ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/1 ገጽ 32
  • ኣበይ ኢና መልሲ እንረክብ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣበይ ኢና መልሲ እንረክብ፧
  • ንቕሑ!—2002
ንቕሑ!—2002
g02 8/1 ገጽ 32

ኣበይ ኢና መልሲ እንረክብ፧

እዚ ብዙሓት ሰባት ዝሓትዎ ሕቶ ኢዩ። ኣብ ኖቮሲቢርስክ: ሩስያ: እትርከብ መምህር ነቲ ተማሃሮኣ ብዛዕባ ኣምላኽን ሃይማኖትን ዝሓትዋ ሕቶ መልሲ ንምርካብ ከም ዘጸግማ ብምግላጽ: ኣብ ደብዳበኣ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:-

“ሓደ ግዜ ናብ ገዛይ ምስ ተመለስኩ: ‘ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት’ ዘርእስታ ንእሽቶ ትራክት ረኸብኩ። ናይ ታሪኽ መምህር ስለ ዝዀንኩ ምስ ተማሃሮይ ብዛዕባ ቤተ⁠-​ክርስትያን: መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ንመያየጥ ኢና። ሓድሓደ ግዜ እቶም ተማሃሮ ንዝሓትዎ ሕቶታት መልሲ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ።

“ቅድሚ ሕጂ: ሰባት ንኣምላኽ ዝቐርብዎ ምስ ጸገሞም ጥራይ ይመስለኒ ነይሩ። ሎሚ ግን እዚ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ኸም ዘይኰነ ኣርጊጸ እፈልጥ ኢየ። ሰባት ‘ንምንታይ ኢዩ እዚ ኣጋጢሙኒ፧ ኣነ መን ኢየ፧ ካበይ ኢየ መጺአ፧ ምስ ሞትኩ ናበይ ኢየ ዝኸይድ፧’ ኢሎም እውን ይሓቱ ኢዮም። ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ምርካብ ኣድላዪ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዘእምን ሓሳባት ዘቕርብ ኢዩ ዝመስል።”

እታ መምህር ኣብ መደምደምታ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ኣምላኽን ዝያዳ ኽፈልጥ ስለ ዝደሊ ኢየ ነዛ ደብዳበ እዚኣ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ” በለት።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሰባት ንዝሓትዎ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝመርሕዎም። ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ እንተ ርኢና: ካብተን 19 ምዕራፋታ “እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ኢዩ፧” “ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧” ከምኡውን “ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ዘፍቀደ፧” ዘርእስቱ ምዕራፋት ኣለዋ። ነዛ ኩፖን እዚኣ መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ኻብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዚ መጽሔት እዚ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ብምልኣኽ: ቅዳሕ ናይዛ 192 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ንኽስደደልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።

□ ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ልኣኹለይ።

በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር

□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