4ይ ክፋል
ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን
“ውጥናት ብምኽሪ ይሰልጥ።”—ምሳሌ 20:18
ኵላትና ንስድራ ቤትና ዜድልዮም ዘበለ ምእንቲ ኸነማልኣሎም፡ ገንዘብ የድልየና እዩ። (ምሳሌ 30:8) ከመይሲ፡ ‘ገንዘብ ዕቝባ ይኸውን እዩ።’ (መክብብ 7:12) ከም ሰብ ሓዳር መጠን ብዛዕባ ገንዘብ ምዝርራብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ጕዳይ ገንዘብ ኣብ ሓዳርኩም ጸገማት ኬምጽእ ኣይትፍቀዱሉ። (ኤፌሶን 4:32) ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ኪውስኑ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም ኪተኣማመኑን ሓቢሮም ኪዓይዩን ኣለዎም።
1 ተጠንቂቕካ መደብ ኣውጽእ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሃንጽ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧” (ሉቃስ 14:28) ንኣጠቓቕማ ገንዘብ ብዚምልከት፡ ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ኴንኩም መደብ ከተውጽኡ ኣገዳሲ እዩ። (ኣሞጽ 3:3) እንታይ ክትዕድጉ ኸም ዜድልየኩምን ክንደይ ከተውጽኡ ኸም እትኽእሉን ወስኑ። (ምሳሌ 31:16) ገለ ነገር ንምዕዳግ ዚኣክል ገንዘብ ስለ ዘሎኩም ጥራይ ኣይትዓድጉ። ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ከይትኣትዉ ተጠንቀቑ። ዓቕምኹም ርኢኹም ገንዘብ ኣውጽኡ።—ምሳሌ 21:5፣ 22:7።
እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ኣብ መወዳእታ ወርሒ፡ ገንዘብ እንተ ተሪፉኩም፡ እንታይ ከም እትገብርዎ ብሓባር ኴንኩም ወስኑ
ገንዘብ እንተ ሓጺሩኩም፡ ወጻኢታትኩም ክትንክዩ ዜኽእለኩም ንጹር መደብ ግበሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ምግቢ ኣብ ክንዲ እትበልዑ፡ ኣብ ቤትኩም ክትክሽኑ ትኽእሉ ኢኹም
2 ብግህዶ ተዛራረብ፡ ዓቕምኻ ድማ ፍለጥ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ብቕንዕና ንሓሊ ኣለና።” (2 ቈረንቶስ 8:21) ስለዚ፡ ምስ መጻምድትኻ ብዛዕባ ኣታዊኻን ወጻኢኻን ብቕንዕና ተዛራረብ።
ምስ ገንዘብ ዚተሓሓዝ ዓበይቲ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ወትሩ ንመጻምድትኻ ኣማኽሮ። (ምሳሌ 13:10) እሂን ምሂን ትባሃሃሉ እንተ ዄንኩም፡ ሰላም ዘለዎ ሓዳር ኪህልወኩም እዩ። ብዘይካዚ፡ ንኣታዊኻ ኸም ናይ ውልቅኻ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ከም ናይ ስድራ ቤት ገንዘብ ጌርካ ርኣዮ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8።
እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ንሓድሕድኩም ከይተመያየጥኩም፡ በብውልቅኹም ከተውጽእዎ ብዛዕባ እትኽእሉ መጠን ገንዘብ ተሰማምዑ
ብዛዕባ ገንዘብ ንምዝርራብ፡ ጸገም ክሳዕ ዚልዓል ኣይትጽናሕ