ስለምንታይ ይቕረ እንብል?
ኣይሁዳዊ ምሁርን ጸሓፍን ጆሴፍ ጃኮብስ ሓደ እዋን ንይቕረ ምባል “ካብቲ ኩሉ ናይ ስነ ምግባር ትምህርቲ እቲ ዝለዓለን ኣዝዩ ኣጸጋምን” ብምባል ገለጾ። ብዙሓት ከኣ ነተን “ይቕረ ኢለልካ ኢየ” ዘብላ ቃላት ንምውጽአን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይረኽብዎ።
ይቕረ ምባል ልክዕ ከም ገንዘብ ኢዩ ዝመስል። ብናጻን ብምሕረትን ኣብ ካልኦት ክውዕል ይኽእል ወይ ከኣ ብብቀት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ክዕቀብ ይኽእል። እቲ ኣብ መጀመርያ ዘሎ ሓሳብ ኣምላኻዊ መገዲ ኢዩ። ብዛዕባ ይቕረ ምባል ዝመጸ ናይ ምልጋስ ኣመል ክንኩስኩስ ይግብኣና። ስለምንታይከ? ምኽንያቱ ኣምላኽ ከምኡ ንኽንገብር ስለ ዘተባብዓናን ይቅረ ናይ ዘይምባልን ናይ ሕነ ምፍዳይን መንፈስ ከኣ ነቲ ነገር መሊሱ ስለ ዘግደዶን ኢዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ “ኣድጊ ንዝገበረካስ ጠይቂ ግበሮ” ዝብል ኣበሃህላ ክዝረብ ይስማዕ። ዘሕዝን ድማ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣበሃህላ እዚ ኣብ ናብራኦም ከም መምርሒ ኢዮም ዝጥቀምሉ። ንኣብነት ሓንቲ ሰበይቲ ንሾብዓተ ዓመታት ዝኣክል ምስ ሰበይቲ ሓዋ ኣይተዘራረበትን: ምኽንያቱ ድማ እታ ሰበይቲ “ንሳ ዝገበረትኒ እኮ ኣይዝረብን ኢዩ። ይቕረ ክብለላ ኸኣ ፈጺመ ኣይከኣልኩን” በለት። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕትም ኢልካ ስቕ ናይ ምባል ተግባር ንይቕረታ ናይቲ በዳሊ ንኸይትቕበል ወይ ድማ ከም ናይ መቕጽዒ ኣጽዋር ገይርካ እትጥቀመሉ እንተድኣ ኾይኑ ነቲ ናይ ሕነ ምፍዳይ ባህግኻ ኣየዕግቦን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ እኳ ደኣ ምሉእ ብምሉእ ቂም ከም ዝዓቢ ብምግባር ነቲ ጽልኢ ከናውሖ ይኸእል። እዚ ስቓይ እዚ እንተዘይተበቲኹ: እቲ ብርቱዕ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሕሱም ምቍጽጻር: ርክብካ አረ ጥዕናኻውን ከይተረፈ ዘበላሹ ኢዩ።
ይቕረ ናይ ዘይምባል መንፈስ ዘኸትሎ ጉድኣት
ሓደ ሰብ ይቕረ በሃሊ ምስ ዘይከውን እቲ ዘስዕቦ ጽልኢ ጭንቀት ኢዩ ዝፈጥር። ጭንቀት ድማ ብግዲኡ ናብ ከቢድ ሕማም ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ዶክተር ዊልያም ኤስ. ሳድለር “እቲ ዝበዝሕ ናይ ወዲ ሰብ ሕማምን ስቓይን መምጽኢኡ ብቐጥታ ካብ ምጭናቕን ፍርሕን ጽልእን . . . ዘይጥዑይ ኣተሓሳስባን ዘይጽፉፍ ኣነባብራን ምዃኑ ከም ዶክተር ገይሩ መሊኡ ክግንዘቦ ዝኽእል የልቦን” ክብል ጸሓፈ። ስምዒታዊ ህውከት እምበኣር ክንደይ ዝኣክል ጉድኣት ኢዩ ከብጽሕ ዝኽእል? ሓደ ናይ ሕክምና ጽሑፍ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “ስታቲስቲክስ ከም ዘመልከቶ ካብቶም ናብ ሓኪም ዝቐረቡ ሕሙማት እቶም ክልተ ሲሶ ብናይ ኣእምሮ ጭንቀት እተበገሰ ወይ እተጋደደ ምልክት ኢዩ ነይርዎም።”
