ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከባቢ ዓለም—ናይጀርያ
ናይጀርያ ኣብቲ ናይ ኣፍሪቃ ምዕራባዊ ውጽእ ዝበለ ወገን ኣብቲ ብሸነኽ ታሕቲ ዘሎ ኵርናዕ እተወሸለት ኢያ። ኣብ ወሽመጥ ጊኒ ኣብቲ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይ ቅናት ምድሪ እትርከብ ካብ 88 ሚልዮን ንላዕሊ ተቐማጦ ዘለዉዋ ሃገር ኢያ።a
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ መንእሰያት ፍሉይ ኣቓልቦ ገበረ። ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልከቶ ካብቶም ብ1992 ኣብ ናይጀርያ ብስራት ክሰብኩ ዝጀመሩ እቶም 80 ካብ ሚእቲ ካብ 10 ክሳዕ 20 ዕድመ ዘለዎም ኢዮም። ካብቶም ኣብታ ዓመት እቲኣ እተጠመቑ ድማ እቶም 63 ካብ ሚእቲ ኣብዚ ዕድመ እዚ ዝነበሩ ኢዮም።
መንእሰያት ኣብ ደረጃ ፓይነር ይበጽሑ
ብዙሓት መንእሰያት ከም ፓይነራት ብምዃን ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ይኣትዉ ኣለዉ። ሃና ስማ ሓንቲ ፓይነር ከምዚ ትብል:- “ትምህርቲ ክውድእ ምስ ቀረብኩ: ነቶም ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ በጻሕኩዎም እሞ ኣብኡ ምስ ክልተ እዚአን ዝሸምገላ ኣሓት ተራኸብኩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ድማ ‘እዘን ክልተ እዚአን ፓይነራት ክኾና ካብ ከኣላ ኣነ ዘይኮነሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ ኢዩ?’ ብምባል ሓሰብኩ።
“ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ኸኣ ፓይነር ኮንኩ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ምስ ሓንቲ ንጁጁ እተምልኽ ጆሰፊን እትብሃል 26 ዝዕድሚኣ ጓል ተራኸብኩ። ንሳ ‘ንስኻትኩም ናይ የሆዋ መሳኻኽር ክፉኣት ሰባት ኢኹም። ልደት ኣይተብዕሉን ክታብ ድማ ኣይትጥቀሙን ኢኹም’ በለትኒ። ኣነ ድማ ብሓደ ኰይንና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ እንተደኣ ኣፍቂዳ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ስለምንታይ ከም ዘይንገብሮም ክትመሃር ምዃና ምስ ገለጽኩላ: ንኽምለሳ ዓደመትኒ። ብኡንብኡ ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት: ኣብ ህይወታ ድማ ብዙሕ ለውጥታት ገበረት። ኣብ ታሕሳስ 1990 ተጠምቀት። ካብ ነሓሰ 1991 ንነጀው ድማ ጆሰፊን ፓይነር ኢያ ኰይና ዘላ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ፓይነራት ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምስ ተኻፈለት: ምስቶም መማህርታ ከም መንፈሳዊት ኣዲኣ ገይራ ኣፋለጠትኒ!”
ቪድዮን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን
ሓንቲ ካብተን ናይ ማሕበር ቪድዮ ካሴታት ንሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን መሬት ክትረክብ ሓገዛ። ኣርባዕተ ኣሕዋት መሬት ክገዝኡ ስለ ዝደለዩ ናብቲ ኦኖጂ ዝበሃል ባህላዊ ገዛኢ ናይቲ ከባቢ ቀረብዎ። 20, 000 ናይራ [$1,025 ዶላር] ዝኸፍሉሉ መሬት ድማ ኣፍቀደሎም። እታ ጉባኤ ክንድዚ ዝኣክል ክትከፍል ዓቕሚ ኣይነበራን: ምኽንያቱ ነቲ ውጥን 17 ኣስፋሕቲ ጥራይ ኢዮም ብገንዘብ ክድግፍዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ። እቲ ኦኖጂ ካልእ ቦታ ክሓስበሎም ምዃኑ ነገሮም።
ገለ ኣዋርሕ ጸኒሑ ሓደ ካብቶም ናይታ ጉባኤ ሸማግለታት ኣብ ቤት እቲ ኦኖጂ ክበጽሕ ከደ። እቲ ኦኖጂ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘውዲ ዝደፍኣሉ በዓል ዘርኢ ቪድዮ ይምልከት ነበረ። እቲ ሽማግለ ነቲ ኦኖጂ “ቪድዮ ካሴት ኣሎኒ። ናይ የሆዋ መሳኻኽር: ክንየው እቲ ስም ዘላ ማሕበር ዝብል ከኣ ኢዩ” በሎ።
ጸኒሑ እቲ ሸማግለ ብዛዕባ እታ ቪድዮ ካሴት እንታይ ከም ዝሓሰበ ነቲ ኦኖጂ ሓተቶ። እቲ ኦኖጂ “ነታ ፊልም ሓሙሸተ ግዜ ርእየያ” በለ። እቲ ሽማግለ ነቲ ኦኖጂ ብዛዕባ ኣብቲ ቪድዮ ዝረኣዮ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘኻኸሮ እሞ እታ ኣብቲ ዓዲ ዘላ ጉባኤ ድማ ንዕኡ ዝመሳሰል ክትሃንጽ ከም ዝደለየት ገለጸሉ። ቀጺሉ እታ ጉባኤ ምስቲ ድሮ ዝወነነቶ ቃጽዖ ዝዳወብ ገለ መሬት ክትዕድግ ትኽእል እንተኾይና ሓተቶ። እቲ ኦኖጂ “ዝሓለፈ ለይቲ ነታ ቪድዮ ምስ ረአኽዋ: ልክዕ ከምኡ ሓሲበ” በለ። ብኡንብኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ንብረት ናይታ ጉባኤ 6 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ መሬት ዓቀነ። “እዚ ክትወስድዎ ትኽእሉ ኢኹም። ንቑመቱ ድማ ዘድልየኩም ክተወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ሰነዳት ኣዳልወለይ እሞ ክፍርመሉ ኢየ” በለ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናይ 1994 ዓውደ ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኸር ተመልከት።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]
ሓጺር ጸብጻብ ሃገር
ናይ 1993 ዓመታዊ ኣገልግሎት
ዝለዓለ ቑጽሪ መሰኻኽር:- 174,582
መጠነ–ዝምድና:- 1 ምስክር ን 507
ተኣከብቲ ድራር ጐይታ:- 473,245
ገምጋም ፓይነር ኣስፋሕቲ:- 19,777
ገምጋም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ:- 242,028
ቍጽሪ ተጠመቕቲ:- 8,888
ቍጽሪ ጉባኤታት:- 3,289
ጨንፈር ቤት ጽሕፈት:- ከተማ በኒን: ሃገረ ኤዶ