ኣገልገልቲ ኣምላኽ — እተመሓደሩን ሕጉሳትን ህዝቢ
“እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 144:15
1, 2. (ሀ) የሆዋ ንኣገልገልቱ ስርዓት ከውጽኣሎም መሰል ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ብፍላይ ክንቀድሖም ዝግብኣና ክልተ ባህርያት የሆዋ እንታይ ኢዮም?
የሆዋ ልዑል ጐይታን ኵሉ ዝኽእልን ፈጣርን ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:1፣ መዝሙር 100:3) ከምኡ ስለ ዝኾነኳ: ኣገልገልቱ ከርእይዎ ዘለዎም ጠባያት ክሰርዕ መሰል ኣለዎ። ከመይሲ ዝሕሾም ዘበለ ይፈልጦ ኢዩ። (መዝሙር 143:8) ቀንዲ መርኣያኦም ስለ ዝኾነ ኸኣ ባህርያቱ ክቐድሕዎ የድልዮም። ሓደ ሃዋርያ “ከም ፍቑራት ውሉድ: [ንኣምላኽ ቅድሕዎ ትሓዓ ]:” ኢሉ ጸሓፈ።—ኤፌሶን 5:1
2 ሓደ ካብቲ ክንቀድሖ ዘሎና ባህርያት ኣምላኽ: ኣብ ኣገባብ ኣመሓዳድርኡ ኢዩ። ንሱ “ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን።” (1 ቈረንቶስ 14:33) ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ተጠንቒቕና ምስ እንዕዘቦ ንሱ ኣብ ኣድማስ እቲ ዝለዓለ እተመሓደረ ኣካል ከም ዝኾነ ክንድምድም ኢና እንግደድ። ይኹን እምበር ንሱ ኣገልገልቱ ክቐድሕዎ ዝደልዮም ካልእ ባህርያቱ ድማ ሓጐስ ኢዩ። ከመይሲ ንሱ “[ሕጉስ ትሓዓ] ኣምላኽ” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) ስለዚ እምበኣር እቲ ምምሕዳራዊ ክእለቱ ምስ ሓጐስ እተመጣጠነ ኢዩ። ሓደ ባህርያት ነቲ ሓደ ዝዕምጽጽ ኣይኮነን።
3. እዚ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማያት ብኸመይ ኢዩ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ምምሕዳር ዘለዎ ክእለት ዝገልጸልና?
3 ኵሉ እቲ የሆዋ ካብቲ ዝዓበየ ክሳዕ እቲ ዝነኣሰ ዝፈጠሮ ነገራት: ንሱ ናይ ምምሕዳር ኣምላኽ ምዃኑ የረጋግጸልና። ንኣብነት ነዚ ዝርአ ኣድማስ ንመርምሮ። ኣሸሓት ቢልዮናት ከዋኽብቲ ሒዙ ይርከብ። እዚኣቶም ግን ብዘይስርዓት እተበታተኑ ኣይኰኑን። ኣስትሮፊዚስት ጅኦርጅ ግሪንስተይን “ኣብ ምምሕዳር ናይ ከዋኽብቲ ሓደ መርኣያ” ከም ዘሎ ተዓዘበ። ጋላክሲ ተባሂሎም ብዝጽውዑ ጉጅለ ከዋኽብቲ እተመሓደሩ ኢዮም። ገለ ጋላክሲታት ኣማእታት ቢልዮናት ከዋኽብቲ ዝሓዙ ኢዮም። ቢልዮናት ጋላክሲታት ከም ዘለዉ ድማ ኢዩ ዝግመት! እቶም ጋላክሲታት እውን እተመሓደሩ ኢዮም: መብዛሕትኦም (ካብ ሒደት ክሳዕ ብዙሓት ኣሽሓት) ኣብ ጥምሮ ጋላክሲታት እተጠርነፉ ኢዮም። እቶም ጥምሮ ጋላክሲታት ድማ ሱፐር ክላስተርስ ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ዝዓበዩ ኣሃዱታት ከም እተመሓደሩ ኢዩ ዝግመት።—መዝሙር 19:1፣ ኢሳይያስ 40:25, 26
4, 5. ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህያዋን ፍጥረታት ኣብነት ናይ ምምሕዳር ጥቐስ።
4 እቲ ዘደንቕ ምምሕዳር ናይ ፍጡራት ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ቦታ ማለት ኣብቲ ዝርአ ሰማያት ጥራይ ዘይኰነስ እንተላይ ኣብ ምድሪ ምስቶም ኣእላፋት ህያዋን ፍጥረታትውን ይርአ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኹሉ ዝምልከት: ፓውል ዳቪስ ናይ ፊዚክስ ፕሮፈሰር: ተዓዘብቲ “ብግርማን በቲ እተሓላለኸን ምምሕዳር ናይዚ ዝርአ ዓለም” ከም “ዝድነቑ” ጸሓፈ።— መዝሙር 104:24
5 ብዛዕባ እቲ ኣብ ህያዋን ነገራት ዝርከብ “እተሓላለኸ ምምሕዳር” ሒደት ኣብነታት ንመርምር። ንይሮሰርጅን ጆሴፍ ኤቫንስ ብዛዕባ ኣእምሮ ወዲ ሰብን ዕትብቲ ዓንዲ ሕቖን ከምዚ በለ:- “ናይቲ ዓብዪ ስርዓት ክውንነት ዳርጋ ዓብላሊ ኢዩ።” ብዛዕባ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዝረአ ህያው ዋህዮ: ስነ–ባክተርያዊ ኤች. ጀይ. ሾነሲ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “እቲ እተሓላለኸን ዝመልክዐን ስርዓት ናይዚ ማይክሮባዮሎጂካል ዓለም ኣዝዩ ብዘደንቕ መገዲ እተሃንጸ ብምዃኑ ክፍሊ ናይቲ ብመለኮታዊ ሕጊ እተሰርዐ ኮይኑ ኢዩ ዝርአ።” ሞለኩላር ባዮሎጂስት ሚካኤል ደንተን ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ዋህዮ ዝርከብ ሕጊ ውርሻ (ዲ ኤን ኤ) ከምዚ በለ:- “ኣዝዩ ክኢላ ብምዃኑ መጠን . . . ናይ ኵሎም እቶም ኣብ ፕላኔት ይነብሩ ካብ ዘለዉ ህያዋን ፍጥረታት ብዛዕባ ኵሉ ውርሻዊ ዘርኦም ውጥኑ ንምንጽጻር ዘድሊ ሓበሬታ . . . ኣብ ንእሽቶ ማንካ ሽኮር ዝተሓዝ ኮይኑ: ገና ድማ ንኹሉ እቲ እተጸሓፈ ዘበለ መጻሕፍቲ ክሕዝ ዝኽእል ቦታ ይተርፎ።”—መዝሙር 139:16
6, 7. ኣብቶም መንፈሳውያን ፍጥረታት ኣምላኽ: እንታይ ምምሕዳር ኢዩ እተራእየ: ንፈጣሪኦም ሞሳኦም ዝገልጽሉኸ ብኸመይ ኢዮም?
6 የሆዋ ነዚ ዝርአ ኣካላዊ ፍጥረታቱ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መንፈሳውያን ፍጥረታቱውን ኣመሓዲርዎም ኢዩ። ዳኒኤል 7:10 መላእኽቲ ቍጽሮም ‘እልፊ ጊዜ እልፊ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቆይሞም’ ከም ዝነበሩ ይሕብረልና። እቶም ኣብኡ እተሳተፉ ሚእቲ ሚልዮን ሓያላት መንፈሳውያን ፍጥረታት ነፍሲ ወከፎም ኣብቲ ግቡእ ዕዮኦም ተመዲቦም ነበሩ! ነዚ ማእለያ ዘይብሉ ቍጽሪ እዚ ንኸተመሓድር ዝወስዶ ክእለት ዘስደምም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም መላእኽቱ: ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ: ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን: ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊቱ [ኵ]ሉኹም: ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ: ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ” ብምባል ግቡእ ገይሩ ይገልጾ።—መዝሙር 103:20, 21፣ ራእይ 5:11
7 ዕዮታት ኣምላኽሲ ክሳዕ ክንደይ ብዝዓበየ እተመሓደረን ብቑዕን ኰን ኢዩ! ሓያላት መንፈሳውያን ፍጥረታት ኣብ ሰማያዊ ግዝኣት ኮይኖም ብፍርሃትን ብተገዛእነትን:- “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኮይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” እናበሉ ምምስካሮም ኣየገርመናን ኢዩ።—ራእይ 4:11
8. የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ከም ዘመሓድሮም እንታይ ኣብነታት ኣሎና?
8 የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱውን የመሓድሮም ኢዩ። ብ2370 ቅ.ኣ.ዘ ብመዓልታት ኖህ ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ: ኖህን ሾብዓተ ካልኦትን ከም እተመሓደሩ ስድራቤት ኮይኖም ካብ ማይ ኣይሂ ድሒኖም ኢዮም። ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ የሆዋ ነቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህዝቡ ካብ ባርነት ግብጺ ኣውጺኡ ንመዓልታዊ ጉዳያቶምን ኣምልኾኦምን ንምምሕዳር ዝኾኖም ዝርዝር ሕግታት ሂብዎም ኢዩ። ድሕሪኡ ድማ ዓሰርተታት ኣሻሓት ካባታቶም ኣብታ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ: ኣብቲ ቤተ–መቕደስ ፍሉይ ኣገልግሎት ንኽገብሩ ተመሓዲሮም ኢዮም። (1 ዜና መዋእል 23:4, 5) ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ክርስትያን ጉባኤታት ኣብቲ ትሕቲ መለኮታዊ መምርሒ እተመሓደራ ኢየን ነይረን:- “ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት: ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን: ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪኾኑ ሀበ።”—ኤፌሶን 4:11, 12
ዘመናውያን ኣገልገልቲውን ተመሓዲሮም
9, 10. ኣብዚ ግዜና የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ኣመሓዲርዎም ኣሎ?
9 ብተመሳሳሊ የሆዋ ነዞም ዘመናውያን ኣገልገልቱውን ንዕዩኡ ኣብዚ ግዜና ብስሉጥ ኣገባብ ምእንቲ ክዓይዎ ኣመሓዲርዎም ኢዩ። እዚ ድማ ነዚ ሕጂ ዘሎ ብኣምላኽ ዘይምራሕ ኣገባብ እዚ መወዳእታ ከይገበረሉ ኸሎ: ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቱ ብምስባኽ ኢዮም ዝፍጽምዎ። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ እዚ: እንታይ ኣጣሚሩ ከም ዘሎን ጽቡቕ ምምሕዳር ድማ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ንመርምር። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ቆልዑን ንኻልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንኽምህሩ ይለማመዱ ኣለዉ። ነዚ ምልምማድ እዚ ንምድጋፍ ኣዝዩ ብዙሕ ዝቑጽሩ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ይሕተም ኣሎ። ኣየወ: ሎሚ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ልዕሊ 16 ሚልዮን ቅድሓት ብ118 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ: ንቕሑ! ድማ ዳርጋ 13 ሚልዮን ቅደሓት ብ73 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። ዳርጋ ኵሉ ሕታማት ብሓደ ግዜ ስለ ዝሕተም ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ሓደ ዓይነት መምርሒ ብሓደ ግዜ ይረኽቡ ኣለዉ ማለት ኢዩ።
10 ብተወሳኺ ልዕሊ 73,000 ዝኾና ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስርዓታውያን ኰይነን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ንኽእከባ ተመሓዲረን ኢየን። (እብራውያን 10:24, 25) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመትውን ኣሸሓት ዓበይቲ ኣኼባታት ከም እኒ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታት ከምኡውን ኣውራጃዊ ኣኼባታት ይካየዱ ኢዮም። ሰፊሕ ዝኾነ ዓለምለኻዊ ምህናጽ ናይ ሓዲሽ ወይ እተመሓየሸ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣደራሻትን ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻትን ኣባይቲ ቤትኤልን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ንምሕታም ዝሕግዝ መሳለጥያታትን ይካየድ ኣሎ። ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህራን ምዕቡል ምልምማድ ንምግባር ዝሕግዙ ኣብያተ ትምህርቲ: ከም እኒ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንሚስዮናውያን ከምኡ ድማ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ይካየድ ኣሎ።
11. ሎሚ ጸቡቕ ምምሕዳር ምምሃር እንታይ መጻኢ ጥቕሚ ኢዩ ዘለዎ?
11 የሆዋ ነዞም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቡ በቶም ዘገልግሉ ዘለዉ መላእኽቱ ተሓጊዞም ‘ኣገልግሎቶም ንኸማልኡ’ ኣየ ከመይ ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ኣመሓዲርዎም ዘሎ! (2 ጢሞቴዎስ 4:5፣ እብራውያን 1:13, 14፣ ራእይ 14:6) ሕጂ ንኣገልገልቱ ብመገዲ ናይ ጽቡቕ ኣመሓዳድራ ገይሩ ይምህሮም ብምህላዉ: ኣምላኽ ሓደ ካልእ ነገር ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ። ኣገልገልቱ ብግቡእ ይዳለዉ ስለ ዘለዉ ካብ ጥፍኣት ናይዚ ኣገባብ እዚ ምስ ድሓኑ ኣብቲ ሓዲሽ ዓለም ናብራ ንምጅማር ድሮ ተመሓዲሮም ክጸንሑ ኢዮም። ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋ ኰይኖም ብእተመሓደረ ኣገባብ ነታ ዓለምለኻዊት ገነት ክሃንጽዋ ኢዮም። ከምኡውን ነቶም ካብ ምዉታት ዝትንስኡ ቢልዮናት ሰባት ነቲ ኣምላኽ ካብኦም ዝጽበዮ ብቕዓታት ንኽምህርዎም ብግቡእ ተዳልዮም ክጸንሑ ኢዮም።—ኢሳይያስ 11:9፣ 54:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ራእይ 20:12, 13
እተመሓደረ ጌና ኸኣ ሕጉስ
12, 13. የሆዋ ንህዝቡ ሕጉሳት ክኾኑ ይደልዮም ኢዩ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና?
12 የሆዋ መስተንክር ሰራሕተኛን ድንቂ ኣመሓዳርን እኳ እንተኾነ: ድንጋጽ ዘይብሉን ዘይዕጸፍን ከምተን ስምዒተን ክገልጻኦ ዘይክእላ ሜሺናት ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ ንሱ ሓደ ብሓጐስና ዝግደስ ኣዝዩ ምዉቕን ሕጉስን ባህርያት ዘለዎ ኣካል ኢዩ። 1 ጴጥሮስ 5:7 “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ” ብምባል ይገልጽ። ኣገልገልቱ ክሕጐሱ ኢሉ ዘርእዮ ሓልዮትን ባህግን ኣብቲ ንደቂ ሰብ ዝፈጠረሎም ነገራት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ንኣብነት ኣምላኽ ነቶም ፍጹማት ሰብኣይን ሰበይትን ክፈጥሮም ከሎ ኣብ ዘሐጕስ ቦታ ኣብ ገነት ኢዩ ኣቐሚጥዎም። (ዘፍጥረት 1:26-31፣ 2:8, 9) ኣዝዮም ከም ዝሕጐሱ ዝገብሮም ዘድልዮም ዘበለ ነገራት ሂብዎም ኢዩ። እንተኾነ ግን ብዕልወቶም ንኹሉ እዚ ነገራት እዚ ኣጥፍእዎ። ብሓጢኣቶም ምኽንያት ድማ ዘይፍጽምናን ሞትን ወረስና።—ሮሜ 3:23፣ 5:12
