ንግዳያት ስቓይ ዝኸውን ሓገዝ
ብወኪል ንቕሑ! ኣብ ዴንማርክ
“እተጐድአ ስምዒት ካብ ምሕካም: እተሰብረ ዓጽሚ ምጽጋን ይቐልል።”—ዶ/ር ኢንግ ገነፍከ
ሓደ ጐበዝ ኣብ ህዱእ ጐደና ናይ ሓንቲ ኣውሮጳዊት ከተማ ዘገም እናበለ ብእግሩ ይጓዓዝ ኣሎ: ንመርኣዪ ተዘርጊሑ ዝነበረ ዝሽየጥ ኣቝሑ ንኽርኢ ኸኣ ኣብ ቬትሪና ናይ ሓደ ቤት መሸጣ ደው ይብል። ሃንደበት ግን ኣእዳዉ ከንፈጥፍጥ ይጅምር። ኣብራኹ ራዕራዕ ይብሎ። ብሰንኪ እቲ እተሰምዖ ዓቕሊ ጽበት ድማ ክሳዱ ከረው ኣቢሉ ይሕዝ። እዚ ዅሉ ዝኸውን ዘሎ ምስሊ ናይ ዩኒፎርም ዝወደዩ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ቬትሪና ርእይ ምስ ኣበለ ኢዩ። እዚ ጐበዝ እዚ ዝጠሓሶ ሕጊ የልቦን: ንኽፈርሕ ድማ ምንም ምኽንያት የብሉን። ትርኢት ናይቶም ዩኒፎርም ወድዮም ዝነበሩ ሰብኡት ጥራይ ግን: ነቲ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ብኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ: ግዳይ ስቓይ ኰይንሉ ዝነበረ ኵነታት ከም ዝዝክር ይገብሮ።
እዚ ዛንታ እዚ ምስ ኵነታት ናይቶም ቈልዑት እውን ከይተረፉ ዝርከብዎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ዝመሳሰል ኢዩ። እዚ ዛንታ እዚ ናይ ሓደ እትፈልጦ ሰብ ኵነታት ዝገልጽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ግዳይ ናይ ሕሰም ዝመልኦ ግፍዒ ዝዀነ ሰብ: ካብቲ ዝነብረሉ ቦታ ብስደት ግዒዙ ምሳኻ ብጕርብትና ዝነብር ዘሎ ክኸውን ይኽእል። ደቁ ምስ ደቅኻ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ ይዀኑ። ምናልባት ከም ህዱእን ሰላማውን ትሑትን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምስ ሰብ ዘይለግብ ጐረቤት ምዃኑ ኢኻ ትፈልጦ። ደጋዊ ትርኢት ንባዕሉ ግን ከጋጊ ይኽእል ኢዩ፣ ምስ ተዘክሮታት ናይቲ ገለ ግዝያት ይገብር ዘሕለፎ ኣካላውን ስምዒታውን ስቅያት ክቃለስ ከሎ ንዝስምዖ ውሽጣዊ ነውጺ ክሽፍኖ ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ትርኢት—ወይ ድማ ድምጺ—ነቲ ቕድሚ ገለ ግዝያት ዘሕለፎ ራዕዲ ኣብ ኣእምሮኡ ቅጅል ከም ዝብሎ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ሓደ ግዳይ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ቈልዓ ኽበኪ ክሰምዕ ከሎኹ: ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበኽዩ ዝነበሩ ሰባት ኢየ ዝሓስብ። ሽው ዝብል ናይ ንፋስ ድምጺ እንተድኣ ሰሚዐ: ደሃይ ናይቲ ሽመል ኣብ ኣካላተይ ቅድሚ ምዕላቡ ዘስምዖ ናይ ምሽምባብ ድምጺ ኢየ ዝዝክር።”
ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ስቓይ ምውራድ: ጥሩፋት ፖለቲካውያንን ግብረ-ሽበራውያን ጕጅለታትን ጥራይ ዝፍጽምዎ ተግባር ኣይኰነን። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ነዚ ግፍዒ እዚ ሓይልታት ወተሃደርን ፖሊስን እውን ይፍጽምዎ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ስቅያት ምውራድ ሓበሬታ ክርከበሉ: ናይ እምነት ቃል ክጽመቘሉ: ገበነኛ ንምፍላጥ ቃል ምስክርነት ክርከበሉ ዝከኣል መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዴንማርክ ዝርከብ ንግዳያት ስቓይ ዝምልከት መጽናዕቲ ካብ ዘካይዱ ሰብ ሞያ እታ መሪሕ ዝዀነት ዶ/ር ኢንግ ገነፍከ ከም ዝገለጸቶ: ሓድሓደ መንግስታት “ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ስቓይ ከም ዝወርድ ብምግባር ስልጣን ሒዞም ኢዮም: በዚ ሜላ እዚ ድማ ቦታኦም ዓቂቦም ኢዮም።” ሓደ ግዳይ ብዛዕባ እዚ ክገልጽ ከሎ “ካልኦት ንመንግስቲ እንተድኣ ነቒፎም ኣብ ልዕሊኦም እንታይ ክወርድ ከም ዝኽእል መሰክሒ ምእንቲ ኽገብሩኒ ክደቝሱኒ ይደልዩ ነበሩ” ይብል።
ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውያን ብጾት ዝወርድ ስቅያት ክሓስቡ ኸለዉ ነቲ መዋእል ጸልማት ኢዮም ዝዝክርዎ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ብ1948 ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ዝዀነ ይኹን ሰብ: ስቓይ ወይ ድማ ሕሰምን ኢሰብኣውነትን ወይ ሕስረት ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ይኹን መቕጻዕቲ ክወርዶ ኣይግባእን ኢዩ” ዝብል ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኣጽዲቑ ኢዩ። (ዓንቀጽ 5) ገለ ክኢላታት ግን 35 ሚእታዊት ዝዀኑ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ስደተኛታት: ስቅያት ከም ዝወረዶም ኢዮም ዝኣምኑ። ስቅያት ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ግዳያት ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ተጠቒዖም ዘለዉ: ንምሕጋዞምከ እንታይ ክግበር ምተኻእለ፧
ዘውርዶ ሳዕቤን
መብዛሕትኦም ግዳይ ስቓይ ዝዀኑ ሰባት: ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ዓዶም ሓዲጎም ናብ ካልእ ቦታ ይኸዱ: እዚ ኸኣ ዘገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ምንም እኳ ከባቢ ብምቕያሮም ለውጢ ዝስምዖም እንተዀነ: እቲ ዘጓነፎም ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስቓይ ገና ክቕጽል ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ግዳይ ንኣዕሩኽን ኣዝማድን ካብቲ ዝወረዶም ግፍዒ ክከላኸለሎም ብዘይምኽኣሉ ናይ ገበነኛ ምዃን ስምዒት ይሓድሮ ይኸውን ኢዩ። ንዝዀነ ይኹን ዝረኽቦ ሰብ ሰላዪ ኸይከውን ብምጥርጣር: ንኻልኦት ብስግኣት ናይ ምርኣይ ዓሚቝ ስምዒት እውን የማዕብል ይኸውን። ካርስተን ጀንሰን እተባህለ ጸሓፋይ “እቲ ግዳይ ስቓይ ዝዀነ ሰብ ንሓዋሩ ጓና ዀይኑ ኢዩ ዝቕጽል” ብምባል ይገልጽ። “ኣብ ወድሰብ ዝነበሮ ትውክልቲ ንሓዋሩ ኣጥፊኡ ኢዩ” ብምባል ይውስኽ።
ኣካላውን ኣእምሮኣውን ቍስሊ ምስ ተሓዋወሰ: ነቲ ግዳይን ንኽሕግዞ ዝህቅን ዝዀነ ይኹን ሰብን ይጽንክሮም። እቲ ኣብ ኣካል ዝወርድ ጸገማት ሓድሓደ ግዜ ብቐሊሉ ክፍወስ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: እቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ግድል ግን ከምኡ ኣይኰነን። ዶ/ር ገነፍከ “ኣብቲ ፈለማ ‘ኣየጸግምን ኢዩ: ነቲ ኣካላዊ ቍስሎም ክንዝንነሎም ኢና—ብድሕሪኡ ናብቲ ንቡር ንጥፈታቶም ክምለሱ ኢዮም’ ዝብል ሓሳብ ነበረና” ብምባል ትእመን። “ኣዝዩ ዘሳቕዮም ዝነበረ እቲ ኣብ ኣልባቦም ዝነበረ ናይ ቃንዛ ስምዒት ምዃኑ ንምፍላጥ ግን ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደልናን” ትብል። ይኹን እምበር: ዶ/ር ገነፍከ ከም ዝገለጸቶ “ስቅያት ካብ ዝወርዶም ብዙሕ ዓመታት ዝሓለፎም ግዳያት እውን ከይተረፉ ካብቲ ዘለዎም ናይ ቃንዛ ስምዒት ክገላገሉን ሓገዝ ክወሃቦምን ከም ዝከኣል ምፍላጥ ንባዕሉ ዘገርም ኢዩ።”
ብ1982 ኣብ ኩፐንሃገን ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሆስፒታል: ዶ/ር ገነፍከ ምስ ካልኦት ደቂ ዴንማርክ ሓካይም ኰይና ሓንቲ ግዳያት ስቓይ ንዝነበሩ ስደተኛታት እትከናኸን ንእሽቶ ኣሃዱ ኣቘመት። እዚ ንእሽቶ ጅማረ እዚ ናብቲ ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ተሓድሶ ግዳያት ስቓይ (ኣይ.ኣር.ሲ.ቲ.) ብዝብል ስም ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ መርበብ ዓበየ። እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ኣብቲ ኣብ ኩፐንሃገን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ዀይኑ በተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ካብ 100 ዝዛይዳ ማእከላቱ ነቲ ደገፍ ናይ ምሃብ ዕይኡ የነጣጥፎ ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ኣብ ኣተሓሕዛ ግዳያት ብዙሕ ተመክሮ ኣጥርዩ ኣሎ።
ደገፍ ብኸመይ ከም ዝወሃብ
ንግዳያት ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍዎ ጸገማት ምዝርራቦም መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢታዊ ሓገዝ ኣለዎ። ሓደ ብኣይ.ኣር.ሲ.ቲ. ተሓቲሙ ዝወጽእ ጽሑፍ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “ገለ 20 ዓመት ኣቢሉ ይገብር መብዛሕትኦም ግዳያት ስቓይ ብኽልተ መልክዑ ግዳያት ይዀኑ ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ንኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስቅያት እተቓላዕካ ምዃን ክኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ድማ ብዛዕብኡ ክዛረቡ ዘይክእሉ ክዀኑ ኸለዉ ኢዩ።”
ሓቂ ኢዩ ንኸም ስቓይ ዝኣመሰለ ዘጕሂ ኣርእስትታት ኣልዒልካ ምዝርራብ ባህ ዘብል ኣይኰነን። እንተዀነ ግን እቲ ግዳይ ስቓይ ዝዀነ ሰብ ንሓደ ብጻዩ ናይ ውሽጡ ኸካፍሎ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ እሞ እቲ ብጻዩ ኸኣ ክሰምዖ እንተድኣ ዘይደልዩ: እቲ ግዳይ ናብ ዝገደደ ተስፋ ምቝራጽ ኢዩ ዝጥሕል። ስለዚ እምበኣር: እቲ ግዳይ ዝሓልየሉ ሰብ ከም ዘሎ ክረጋገጸሉ ኣድላዪ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ኣብ ብሕታዊ ጕዳይ ካልእ ዋላ ሓደ ሰብ ክኣቱ የብሉን። ልዕሊ ዅሉ ድማ ግዳያት ናይ ውሽጦም ከካፍሉ የድልዮም ድዩ ኣየድልዮምን: ኣድላዪ ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዕዎም ከኣ መዓስን ንመንን ዝውስኑ ባዕሎም እቶም ግዳያት ኢዮም።—ምሳሌ 17:17፣ 1 ተሰሎንቄ 5:14
መብዛሕትኦም እዚ ጕዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን መዳያት ስቓይ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዮም ምኽሪ ዝህቡ። ገሊኦም ግዳያት ኣብቲ ዝግበረሎም ተሃድሶ ሓገዝ ሰብ ሞያ ዘድልዮም ኣለዉ። እቲ ኣፈናዊ ክንክን: ናይ ምትንፋስን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥን ልምምድ ዘጠቓልል ኢዩ።a ናይ ሕፍረት ስምዒት ሓደ ካብቶም መብዛሕትኡ ግዜ ናይ መጀመርታ ትዅረት ዘድልዮም ኢዩ። ሓንቲ ናይ ተሃድሶ ክንክን እትህብ በዓልቲ ሞያ ንሓንቲ ተደጋጋሚ ምግሳስን ማህረምትን ዝወረዳ ሰበይቲ ከምዚ ዝስዕብ በለታ:- “እዚ ዝስምዓኪ ዘሎ ሕፍረት: ንቡርን ርዱእን ኢዩ። እንተዀነ ግን ክትዝክርዮ ዝግባእ ንስኺ ክትሓፍሪ የብልክን። ክሓፍሩ ዘለዎም እቶም ነዚ ተግባር እዚ ኣብ ልዕሌኺ ዝፈጸሙ ሰባት ኢዮም።”
ካብ መዳጐኒ ደምበ ