ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
ብዙሓት ሰባት ሓጐስ ካብ ስጋዊ ጥሪት ክርከብ ከም ዝከኣል ይስምዖም። ንዓኻኸ ከመይ ይስምዓካ፧ ስጋዊ ነገራት ንሓጐስና ብርግጽ ኣበርክቶ ዝገብር እኳ እንተዀነ: ውሕስነት ግን ኣይኰኖን ኢዩ፣ ስጋዊ ምቾት እውን እንተዀነ: እምነት ኣይሃንጽን ወይ ድማ መንፈሳዊ ድሌታት ኣየማልእን ኢዩ።
የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ “ብመንፈስ ድኻታት [“እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ:” NW ]: መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3) ብተወሳኺ እውን የሱስ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ: ተጠንቀቑ: ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” በለ።—ሉቃስ 12:15
ብዙሓት ኣብ ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብን ኣብ ካልእ ‘ግብሪ ስጋን’ ብምስታፍ ሓጐስ ክረኽቡ ይፍትኑ። (ገላትያ 5:19-21) ይኹን እምበር: ንስጋዊ ስምዒታት ምግዛእ ናይ ሓቅን ነባርን ሓጐስ ኣየምጽእን ኢዩ። እኳ ድኣ: እቶም ከምዚ ዝበለ ነገራት ዝገብሩ ሰባት መንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርሱን ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10
ካልኦት ከኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ክብሪ ንምዕባይ ብምፍታን: ኣብ ገዛእ ርእሶም ትዅረት ብምግባር ሓጐስ ክረኽቡ ይጽዕሩ። ኣብያተ-ንባብን ቤተ-መጻሕፍትን ንብሕታዊ ምዕባለን ምምሕያሽን ዝሕግዙ መጻሕፍቲ ዝመልኡ ኢዮም: ከምዚኣቶም ዝበሉ ጽሑፋት ግን ንሰባት ነባሪ ሓጐስ ኣየምጽኡሎምን። እሞኸ ደኣ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
ብሓቂ ሕጕሳት ንምዃን: ነቲ መፋጥርትና ዝዀነ መንፈሳዊ ድሌት ክንግንዘቦ ኣሎና። የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ ሕጕሳት ኢዮም” በለ። ርግጽ ኢዩ: ነዚ ድሌት እዚ ተገንዚብና ጥራይ ዝዀነ ይኹን ነገር ከይገበርና ስቕ ምባል ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን። ንኣብነት: ሓደ ናይ ማራቶን ጐያዪ እቲ ቕድድም ምስ ተወድአ ነቲ ማይ ጸሚእዎ ዘሎ ኣካላቱ ከየርወዮ ስቕ ምስ ዝብል እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞ፧ ሽዑ ንሽዑ ኣካላቱ ማይ ብምውድኡ ክነቅጽን ካልእ ከቢድ ሳዕቤናትን ኣይመጋጠሞንዶ፧ ብተመሳሳሊ ድማ: ነቲ ብመንፈስ ክንዕንገል ዘሎና ድሌት ሸለል ኢልና እንተድኣ ርኢናዮ: መወዳእትኡ ብመንፈስ ክንነቅጽ ኢና። እዚ ኸኣ ደስታን ሓጐስን ከም እንስእን ይገብረና።
የሱስ ስርዓታዊ ኰይኑ ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ብምስትንታንን ነቲ መንፈሳዊ ድሌቱ ምሉእ ብምሉእ ተገንዚብዎ ኢዩ። ብቐሊሉ ክፍልታት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ገንጺሉ ክረክብን ከንብብን ይኽእል ነይሩ ኢዩ: ንኻልኦት ሰባት እውን ከምኡ ክገብሩ ምሂርዎም ኢዩ። (ሉቃስ 4:16-21፣ ምስ ኤፌሶን 4:20,21 ኣረኣእዮ።) የሱስ: ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦኡ ምግባር ምስ መግቢ እውን ኣመሳሲልዎ ኢዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡሉ ኢዩ።—ዮሃንስ 4:34
እወ: ናይ ሓቂ ሓጐስ ስጋዊ ነገራት ብምጥራይ ክርከብ ኣይከኣልን ኢዩ፣ ሓጐስ ነዚ ሓጥእ ስጋና ብምዕጋብ እውን ኣይመጽእን ኢዩ። ናይ ሓቂ ሓጐስ: ኣብ ሓቀኛ እምነትን ኣብቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝህሉ ጸቡቕ ርክብን እተመስረተ ኵነታት ልቢ ኢዩ። ምስ እዚ ብምስምማዕ ከኣ ኢዩ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ” ብምባል ዝዘመረ።—መዝሙር 144:15ለ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
እምነትን ጽቡቕ ዝምድና ምስ ኣምላኽን ናይ ሓቂ ሓጐስ ከምጽኣልካ ኢዩ