13 ዋላ እኳ ዘይፍጹማት እንተኾንና ሕጂውን ንሕና ደቂ ሰብ በቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራት ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሓጐስ ከምጽኡልና ዝኽእሉ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ: ከም እኒ ግርማዊ ኣኽራናት: ምልኩዓት ዝኾኑ ቀላያትን ኣፍላጋትን ውቅያኖሳትን ገማግም ባሕርን፣ ብሕብሪ ዘጌጹ ምዑዛት ዕንባታትን መወዳእታ ዘይብሎም በብዓይነቶም ኣሕምልትን፣ ማእለያ ዘይብሎም ምቁራት መግብታት: ንኽትዕዘቦ ዘየሰልኪ መስተንክር ዝኾነ ትርኢት ናይ ዕራርቦ ጸሓይ: ለይቲ ድማ ነቲ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማያት እናጠመትና ብምስትንታን እንረኽቦ ሓጐስ: እቶም በብዓይነቶም ዝኾኑ እንስሳታት ምስቶም እናተጻወቱ ዝዕንድሩ ዕሸላቶም: መንፈስካ ዘለዓዕል ሙዚቃ: ዘሐጕስን ጠቓምን ስራሕ: ሕያዎት መሓዙት ዝኣመሰሉ ኢዮም። እቲ ነዚ ኹሉ ነገራት እዚ ዝሰርዐ ንኻልኦት ከም ዝሕጐሱ ብምግባር ንባዕሉ ዝሕጐስ ሓደ ሕጉስ ውልቀ ኣካል ኢዩ።
14. የሆዋ ንዕኡ ብምቕዳሕ እንታይ ዓይነት ሚዛን ክንሕሉ ኢዩ ዝደልየና?
14 ስለዚ እምበኣር የሆዋ ናይ ምምሕዳር ክእለት ጥራይ ኣይኮነን ዝደሊ። ኣገልገልቱ ከምቲ ንሱ ሕጉስ ዝኾነ ንሳቶምውን ሕጉሳት ክኾኑ ይደልዮም ኢዩ። ሓጐሶም ብምጥፋእ ድርቕ ኢሎም ከመሓድሩ ኣይደልዮምን ኢዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ምምሕዳር ክእለታት ምስ ሓጐስ ከመጣጥንዎ ኣለዎም። እዚ ድማ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ማለት ኢዩ: ከመይሲ ኣብቲ ብርቱዕ መንፈስ ቅዱሱ ዝርከቦ: ኣብኡ ሓጐስ ኣሎ። ገላትያ 5:22 እኳ ኣብ ህዝቡ ዝዓዪ እቲ ካልኣይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ “ሓጐስ” ምዃኑ ኢዩ ዘመልክተልና።
ፍቕሪ ሓጐስ ተፍሪ
15. ፍቕሪ ንሓጐስና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ?
15 መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ምግላጹ ክትዝክር ከሎኻ ዓቢ ጦብላሕታ ኢዩ ዘሕድረልካ። (1 ዮሃንስ 4:8, 16) “ኣምላኽ: ምምሕዳር ኢዩ” ዝብል ፈጺሙ የልቦን። ፍቕሪ ቀንዲ ባህርይ ኣምላኽ ኢያ: ኣገልገልቱ ኸኣ ክቐድሕዋ ይግባእ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እያ ኣብ ገላትያ 5:22 እታ ቀዳመይቲ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ “ፍቕሪ” ቀቅድሚ ሓጐስ ተሰሪዓ ዘላ። ፍቕሪ ሓጐስ ኢያ እተፍሪ። ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ርክብ ንናይ የሆዋ ፍቕሪ እንተደኣ ቀዲሕናዮ ሓጐስ ኢዩ ዘስዕብ: ከመይሲ ፈቃራት ሰባት ሕጉሳት ሰባት ኢዮም።
16. የሱስ ንኣድላይነት ናይ ፍቕሪ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ?
