ‘ንህይወት ገለ ዕላማ ይህልዎዶ ይኸውን:’ ብምባል ሓሲብካዶ ትፈልጥ? እዮብ ከምኡ ተሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ግናኸ: ጌጋታት እኳ እንተገበረ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ፈጺሙ ኣየጥፍአን። በዞም ቃላት እዚኦም ገይሩ ቈራጽነቱ ገለጸ:- “ክሳዕ ሞተይ ካብታ [ንጹህ ትሓዓ] ምዃነይ ኣየግልስን[!]” ‘ኣምላኽ ንጽህንኡ ከም ዝፈልጠሉ’ ምትእምማን ነይርዎ ኢዩ።—እዮብ 27:5፣ 31:6
የሱስ ክርስቶስ: ወዲ ኣምላኽ እውን: ኣብዛ ምድሪ ከሎ ፈተናታት ክጽመም ነይርዎ ኢዩ። ሰይጣን ንየሱስ ብዝተፈላለየ መገድታት ገይሩ ፈቲንዎ ኢዩ። ከምቲ ኣብቲ ከረን ክፍትኖ ከሎ ዝገበሮ: ሰይጣን ነቲ ናይ የሱስ ስጋዊ ድሌት ተጠቒሙሉ: ከምኡውን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ትውክልቲ ተፈታቲንዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:1–11) ነቶም ከሓድቲ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከምኡውን ነቶም ንሳቶም ዘታለልዎም: ንየሱስ ከም ዘሳጕግዎ: ንኣምላኽ ጸሪፍካ ኢሎም ከም ዝኸስዎ ከምኡውን ንኽቐትልዎ ከም ዝማሻጠሩ ብምግባር ብተደጋጋሚ ኣሸጊርዎ ኢዩ። (ሉቃስ 5:21፣ ዮሃንስ 5:16–18፣ 10:36–39፣ 11:57) ንሳቶም ንየሱስ ካብቲ እቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ንእዮብ ዝገበርዎ ዝገድድ ኢዮም ገይሮሞ።—እዮብ 16:2፣ 19:1, 2
የሱስ ኣብቲ ቦታ ኣታኽልቲ ናይ ጌተሴማኔ: ናብቲ መወዳእታ ናይዚ ፈተና እዚ ምስ ቀረበ: ንደቀ መዛሙርቱ: “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጒህያ ኣላ” በሎም። ብድሕርዚ: “ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፣ ኣቦይ: ዚከኣል እንተ [ኾ]ይኑስ: እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር: ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን።”ኣብ መወዳእታ: ኣብቲ ዕንጨይቲ ስቓይ ኰይኑ: ንፍጻሜ ናይቲ ኣብ መዝሙር 22:1 ዘሎ ትንቢታዊ ቃላት: የሱስ ዓው ኢሉ: “ኣምላኸይ: ኣምላኸይ: ንምንታይ ሐደግካኒ[?]” ብምባል ጨርሐ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ንየሱስ ኣይሓደጎን: ምኽንያቱ የሱስ ፍጹም ንጽህና ሓልዩ: ንኹሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከኣ ሓደ ኣብነት ሂቡ ኢዩ። የሆዋ ነቲ ናይ የሱስ ንጽህና ምሕላው: ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ከምኡውን ኣብቲ ዝለዓለ ሰማያት ብምሻም ዓስቢ ሂቡዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:38, 39፣ 27:46፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:32–36፣ 5:30፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) ኣምላኽ ንኹሎም እቶም ብተመሳሳሊ ንጽህንኦም ዝሕልዉ ዓስቦም ኪህቦም ኢዩ።
እቲ ናይ የሱስ ንጽህና ነቲ ናይ ሰይጣን ብድሆ ምሉእ መልሲ ሂቡሉ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ መስዋእቲ ናይ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ በጅነትውን ኣዳልዩ ኢዩ: ንእኡ መሰረት ብምግባር ድማ ንጽህንኦም ዝሕልዉ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ገይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 20:28) የሱስ ብመጀመርያ ነቶም ምስኡ ኣብ መንግስተ ሰማያት መዋርስቱ ንኽኾኑ: እተቐብኡ “ሒደት መጓሰ” ኣከበ። (ሉቃስ 12:32) ድሕርዚ: ኣብቲ ምድራዊ ግዝኣት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽወርስ ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ወጺኡ ዝድሕን ሓደ: ”ዓቢ ጭፍራ” ተኣከበ።—ራእይ 7:9, 14–17 ትሓዓ
እቲ ንጽህንኡ ዝሓለወ እዮብ ክፍሊ ማሕበረሰብ ናይታ ሰላማዊት “ሓዳስ ምድሪ” ንክኸውን: ካብ መንጎ እቶም ዝትንስኡ ቢልዮናት ዝኣኽሉ ምዉታት ኪኸውን ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ዮሃንስ 5:28, 29) የሆዋ ‘ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ስለ ዝባረኸሉ’ እዮብ ብዘርኣዮ ንጽህና ዓስቢ ረኺቡ ኢዩ። ከም ሓደ ‘ብኸናፍሩ ዘይሓጥአ’ ሰብ መጠን መንፈሳዊ ብርታዐ ረኺቡ ኢዩ። ኣምላኽ ተወሳኺ 140 ዓመታት ብምሃብ ንዕድመ እዮብ ኣናውሖ። ንእዮብ: ብስጋዊ ነገራት እውን ካብቲ ቅድም ዝነበሮ ዕጽፊ ሃቦ: ከምኡውን “ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ከኣ ነበርዎ:” እተን ኣዋልድ ኣብ ኩሉ እቲ ሃገር እተን ዝመልክዓ ኢየን ነይረን። (እዮብ 2:10፣ 42:12–17) ይኹን እምበር: እዚ ኹሉ ብልጽግና እቶም ንጽህንኦም ዝሓለዉ ኣብ ገነት ናይታ ‘ሓዳስ ምድሪ’ ኪሕጐስሉ ዘለዎም በረኸታት ቅምሶ ጥራይ ኢዩ። ከምቲ እዚ ዝስዕብ ገጽ ዚገልጾ: ንስኻውን ኣብኡ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ!
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ከም ሓደ ንጽህንኡ ዝሕሉ ፍጹም ኣርኣያ ገደፈ