እወ: ምረትን ቅሬታን ቂምን ዘይጓድኡ ኣይኮኑን። እዞም ቍንቍነ ዝኾኑ ሰምዒታት እዚኣቶም ልክዕ ከምቲ ንኣካል ሓንቲ መኪና ቀስ እናበለ ዘሕቅቕ መራት ኢዮም ዝምሰሉ። እታ መኪና ብግዳማ ጽብቕቲ ትመስል ትኸውን ብትሕቲ እቲ ቐለም ግን መዕነዊ ዝኾነ መስርሕ ይካየድ ኣሎ።
ብዝያዳ ድማ ምሕረት ንምርኣይ ዝድርኽ ምኽንያት እናሃለወ ክነሱ ይቕረ ምባል ምስ እንኣቢ ብመንፈስ እውን ክጐድኣና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽ: ከምቲ የሱስ ኣብ ምስልኡ ዝጠቐሶ ባርያ ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ባርያ ጐይታኡ ኣዝዩ ብዙሕ ዕዳ ኢዩ ሓዲጉሉ። ይኹን እምበር ሓደ ብጻዩ ባርያ ነቲ ብተዛማዲ ኣዝዩ ሒደት ዕዳ ክሓድገሉ ኢሉ ምስ ለመኖ: ጨከነሉ ድኣ እምበር ኣይሓደገሉን። ብተመሳሳሊ ንሕናውን ይቕረ ንምባል ፍቓደኛታት ዘይንኸውን እንተድኣ ኰይንና የሆዋ እውን ንዓና ሓጢኣትና ይቕረ ከም ዘይብለልና የሱስ ኣነጺርዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 18:21-35) ይቕረ በሃልቲ እንተ ዘይኮይንና እምበኣር ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ንጹህ ሕልና አረ ናይ ዝመጽእ ተስፋና እውን ከይተረፈ ከነጥፍእ ኢና! (ምስ 2 ጢሞቴዎስ 1:3 ኣነጻጽሮ።) ስለዚ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና?
ይቕረ ንምባል ተምሃር
ናይ ሓቂ ይቕረ ምባል ካብ ልቢ ኢዩ ዝምንጭ። ንጌጋ ናይቲ በዳሊ ይቕረ ምባልን ንዝኾነ ይኹን ናይ ሕነ ምፍዳይ ባህጊ ድማ ምሕዳጉ ዘጠቓለለ ኢዩ። በዚ ኸምዚ እቲ ናይ መወዳእታ ፍትሕን ምናልባት ቅጽዓትውን ኣብ ኢድ የሆዋ ትሓድጎ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። — ሮሜ 12:19
ይኹን እምበር “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን” ስለ ዘኾነ ኣብቲ ይቕረ ክብል ዝግብኣሉ ግዜውን ከይተረፈ ናብ ይቕረ ምባል ከም ዘይዛዙ ክንዝክር ይግብኣና። (ኤርምያስ 17:9) የሱስ ባዕሉ ከምዚ በለ:- “ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ: ቅትለት: ዝሙት: ምንዝር: ስርቂ: ምስክር ሓሶት: ጸርፊ ይወጽእ እዩ።”—ማቴዎስ 15:19
ልብና ቅኑዕ ንምግባር ክለማመድ ዝኽእል ብምዃኑ ሕጉሳት ኢና። ይኹን ድኣ’ምበር እቲ ዘድልየና ምልምማድ ካብ ዝለዓለ ምንጪ ክመጽእ ኣለዎ። በይንና ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። (ኤርምያስ 10:23) ሓደ ብመለኮታዊ መምርሒ እተመርሐ ዘማሪ ነዚ ኣፍልጦ ብምሃብ መርሒነቱ ክህቦ ናብ ኣምላኽ ጸለየ። ብጸሎት ቀሪቡ ንየሆዋ ከምዚ ብምባል ለመኖ:- “ስርዓታትካ መሀረኒ። . . . መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒ።”—መዝሙር 119:26, 27
ንጉስ ዳዊት ኣብቲ ካልእ መዝሙሩ ብዘቕረቦ መሰረት ‘ንመገድታት’ የሆዋ ‘ተረዲእዎ’ ኢዩ። ብመጀመርያ ባዕሉ ተሞኪርዎ: ካብኡ ድማ ተምሃረ። በዚ ድማ ኢዩ ከምዚ ክብል ዝኸኣለ:- “እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ: ንኹራ ደንጓዪ: ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም: ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።”—መዝሙር 103:8, 13
