ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/14 ገጽ 8-9
  • ገንዘብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገንዘብ
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧
  • ገንዘብ ንምንታይ ይጠቅም፧
  • ንገንዘብ ብጥበብ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
  • ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
    ንቕሑ!—2015
  • ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክትሕዝ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 3/14 ገጽ 8-9
ኣብ ሓደ ኽፍሊ እተቐመጠ ገንዘብ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ገንዘብ

ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧

“ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት እዩ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:10።

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ሱር ኵሉ ኽፍኣት፡” ገንዘብ ዘይኰነስ፡ “ፍቕሪ ገንዘብ” እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ሃብታም ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ ገንዘብ ንዜፍቅሩ ሰባት ዜጋጥሞም ሰለስተ ዓይነት ክፉእ ነገራት ጠቒሱ ኣሎ። ጭንቀት ይሕዘካ፦ “ንሃብታም . . . ጽጋቡ ኣየደቅሶን።” (መክብብ 5:12) ብዘሎካ ኣይትዓግብን፦ “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን።” (መክብብ 5:10) ሕጊ ኽትጥሕስ ትፍተን፦ “እቲ ኺህብትም ኢሉ ዚህወኽ . . . ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።”—ምሳሌ 28:20።

ገንዘብ ንምንታይ ይጠቅም፧

“ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ።”—መክብብ 7:12።

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገንዘብ፡ ቅሳነትን ሓጐስን የምጽኣልካ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ገንዘብ፡ ሓጐስን ቅሳነትን ከም ዚዕድግ ዚገልጽ ጽውጽዋይ፡ ክፍሊ “ምትላል ሃብቲ” እዩ። (ማርቆስ 4:19) ግናኸ፡ “ኵሉውን ብቕርሺ እዩ ዚዕደግ።” (መክብብ 10:19) ንኣብነት፡ ከም እኒ ምግብን መድሃኒትን ዝኣመሰለ ንኽትነብር ዜድልየካ ነገራት፡ ብገንዘብ እዩ ዚዕደግ።—2 ተሰሎንቄ 3:12።

ገንዘብ፡ ስድራ ቤትካ ንኽትኣሊ እውን ይሕግዘካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ኸኣ ንቤተ ሰቡ ዘይናቢ እንተ ዀይኑ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብቲ ዘይኣምን እውን ዝገደደ እዩ” ይብል።—1 ጢሞቴዎስ 5:8።

ንገንዘብ ብጥበብ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

“መን ካባኻትኩምከ እዩ . . . ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧”—ሉቃስ 14:28።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ንገንዘብ፡ ስምረት ኣምላኽ ብዜውህብ መገዲ ተጠቐመሉ። (ሉቃስ 16:9) ብተኣማንነትን ብቕንዕናን እንተ ተጠቒምካሉ፡ ጥበባዊ እዩ። (እብራውያን 13:18) ልዕሊ ዓቕምኻ ምእንቲ ኸይትነብር፡ ነቲ፡ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን” ዚብል ምኽሪ ዕየየሉ።—እብራውያን 13:5።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዕዳ ዘይኵንን እኳ እንተ ዀነ፡ “ተለቃሒ . . . ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ” ዚብል መጠንቀቕታ ግና ይህብ እዩ። (ምሳሌ 22:7) “እቲ ዚህወኽ ዘበለ . . . ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ” ስለ ዚብል እውን፡ ብስምዒት ተደፊእካ ኣይትዓድግ። (ምሳሌ 21:5) ነቲ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ የቐምጥ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ፡ ንኣገዳሲ ነገር ዚዀነካ ገንዘብ ኣዋህልል።—1 ቈረንቶስ 16:2።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሃቡ” ብምባል የተባብዓና እዩ። (ሉቃስ 6:38) ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ዚደልዩ ሰባት፡ ለጋሳት ኪዀኑ ኣለዎም፣ ምኽንያቱ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ።” (2 ቈረንቶስ 9:7) ስለዚ፡ ‘ሰናይ ምግባርን ዘሎካ ምምቓልን ኣይትረስዕ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ባህ ይብሎ እዩ።’—እብራውያን 13:16።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