ንመጓሰ ኣምላኽ ብፍቕሪ ምጕሳይ
“ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5: 2
1, 2. እቲ ናይ የሆዋ ዓብላሊ ባህርይ እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ዝግለጽ?
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምሉኡ: ፍቕሪ ናይ ኣምላኽ ዓብላሊት ባህሪ ምዃና ተነጺሩ ኣሎ። 1 ዮሃንስ 4:8 “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ብምባል ይገልጸልና። ፍቕሩ ብተግባር ስለ ዝግለጽ: 1 ጴጥሮስ 5:7 ኣምላኽ “ይሓልየልኩም እዩ” ይብለና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝሓልየሎም ሓልዮት ምስቲ ሓደ ፈቃር ጓሳ ብድንጋጽ ንኣባጊዑ ዝገብረሎም ሓልዮት ተተሓሒዙ ኣሎ:- “እንሆ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ . . . ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር: ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቑፉ ኸኣ ኪስከሞም: ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።” (ኢሳይያስ 40:10, 11) ዳዊት “እግዚኣብሄር ጓሳየይ እዩ: ዚጐድለኒ የብለይን” ክብል ብምኽኣሉስ ኣየ ክንደይ ኮን ኢዩ ተጸናኒዑ!—መዝሙር 23:1
2 መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ምስ ኣባጊዕ ከመሳስሎምሲ ግቡእ ኢዩ: ከመይሲ ኣባጊዕ ነቶም ሓለይቲ ጓሶተን ሰላማውያንን ተገዛእትን እዙዛትን ኢየን። ከም ፈቃር ጓሳ መጠን የሆዋ ነቶም ኣባጊዕ መሰል ህዝቡ ኣዕሚቑ ኢዩ ዝግደሰሎም። ነዚ ድማ ብስጋውን ብመንፈሳውን ዘድልዮም ዘበለ ብምቕራብ ከምኡውን ኣብዘን ኣሸገርቲ “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዛ እክይቲ ዓለም: ናብታ እትመጽእ ዘላ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ብምምራሕ ኢዩ ዝፍጽሞ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13፣ ማቴዎስ 6:31-34፣ 10:28-31፣ 2 ጴጥሮስ 3:13
3. የሆዋ ንኣባጊዑ ዝሓልየለን መገዲ: ዳዊት ብኸመይ ገሊጽዎ ኣሎ?
3 እቲ የሆዋ ነባጊዑ ዘለዎ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣቕልበሉ:- “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን። . . . እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።” (መዝሙር 34:15-19) እቲ ጠቕላላዊ ጓሳ ነቶም ኣባጊዕ መሰል ህዝቡ ኣየ ክንደይ ዓቢ ምጽንናዕ ኢዩ ኣዳልይሎም ዘሎ።
ኣብነት ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ
4. የሱስ ነባጊዕ ኣምላኽ ኣብ ምጕሳይ ዘለዎ ግደ እንታይ ኢዩ?
4 ወዲ ኣምላኽ: የሱስ: ካብ ኣቡኡ ጽቡቕ ተማሂሩ ኢዩ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ” ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖ። (ዮሃንስ 10:11-16) እቲ ንመጓሰ ኣምላኽ ዝውፍዮ ቀንዲ ኣገልግሎት ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 ተመልኪቱ ኣሎ። ኣብ ቍጽሪ 9: ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቋንቋታትን እተአከቡ: . . . [ዓብዪ ጭፍራ ትሓዓ]” ኢሉ ይጽውዖም። ድሕርዚ ቍጽሪ 17 ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ . . . ገንሸል [የሱስ] ስለ ዚጓስዮም: ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም: ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ።” የሱስ ነባጊዕ ኣምላኽ ኣብቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ማያት ሓቂ ኢዩ ዝመርሖም። (ዮሃንስ 17:3) የሱስ ‘እቲ ገንሸል’ ተባሂሉ ምህላዉ ኣቕልበሉ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ በጊዕ መሰል ባህርያቱ ዘመልክት ኢዩ: ከመይሲ ንሱ ንኣምላኽ ዘለዎ ተገዛእነት ቀንዲ መርኣያ ኢዩ።
5. የሱስ ብዛዕባ ሰባት ከመይ ይስምዖ ነበረ?
