ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/1 ገጽ 28-29
  • ጸረ ክርስቶስ መን ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸረ ክርስቶስ መን ኢዩ፧
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ግጉይ መንነት
  • ካልኦት ክፍሊ ጸረ ክርስቶስ መን ኢዮም፧
  • ንኣጽራረ ክርስቶስ እንታይ ይጽበዮም ኣሎ፧
  • እቲ ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ነቲ ጸረ ክርስቶስ ከነለልዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • እቲ ጸረ ክርስቶስ ተቓልዐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2002
g02 8/1 ገጽ 28-29

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ

ጸረ ክርስቶስ መን ኢዩ፧

“እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ [ሰሚዕኩም ኣለኹም]።”​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠18

ሓደ ሓደገኛ ዓማጺ ናብ ገዛውትኻ ገጹ ይመጽእ ከም ዘሎ እንተ ዝንገረካ እንታይ ምገበርካ፧ ብዛዕባ ትርኢቱን ብልሓታቱን እኹል ሓበሬታ ኽትረክብ ከም እትጽዕር ፍሉጥ ኢዩ። ምተጠንቀቕካ ኸኣ።

ሎሚ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ኢና ዘሎና። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ብምባል የጠንቅቐና:- “የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ: ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ።” (1 ዮሃንስ 4:⁠3) ሎሚ ንድሕንነት ደቅሰብ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ጸላኢ ኣምላኽን ንሰባት ዘታልልን ጸረ ክርስቶስ ኣሎ ድዩ፧

ዮሃንስ ነታ “ጸረ ክርስቶስ” እትብል ስያመ ኣብተን ክልተ መልእኽትታቱ ሓሙሽተ ግዜ ተጠቒሙላ ኣሎ። እዛ ስያመ እዚኣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዝምህሮ ትምህርቲ ዝጻረር ኣካል እተመልክት ኰይና: ነቶም ክርስቶስ ኢና ዝብሉ ወይ ብእኡ እተላእኩ ዘምስሉ መደናገርቲ እውን እተጠቓልል ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸረ ክርስቶስ ትውክልቲ ዝግበሮ ሓበሬታ ይህብ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም ገበነኛታት ካብቲ ኽዉንነት ዝዛይድ ኣቓልቦ ዝረኽቡ: ብዛዕባ እዚ ስዉር ኣካል ዝገልጽ መሰረት ዘይብሉ ጸብጻባት እውን ካብቲ ሓቂ ንላዕሊ ኣቓልቦ ረኺቡ ኢዩ።

ግጉይ መንነት

ካብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝነበረሉ ግዜ ኣትሒዙ: ሰባት ነቲ ብዛዕባ ጸረ ክርስቶስ ዝገልጽ ቃላቱ ንሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ከም ዘመልክት ገይሮም ክወስድዎ ጸኒሖም ኢዮም። ንእተፈላለዩ ውልቀ⁠-​ሰባት ጸረ ክርስቶስ ከም ዝዀኑ ገይሮም ኣቕሪቦሞም ኢዮም። ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ብዙሓት ሰባት ነቲ ሮማዊ ሃጸይ ኔሮ ጸረ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ገይሮም ሓሲቦም ኢዮም። ጸኒሑ እውን እቲ ኣዶልፍ ሂትለር ዝነዝሖ ጽልእን ዘስዓቦ ራዕድን ንብዙሓት ጸረ ክርስቶስ ንሱ ኢዩ ኸም ዝብሉ ገይርዎም ኢዩ። እዛ ስያመ እዚኣ ነቲ ፍሪድሪክ ኒች ዝበሃል ጀርመናዊ ፈላስፋ እውን ከይተረፉ ተጠቒሞምላ ኢዮም። ጸረ ክርስቶስ ጐራሕን ንዓለም ናይ ምግዛእ ውጥን ዘለዎ ጨካን ፖለቲከኛን ኰይኑ ገና ብሕጂ ኸም ዝመጽእ ዝኣምኑ እውን ኣለዉ። እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ተጠቒሱ ዘሎ ኣራዊት: ነቲ ብዮሃንስ እተጠቕሰ ጸረ ክርስቶስ ኢዩ ዘመልክት ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ኣብ መጻኢ ዝቕልቀል ተሓላቒ እከይ: ጸረ ክርስቶስ ክኸውን ምዃኑ እታ 666 እትብል ምልክቱ ትሕብር ኢያ ይብሉ።

እቶም ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት: ዮሃንስ ብዛዕባ ሓደ ጸረ ክርስቶስ ጥራይ ይዛረብ ከም ዝነበረ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። እንተዀነ ግን: ካብ ቃላቱ እንታይ ኢና እንርዳእ፧ ቀዳማይ ዮሃንስ 2:⁠18 “ከምቲ: እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ: ዝሰማዕኩምዎ: ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ” ትብል። እወ: በቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ መንፈሳዊ ሽግራት ተሓተትቲ ዝነበሩ “ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ” ድኣ እምበር ሓደ ኣይኰነን። ሎሚ እውን ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ሓደ ጕጅለ ጸረ ክርስቶስ ዘቝሙ ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ኢዮም ዘለዉ። እዚኣቶም ብሓባር: ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ መንፈሳዊ ብልሽውና ኣስዒቦም ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5, 13) ንጸረ ክርስቶስ ዘቝሙ መን ኢዮም፧

እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ተጠቒሱ ዘሎ ኣራዊት: ጸረ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ገይርና እስከ ንሕሰብ። ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስል: ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ: ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ራእይ 13:⁠2 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዞም እንስሳታት እዚኣቶም ንምንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ነቲ ኣብ መንጎ ራእይ ምዕራፍ 13ን ዳንኤል ምዕራፍ 7ን ዘሎ ምትሕሓዝ ኣስተብሂሎምሉ ኢዮም። ኣምላኽ ንዳንኤል ብዛዕባ ምሳልያውያን ኣራዊት ዝገልጽ ራእይ ኣርኣዮ: ካብቶም ኣራዊት ድማ ነብሪ: ድቢ: ከምኡውን ኣንበሳ ይርከብዎም ነበሩ። (ዳንኤል 7:⁠2-6) እዚ ነብዪ ኣምላኽ እዚ ንምንታይ ከም ዘመልክቱ ኢዩ ዝገለጸ፧ እዞም ኣራዊት እዚኣቶም ንምድራውያን ነገስታት ወይ መንግስታት ከም ዘመልክቱ ጸሓፈ። (ዳንኤል 7:⁠17) ስለዚ: እቲ ኣብ ራእይ ተጠቒሱ ዘሎ ኣራዊት እውን ንሰብኣውያን መንግስታት ኢዩ ዘመልክት ንምባል እኹል ምኽንያት ኣሎና። እዞም መንግስታት እዚኣቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እተጻረሩ: ክፍሊ ጸረ ክርስቶስ ኢዮም።

ካልኦት ክፍሊ ጸረ ክርስቶስ መን ኢዮም፧

ክርስቶስ እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ብዙሓት ጸላእቲ ነበርዎ። ሕጂ ብኣካል ከረኻኽብሉ ዝከኣል እኳ እንተ ዘይኰነ: ዘመናውያን ጸላእቲ እውን ኣለዉዎ። ገለ ኻብቶም ጸላእቱ መን ምዃኖም እሞ ኣስተብህል።

ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ ንየሱስ: ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ: መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም: ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ” በለ። (1 ዮሃንስ 2:⁠22) ከሓድትን መራሕቲ ናይ ሓሶት ኣምልኾን ነቲ ንጹር ትምህርትታት የሱስ ብምጥዋይ: ብስም ሃይማኖት የታልሉ ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ብምንጻግ ብስም ኣምላኽን ክርስቶስን ሓሶት ይነዝሑ። ሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ ስለ ዝኣምኑ: ነቲ ኣብ መንጎ ኣብን ወድን ዘሎ ናይ ሓቂ ርክብ ይኽሕድዎ ኢዮም። ስለዚ: እዚኣቶም እውን ክፍሊ ጸረ ክርስቶስ ኢዮም።

ኣብ ሉቃስ 21:⁠12 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኪሕዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም . . . እዮም” ብምባል ኣቐዲሙ ኣጠንቀቖም። ካብ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዙ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከቢድ መስጐጕቲ ኣሕሊፎም ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12) ነዚ መስጐጕቲ እዚ ዝቘሳቝሱ ሰባት ንክርስቶስ ኢዮም ዝጻረርዎ። እምበኣር እዚኣቶም እውን ክፍሊ ጸረ ክርስቶስ ኢዮም።

“ምሳይ ዘይኰነ: ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ።” (ሉቃስ 11:⁠23) የሱስ ኵሎም እቶም ንዕኡን ነቲ ንሱ ዝድግፎ መለኮታዊ ዕላማን ዝጻረሩ ዘበሉ ምስ ጸረ ክርስቶስ ከም ዝምደቡ ገሊጹ ኣሎ። እዚኣቶም መወዳእታኦም እንታይ ኢዩ፧

ንኣጽራረ ክርስቶስ እንታይ ይጽበዮም ኣሎ፧

መዝሙር 5:⁠6 “[ኣምላኽ] ሓሶት ንዚዛረቡ [የ]ጥፍኦም። እግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ” ትብል። እዚ ኣብቶም ኣጽራረ ክርስቶስ እውን ዝውዕል ድዩ፧ እወ። ሃዋርያ ዮሃንስ: “የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ዮሃንስ 7) እዞም ኣጽራረ ክርስቶስ ሓሰውትን መስሓትን ስለ ዝዀኑ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከጥፍኦም ኢዩ።

ፍርዶም ዝፍጸመሉ ግዜ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት እቶም ጸረ ክርስትና: ብፍላይ ከኣ እቶም ከሓድቲ ብዝገብርዎ ምትላልን ጸቕጥን እምነቶም ንኽትደክም ከፍቅዱ የብሎምን። ዮሃንስ “ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር: ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ: ርእስኹም ሐልዉ” ብምባል ዘየላቡ መጠንቀቕታ ሂቡ ኢዩ።​—⁠2 ዮሃንስ 8

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Nero on pages 2 and 28: Courtesy of the Visitors of the Ashmolean Museum, Oxford

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