ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/2 ገጽ 18-25
  • “ምልክት ምህላውካ እንታይ እዩ?”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ምልክት ምህላውካ እንታይ እዩ?”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም ሃዋርያት ክፈልጡ ደለዩ
  • “ሽዑ” መወዳእታ ይኸውን
  • ከምቲ ብትንቢት ዝተነግረ: ብዙሕ ነገራት ክስዕብ ነበሮ
  • ናበይ ኢዩ ዘምርሕ?
  • “እዚ ነገራት እዚ መኣስ ኪኸውን እዩ? እስኪ ንገረና”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • “እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ሃዋርያት፡ ምልክት ሓተቱ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ኣምላኽ ስጕምቲ ክወስድ ከሎ ክትድሕንዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/2 ገጽ 18-25

“ምልክት ምህላውካ እንታይ እዩ?”

“እዚ መኣዝ ኪኸውን ኢዩ? ትእምርቲ ምምጻእካን [ምልክት ምህላውካ ት.ሓ.ዓ. ] መወዳእታ ዓለምንከ [መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ት.ሓ.ዓ. ] እንታይ እዩ? ” — ማቴዎስ 24:3።

1, 2. ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ከም ዝግደሱ እንታይ መረድኢ ኣሎ?

መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ይግደሱ ኢዮም። ንስኻኸ ትግደስዶ? ፕሮፈሰር ኣልቪን ቶፍለ ኣብታ ፍዩቸ ሸክ (መጻኢ ምንቅጥቃጥ) ዘርእስታ መጽሓፉ “ብዛዕባ መጻኢ ግዜ መጽናዕቲ ንምክያድ ዝዓለማ ማሕበራት ብፍጥነት ይስስና ኣለዋ” በለ። ወሲኹ ድማ “ኣብ መጻኢ ግዜ ዘተኰራ ማሕበራት ክፍጠራ ርኢና: ከምኡውን ኣብ ኢንግላንድ: ፈረንሳ: ኢጣልያ: ጀርመንን ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካን ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ዝገልጽ መጽሔታት ክቀላቐል ይርአ ኣሎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲውን ናይ ግምት ወይ ትንቢት ትምህርትታት ይበዝሕ ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። ቶፍለ መደምደምታ ክህብ ከሎ “ርግጽዩ ዋላ ሓደኳ ነቲ መጻኢ ግዜ መሊኡ ‘ክፈልጦ’ ዝኽእል የልቦን” በለ።

2 እታ ሳይንስ ኦቭ ቲንግስ ቱ ካም (ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ነገራት ዝገልጽ ምልክታት) ዝተባህለት መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ብኣሰር ኢድ ጌርካ ምፍላጥ: ኣብ ክሪስታል ኣተኲርካ ምጥማት: ምቑጻር ከዋኽብቲ: ምንባብ ካርድ ከም በዓል የጂንግ ዝኣመሰለ ናይ ምብራቓውያን ናይ ጥንቆላ መጽሓፍ: መጻኢ ህይወትና እንታይ ሒዙልና ከም ዘሎ ገለ ሓሳብ ዝእምቱ ይብዛሕ ይውሓድ ሕልኽላኻት ዘለዎም ብልሃታት ኢዮም።” ኣብ ክንዲ ናብ ሰብኣዊ ሜላታት ምልጋስ ግን ኣብቲ ፍቱን ዝኾነ ምንጪ: ማለት ናብ የሆዋ እንተጠመትና ዝሓሸ ኢዩ።

3. ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ፍልጠት ክህልወና ንደሊ እንተ ኴንና ናብ ኣምላኽ ክንጥምት ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?

3 እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ከምዚ እናበለ ቃሉ ሃበ:- “ብሓቂ ኸምቲ ዝሓሰብኩዎ ኪኸውን: ከምቲ ዝመደብኩዎውን ኪቐውም እዩ።” (ኢሳይያስ 14:24, 27። 42:9) እወ የሆዋ ብዙሕ ግዜ ንደቅ ሰብ ብሰብኣውያን ኣፈኛታት ገይሩ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝፍጸም ምኽሪ ክህብ ክኢሉ ኢዩ። ሓደ ካብዞም ነብያት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እግዚኣብሄር [የሆዋ (ትሓዓ)] ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ አይገብርን እዩ።” — ኣሞጽ 3:7, 8። 2 ጴጥሮስ 1:20, 21።

4, 5. (ሀ) ብዛዕባ መጻኢ ዝምልከት: የሱስ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ሃዋርያቱኸ እንታይ ድርብ ሕቶ ኢዮም ዝሓተቱ?

4 የሱስ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ነብዪ ናይ ኣምላኽ ነበረ። (እብራውያን 1:1, 2) እስከ ኣብ ሓንቲ ካብተን ብዛዕባ እዚ ሕጂ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ ኵነታት ዝተነበዮ ቀንዲ ትንቢታቱ ገጽና ነተኵር። እዚ ትንቢት እዚ: እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ምስ ሓለፈን ኣምላኽ ድማ ብምድራዊት ገነት ገይሩ ምስ ተክኦን ብኡብኡ እንታይ ክፍጸም ከም ዘለዎን ንኸነስተውዕል ይሕግዘና ኢዩ።

5 የሱስ ነብዪ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ መርትዖ ሂቡ ኢዩ። (ማርቆስ 6:4። ሉቃስ 13:33። 24:19። ዮሃንስ 4:19። 6:14። 9:17) ስለዚ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ማዕዶ የሩሳሌም ተቐሚጡ ኸሎ ሃዋርያቱ “እዚ መኣዝ ክኸውን እዩ: ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ?” ኢሎም ምሕታቶም ርዱእ ኢዩ። — ማቴዎስ 24:3። ማርቆስ 13:4።

6. ኣብ መንጎ ማቴዎስ 24። ማርቆስ 13 ከምኡውን ሉቃስ 21 እንታይ ዝምድና ኢዩ ዘሎ? ኣየናይ ሕቶኸ ኢዩ ኣዝዩ ከገድሰና ዝግብኦ?

6 ሕቶኦምን ናይ የሱስ መልስን ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ማርቆስ 13 ከምኡውን ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 21 ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።a ብብዙሕ መገድታት እቲ ጸብጻብ ንሓድሕዱ ዝደጋገፍ ኢዩ: ይኹን እምበር ሓደ ዓይነት አይኰነን። ንኣብነት: ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሉቃስ ጥራይ ኢዩ: “ኣብ በቦታኡ ፌራ ክኸውን እዩ” ዝበለ። (ሉቃስ 21:10, 11። ማቴዎስ 24:7። ማርቆስ 13:8) የሱስ ዝንበየሉ ዝነበረ ኵነታት ሰማዕቱ ብህይወቶም ከለዉ ዝፍጸም ነገራት ድዩ ነይሩ: ወይስ ነዚ ግዜናን ኣብ መጻኢ ግዜ እንርእዮ ነገራትን ኣብኡ ሓዊስዎ ኢዩ? ኢልና ክንሓትት ምኽንያታዊ እዩ።

እቶም ሃዋርያት ክፈልጡ ደለዩ

7. ሃዋርያት ብፍላይ ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ዝሓተቱ? ግን እቲ ናይ የሱስ መልሲኸ ከመይ ዝበለ መጠን ወይ ስፍሓት ነበሮ?

7 ሒደት መዓልታት ቀቅድሚ ምቕታሉ: የሱስ ነታ መናገሻ ከተማ ኣይሁድ ዝኾነት የሩሳሌም ኣምላኽ ከም ዝነጸጋ ገለጸ። እታ ከተማን እቲ ዓቢ መቕደሳን ክጠፍኡ ምዃኖም ሓበረ። በዚ ምኽንያትዚ ኸኣ ኢዮም ገለ ካብቶም ሃዋርያት ‘ምልክት ህላዌ የሱስን መወዳእታ ዓለምን: እንታይ ከም ዝኸውን’ ዝሓተቱ። (ማቴዎስ 23:37–24:3) ብዘይጥርጥር ከኣ ብመጀመርያ ኣብ ኣእምሮኦም ዝመጸ እቲ ናይ ኣይሁድ ስርዓትን የሩሳሌምን ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ስፍሓት ናይቲ ክመጽእ ዝነበሮ ኵነታት ኣይተገንዘብዎን። የሱስ ክምልሸሎም ከሎ ግን ክንየው እቲ ክሳዕ 70 ከ.ኣ.ዘ. የሩሳሌም ብሮማውያን ዝተደምሰሰትሉ ግዜ ክፍጸም ዝነበሮ ኵነታት ኢዩ መሊሹሎም። — ሉቃስ 19:11። ግብሪ ሃዋርያት 1:6, 7።

8. ገለ ካብቲ የሱስ ዝተዛረበሉ ፍጻሜታት እንታይ ኢዩ?

8 ኣብቲ ሰለስቲኡ ጸብጻባት ወንጌል ከተንብቦ ከም እትኽእል: የሱስ ብዛዕባ ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲ ናብ መንግስቲ ምል ዓልን: ዋሕዲ መግብን ምንቅ ጥቃጥ ምድርን ዘፍርህ ትር ኢታትን ሰማያዊ ምልክታትን ተዛረበ። ኣብ መንጐ እቲ የሱስ ነቲ ምልክት ዝሃበሉ ግዜን (33 ከ.ኣ.ዘ.) የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ግዜ (66–70 ከ.ኣ.ዘ.) ዘሎ ዓመታት: ናይ ሓሶት ነብያትን ናይ ሓሶት መሲሓትን ክለዓሉ ነበሮም። ኣይሁድውን ነቶም ንመልእኽቲ የሱስ ዝሰብኩዎ ዝነበሩ ክር ስትያናት ከሳጕግዎም ነበሮም።

9. ናይ የሱስ ትንቢት: ከመይ ኢሉ ኢሉ ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ፍጻሜ ክረክብ ዝኸኣለ?

9 እዚ ክፍልታት ናይዚ ምልክት እዚ ከምቲ ጸሓፍ ዛንታ ጆሰፉስ ፍላቭዩስ ኣረጋጊጽዎ ዘሎ ብርግጽ ተፈጺሙ ኢዩ። እቶም ሮማውያን ቅድሚ ምጥቅዖም: ሓሰውቲ መሲሓት ነቲ ዕልወት ከም ዘለዓዓልዎ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ይሁዳን ካልእ ቦታታትውን ዘስካሕክሕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይ ሃጸይ ሮሜ ኸኣ ውግእ ተላዕለ። ከቢድ ጥሜትከ ነይሩዶ? እወ ብርግጽ ነይሩ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 11:27–30 ኣነጻጽሮ) ብዛዕባ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽከ? መጽሓፍ ቈሎሴ ብ60 ወይ ብ61 ከ.ኣ.ዘ. ክትጸሓፍ ከላ: “እቲ ተስፋ ናይቲ ብስራት” መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፍሪቃ: እስያን ኤውሮጳን ብሰፊሑ ተሰሚዑ ነበረ።b — ቈሎሴ 1:23።

“ሽዑ” መወዳእታ ይኸውን

10. ነታ ቶቴ ዝተባህለት ናይ ግሪኽ ቃል ከነስተብህለላ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና? ትርጕማኸ እንታይ ኢዩ?

10 ኣብ ገለ ክፍልታት ናይ ትንቢቱ የሱስ ነቲ ፍጻሜታት: ብተኸታታሊ ከም ዝፍጸም ገይሩ ኢዩ ኣቕሪብዎ ዘሎ። ንሱ “እዚ ወንጌል [ብስራት ት.ሓ.ዓ.] መንግስቲ  . . . ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” ናይ እንግሊዝኛ መጽሐፍ ቅዱሳት መብዝሕትኡ ግዜ ነታ “ሽዑ” እትብል ቃል “ምእንትዚ” ወይ “እንተኾነ ግን” ብዝብል ቀሊል ትርጉም ኢዮም ዘዘውትርዋ። (ማርቆስ 4:15, 17። 13:23) ዝኾነ ኾይኑ ግን እታ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዘላ “ሽዑ” እትብል ቃል: ኣብታ ቶቴ እትብል ናይ ግሪኽ ተውሳኽ ግሲ ዝተመስረተት ኢያ።c ናይ ግሪኽ ምሁራት እታ ቶቴ እትብል ቃል “ንሓደ ስዒቡ ዝመጽእ ግዜ” ወይ “ንሓደ ተኸቲሉ ዝመጽእ ፍጻሜ” ከተመልክት እትዝውተር “ገላጺት ናይ ግዜ ተውሳኽ ግሲ” ኢያ ኢሎም ይገልጹ። ስለዚ የሱስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ስብከት ክስበኽ እሞ ሽዑ (“ብድሕርዚ” ወይ “ስዒቡ”) “መወዳእታ” ከም ዝመጽእ ኢዩ ዝተነበየ። ኣየናይ መወዳእታ?

11. ከመይ ኢሉ የሱስ ኣብቲ ብቐጥታ ምስ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝተተሓሓዘ ኵነታት ዘተኰረ?

11 ሓደ ፍጻሜ ናይ የሱስ ትንቢት ኣብቲ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ጥፍኣት ኣቢሉ ዘምርሐ ፍጻሜታት ክርከብ ይከኣል ኢዩ። እቲ የሱስ ዝተነበየሉ ውግኣትን: ምንቅጥቃጥ ምድርን ዋሕዲ መግቢ ወዘተ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት ኢዩ ተፈጺሙ። ይኹን እምበር: ካብ ማቴዎስ 25:15። ማርቆስ 13:14 ከምኡውን ሉቃስ 21:20 ጀሚርና ብዛዕባቲ ብቐጥታ ምስቲ ቀሪቡ ዝነበረ ዘይተርፍ ጥፍኣት ዝተኣሳሰረ ፍጻሜታት ኢና እነንብብ: እዚ ድማ እቲ ጥፍኣት ኣብ ድርኩኺት ማዕጾ ቀሪቡ ከም ዝነበረ ዘመልክት ኢዩ። ኣብቲ ቻርት ነተን ንጽል መስመር ነጥቢ ዘለወን ኣስተብህለለን።

12. ሰራዊት ሮማውያን ከመይ ኢሎም ኢዮም ኣብ ፍጻሜናይ ማቴዎስ 24:15 እትዋት ኰይኖም ዝነበሩ?

12 ነቲ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ዝተገብረ ናይ ኣይሁድ ሽፍትነት ንምምላሽ: ሮማውያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሰስቲዩ ጋልስ ኰይኖም ነታ ኣይሁዳውያን ከም ቅድስቲ ዝቖጽርዋ ዝነበሩ ከተማ ከበብዋ። (ማቴዎስ 5:35) ኣይሁዳውያን ክከላኸሉኳ እንተፈተኑ: ሮማውያን ደፊኦም ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ኣተዉ። እቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 24:15 ከምኡውን ኣብ ማርቆስ 13:14 ዝተነበዮ ምእንቲ ክፍጸም ከኣ “ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ክቖሙ” ጀመሩ። ብድሕርዚ ኸኣ ሓደ ዘደንጹ ነገር ተፈጸመ። ሮማውያን ሽሕኳ ነታ ከተማ ከቢቦማ እንተነበሩ ብሃንደበት ደኣ ንድሕሪት ተመልሱ። ክርስትያናት ከኣ ነቲ ፍጻሜ ትንቢት ናይ የሱስ ብቕልጡፍ ተገንዘብዎ: እቲ ናይ ሮማውያን ንድሕሪት ምምላስ ከኣ ካብ ይሁዳ ናብ ኣኽራናት ስግር ዮርዳኖስ ንኽሃድሙ መገዲ ከፈተሎም። ታሪኽ ድማ ከምኡ ከም ዝገበሩ ይምስክር ኢዩ።

13. ክርስትያናት ነቲ ህደሙ ዝብል መጠንቀቕታ ናይ የሱስ ከቕልብሉ ዝኸኣሉ ስለምንታይ ኢዮም?

13 እንተኾነ ግን: ሮማውያን ካብ ከባቢ የሩሳሌም እንተወጺኦም ደኣ ምህዳም ስለምንታይ ኣድለየ? ናይ የሱስ ቃላት እቲ ሽዑ ዝተፈጸመ ኵነታት ‘ጥፍኣት የሩሳሌም ቀሪቡ ከም ዝነበረ’ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 21:20) እወ: ኣነ ዝበለ ጥፍኣት: ‘ከምዚ ዝበለ መከራ ካብ መጀመርታ ዓለም ከምኡ ኰይኑ ዘይፈልጥ ከቶ ድማ ዘይከውን’ ምዃኑ የሱስ ተነብዩ ኢዩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. የሩሳሌም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ጀነራል ቲቶስ ካብ ሰራዊት ሮማውያን “ዓቢ መከራ” በጽሓ። (ማቴዎስ 24:21። ማርቆስ 13:19) ስለምንታይ ኢዩ ግን የሱስ ነዚ መከራ እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ይኹን ብድሕሪኡ ዝመጽእ ዝዓቢ ከም ዝኾነ ገይሩ ዝገለጾ?

14. እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝተፈጸመ ኵነታት ቅድሚኡ ኰይኑ ዘይፈልጥ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ መከራ ዘይከውን ክንብል እንኽእለ ስለምንታይ ኢና?

14 የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ብባቢሎናውያን ተደርዒማ ነበረት: ኣብዚ ዘበንናውን እንተኾነ እታ ከተማ ዘስካሕክሕ ኲናት ኣሕሊፋ ኢያ። ገና ግን: እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝተፈጸመ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ዓቢ መከራ ኢዩ ነይሩ። ብድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ወፈራ: ናይ ቲቶስ ተዋጋእቲ: ንኣይሁድ ሰዓርዎም። ብግምት 1, 100, 000 ዝኣኽሉ ቀተሉ: ዳርጋ 100, 000 ዝኾኑ ኸኣ ንምርኮ ተወስዱ። ብተወሳኺ እቶም ሮማውያን ንየሩሳሌም ኣዕነዉዋ። እዚ ድማ እቲ ቀደም ተቐባልነት ዝነበሮ ኣብ ናይ ቤተ መቕደስ ኣምልኾ ተመስሪቱ ዝነበረ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ንሓዋሩ ከም ዘብቅዐ ዘረጋግጽ ፍጻሜ ኰነ። (እብራውያን 1:2) እወ እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝተፈጸመ ኵነታት ‘ካብ መጀመርታ ዓለም ጀሚሩ ከምኡ ዘይኰነ ከቶ ድማ ዘይከውን መከራ (ኣብታ ከተማ: ኣብቲ ህዝቢ: ኣብቲ ኣገባብ)’ ብልክዕ ተፈጺሙ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። — ማቴዎስ 24:21።d

ከምቲ ብትንቢት ዝተነግረ: ብዙሕ ነገራት ክስዕብ ነበሮ

15. (ሀ) የሱስ ብድሕሪ እቲ መከራ ናይ የሩሳሌም ከመይ ዝበለ ኵነታት ከም ዝመጽእ ኢዩ ዝተነበየ? (ለ) ብመሰረት ማቴዎስ 24:23–28: ብዛዕባ ፍጻሜ ናይ የሱስ ትንቢት እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድም እንኽእል?

15 ዝኾነ ኾይኑ: የሱስ ንትንቢቱ ኣብቲ ናይ ቀዳማይ ዘበን መከራ ጥራይ ኣይሓጸሮን። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:23 ከምኡውን ኣብ ማርቆስ 13:21 እታ ቶቴ ወይ “ብድሕርዚ” እትብል ቃል ኣመልኪታቶ ዘላ: መጽሐፍ ቅዱስ ከም ዝሕብረና: ደድሕሪ እቲ መከራ እቲ: ብዙሕ ነገራት ኢዩ ክስዕብ ተዋዲዱ ነይሩ። ኣብቲ ብድሕሪ 70 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ መዋእልከ ከመይ ዝበለ ኵነታት ክስዕብ ነበሮ? ብድሕሪ ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ዓቢ መከራ ምውራዱ: ብዙሓት ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ክቕልቀሉ ነበሮም። (ንማርቆስ 13:6 ምስ 13:21–23 ኣነጻጽሮ) ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ካብቲ የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝጠፍኣትሉ ግዜ ጀሚሮም ከም ዝተላዕሉ ታሪኽ የረጋግጾ ኢዩ። ነቶም ንቑሓት መንፈሳዊ ኣዒንቲ ሒዞም ነቲ “ምህላው” ክርስቶስ ክጽበዩ ዝጸንሑ ግን ከስሕትዎም ኣይከኣሉን። (ማቴዎስ 24:27, 28) ይኹን እምበር እዚ ብድሕሪ እቲ ናይ 70 ከ.ኣ.ዘ. ዓቢ መከራ ዝተራእየ ተኸታታሊ ፍጻሜታት: የሱስ ክንየው እቲ ሽዑ ዝነበረ ንኡስ ፍጻሜ ዝነበሮ ጸበባ ኣማዕድዩ ናብ ካልእ ዝዓበየ ይጥምት ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ።

16. ሉቃስ 21:24 እንታይ መዳይ ናይቲ ትንቢት ኢዩ ዝውስኽ: እዚኸ እንታይ ትርጕም ወይ ኣገዳስነት ኢዩ ዘለዎ?

16 ንማቴዎስ 24:15–28 ከምኡውን ማርቆስ 13:14–33 ምስ ሉቃስ 21:10–24 እንተደኣ ኣነጻጺርናዮ ናይ የሱስ ትንቢት ክንየው እቲ ጥፍኣት የሩሳሌም ሓሊፉ ተፈጻምነት ከም ዝነበሮ ዝእምተልና ካልኣይ ሓበሬታ ኢና እንረክብ። ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሉቃስ ንበይኑ ጥራይ ብዛዕባ ፌራ ከም ዝጠቐሰ ዘክር ኢኻ። ብተመሳሳሊ ንሱ ጥራይ ኢዩ ነዚ ክፋል እዚ “ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍጸም የሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገጽ ኢያ” ብዝብል ቃላት ናይ የሱስ ገይሩ ዝዛዝሞ።e (ሉቃስ 21:24) እቶም ባቢሎናውያን ነቲ ናይ መወዳእታ ዝነበረ ንጉስ ኣይሁድ ብ607 ቅኣዘ ኣልገስዎ: ብድሕሪኡ የሩሳሌም እታ ንመንግስቲ ኣምላኽ እትውክል ዝነበረት ከተማ ክትርገጽ ጀመረት። (2 ነገስት 25:1–26። 1 ዜና መዋእል 29:23። ህዝቅኤል 21:25–27) የሱስ ኣብ ሉቃስ 21:24 ኣምላኽ ሓንቲ መንግስቲ እንደገና ክሳዕ ዘቕውም እቲ ኵነታት ከምኡ ኢሉ ከም ዝቕጽል ኢዩ ዝሓበረ።

17. ናይ የሱስ ትንቢት ክሳዕ ርሑቕ መጻኢ ክበጽሕ ከም ዘለዎ ዘረድእ እንታይ ሳልሳይ መሐበሪ ኢዩ ዘሎና?

17 የሱስ ንርሑቕ ግዜ ዝፍጸም የመልክት ከም ዝነበረ ዝሕብር ሳልሳይ መሐበሪ እንሆ:- ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ መሲሕ ክመውትን ክትንስእን ክሳዕ ኣቦኡ ክገዝእ ዝሰዶ ኸኣ ኣብ የማን ኣምላኽ ክቕመጥ ነበሮ። (መዝሙር 110:1, 2) የሱስውን ኣብ የማን ኣቦኡ ብዛዕባ ምቕማጡ ኣውሲኡ ኢዩ። (ማርቆስ 14:62) ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ዝተንስአ የሱስ ኣብ የማን የሆዋ ኰይኑ: ንጉስን ብኣምላኽ ዝተመዘዘ ፈራድን ዝኾነሉ ግዜ ይጽበ ከም ዝነበረ ኣረጋገጸ። — ሮሜ 8:34። ቈሎሴ 3:1። እብራውያን 10:12, 13።

18, 19.ራእይ 6:2–8 ምስቲ ተመሳሳሊ ትንቢት ናይቲ ወንጌላት እንታይ ዝምድና ኢዩ ዘለዎ?

18 እቲ የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብዚ ዝተዛረቦ ትንቢት ካብ ነቲ ቀዳማይ ዘበን ሓሊፉ ንኻልእውን ከም ዘመልክት እትሕብረልና ራብዓይትን ናይ መደምደምታን ኣብ ራእይ ምዕራፍ 6 ክንግንጽል ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑ ድሕሪ 70 ከ.ኣ.ዘ. ብዛዕባ ሓደ ሓያል ትርኢት ናይ ኣርባዕተ ፍጡናት ፈረሰኛታት ብምግላጽ ጸሓፈ። (ራእይ 6:2–8) እዚ ብዛዕባ “መዓልቲ ጐይታ” ማለት መዓልቲ ህላዌኡ ዝዛረብ ትንቢታዊ ራእይ ነዚ መበል 20 ዘበንና ፍሉጥ ዝኾነ ውግእ ዝካየድሉ (ቍጽሪ 4) ኣብ ኵሉ ዝተዘርግሐ ዋሕዲ መግቢ (ቍጽሪ 5 ከምኡውን 6) “ቀታሊ ሕማም ፌራ” [ቁጽሪ 8 ት.ሓ.ዓ.] ዝረኣየሉ ግዜ ከም ዝኾነ ኢዩ ዝሕብር። ብርግጽ እዚ ምስቲ የሱስ ኣብቲ ወንጌላት ዝበሎ ዝመሳሰል ኢዩ: ከምኡውን እቲ ትንቢቱ ኣብዚ “መዓልቲ ጐይታ” ዝዓበየ ፍጻሜ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ኢዩ። — ራእይ 1:10።

19 ብዙሓት ፈላጣት ሰባት እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:7–14 ከምኡውን ኣብ ራእይ 6:2–8 ተነጊሩ ዝነበረ ዝተፈላለየ ክፍልታት ናይቲ ምልክት: ካብቲ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝተላዕለሉ ካብ 1914 ኣትሒዙ ከም ዝተገልጸ ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ የሱስ ትንቢት: ሕጂ እቲ ካልኣይን ዝዓበየን ፍጻሜኡ ይረክብ ከም ዘሎ በቲ ዝፍጸም ዘሎ ጭከና ዝመልኦ ውግኣት: ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝዩ ዘሕዝን ሳዕቤን ዘለዎ ጥሜትን ኣበየቦትኡ ዘሎ ሕማምን ተረጋጊጹ ከም ዘሎ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣዊጆም ኢዮም። ብዛዕባ እዛ ኣብ መወዳእታ ዝተጠቕሰት ሓሳብ ዩ.ኤስ.ኒውስ ኤንድ ወልድ ሪፖርት (27 ሓምለ: 1992) ከምዚ በለ:- “እቲ ሕማም ፌራ ዝኾነ ኤይድስ .  . . ንሚልዮናት ግዳያት ናብ ሞቶም ይብቍጾም ኣሎ: ብቕጽበት ድማ ከምኡ ዝበለ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክሳራን መቕዘፍትን ዘውርድ መዓት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ማእከላይ ዘበን ኣብ መበል 14 ዘበን ብላክ ደዝ (ጸሊም ሞት) ዝተባህለ ሕማም ፌራ 25 ሚልዮን ህዝቢ ቐተለ። ኣብ 2000 ዓመት ክንበጽሕ ከሎና ግን ካብ 30 ሚልዮን ክሳዕ 110 ሚለዮን ዝኣኽሉ ሰባት ካብዞም ሎሚ ዘለዉ ገለ 12 ሚልዮን ዝኾኑ ተሸከምቲ ናይ ጠንቂ ሕማም ኤይድስ ዝኾነ ሄች.ኣይ.ቪ. ቫይረስ ወሲዶም ክሽከምዎ ኢዮም። መድሃኒት ብዘይምህላው ከኣ ንኹሎም ሞት ኢዩ ዘጋጥሞም።

20. እቲ ናይ ማቴዎስ 24:4–22 ንኡስ ፍጻሜነየናይ ግዜ ኢዩ ዝሽፍን: ግን እንታይ ካልእ ፍጻሜኸ ኢዩ ብሩህ ኰይኑ ዘሎ?

20 እሞኸ ካብቲ የሱስ ነቲ ሕቶ ናይ ሃዋርያት ክምልሽ ከሎ ዝሃቦ ሓሳብ እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድም እንኽእል? እቲ ትንቢቱ: ናብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዘምርሕ ነገራትን ነቲ ዝወረደ ጥፍኣትን ኣጠቓሊሉ ብትኽክል ነጊሩ ኢዩ። ከምኡውን ገለ ብድሕሪ 70 ከ.ኣ.ዘ. ክፍጸም ዝነበሮ ነገራት ጠቒሱ እዩ። መብዛሕትኡ ካብዚ ነገራት እዚ ግን ኣብ መጻኢ ግዜ ኣብቲ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ መወዳእታ ዝገብረሉ ዓቢ መከራ ገጹ ዘምርሕ: ካልአይን ዝዓበየን ፍጻሜ ክህልዎ ነበሮ። እዚ ማለት ከኣ: እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:4–22 ከምኡውን እቲ ምስኡ ዝመሳሰል ኣብ ማርቆስን ሉቃስን ዘሎ ናይ የሱስ ትንቢት ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ክሳዕ 70 ከ.ኣ.ዘ. ክፍጸም ጀሚሩ ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር እዘን ጥቕስታት እዚኣተን: ነቲ ኣብ መጻኢ ክፍጸም ዘለዎ ዝዓበየ ካልኣይ ፍጻሜ ዘመልክታ ድማ ኢየን። እዚ ዝሰፍሐ ፍጻሜ አዚ ሕጂ ምሳና ዘሎ ኢዩ። መዓልቲ–መዓልቲ ድማ ክንርእዮ ንኽእል ኢና።f

ናበይ ኢዩ ዘምርሕ?

21, 22. ካልአ ተወሳኺ ኵነታት ክስዕብ ከም ዝነበሮ ዝእምት ትንቢታዊ መሐበሪኸ ኣበይ ኢና እንረክብ?

21 የሱስ ንትንቢቱ ኣብቲ ‘ዘመናት ኣህዛብ ቅድሚ ምፍጻሙ’ ነዊሕ ዝጸንሐ ግዜ: ዘስሕት ትእምርቲ ዝገብሩ ነብያት ሓሶት ክለዓሉ ምዃኖም ብምጥቃስ ኣይደምደሞን። (ሉቃስ 21:24። ማቴዎስ 24:23–26። ማርቆስ 13:21–23) ቀጺሉ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክርአ ዘለዎ ዘደንጹ ነገራት ክፍጸም ከም ዘለዎ ገለጸ። እዚ ኸኣ ምስቲ ናይ ወዲ ኣምላኽ ብሓይልን ብኽብርን ምምጻእ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ኢዩ። ማርቆስ 13:24–27 ናይቲ ዝቐጸለ ትንቢቱ ዘመልክት ኢዩ።

22 “በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምት: ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁ: ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኺመጽእ ከሎ: ኪርእይዎ እዮም። ሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኺልእኮም: ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት: ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ።”

23. ማቴዎስ 24:29–31 ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ነዊሕ ጸኒሑ ክፍጸም እንጽበዮ ስለምንታይ ኢና?

23 ወዲ ሰብ: ማለት እቲ ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ: ደድሕሪ እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝጠፍኣሉ: ብኸምዚ ዝበለ ዓቢ ምርኢት ዘለዎ ኣገባብ አይመጸን። ብርግጽ ከኣ: ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:30 ተገሊጹ ዘሎ: ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኣየለለይዎን: ከምኡውን እቶም ሰማያውያን መላእኽቲ ንኹሎም እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት: ካብ ኵላ ምድሪ ኣይኣከብዎምን። እሞ እዚ ተወሳኺ ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ትንቢት ናይ የሱስ ደኣ መኣስ ኢዩ ፍጻሜኡ ዝረክብ? ኣብዚ ሕጂ ኣብ ግዜና ዝካየድ ዘሎ ነገራትዶ ፍጻሜኡ ይረክብ ኣሎ: ወይስ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ክፍጸሙ ክንጽበዮም እንኽእል ነገራት ከም ዘለዉ ንኽንርዳእ መለኮታዊ ምስትውዓል ይህበና ኢዩ? ብርግጽ ክንፈልጥ ከድልየና ኢዩ: ከመይሲ ሉቃስ ንምዕዶ ናይ የሱስ መዝጊብዎ ኣሎ:- “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ።” — ሉቃስ 21:28።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ክፍልታት ናይዚ ምዕራፋት እዚ: ኣብቲ ኣብ ገጽ 24ን 25 ዘሎ ቻርት ክርከብ ይከኣል ኢዩ። እቲ ሕንጻጻት መፍለዪ ናይቲ ተመሳሳሊ ክፍልታት ኢዩ።

b ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይዚ ፍጻሜታት እዚ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ናይ 15 ጥሪ 1970 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 43–5 ርአ።

c ቶቴ ኣብ ማቴዎስ ልዕሊ 80 ግዜ (9 ግዜ ኣብ ምዕራፍ 24) 15 ግዜ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ሉቃስ: ትርከብ። ማርቆስ ንቶቴ ሽዱሽተ ግዜ ጥራይ ተጠቒሙላ ኣሎ: 4 ካብኣቶም ግን “ነቲ ምልክት” ዘመልክቱ ኢዮም።

d ማቲው ሄንሪ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ደራሲ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ “የሩሳሌም: ብኢድ ከለዳውያን ክትጠፍእ ከላ ዘስካሕክሕ ኢዩ ነይሩ: እዚ ግን ካብኡ ዝተዓጻጸፈ ኢዩ። ብሓፈሻ ንኹሎም ኣይሁድ ንምሕራድ ዝተሃንደደ ኢዩ ነይሩ” ይብል።

e ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ ድሕሪ ሉቃስ 21:24 ፍልይ ዝበለ ኣዘራርባ ከም ዘሎ ተዓዚቦም ኢዮም። ዶ/ር ሊየን ሞሪስ ከምዚ ይብል:- “የሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ ዘመናት ኣህዛብ ይዛረብ። ከም ሓሳብ ናይ ብዙሓት ምሁራት ሕጂ እቲ ኣቓልቦ ናብ ምምጻእ ናይ ወዲ ኣምላኽ ዘተኰረ ኢዩ። ” ፕሮፈሶር ኣር ጊንስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- ምምጻእ ናይ ወዲ ኣምላኽ (ማቴዎስ 24:29–31። ማርቆስ 13:24–27) እቲ “ዘመናት ኣህዛብ” ዝብል ቃል ምጥቃሱ: ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ገጹ ዘምርሕ መእተዊ ኢዩ። እቲ ናይ ሉቃስ ትርኢት ክንየው እቲ ጥፍኣት የሩሳሌም ንመጻኢ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ።

f ፕሮፌሰር ዎልት ሊፍልድ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ናይ የሱስ ትንቢት ንኽልተ እዋናት ዘወሃሃደ ምዃኑ ምግማት ይከኣል ኢዩ:- (1) እቲ ብ70 ድ.ል.ክ. ዝተፈጸመ ነታ መቕደስ ዝምልከት (2) እቶም ብናይ ራእያት ቃላት ተገሊጾም ዘለዉ ንርሑቕ መጻኢ ዘመልክቱ።” እቲ ብጆን ኣር ድምሎ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “ጐይታና: ንሓደ ፍጻሜ ዘይኰነስ ንኽልተ ፍጻሜታት ከመልክት ከም ዝተዛረበ እቲ ቐዳማይ ከኣ ናይቲ ካልኣይ ጽላሎት ምዃኑ እንተደኣ ተገንዚብና መብዝሕትኦም ብዛዕባ እዚ ዓቢ መደረ እዚ ክልዓሉ ዝኽእሉ ኣዝዮም ከበድቲ ግድላት ይፍትሑ ኢዮም። . . .  ብፍላይኳ እታ ብዛዕባ “ዘመናት ኣህዛብ” እትዛረብ ሉቃስ 21:24 . . .  ኣብ መንጐ ውድቀት የሩሳሌምን መወዳእታ ዓለምን: ሓደ ዘይተወሰነ ግዜ ከም ዘሎ ኢያ እትዛረብ።

ትዝክሮዶ?

◻ እቲ የሱስ ንሕቶ ናይ ማቴዎስ 24:3 ዝሃቦ መልሲ እንታይ ኣብ 70 ከ.ኣ.ዘ. ዘምርሕ ፍጻሜ ኢዩ ነይርዎ?

◻ ኣጠቓቕማ ናይታ ቶቴ እትብል ቃል: ከመይ ገይሩ ኢዩ ንትንቢት ናይ የሱስ ክንርድኦ ዝድግፈና?

◻ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘበን ዝነበረ “ዓቢ መከራ” በየናይ መገዲ ኢዩ ከምኡ ዝበለ ቅድሚኡ ተፈጺሙ ዘይፈልጥ ዝበሃል?

◻ ሉቃስ ንኸመይ ዝበሉ ሎሚ ንዓና ዘገድሱ ክልተ ፍሉያት መዳያት ኢዩ ዘመልክት?

◻ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:4–22 ዘሎ ትንቢት ካልኣይን ዝዓበየን ፍጻሜ ከም ዘለዎ ዘመልክቱ እንታይ መሐበሪታት ኢዮም ዘለዉ?

[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ሰሌዳ]

ማቴዎስ 24

4 የሱስ መሊሱ በሎም: ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 5 ኣነ ክርስቶስ እየ: እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ: ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። 6 ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ: ኣይትሰምብዱ: እዚ ኵሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ: ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።

7 ህዝቢ ናብ ህዝቢ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። 8 እዚ ኹሉ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።

9 ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትልኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኩሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። 10 ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ብዙሓት ኪዕንቅፉ: ንሓድሕዶምውን ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጸላልኡ እዮም። 11 ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ: ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። 12 ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ: ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ክትዝሕል እያ። 13 እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ [ዝጽመም ት.ሓ.ዓ. ] ግና ኪድሕን እዩ። 14 እዚ ወንጌል [ብስራት ት.ሓ.ዓ. ] መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።

_____________________________________________________________________________________________

15 እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት [ጥፍኣት ዘምጽእ ጽዩፍ ነገር ት.ሓ.ዓ.] ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ እንተ ርኤኹም:  — እቲ ዘንብብ የስተውዕል: —  16 ሸዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። 17 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኪማላእ አይውረድ። 18 ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 19 በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። 20:21 ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ.] መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ: እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። 22 እተን መዓልትታት እቲአን እንተ ዘይሓጽራስ፣ ስጋ ዝለበሰ ኹሉ ኣይምደሓነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሓጽራ እየን።

___________________________________________________________________________________________

23 ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ገለ፤ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ: እንተ በለኩም: አይትእመንዎ። 24 ናይ ሓሶት መሲሓትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፣ እንተ ተኻእሎምሲ: ነቶም ሕሩያት እኳ ኬስሕቱ፣ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። 25 እንሆ: ኣቐዲመ ነገርኩኹም። 26 እንሆ: ኣብ በረኻ ኣሎ: እንተ በሉኹም: ኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት ኣሎ: እንተ በሉኹምውን ኣይትእመኑ። 27 በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፣ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 28 ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፣ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም።

_______________________________________________________________________________________________

_______________________________________________________________________________________________

29 ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት: ወርሒውን ብርሃና አይክትህብን እያ፣ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፣ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። 30 ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ትእምርቲ [ምልክት ት.ሓ.ዓ.] ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ: ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ድማ ኹሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ክርእይዎ እዮም። 31 ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፣ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም።

ማርቆስ 13

5 የሱስ ከኣ ኪብሎም ጀመረ፤ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 6 ብዙሓት ኣነ እየ: እናበሉ ብስመይ ኪመጹ እዮም። ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። 7 ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩም አይትሸበሩ: እዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ: ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።

8 ህዝቢ ናብ ሀዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ እሞ: በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን: ጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።

9 ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም: ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም: ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ: ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 10 ቅድም ንኹሎም ኣህዛብ ብስራት ክስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። 11 መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር: ንስኻትኩም አይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ: ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ምስ ወሰዱኹም: እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ: እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚወሃበኩም ደኣ ተዛረቡ። 12 ሓው ንሓዉ: ወላዲ ንውሉዱ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ። ውሉድውን ናብ ወለዶም ተንሲኦም ኺቐትልዎም እዮም። 13 ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ። እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ [ዝጽመም ት.ሓ.ዓ. ] ግና: ንሱ ኪድሕን እዩ።

______________________________________________________________________________________

14 እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት [እቲ ጥፍኣት ዘምጽእ ጽዩፍ ነገር ት.ሓ.ዓ. ] ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቖይሙ እንተ ርኤኹም፣ — እቲ ዘንብብ የስተውዕል፣ — ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። 15 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ አይውረድ አይእቶውን። 16 ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት አይመለስ 17 በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። 18:19 ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ: ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቐነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ: ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። 20 እተን መዓልትታት እቲአን እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] እንተ ዘየሕጽረንሲ: ስጋ ዝለበሰ ኹሉ ኣይምደሓነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሓረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን።

_______________________________________________________________________________________________________

21 ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ሓደ እኳ፤ ክርስቶስ ኣብዚ እንሆ፣ ወይስ ኣብቲ ኣሎ እንተ በለኩም: አይትእመኑ። 22 ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፣ እንተ ተኻእሎምሲ፣ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። 23 ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ: ኣቐዲመ ኵሉ ነገርኩኹም።

_________________________________________________________________________________________________

__________________________________________________________________________________________________

24 በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ [በተን፣ መዓልታት እቲአን፣ ድሕሪ እቲ መከራ እቲ ት.ሓ.ዓ.] ጸሓይ ክትጽልምት፣ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። 25 ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁ፣ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። 26 ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኺመጽእ ከሎ: ኪርእይዎ እዮም። 27 ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ኸኣ ንመላእኽቱ ኺልእኮም፣ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ።’”

ሉቃስ 21

8 ንሱ ኸኣ: ኣነ እየ: እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ: እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፣ ደድሕሪኦም ኣይትስዐቡ: ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ። 9 ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩም: ኣይትሰንብዱ። እዚ ቕድም ኪኸውን ብግዲ እዩ እሞ: መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ በለ።

10 ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ] በሎም፤ ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ። 11 ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን: ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።

12 ቅድሚ ኹሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም: ናብ ነገስታትን ሹማምትን ኬብጽሑኹም እዮም። 13 እዚ ንምስክር ኪኾነኩም እዩ። 14:15 ኣነ ንኹሎም መኻራኽርትኹም ምቅ ዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ: ስለዚ ኸመይ ከም እትመልሱ: ቅድም ከይትሓልዩ [ኣቐዲምኩም ከይትለማመዱ ት.ሓ.ዓ.] ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። 16 ወላድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህቡኹም: ካባኻ ትኩምውን ንሓያሎ ኪቐትሉ እዮም። 17 ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ክጸልኣኩም እዩ። 18 ግናኸ ካብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። 19 ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም።

__________________________________________________________________________________________

20“‘የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ ] ጥፍኣታ ከም ዝቐረበ ፍለጡ። 21 ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ: ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ: ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ አይእተዉ። 22 እዚ፣ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኺፍጸምሲ ወርሓት ሕነ እዩ። 23 በተን መዓልትታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ኪኸውን እዩ እሞ: ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ መዓት ኪወርድ እዩ። 24 ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፣ ናብ ኵሎም ኣህዛብውን ኪማረኹ እዮም።

_________________________________________________________________________________________________

ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም የሩሳሌም በህዛብ ክትርገጽ እያ።

__________________________________________________________________________________________________

___________________________________________________________________________________________________

25 ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ [ምልክት ት.ሓ.ዓ.] ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፣ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። 26 ሓይሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፣ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ። 27 ሽዑ [ብድሕርዚ ት.ሓ.ዓ. ] ንወዲ ሰብ: ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፣ ኪርእይዎ እዮም። 28 እዚ ምዃን ምስ ጀመረ፣ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፣ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝተፈጸመ ጸበባ: ኣብ የሩሳሌምን ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብን ቅድሚኡ ተፈጺሙ ዘይፈልጥ ኢዩ ነይሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