ንሕናውን ከም ዳዊት ክንመሃር ይግብኣና። ነቲ ናይ ኣምላኽን ናይ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ፍጹም ኣብነት ናይ ይቕረ ምባል ብጸሎት ቀሪብና ነጽንዓዮ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብ ልብና ይቕረ ንምባል ክንመሃር ንኽእል ኢና።
እንተኾነ ግን ገለ ከምዚ ብምባል ግቡእ ሕቶ ይሓቱ ይኾኑ:- ከቢድ ሓጢኣት እንተኾነኸ? ኵሉ ሓጢኣት ድዩ ይቕረ ክበሃለሉ ዘለዎ?
ሚዛንካ ክትሕሉ ምድላይ
ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ በደል ምስ ዝፍጸም እቲ ስቓይ ኣዝዩ ዓቢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ ከምዚ ዝኸውን ድማ እቲ ሰብ ንጹህ ክነሱ ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝፍጸም ኢዩ። ገሊኣቶም ‘ከመይ ገይረ ኢየ እሞ ንሓደ ጨኪኑ ዝጠለመንን ዝጐድኣንን ይቕረ ክብለሉ ዝኽእል?’ እናበሉ ብምግራም ይሓቱ ይኾኑ። ምውጋድ ዘድልዮ ከቢድ ሓጢኣት እንተድኣ ኾይኑ: እቲ ተበዲሉ ዘሎ ሰብ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15–17 ዘሎ ምኽሪ ክዓየሉ የድልዮ።
ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት በደል መብዛሕትኡ ኣብቲ በዳሊ ዝተጸገዐ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በደል ካብ ዝተፈጸመሉ ንነጀው ገለ ምልክት ናይ ልባዊ ጣዕሳ ተራእዩዶ? እቲ በዳሊ ተለዊጡዶ ኢዩ? ምናልባትውን ናይ ሓቂ ምምሕያሽ ንምግባር ፈቲኑዶ? ዋላ ዘጸይፍ ሓጢኣትውን ተፈጺሙ እንተኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ ነስሓ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ መርሖ ናይ ሕድገት ኢዩ። ንኣብነት የሆዋ ነቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝርከቡ ኣዝዮም እኩያት ነገስታት ዝኾነ ምናሴ ይቕረ ኢሉሉ ኢዩ። በየናይ መሰረት? ኣምላኽ ይቕረ ዝበለሉ ምኽንያት: ምናሴ ኣብ መወዳእታ ርእሱ ኣትሒቱ በቲ ኩሉ ዝገበሮ እኩይ መገድታቱ ነስሓ ስለ ዘርኣየ ኢዩ።—2 ዜና መዋእል 33:12, 13
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ነስሓ ክበሃል ከሎ: ሓቀኛ ለውጢ ናይ ኣመለኻኽታን ኣብ ዝኾነ ይኹን እተፈጸመ በደል ድማ ልባዊ ጣዕሳ ምርኣይ ዘጣመረ ኢዩ። ነስሓ ኣብቲ ዝምሽኣሉን ዝከኣለሉን ኣጋጣሚ: ነቲ ዝተበደለ ሰብ ንኽትክሕሶ ኢልካ ብዝግበር ጻዕሪ ዝተሰነየ ኢዩ። (ሉቃስ 19:7-10፣ 2 ቈረንቶስ 7:11) ከምዚ ዘኣመሰለ ነስሓ እንተዘይተገይሩ የሆዋ ይቕረ ኣይብልን ኢዩ።a ብተወሳኺ ኣምላኽ ንክርስትያናት : ነቶም ሓደ እዋን መንፈሳዊ ብርሃን ዝበርሃሎም ሕጂ ግን ነስሓ ብዘይምርኣይ ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ዝፍጽሙ ዘለዉ ይቕረ ክብሉሎም ኣይጽበዮምን ኢዩ። (እብራውያን 10:26-31) ኣብቲ ካብ መጠን ዝሓለፈ ሓጢኣት ይቕረ ምባል ዘይግቡእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—መዝሙር 139:21, 22፣ ህዝቅኤል 18:30-32
