ካብ ከባቢ ዓለም
ብዙሓት ሰባት ዘህልቑ ቀተልቲ
ፍራንክፈርተር ኣልጀሚን ዞንታግስትሲቱንግ “ብዓለምለኻዊ ደረጃ ኽርአ ኸሎ: ዝበዝሑ ሰባት ዝሞቱ ብሰንኪ ቫይረስን ባክተርያን ጽግዕተኛ ሓሳኹን ኢዮም” ብምባል ገሊጻ ኣላ። ብአይድስን ዓሶን ዓባይ ሰዓልን ጥራይ “ዓመት ዓመት ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ይልከፉ: 10 ሚልዮን ዝዀኑ ድማ ምስዚ ብዝተሓሓዘ ጠንቂ ይሞቱ” በለት። እታ ጋዜጣ ኸምዚ እውን ኢላ ኢያ:- “ኣብ መፋርቕ መበል 20 ዘመን: ብዙሓት ክኢላታት እውን ከይተረፉ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ተመሓላለፊ ሕማማት ክሳዕ ክንድቲ ኣብ ግምት ዘይኣትዉ ኸም ዝዀኑ ይኣምኑ ነበሩ። ይኹን እምበር: ለበዳ አይድስ: ሕማም ዕብድቲ ላም: ከምኡውን ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተፈልጠ ሕማም ኣፈ-መሓውር ካብ ዝላባዕ ኣትሒዙ: ንደቅሰብን እንስሳታትን ብዘጥቅዕ ተመሓላላፊ ጀርም ከይንልከፍ ዘሎና ፍርሂ ንኽትቅበሎ ዘጸግም ሓቂ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። . . . ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ፈጺሙ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ቫይረስን ባክተርያን ይቕልቀል ኣሎ።” መብዛሕትኡ ግዜ ጠንቂ ዝኸውን ባህሪ ናይዞም ማይክሮስኮፓዊ ፍጥረታት እኳ እንተዀነ: ኣነባብራን ጠባያትን ደቅሰብ እውን ነዞም ሕማም ዘምጽኡ ፍጥረታት ከም ዝዝርግሑ ገይርዎም ኢዩ።
ሃይማኖታዊ ዘረፋ
ላ ክርዋ እትበሃል ኣብ ፈረንሳይ እትሕተም ናይ ካቶሊክ ጋዜጣ “ጽኑዕ ሕጊ እኳ እንተሎ: እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝግበር ዘሎ ስርቅን መሸጣን ሃይማኖታዊ ንዋት ኣይቀነሰን” በለት። ካብቲ ዝስረቕ ዘሎ ነገራት መስቀላት: ኣቝሑ ገዛ: ብኣዋርቕን ብሩርን እተሰርሐ ኣቝሑ: ቅርጽታት: ቅብኣታት: ከምኡውን መንበረ-ታቦት ይርከቦ። ብመሰረት እቲ ዓለምለኻዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ-መዘክር ዝሃቦ ጸብጻብ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ሪፓብሊክ ቸክ ካብ 30,000 ክሳዕ 40,000 ዝበጽሕ ኣቝሑ: ኣብ ኢጣልያ ድማ ካብ 88,000 ዝበዝሕ ኣቝሑ ተሰሪቑ ኣሎ። እታ 87 ካተድራላት ዘለዋ ፈረንሳ እውን ቀንዲ ዒላማ ሰረቕቲ ኢያ ዀይና ዘላ። ካብ 1907 ክሳዕ 1996 ኣብ ዘሎ ግዜ: ካብ ሃይማኖታዊ ትካላት ፈረንሳ 2,000 ዝኸውን “ታሪኻዊ ቕርሲ” ተሰሪቑ: ካብ 10 ሚእታዊት ዝውሕድ ጥራይ ድማ ኢዩ ኽምለስ ተኻኢሉ። ኣብያተ-ክርስትያናት ክፉት ስለ ዝዀነን ብዙሕ ሓለዋ ስለ ዘይግበረሉን: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘረፋ ምቍጽጻሩ ከቢድ ኢዩ።
ኣርብዓን ትሽዓተን ሓደገኛ ዕድመ ድዩ፧
ኣሻሂ ሺምቡን እትበሃል ጋዜጣ ‘ንደቂ 49 ዓመት ተጠንቀቑሎም’ ብምባል ኣተሓሳሰበት። ኣብ ጃፓን ካብ ኣብ ካልእ ክሊ ዕድመ ንላዕሊ ኣብዚ ዕድመ እዚ ዝርከቡ ሰብኡት ብቕትለትን ፈተነ ቕትለትን ይእሰሩ ኢዮም። ደቂ 49 ዓመት ኣብ ኣካላቶም እውን ዝያዳ ኻልኦት ብዙሕ ጕድኣት የወርዱ ኢዮም። ድሕሪ እዚኦም ከኣ ሓደገኛታት ብምዃኖም ዕሉላት ዝዀኑ ደቂ 47 ዓመት: ካብኡ ደቂ 48 ዓመት: ብድሕሪኦም ድማ ደቂ 45 ዓመት ተሰሪዖም ይርከቡ። ስለምንታይ ኢዮም ኣብዚ ተቐራራቢ ኽሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ሓደገኛታት ዝዀኑ፧ ሓደ ኣብ ቶክዮ ዝነብር ሓኪም ኣእምሮ: ናብ 50 ዓመት ዕድሚኦም ዝቐርቡ ሰብኡት ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ናይ ህይወቶም ከም ዝበጽሑ ገለጸ። ከምዚ ድማ በለ:- “ደቆም ርእሶም ክኢሎም ይወጹ: ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዶም ናይ ምእላይ ሓላፍነት ይስከሙ: ምስ ኣንስቶም ዘለዎም ርክብ ድማ ይሕርፍፍ። ንዝመጾም ጸቕጥታት ናይ ምቍጽጻር ክእለቶም ኣብ ዝደኽመሉ ደረጃ ኢዮም ዝርከቡ: አረ ገሊኣቶምሲ ሓደጋ ኽረኣዮም ከሎ: ከይሓሰቡ ብስምዒት ተደሪኾም ኢዮም ስጕምቲ ዝወስዱ።” እታ ጋዜጣ ኣብ ርእሲ እዚ ተገሊጹ ዘሎ ጸገማት: ተኸፊሉ ዘይተወድአ ዕዳ ገዝኦም: ናይ ትምህርቲ ኽፍሊት: ኣብ ስራሕ ዝወርዶም ጸቕጥታት: ካብ ስራሕ ምስንባት: ከምኡውን ቀዋሚ ዘይኰነ ስራሕ ምሓዝ ነቶም ኣብ መወዳእታ 40ታት ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ጠንቂ ጭንቀት ከም ዝዀኖም ገለጸት።
ምርሳዕ ምስ ቴክኖሎጂ ይተሓሓዝ ድዩ፧
ገለ ሓካይም ጃፓንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሪጣንያን እቲ ኣብ መንእሰያት ዝርአ ዘሎ ናይ ምርሳዕ ባህሪ ብሰንኪ እቲ ኸም መደባት ዝምዝግብን ኣብ ማኪና ተገጢሙ መገዲ ዝሕብርን ዝኣመሰለ ናይ ኮምፕዩተር ቴክኖሎጂ ምዃኑ ምግላጾም እታ ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ሳንደይ ታይምስ ሓቢራ። እዚ ዘመናዊ መሳርሒታት እዚ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ንኣእምሮ ብዙሕ ከም ዘይትጠቀመሉ ስለ ዝገብር: ኣብ 20ታትን 30ታትን ዕድመ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት እውን ከይተረፈ ኣስማት: እተጻሕፈ ቓላት: ወይ ቈጸራታት ከም ዝርስዑ ይገብሮም ምህላዉ እዞም ሓኻይም ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ኣትላንታ: ጆርጅያ: ሕ.መ.ኣ.: ኣብ ዝርከብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ዝሰርሕ ዶ/ር ዴቪድ ካንተር ድማ ከምዚ በለ:- “ብዙሓት ክኢላታት: ሓበሬታ ኻብ መጠን ንላዕሊ ብምብዝሑ ንገሊኣቶም ሰባት ሓድሽ ሓበሬታ ኣብ ኣእምሮኦም ከም ዘይምዝግቡ ገይርዎም ኢዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። . . . ካብ ፈለማ ንኣቓልቦኦም ዝሰርቕ ብዙሕ ነገራት ስለ ዘሎ ኢዩ ሓበሬታ ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዙ ዘይክእሉ።” ኣብ ቶክዮ ዝነብር ዶ/ር ታካሺ ትሱኪያማ እዚ ጸገማት እዚ “ምስ ዕድመ ምንም ምትሕሓዝ የብሉን: እንተዀነ ግን ንኣእምሮ ብግቡእ ምስ ዘይምጥቃም ዝኣመሰለ ዓይነት ኣነባብራ ይተሓሓዝ ኢዩ” በለ።
“ከቢድ ናይ ህዝቢ ጸገም ጥዕና”
ብመሰረት መንግስቲ ዘውጽኦ ጸብጻብ: ንኣመሪካውያን ጠንቂ ሞት ካብ ዝዀኖም ነገራት ርእሰ-ቕትለት መበል ሻምናይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ዓመት 30,000 ኣመሪካውያን ርእሰ-ቕትለት ይፍጽሙ: 650,000 ድማ ህይወቶም ንኸሕልፉ ፈተነ ይገብሩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተር: ክልተ ሰባት ብኻልኦት ኣብ ዝቕተልሉ እዋን ሰለስተ ርእሰ-ቕትለት ከም ዝፍጸም ሓቢሩ። ህዝባውን ውልቃውን ጕጅለታት ንርእሰ-ቕትለት ከም “ከቢድ ናይ ህዝቢ ጸገም ጥዕና” ገይሮም ኢዮም ዝገልጽዎ። ዴቪድ ሳቸር ዝበሃል ናይ ሕ.መ.ኣ. ሓላፊ መንግስታዊ ሆስፒታል “በቲ ርእሰ-ቕትለት ዘስዕቦ ሓዘን ከይተተንከፉ ዝሓልፉ ሰባት ዳርጋ የለዉን” በለ። ገለ ኻብቲ ናብ ርእሰ-ቕትለት ዝመርሕ ረቛሒታት “ጭንቀት: ተስፋ ምቝራጽን እትገብሮ ምሕርባትን: ከምኡውን ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ምስታይን ሓሽሽ ምውሳድን” ከም ዝርከቦ ሮይተር ገሊጹ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሃይምነት
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሻ ኣኽብሮት ዝወሃቦ እኳ እንተዀነ: ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ግን 16 ሚእታዊት ጥራይ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘንብቡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝወጸ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ኣብ ካልእ መጽናዕቲ ድማ ካብ 10 ሰባት 2 ጥራይ ነቲ ኣብ ከረን ስብከት ዘቕረበ ሰብ ከም ዝፈለጥዎ እታ ኣብ ቢሎክሲ: ሚሲሲፒ: ሕ.መ.ኣ.: እትሕትም ዘ ሳን ሄራልድ ዘርእስታ ጋዜጣ ገሊጻ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም መጽናዕቲ እተገብረሎም ሰባት ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጥራይ ኢዮም ክጠቕሱ ዝኸኣሉ።
ጽማቝ ናርገን መድሃኒትን
ዩሲ በርከሊ ዌልነስ ሌተር እተባህለት ጽሕፍቲ ንእተኣዘዘልካ መድሃኒት ምስ ጽማቝ ናርገ ምውሳድ ነቲ ኻብቲ መድሃኒት “ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን [የጋድዶ]: ኣብ ገሊኡ እዋን ድማ ምስቲ መድሃኒት ክጋጮ” ከም ዝኽእል ገለጸት። ካብቲ ምስ ጽማቝ ናርገ እንተ ተወሲዱ ሳዕቤን ከምጽእ ዝኽእል መድሃኒታት: መጠን ኮሌስትሮል ዝቕንስ: ካልስዩም ንኸይውሕዝ ብምኽልካል ንልዑል ጸቕጢ ደም ዘውርድ: ከምኡውን ገለ መህድኢ ይርከቦ። እቲ ዘገርም ግን: ጽማቝ ናርገ ምስ መድሃኒት ምውሳድ ኣብ ኵሎም ሰባት ኣይኰነን ሳዕቤን ዘምጽእ: ነዚ ጸገማት እዚ ዘምጽእ እውን ኵሉ ዓይነት ጽማቝ ናርገ ኣይኰነን። ዌልነስ ሌተር “መድሃኒት እናወስደካ ከሎኻ ጽማቝ ናርገ ኽትሰቲ እንተ ደሊኻ: ቅድም ንፋርማሰኛ ሕተት” በለት።
መዓር ዘለዎ ናይ ምፍዋስ ተኽእሎ
መዓር ምቁር ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ናይ ምፍዋስ ተኽእሎ ከም ዘለዎ እውን ይፍለጥ ኢዩ። ብመሰረት እታ ዘ ኣውስትራልያን እትበሃል ጋዜጣ: ካብ ዩኒቨርስቲታት ኲንስላንድን ሲድኒን እተዋጽኡ ጕጅለ ብዝገበርዎ መጽናዕቲ: መዓር ንባክተርያ ዘጽንት ስለምንታይ ምዃኑ ተፈሊጡ። መዓር ብማይ በጽቢጽካ ንዝቘሰለን ዝነደደን ክፋል ኣካል ምስ እትለኽዮ: እቲ ኣብ መዓር ዘሎ ኤንዛይም ምስቲ ሽኮር ተሓዋዊሱ ሃይድሮጅን ፐሮክሳይድ ዝበሃል ኣብ ኣባይቲ ንጽሬት እንጥቀመሉ ውሁድ የቕውም። እዚ ውሁድ እዚ ኸም ስታፒሎኮኩስ ኣውረዩስ ዝኣመሰለ ዓይነት ባክተርያ ይቐትል ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ኣካሊ ባዕሉ ንኽጽግን እውን የኽእሎ ኢዩ።
ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኻ ብሽክለታ ኣይትዘውር
ኒው ሳይንቲስት እትበሃል መጽሔት: ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኻ ብሽክለታ ምዝዋር ልክዕ ከም መስተ ሰቲኻ ማኪና ምምራሕ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጻ። ኣብቲ ኣብ ሜሪላንድ: ሕ.መ.ኣ.: ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝዓዪ ግዎሃ ሊ “ብሽግለታ ምዝዋር ካብ ማኪና ምምራሕ ንላዕሊ ኣእምሮና ንምንቅስቓስና ኽቈጻጸሮን ኣካላት ሰሚሩ ኽዓዪን ዝሓትት ስለ ዝዀነ: ኣልኮላዊ መስተ ዝያዳ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ” በለ። ሊን መሳርሕቱን ኣብ 466 ብሽክለታ ዝዝውሩ ሰባት ብዝገበርዎ መጽናዕቲ: እቶም ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ መለክያ ዝሰተዩ ሰባት ከቢድ ጕድኣት ንኽወርዶም ወይ ንኽሞቱ ዘለዎም ዕድል ብ20 ዕጽፊ ይውስኽ ኢዩ። ሓንቲ መለክያ ጥራይ ሰቲኻ ብሽክለታ ምዝዋር እውን ብሽዱሽተ ዕጽፊ ሓደገኛ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኒው ሳይንቲስት “ብሽክለታ ዝዝውር ሰብ ዝያዳ ብዝሰተየ መጠን: መብዛሕትኡ ግዜ ቝራዕ ርእሲ ዘይገብር ብምዃኑ ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ” በለት።
ብኸመይ ሕጉስ ከም እትኸውን
ብመሰረት እቲ ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ ዝገበርዎ ሓድሽ መጽናዕቲ: “ዕግበት ዘለዎ ህይወት ኣብ ባንክ ብዘዋህለልካዮ ብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነን ዝርከብ። አረ ሃብትን ዝናን ስልጣንን እሞ ኸኣ ካብቲ ዕግበት ከምጽእ ዝኽእል ነገራት ኣብ መወዳእታ ኢዩ ተሰሪዑ ዘሎ።” ኣብታ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ሚዙሪ-ኮሎምብያ ዝዓዪ ኬነን ሸልደን “ኣብ ምዕራባዊ ስልጣነ ዝርአ ዝበዝሕ ረክላማት: ምልኩዓትን ውሩያትን ሃብታማትን ክንከውን ከም ዘሎና ኢዩ ዝእምት። እዚ ንንግዲ ኽጠቅም ይኽእል ይኸውን: እንተዀነ ግን እቶም ኣብኡ ዝጠሓሉ ሰባት ዝያዳ ሓጐስ ዘለዎም ኣይኰኑን” በለ። ኣብታ ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ኢንደፐንደንት ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ካብ 700 ንላዕሊ ኣብ ዝዀኑ ተማሃሮ ኮለጅ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ: ሓጐስ ንኽረኽቡ ዘኽኣሎም ቀንዲ ረቛሒታት “ርእሰ-ተኣማንነት” ከምኡውን “ምስ ካልኦት ምቅርራብ” ምዃኑ ገሊጾም ኢዮም። ገንዘብ ከም ምንጪ ሓጐስ ገይሮም ዝጠቐስዎ ሰባት ኣዝዮም ሒደት ኢዮም። “‘ገንዘብ ሓጐስ ዘየምጽእ ገይሮም ዝርእይዎ ሰባት: ጥቕሚ ገንዘብ ኣይፈልጥዎም ኢዮም’ ዝብልዎ እምነት ተወጊዱ” ኸም ዘሎ እታ ጋዜጣ ሓቢራ ኢያ።