ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/14 ገጽ 10-11
  • ናብ ኤል ሳልቫዶር እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ኤል ሳልቫዶር እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2014
ንቕሑ!—2014
g 3/14 ገጽ 10-11
ኤል ሳልቫዶር

ሃገራትን ህዝብታትን

ኤል ሳልቫዶር ናብ ኤል ሳልቫዶር እተገብረ ምብጻሕ

ካርታ ኤል ሳልቫዶር

ዳርጋ 500 ዓመት ይገብር፡ ስጳኛውያን ናብዛ ሕጂ ኤል ሳልቫዶር እትብሃል ዘላ ሃገር ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ዓብለልቲ ዓሌት ንኽሎም፡ “ኩስካትላን” ኢሎም ሰመይዎ፣ ትርጕሙ ድማ “ምድሪ ዕንቊ” ማለት እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ዘርኢ እቶም ደቀባት ዝዀኑ ዓሌታትን ዘርኢ እቶም ካብ ኤውሮጳ ዝፈለሱን እዮም።

ተቐማጦ ኤል ሳልቫዶር ህርኩታትን ምቕሉላትን ወራዙትን ኣኽበርቲ ሰብን እዮም። ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሮም ወይ ናብ ጕዳዮም ቅድሚ ምእታዎም ከኣ፡ “ብወኖስ ድያስ” (ከመይ ሓዲርኩም፧) ወይ ከኣ “ብወናስ ታርደስ” (ከመይ ውዒልኩም፧) ብምባል ብትሕትና እዮም ሰላምታ ዜቕርቡ። አረ እቶም ኣብ ገጠርን ኣብ ንኣሽቱ ኸተማታትን ዚነብሩ ተቐማጦ ኤል ሳልቫዶርሲ፡ ንሓላፍ መገዲ ሰላም ከይበልካ ረጊጽካዮ ምሕላፍ፡ ከም ነውሪ እዮም ዚቘጽርዎ።

ሓንቲ ሰበይቲ ቡን ክትኣሪ ኸላ

ኤል ሳልቫዶር ብምፍራይ ቡን ትፍለጥ

ሓደ ኻብቲ ተቐማጦ ኤል ሳልቫዶር ብዝያዳ ዚፈትውዎ ምግቢ፡ ፑፑሳ እዩ። እዚ ምግቢ እዚ፡ ብዕፉን (ወይ ብሩዝ) እተሰርሐ ባኒ ዀይኑ፡ ኣብ ማእከሉ ጅብናን ባልደንጓን፡ ከምኡ ድማ ስጋ ሓሰማ ወይ ካልእ ነገራት ኣእቲኻ እዩ ዚዳሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ምስ ስልስን ምስ ኩርቲዶን እዩ ዚቐርብ። ኩርቲዶ፡ ካውሎን ካሮትን ሽጕርትን እተቓመመ ኣቸቶን ኣወሃሂድካ ዚዳሎ ምግቢ እዩ። ገሊኣቶም ፑፑሳ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ካራን ፋርኬታን ዚጥቀሙ እኳ እንተ ዀኑ፡ ባህላዊ ኣመጋግባ ፑፑሳ ግና ብኢድ እዩ።

ፑፑሳ

ፑፑሳ ሓደ ኻብቲ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ህቡብ ዝዀነ ምግብታት እዩ

መንጫዕጫዕታ ሎስ ቶርስዮስ

ኣብ ከተማ ሱቺቶቶ ዚርከብ መንጫዕጫዕታ ሎስ ቶርስዮስ

ትፈልጥዶ፧ ኤል ሳልቫዶር “ምድረ እሳተ ጎመራ” ተባሂላ ትጽዋዕ እያ። ኣብታ ሃገር ልዕሊ 20 እሳተ ጎመራ ኣሎ፣ ገሊኡ ኸኣ ንጡፍ እዩ። መንጫዕጫዕታ ሎስ ቶርስዮስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእሳተ ጎመራ እተፈጥረ ሽዱሽተ ዓምዲ ዘለዎ ኣኻውሕ እዩ ዚፈስስ።

ኣብ ኤል ሳልቫዶር ልዕሊ 38,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፣ ኣብ ኣስታት 700 ጉባኤታት እተወደቡ ድማ እዮም። ንልዕሊ 43,000 ሰባት ከኣ ብስጳንኛን ብእንግሊዝኛን ብቛንቋ ምልክት ኤል ሳልቫዶርን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህርዎም ኣለዉ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ 6,267,000

  • ርእሰ ኸተማ፦ ሳን ሳልቫዶር

  • ወግዓዊ ቛንቋ፦ ስጳንኛ

  • ኵነታት ኣየር፦ ኣብ ገምጋም ባሕርን ኣብ ቈላታትን ኣዝዩ ምዉቕ፣ ኣብ ከበሳታት ዝሕል ዝበለ

  • መሬት፦ መብዛሕትኡ ኣኽራን ዚበዝሖ ኸበሳታት

ፍልጠትካ ገምግም

ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኢልካ መልስ።

  1. ኤል ሳልቫዶር ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ፡ ዝነኣሰት ሃገር እያ።

  2. ኤል ሳልቫዶር ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ፡ ብብዝሕ ህዝቢ ጸብለልታ ዘለዋ ሃገር እያ።

  3. መብዛሕትኡ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዚቐርብ ባህላዊ ምግቢ፡ ቀመም ዚበዝሖ እዩ።

  4. ኤል ሳልቫዶር ብምፍራይ ቡን እተፈልጠት እያ።

መልስታት፦ ሀ፡ ለ፡ ከምኡ ድማ መ ቕኑዕ እዩ፣ ሐ ጌጋ እዩ። መብዛሕትኦም በጻሕቲ ኤል ሳልቫዶር፡ እቲ ኣብኡ ዚዳሎ ምግቢ ልኡም ምዃኑ እዮም ዚገልጹ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