5 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኣብ ማእከል ሰባት ይነብር ስለ ዝነበረ ነቲ ዘጕሂ ኵነታቶም ይርእዮ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ጓሂኦም ብኸመይ ይምልሸሉ ነበረ? “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:36) ከምቲ ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ኣደዳ ሃደንቲ ብምዃን ብዙሕ ስቓይ ዝረኽበን: እተን ዘይሓልዩ ጓሶት ዘለዉወን እውን ከምኡ ኢዩ ዘጋጥመን። የሱስ ግና ኣጸቢቑ ኢዩ ዝሓሊ ነይሩ: ከመይሲ ከምዚ ኢሉ ኣሎ:- “ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኲሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”—ማቴዎስ 11:28-30
6. የሱስ ነቶም ግፉዓት እንታይ ሓልዮት ኢዩ ዘርኣዩም?
6 ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ምስ ሰባት ብፍቕሪ ክመላለስ ምዃኑ ኣቐዲሙ ነጊሩ ኣሎ:- “እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ: . . . ንስቡራት ልቢ ኽዘንን . . . ንኹሎም ሕዙናት ከጸናንዕ።” (ኢሳይያስ 61:1, 2፣ ሉቃስ 4:17-21) የሱስ ነቶም ድኻታትን መሳኪንን ፈጺሙ ኣየስተናዕቆምን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ ንኢሳይያስ 42:3 ፈጺምዎ ኢዩ:- “ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን: ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጠፍእን እዩ።” (ምስ ማቴዎስ 12:17-21 ኣነጻጽሮ።) እቶም ጥቑዓት ልክዕ ከም ጭፍሉቐ ሻምብቆን: ከምቲ ነዳዲ ስለ ዝጐደሎ ክጠፍእ ዝቐረበ ጭልምልም ዝብል መብራህትን ኢዮም ነይሮም። የሱስ ነቲ ዘሕዝን ኵነታቶም ብምግንዛብ: ድንጋጽ ኣርእይዎም ኢዩ: ከምኡውን ብመንፈስን ብኣካልን እናፈወሰ ሓይልን ተስፋን ሰሪጹሎም ኢዩ።—ማቴዎስ 4:23
7. የሱስ ነቶም ምላሽ ዝሃብዎ ሰባት ናበይ ኢዩ ዝሕብሮም ነይሩ?
7 ብዙሓት ኣባጊዕ መሰል ሰባት ንየሱስ ምላሽ ሂቦምዎ ኢዮም። ትምህርትታቱ ኣዝዩ ዝምስጥ ስለ ዝነበረ እቶም ንኽሕዝዎ እተላእኹ ገላዉ እኳ “ከምዚ ሰብኣይ እዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” ዝብል ጸብጻብ ኢዮም ኣቕሪቦም። (ዮሃንስ 7:46) አረ እቶም ግቡዛት ሃይማኖታውያን መራሕትስ “ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ብምባል ኣጕረምረሙ! (ዮሃንስ 12:19) እንተኾነ ግን የሱስ ክብሪ ይኹን ግርማ ንገዛእ ርእሱ ኣይደለየን። ንሰባት ናብ ኣቦኡ ኢዩ ዝሕብሮም ነይሩ። ንየሆዋ በቲ ዘደንቕ ባህርያቱ ብፍቕሪ ተለዓዒሎም ከገልግልዎ ምሂርዎም ኢዩ:- “ንእግዚብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻን ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ።”—ሉቃስ 10:27, 28
8. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዝህብዎ ተኣዛዝነት: ካብቲ ካልኦት ንዓለማውያን ገዛእቲ ዝህብዎም ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ?
