እግረ ጽሑፍ
e ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ ድሕሪ ሉቃስ 21:24 ፍልይ ዝበለ ኣዘራርባ ከም ዘሎ ተዓዚቦም ኢዮም። ዶ/ር ሊየን ሞሪስ ከምዚ ይብል:- “የሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ ዘመናት ኣህዛብ ይዛረብ። ከም ሓሳብ ናይ ብዙሓት ምሁራት ሕጂ እቲ ኣቓልቦ ናብ ምምጻእ ናይ ወዲ ኣምላኽ ዘተኰረ ኢዩ። ” ፕሮፈሶር ኣር ጊንስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- ምምጻእ ናይ ወዲ ኣምላኽ (ማቴዎስ 24:29–31። ማርቆስ 13:24–27) እቲ “ዘመናት ኣህዛብ” ዝብል ቃል ምጥቃሱ: ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ገጹ ዘምርሕ መእተዊ ኢዩ። እቲ ናይ ሉቃስ ትርኢት ክንየው እቲ ጥፍኣት የሩሳሌም ንመጻኢ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ።