እግረ ጽሑፍ
f ፕሮፌሰር ዎልት ሊፍልድ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ናይ የሱስ ትንቢት ንኽልተ እዋናት ዘወሃሃደ ምዃኑ ምግማት ይከኣል ኢዩ:- (1) እቲ ብ70 ድ.ል.ክ. ዝተፈጸመ ነታ መቕደስ ዝምልከት (2) እቶም ብናይ ራእያት ቃላት ተገሊጾም ዘለዉ ንርሑቕ መጻኢ ዘመልክቱ።” እቲ ብጆን ኣር ድምሎ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “ጐይታና: ንሓደ ፍጻሜ ዘይኰነስ ንኽልተ ፍጻሜታት ከመልክት ከም ዝተዛረበ እቲ ቐዳማይ ከኣ ናይቲ ካልኣይ ጽላሎት ምዃኑ እንተደኣ ተገንዚብና መብዝሕትኦም ብዛዕባ እዚ ዓቢ መደረ እዚ ክልዓሉ ዝኽእሉ ኣዝዮም ከበድቲ ግድላት ይፍትሑ ኢዮም። . . . ብፍላይኳ እታ ብዛዕባ “ዘመናት ኣህዛብ” እትዛረብ ሉቃስ 21:24 . . . ኣብ መንጐ ውድቀት የሩሳሌምን መወዳእታ ዓለምን: ሓደ ዘይተወሰነ ግዜ ከም ዘሎ ኢያ እትዛረብ።