8 የሆዋ እቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት በቲ ኣብኡ ዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም ነቲ ጠቕላላዊ ልኡላዊነቱ ስለ ዝድግፍዎ ክብሪ ይረክብ። ብዛዕባ እቲ ፍቕራዊ ባህርያቱ ብዘለዎም ፍልጠት መሰረት ብፍቓዶም ከገልግልዎ ኢዮም ዝመርጹ። ኣየ እዝስ ካብቲ ተገዛእቶም ብፍርሂ ተላዒሎም ወይ ብግዴታ ወይ ከኣ ገለ ሕቡእ ድራኼ ሒዞም ዝእዘዝዎም ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ክንደይ እተፈልየ ኢዩ! እቲ ንጳጳስ ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ–ክርስትያን እተባህለሉ ነገር ንየሆዋን ንክርስቶስን ፈጺሙ ከምኡ ክበሃለሎም ኣይክእልን ኢዩ። ነቲ ጳጳስ ከምዚ ኢዩ ተባሂሉሉ:- “ንሱ ብብዙሓት እተደነቐ ኢዩ: ብኹሎም ዝፍራሕ ኢዩ: ብማንም ግን ኣይፍቀርን ኢዩ።” — ቪካርስ ኦቭ ክራይስት—ዘ ዳርክ ሳይድ ኦቭ ዘ ፓፓሲ ብጴጥሮስ ዲ ሮሳ
ሕሱማት ጓሶት ኣብ እስራኤል
9, 10. ነቶም መራሕቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤልን ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበንን ግለጾም።
9 ከም የሱስ ዘይኮነ: እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ናይ እስራኤል መራሕቲ ሃይማኖት ነተን ኣባጊዕ ፍቕሪ ኣይነበሮምን። ልክዕ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ መራሕቲ እስራኤል ኢዮም ዝመስሉ ነይሮም: ብዛዕባኦም የሆዋ ከምዚ ኢሉ ነበረ:- “ነቶም ርእሶም ጥራይ ዝጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓሰዩ? . . . ንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምን: ንዝሐመመት ኣይፈወስኩምን: ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን: ንተባረረት ኣይመለስኩምን: ንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምን: ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን።”—ህዝቅኤል 34:2-4
10 እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ከምቶም ፖለቲካውያን ጓሶት ተረርቲ ልቢ ኢዮም ነይሮም። (ሉቃስ 11:47-52) የሱስ ነዚ ብምሳሌ ከቕርቦ ከሎ ብዛዕባ ሓደ እተገፈፈን እተኸትከተን ዳርጋ ምዉት ኰይኑ ድማ ኣብ ጥቓ መገዲ እተደርበየ ኣይሁዳዊ ተዛረበ። ሓደ እሰራኤላዊ ካህን ይሓልፍ ነበረ እሞ ነቲ ኣይሁዳዊ ርእይ ምስ ኣበሎ ናብቲ ሓደ ሸነኽ ናይቲ መገዲ ሰገረ። ሓደ ሌዋዊ እውን ልክዕ ከምኡ ገበረ። ድሕርዚ ሓደ እስራኤላዊ ዘይኰነ: ንዑቕ ሳምራዊ: ክሓልፍ ከሎ ምስ ረኣዮ ነቲ ግዳይ ደንገጸሉ። ኣቍሳሉ ሰፈፈሉ ኣብ ኣድጊ ኣወጢሑ ድማ ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ። ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ገንዘብ ከፈሎ: ንዕኡ ኢሉ ዘጥፍኦ ዘበለ ኸኣ ምስ ተመለሰ ክኸፍሎ ምዃኑ ነገሮ።—ሉቃስ 10:30-37
11, 12. (ሀ) እቲ ናይ መራሕቲ ሃይማኖት ረሲእነት ከመይ ገይሩ ኢዩ ብመዓልትታት የሱስ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ዝበጽሐ? (ለ) እቶም ሮማውያን ኣብ መወዳእታ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት እንታይ ገበርዎም?