16 ኣምላኻዊ ፍቕሪ ምቕዳሕ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብቲ ናይ የሱስ ትምህርትታት ብጉሉሕ ቀሪቡ ኣሎ። ንሱ “ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር” እናበለ ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 8:28) የሱስ ብፍላይ ዝተምሃሮ እሞ ንሱ ድማ ብግዲኡ ንኻልኦት ዝማሃሮም እንታይ ኢዩ? እተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ንኣምላኽን ንብጻይካን ምፍቃር ኢየን። (ማቴዎስ 22:36-39) የሱስ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ብምንጽብራቑ ኣርኣያ ገዲፉልና ኢዩ። ንሱ ‘ኣነ ነቦ አፍቅሮ እየ’ ኢሉ ኣሎ: ነዚ ድማ ክሳዕ ሞት ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻሙ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ምእንታኦም ኢሉ ብሙማቱ እውን ኣብ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ኣርእዩ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ክርስቶስ ኣፍቀረኩም: ነፍሱውን በጃኹም ኣሕለፈ’ በሎም። (ዮሃንስ 14:31፣ ኤፌሶን 5:2) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ንሰዓብቱ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ነንሓድሕድኩም ክተፋቐሩ: ትእዛዘይ እዚ እዩ” ዝበሎም።—ዮሃንስ 15:12, 13
17. ጰውሎስ ንኻልኦት ፍቕርኻ ምግላጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኸመይ ኣርኣየ?
17 ጳውሎስ እዚ ኣምላኻዊ ፍቕሪ እዚ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጽዎ ኣሎ:- “ብቋንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ: ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ: ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምኾንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ: ኹሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ: ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ: ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ: ከንቱ ምኾንኩ ነይረ። ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል: ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ: ፍቕሪ ካብ ዘይትህልወኒ: ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። . . . እምነት: ተስፋ: ፍቕሪ: እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ: ካብዚኣተን እተዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:1-3, 13
18. እንታይ ንሓጐስና ዝውስኸልና ነገር ኢና ካብ የሆዋ ክንጽበ እንኽእል?
18 ንፍቕሪ የሆዋ እንተድኣ ቀዲሕናዮ: ጌጋታት ክንፍጽም ከሎና እውን ከይተረፈ: ብዛዕባ እቲ ኣባና ዘለዎ ፍቕሩ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና: ከመይሲ ንሱ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንኹራ ደንጓዪ: ብዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ኢዩ። (ዘጸኣት 34:6) ጌጋታት ክንፍጽም ከሎና ካብ ልቢ እንተድኣ ተናሲሕና: ኣምላኽ ብፍቕሪ ድኣ ይሓድገልና እምበር ክጸባጸበና ኣይነብርን ኢዩ። (መዝሙር 103:1-3) እወ: የሆዋ “ብዙሕ ለውሃት ዝመልአን ደንጋጽን እዩ።” (ያእቆብ 5:11) እዚ ምፍላጥና ሓጐስ የምጽኣልና ኢዩ።
ሕጂ ተዛማዲ ሓጐስ
19, 20. (ሀ) ሎሚ ምሉእ ሓጐስ ክርከብ ዘይክኣል ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜ እዚ ተዛማዲ ሓጐስ ክህልወና ከም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ ዘርኢ?
19 ይኹን እምበር ሎሚ ኣብዘን ገበንን ዓመጻን ዝመልአን ዳሕሮት መዓልትታት: ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ዘላ ሞራላዊ ጽፈት ዘይብላ ዓለም እናነበረናን ሕማምን ሞትን ድማ እናገጠመናንሲ ሕጉሳት ክንከውን ይከኣልዶ? ርግጽ ኢዩ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓዲሽ ዓለም ክህሉ ዘለዎ ሓጐስ: ከምቲ ቃሉ:- “እንሆ: ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ: እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን ኢዩ። ግናኸ . . . በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለአለም ደስ ኪብለኩምን እዩ” ኢሉ ዝገልጸልና ዝኣመሰለ ሕጂ ክንረኽቦ ኣይንጸበዮን ኢና።—ኢሳይያስ 65:17, 18 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።
20 እቲ ሕጂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክህልዎም ዝኽእል ሓጐስሲ ተዛማዲ ሓጐስ ኢዩ: ምኽንያቱ ፍቓዱ ይፈልጥዎ ኢዮም: ከምኡውን ኣብታ ገነታዊት ሓዳስ ዓለሙ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ክመጽእ ዘለዎ ድንቂ ዝኾነ በረኸታት ይፈልጥዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 17:3፣ ራእይ 21:4) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ክብል ዝኽእል:- “ዎ ጐይታ ሰራዊት: ኣባኻ ዚወከል ሰብ ብጹእ እዩ:” “ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ: ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ:” “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም።” (መዝሙር 84:12፣ 128:1፣ ማቴዎስ 5:5) በዚ ኸምዚ ኸኣ: ዋላ እኳ ሕጂ ክንቃለሶ ዘሎና ኣሸጋሪ ኵነታት እንተሎ: ዘዕግብ ሓጐስ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። እኩይ ነገራት ከጋጥመና ከሎውን ከይተረፈ: ከምቶም ንየሆዋ ዘይፈልጥዎን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘይብሎምን ሰባት ሕዙናት ኣይንኸውንን ኢና።—1 ተሰሎንቄ 4:13
21. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግዜኦምን ጉልበቶምን ሃብቶምን ምውፋዮም ብኸመይ ኢዩ ሓጐስ ዘምጽኣሎም?