ሓደ ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ ሓጢኣት እተፈጸሞ ሰብ እቲ ነገር ይቕረ ምባል ዘድልዮ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ነዚ ዝስዕብ ካልእ ሕቶ ክሓስበሉ ይደሊ ይኸውን:- እቲ ነገር መሊኡ ክሳዕ ዝፍታሕሲ ዓሚቍ ጉድኣትን ቁጥዓን እናተሰምዓኒዶ ኣብ ከቢድ ስምዒታዊ ምንዋጽ ክጸንሕ ይግብኣኒ ኢዩ? ሓደ ኣብነት ንርአ። ንጉስ ዳዊት እቲ ሓለቓ ሰራዊቱ ዝነበረ ዮኣብ “ነቶም ካብኡ ዝጸድቁን ዚሔሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት” ኣብኔርን ኣማሳን: ስለ ዝቐተሎም ብርቱዕ ጓሂ ተሰሚዕዎ ኢዩ። (1 ነገስት 2:32) ዳዊት ብዘይጥርጥር ብጸሎት ናብ የሆዋ ብምቕራብ ንሓርቖቱን ቅሬታኡን ብቓላት ገይሩ ገሊጸዎ ኢዩ። ይኹን ድኣ እምበር ድሕሪ ገለ እዋን ዳዊት እቲ ዕምቈት ዝነበሮ ስምዒታቱ ሃዲኡ ኢዩ። ክሳዕ መወዳእታ መዓልትታቱ ብሓርቖት ኣይተዓብለለን። ሽሕኳ ዳዊት ምስ ዮኣብ ዝነበሮ ስራሕ እንተቐጸሎ ነዚ ነስሓ ዘየርኣየ ቀታሊ ይቕረ ኣይበለሉን። ኣብ መወዳእታኡ ዳዊት ፍትሒ ከም ዝፍጸም ገበረ።—2 ሳሙኤል 3:28-39፣ 1 ነገስት 2:5, 6
እቶም ብናይ ካልኦት ከቢድ ሓጢኣት እተጐድኡ ሰባት ነቲ ናይ መጀመርታ ሓርቖቶም ንኽርስዕዎ ግዜን ጻዕርን ይሓትት ይኸውን። እቲ በዳሊ ጌጋኡ ተኣሚኑ ምስ ዝናሳሕ ንኽፍወስ ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል። ይኹን ድኣ እምበር: እቲ ንጹህ ዝተበደለ ሰብ ናይቲ በዳሊ ተግባራት ብዘየገድስ: በቲ ኣብ ፍትሒ የሆዋን ኣብ ጥበቡን ከምኡውን ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ዘለዎ ፍልጠት ምጽንናዕን ህድኣትን ንምርካብ ክኽእል ኣለዎ።
ካልእ ክትግንዘቦ ዘሎካ ነገር ድማ ንሓደ ሓጢኣተኛ ይቕረ ክትብለሉ ከሎኻ ነቲ ሓጢኣት ሸለል ትብሎ ኣሎኻ ማለት ኣይኮነን። ይቕረ ምባል ንክርስትያን ዝህቦ ትርጉም ነቲ ነገር ብተኣማንነት ኣብ ኢድ የሆዋ ምግዳፉ ማለት ኢዩ። ንሱ ናይ ጠቕላላ ኣድማስ ጻድቕ ፈራዲ ኢዩ: ኣብቲ ግቡእ ግዜ ድማ ንፍትሒ ክዓየሉ ኢዩ። እዚ ድማ ነቶም ጠላማት “ኣመንዝራታትን ዘመውትን” ክፈርዶም ምዃኑውን ዘጠቓለለ ኢዩ።—እብራውያን 13:4
ይቕረ ምባል ዘኸትሎ ጥቐሚ
ዳዊት እቲ ዘማሪ ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ሕያዋይን ንይቐሬታ ድልውን ኢኻ: ናባኻ ንዜእውዩ ኹላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ።” (መዝሙር 86:5) ንስኻኸ ከም የሆዋ “ንይቕሬታ ድልዊ” ዲኻ? ብዙሕ ረብሓታት ኢዩ ዘለዎ።
ቀዳማይ: ንኻልኦት ይቕረ ምባል ጽቡቕ ርክብ ንኽህሉ የተባብዕ። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይምሕጸኖም:- “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ።”—ኤፌሶን 4:32
ካልኣይ: ይቕረ ምባል ሰላም ኢዩ ዘምጽእ። እዚ ምስ ብጾትካ ሰባት ዝህሉ ሰላም ጥራይ ዘይኮነስ ውሽጣዊ ሰላምውን ማለት ኢዩ።—ሮሜ 14:19፣ ቈሎሴ 3:13-15
ሳልሳይ: ንኻልኦት ይቕረ ምባል ንሕና ንገዛአ ርእስና ይቕረ ምባል ዘድልየና ሰባት ምዃንና ኢዩ ዘዘኻኽረና። እወ: “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።”—ሮሜ 3:23
ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ንኻልኦት ይቕረ ምባልና ኣምላኽ ሓጢአትና ይቕረ ንኽብለልና መገዲ ይኸፍተሉ። የሱስ “ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም: ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ” በለ።—ማቴዎስ 6:14
ኣብታ የሱስ ዝተቐትለላ ምሸት ነቲ ነእምሮኡ ሒዝዎ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ ብዙሕ ነገራት ገምቶ። ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ዕዮ ስብከትን ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ንጽህና ኢዩ ዝግደስ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብ ዕንጸይቲ ስቓይ ኰይኑ ከቢድ ስቓይ ክሳቐ ከሎኸ: ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዝተዛረበ? ገለ ካብተን ናይ መወዳእታ ቃላቱ “ኣቦይ . . . ሕደገሎም” ዝብላ ነበራ። (ሉቃስ 23:34) ንሕናውን ነንሓድሕድና ካብ ልብና ይቕረ ብምብህሃል ነቲ ፍጹም ኣብነት ናይ የሱስ ክንቀድሖ ንኽእል ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ይኹን እምበር የሆዋ ይቕረ ንምባል ክውስን ከሎ ንኻልኦት ረቋሒታትውን ኣብ ግምት የእትዎም ኢዩ። ንኣብነት ሓደ በዳሊ ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ ገለ ዘይፈልጥ እንተድኣ ኾይኑ እቲ ዘይምፍላጡ ነቲ ክብደት ናይ ገበኑ ይንክዮ ኢዩ። የሱስ ነቶም ቀተልቱ ይቕረ ኽብለሎም ኢሉ ንኣቦኡ ክሓቶ ከሎ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሞት ዘብጽሕዎ ሮማውያን ወተሃደራት ይዛረብ ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ። ንሱ ብሓቂ መን ምዃኑ ይፈልጡ ስለ ዘይነበሩ: ‘ዝገብርዎ አይፈልጡን ኢዮም ነይሮም።’ እቶም ክንየው እቲ መቕተልቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ግን ዝዓበየ ገበን ኢዮም ተሰኪሞም ንመብዛሕትኦም ድማ ይቕረ ክበሃለሎም ኣይከኣልን ኢዩ ነይሩ። — ዮሃንስ 11:45-53፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 17:30
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘይምሕር ባርያ ዝሃቦ ምስላ ሓሳቡ ወሲድካዮዶ ኣሎኻ?
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ንኻልኦት ይቕረ ምባል: ንጽቡቕ ርክብ የተባብዕ: ሓጎስ ድማ የምጽእ