11 እቶም ብመዓልታት የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣዝዮም ብልሽዋት ስለ ዝነበሩ የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ምዉታት ምስ ኣተንስኦ: እቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን ዋዕላ ኣኪቦም ከምዚ በሉ:- “እዚ ሰብኣይዚ [የሱስ] ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ: እንታይ ንግበር? ከምዚ እንተ ሐደግናዮ: ኵሉ ብእኡ ኺአምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም።” (ዮሃንስ 11:47, 48) ብዛዕባ እቲ: የሱስ ኣብ ክንዲ እቲ ምዉት ሰብኣይ ዝገበሮ ሰናይ ነገራት ግዲ ኣይነበሮምን። ብዛዕባ እቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ቦታ ኢዮም ዝግደሱ ነይሮም። በዚ ኸኣ “ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም [ንየሱስ] ኪቐትልዎ ተማኸሩ።”—ዮሃንስ 11:53
12 ነቲ እከዮም ንምውሳኽ ድማ “ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ: ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።” (ዮሃንስ 12:10, 11) ቦታኦም ንምዕቃብ ኢሎም ዝገብርዎ ዝነበሩ ስሱዕ ዝኾነ ጻዕርታቶም ምንም ፋይዳ ኣይነበሮን: ከመይሲ የሱስ “ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” ኢሉ ነጊርዎም ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 23:38) ንመፈጸምታ እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ: ኣብቲ ወለዶ እቲ ሮማውያን መጺኦም ‘ቦታኦምን ሃገሮም’ ከምኡውን ህይወቶም ከይተረፈ ወሰዱሎም።
ፈቃራት ጓሶት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ
13. የሆዋ ነባጊዑ ንምጕሳይ ንመን ከም ዘተንስእ ኢዩ ዘተስፈወ?
13 ኣብ ክንዲ እቶም ጨካናትን ስሱዓትን ጓሶት: የሆዋ ነቲ ሕያዋይ ጓሳ የሱስ ንመጓሴኡ ምእንቲ ክሓሊ ኢሉ ከተንስኦ ነበሮ። ከምኡውን ነተን ኣባጊዕ ዝሓልዩ ፈቃራት ንኡሳን ጓሶት ከተንስእ ምዃኑ ኣተስፍዩ ኢዩ:- “ዚጓስይወን ጓሶት ከተነስኣለን እየ: ድሕርዚ ኸኣ ኣይኪፈርሃን . . . እየን።” (ኤርምያስ 23:4) በዚ ኸኣ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ክርስትያን ጉባኤታት: ሎሚውን ‘ኣብ ከከተማኡ ሽማግለታት’ ይሽየሙ ኣለዉ። (ቲቶስ 1:5) እዞም ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ብቕዓታት ዘማልኡ መንፈሳውያን ሽማግለታት ‘ንመጓሰ ኣምላኽ ክጓስዩ’ ኣለዎም።—1 ጴጥሮስ 5:2፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:7-9
14, 15. (ሀ) እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ኣመለኻኽታ ኢዮም ንኸማዕብሉ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዝረኸብዎ? (ለ) የሱስ: ሽማግለታት ትሑታት ኣገልገልቲ ክኾኑ ከም ዘለዎም ንኸርእዮም እንታይ ኢዩ ዝገበረ?
14 ነተን ኣባጊዕ ክኣልዩ ከለዉ: ሽማግለታት “ቅድሚ ኹሉ” ንዓታተን ‘ዓሚቍ ፍቕሪ’ ከርእይወን ይግባእ። (1 ጴጥሮስ 4:8) እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ግና ብዛዕባ ክብርን ልዕልናን ኣዝዮም ይግደሱ ብምንባሮም ነዚ ክመሃሩዎ ነበሮም። ስለዚ ኣደ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ: ንየሱስ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ: ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ: በል” ምስ በለቶ: እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ተቖጥዑ። የሱስ በሎም:- “ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም: ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም: ትፈልጡ ኢኹም። ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን: እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ: ባርያኻትኩም ይኹን።”—ማቴዎስ 20:20-28
15 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን: እቶም ደቀ መዛሙርቲ “ንሓድሕዶም: መን ኰን ይበልጽ ይበሃሃሉ ነበሩ እሞ:” የሱስ ድማ “እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ኹሉን ግዙእ ኹሉን ይኹን” በሎም። (ማርቆስ 9:34, 35) ናይ ኣእምሮ ትሕትናን ንኸገልግሉ ፍቓደኛታት ምዃንን ክፍሊ ናይ ባህርያቶም ክኸውን ነበሮ። እንተኾነ ግን እቶም ደቀ መዛሙርቱ: በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ንኽመላለሱ ጸገም ነበሮም: ኣብታ የሱስ ቅድሚ ሞቱ ናይ መወዳእታ ድራር ዘብዓለላ ምሸት: መን ኰን ይዓቢ ዝብል “ክርክር” ኣብ ማእከሎም ተላዕለ! ሽሕኳ የሱስ ርእሱ ኣትሒቱ ኣእጋሮም ብምሕጻብ: ሓደ ሽማግለ ከመይ ገይሩ ነተን መጓሰ ከገልግል ከም ዘለዎ እንተ ኣርኣዮም እቲ ነገርሲ ኣጋጠመ ደኣ። ከመይሲ ርእሱ ኣትሒቱ ኣእጋሮም ሓጺብዎም ነይሩ ኢዩ። “ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ: ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ: ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” በሎም።—ሉቃስ 22:24፣ ዮሃንስ 13:14, 15
16. ብ1899 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ባህርይ ናይ ሽማግለታት እንታይ ሓሳብ ኢዩ ዝሃበ?
16 ሸማግለታት ከምዚ ክኾኑ ከም ዝግብኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵሉ ግዜ ኢዮም ዝመሃሩ። ዳርጋ ሓደ ክፍለ ዘበን ይገብር: ናይ 1 ሚያዝያ 1899 ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:1–8 ዘሎ ቃላት ኣመልኪቱ ከምዚ በለ:- “እቲ ሃዋርያ ፍልይ ኣቢሉ ፍልጠትን ክእለት ኣዘራርባን እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ፈተናታት ከም ዘይኰኑ: እንታይ ድኣ ፍቕሪ ናብ ልቢ ምስ ሰረጸ ናብ ኩሉ መገድታት ናይ ህይወት ድማ ምስ ተዘርገሐ: ነዚ መዋቲ ኣካላትና ድማ ምስ ኣንቀሳቐሶን ምስ ኣስረሖን: እዚ እዩ እቲ ናይ ሓቂ ፈተና ዝበሃል: እዚ ኢዩ እቲ ቀንዲ ናይ መለኮታዊ ርክብና መረጋገጺ ዝኾነ። . . . እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከም ኣገልጋሊ ቤተ–ክርስትያን ኰይኑ ኣብ ቅዱስ ነገራት ንኸገልግል ተቐባልነት ዝረኸበ ክጥመት ዘለዎ መሪሕ ጠባያት: ብቐዳምነት ናይ ፍቕሪ መንፈስ ክኸውን ኣለዎ።” ብተወሳኺ እውን እቶም ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም ብትሕትና ዘየገልግሉ ሰብኡት “ዕቑባ ዘይኮኑ መምሃራን ኢዮም ከምኡውን ካብ ጥቕሞምሲ ዳርጋ ጉድኣቶም ኢዩ ዝኸፍእ።”—1 ቈረንቶስ 8:1
17. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሽማግለታት ክህልዎም ዝግባእ ባህርያት ብኸመይ ኢዩ ዘጕልሖ?
17 ስለዚ ሸማግለታት ኣብ ልዕሊ እተን ኣባጊዕ ‘ክጕይተቱ’ የብሎምን። (1 ጴጥሮስ 5:3) ኣብ ክንድኡስ ኣብ ንሓድሕዶም “ተላዋህትን ተዳናገጽትን” ብምዃን መራሕቲ ክኾኑ ኣለዎም። (ኤፌሶን 4:32) ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ኣጕሊሕዎ ኣሎ:- “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ። . . . ኣብ ልዕሊ እዚ ኹሉውን ፍቕሪ: [ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት ትሓዓ ] እያ እሞ: ልበስዋ።”— ቈሎሴ 3:12-14
18. (ሀ) ጳውሎስ ነተን ኣባጊዕ ብዝገብሮ ዝነበረ ኣተሓሕዛ እንታይ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ሰሪዑ? (ለ) ሽማግለታት ስለምንታይ ኢዮም ንድልየት ናይተን ኣባጊዕ ሸለል ክብልዎ ዘይግባእ?