21 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካልእ ሕጉሳት ዝኾኑሉ ምኽንያት ድማ: ንኻልኦት ብፍላይ ድማ ነቶም ‘በቲ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ጽያፍ ዝጉህዩን ዝትክዙን ዘለዉ’ ሓቅታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ግዜኦምን ጉልበቶምን ሃብቶምን ስለ ዝውፍዩ ኢዩ። (ህዝቅኤል 9:4) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ: እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን።” (መዝሙር 41:1, 2) ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ [የሐጕስ ትሓዓ ]።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35
22. (ሀ) ብዛዕባ ሓጐስ ዝምልከት ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስቶም ዘየገልግልዎ ኣነጻጽሮም። (ለ) ሕጉሳት ክንከውን ክንጽበ ዝግብኣና በየናይ ፍሉይ ምኽንያት ኢና?
22 ስለዚ ዋላ እኳ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ዝለዓለ ሓጐስ ክረኽቡ ዘይጽበዩ እንተኾኑ እቶም ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ሰባት ዘይረኽብዎ ሓጐስ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። የሆዋ “እንሆ: ባሮተይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ: ንስኻትኩም ግና ብጓሂ ልቢ ኽትግዕሩ: መንፈስኩም ስለ እተሰባበረ ኸኣ: ዋይ ዋይ ክትብሉ ኢኹም” እናበለ ይገልጽ። (ኢሳይያስ 65:14) ከምኡውን እቶም ንኣምላኽ ዘገልግልዎ ዘሐጕሶም ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ምኽንያት ኣለዎም: ከመይሲ እቲ “ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዚሀቦም” መንፈስ ቅዱሱ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:32) ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ኣብኡ ሓጐስ ከም ዘሎ ኸኣ ዘክር።—ገላትያ 5:22
23. ኣብ ዝቕጽል መጽናዕትና እንታይ ኢና ክንምርምር?
23 ሎሚ ኣብ ማሕበር ኣገልገልቲ ኣምላኽ: እቶም ኣብ ጉባኤታት መሪሕነት ወሲዶም ዘለዉ “ሽማግሌታት” ሓደ ኣገዳሲ ግደ የበርክቱ ብምህላዎም ንህዝቢ የሆዋ ሓጐስ የምጽኡሎም ኣለዉ። (ቲቶስ 1:5) እዚኣቶም ንሓላፍነታቶምን ነቲ ምስቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዘለዎም ርክብ ብኸመይ ክምለከትዎ ኣለዎም? ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ዓንቀጽና ነዚ ክንዘራረበሉ ኢና።
ከመይ ገይርኩም ምመለሰኩም?
◻ ፍጥረት ነቲ ናይ የሆዋ እተመሓደረ ምዃን ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ?
◻ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣብ ዝሓለፈን ሕጂን ብኸመይ ኢዩ ኣመሓዲርዎም ዘሎ?
◻ የሆዋ እቲ ክንሕልዎ ዝጽበየና ሚዛን እንታይ ኢዩ?
◻ ሓጐስ ክንረክብ ፍቕሪ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣገዳሲ ዝኸውን?
◻ ኣብዚ ግዜና እንታይ ዓይነት ሓጐስ ኢና ክንጽበ እንኽእል?
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ኣብ ላዕሊ: Courtesy of ROE/Anglo-Australian Observatory, photograph by David Malin