18 ጳውሎስ ነዚ ኣብ መዓላ ኣውዒልዎ እዩ: ምኽንያቱ:- “ኣብ ማእከልኩምሲ: ከምታ ውሉዳ እትሓቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ: ርሕሩሓት ነበረና። ከምዚ: ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝኾነኩም: ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር: ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን: ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና” ኢሉ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8) ምስ እዚ ብምስምማዕ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም: ነቶም ድኹማት ደግፍዎም: ንኹላቶም ተዐገስዎም” በለ። (1 ተሰሎንቄ 5:14) እተን ኣባጊዕ ከምጽኣሎም ዝኽእላ ጸገማት ብዘየገድስ ሽማግለታት ንምሳሌ 21:13 ክዝክሩ ይግብኦም:- “እቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚዐጹ: ንሱውን ይጠርዕ እሞ ገለ ኣይረክብን።”
19. ፈቃራት ሽማግለታት በረኸት ዝኾኑ ስለምንታይ ኢዮም? እተን ኣባጊዕከ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ብኸመይ ኢየን ዝምልሻሉ?
19 ነተን መጓሰ ብፍቕሪ ዝጓስይወን ጓሶት ነተን ኣባጊዕ በረኸት ኢዮም። ኢሳይያስ 32:2 ከምዚ ብምባል ተነብዩ ኣሎ:- “ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።” ሎሚ ብዙሓት ካብ ሸማግለታትና ነዚ መንፈስካ ዘሐድስ መግለጺ እዚ ይበቕዕዎ ምህላዎም ክንፈልጥሲ ክንደይ ሕጉሳት ኢና። ነዚ ዝስዕብ ምምርሒ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ተማሂሮም ኢዮም:- “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቐዳደምኩም: ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።” (ሮሜ 12:10) እቶም ሽማግለታት ከምዚ ዝዓይነቱ ፍቕርን ትሕትናን እንተደኣ ኣርእዮም: እተን ኣባጊዕ ድማ “ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ” ክብሪ ብምሃብ ክምልሻሉ ኢየን።—1 ተሰሎንቄ 5:12, 13
ንኣጠቓቕማ ናጻ ድልየት ኣኽብርዎ
20. ሽማግለታት ናጻ ድልየት ከኽብሩ ዝግብኦም ስለምንታይ ኢዮም?
20 የሆዋ ንደቂ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳኔታት ንኽገብሩ ኢሉ ናጻ ድልየት ሂቡ ኢዩ ፈጢርዎም። ሽማግለታት ክመኽሩ አረ ክቐጽዑውን ይግብኦም እኳ እንተኾነ: ንህይወት ወይ ንእምነት ናይ ካልእ ግና ክቆጻጸሩ የብሎምን። ጳውሎስ “ብእምነት ቖይምኩም ኣሎኹም እሞ: ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር: ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን” በለ። (2 ቈረንቶስ 1:24) እወ: “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።” (ገላትያ 6:5) የሆዋ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ናይ ሕግታቱን መምርሒታቱን ብዙሕ ሓርነት ሂቡና ኣሎ። ስለዚ ሽማግለታት ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኣብ ዘይተጣሕሰሉ ኵነታት ሕግታት ምስራዕ ከወግድዎ ኣለዎም። ከምኡውን ነቲ ብሕታዊ ኣተሓሳስባኦም ፈቲኻ ጸልኢኻ ክግበር ዘለዎ ነገር ገይርካ ናይ ምቕራብ ዝኾነ ይኹን ዝንባሌ ክጻረርዎ ይግባእ: ወይ ድማ ሓደ ሰብ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ምስ ዘይሰማማዕ: በቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣተሓሳስባ ገይሮም ክዕምጽጽዎ ክፍትኑ የብሎምን።—2 ቈረንቶስ 3:17፣ 1 ጴጥሮስ 2:16
21. ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ፊልሞን ዝነበሮ ኣመለኻኽታ እንታይ ኢና ክንመሃር እንኽእል?
21 ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ከሎ: ምስቲ ኣብ ቆሎሴ ናይ ንእሽቶ እስያ ዝቕመጥ: ኣብ ትሕቲኡ ድማ ባሮት ዝነበርዎ ፊልሞን: ብኸመይ ከም እተመላለሰ: ንዘክሮ። እቲ ናይ ፊልሞን ግዙእ ዝነበረ ኦኔስሞስ: ናብ ሮሜ ሃዲሙ ኣብኡ ክርስትያን ኮነ: ንጳውሎስ ድማ ይሕግዞ ነበረ። ጳውሎስ ንፊልሞን ከምዚ ብምባል ጸሓፈሉ:- “ኣነስ እኳ: ኣብዚ መቐውሔይ ስለ ወንጌል ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ: ንርእሰይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ። ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር: ከም ብግዲ ምእንቲ ኸይከውን: ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይፈቶኹን።” (ፊልሞን 13, 14) ጳውሎስ: ከም ክርስትያን ሓዉ ገይሩ ኽቕበሎ ብምሕታት ንኦኔሲሞስ ናብ ፊልሞን መሊስዎ ኢዩ። ጳውሎስ እቲ መጓሰ ናይ ኣምላኽ ድኣ እምበር ናቱ ከም ዘይኰነ ኢዩ ዝፈልጥ ነይሩ። ንሱስ ናይቲ መጓሰ ኣገልጋሊ ድኣ እምበር ጐይታ ኣይነበረን። ጳውሎስ ንፊልሞን ትእዛዝ ኣይኮነን ሂብዎ: ኣብ ክንድኡስ ነቲ ናይ ምምራጽ ሓርነቱ ኣኽቢሩሉ ኢዩ።
22. (ሀ) ሽማግለታት ብዛዕባ ቦታኦም እንታይ ኢዮም ክርድኡ ዘለዎም? (ለ) የሆዋ እንታይ ዓይነት ማሕበር ኢዩ ዘማዕብል ዘሎ?
22 ማሕበር ኣምላኽ እናዓበየት ብዝኸደት መጠን ዝያዳ ሽማግለታት ይሽየሙ። ንሳቶምን እቶም ዝያዳ ተሞክሮ ዘለዎም ሽማግለታትን: ቦታኦም ብትሕትና ዝዕየ ኣገልግሎት ምዃኑ ክርድእዎ ይግብኦም። በዚ መገዲ እዚ: ኣምላኽ ንማሕበሩ ናብ ሓዳስ ዓለም ገጹ እናመርሓ ኸሎ: ከምቲ ንሱ ዝደልያ ብጽቡቕ እተመሓደረት ኮይና እናዓበየት ክትቅጽል ኢያ። እንተኾነ ግና ነዚ ብቕዓት እዚ ፍቕርን ድንጋጽን ብምዕምጻጽ ኣይኮነትን እትበጽሖ። በዚ ድማ እታ ማሕበሩ ነቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ብቐጻሊ እናሰሓበቶም ክትከይድ ኢያ: ናይዚ መረጋገጺ ድማ “ኣምላኽ ንሰናይ እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ: ኵሉ ዕዮታቱ ሓቢሩ ከም ዝተሓጋገዝ ይገብሮ” ምዃኑ ክርእዩ ኢዮም። ኣብ ሓንቲ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተት ማሕበር እዚ ኢና እንጽበ: ከመይሲ “ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።”—ሮሜ 8:28፣ 1 ቈረንቶስ 13:8
ከመይ ጌርኩም ምመለሽኩም?
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝገበረሎም ሓልዮት ብኸመይ ይገልጾ?
◻ የሱስ ንመጓሰ ኣምላኽ ኣብ ምእላይ እንታይ ግደ ኢዩ ተጻዊቱ?
◻ ሽማግለታት እንታይ ቀንዲ ባህርያት ኢዩ ክህልዎም ዝግባእ?
◻ ሽማግለታት ናይተን ኣባጊዕ ናጻ ድልየት ኣብ ግምት ከእትውዎ ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ?
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ እቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ድንጋጽ ኣርእዩ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ብልሽዋት መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ንኽቐትልዎ ተመሓሓሉሉ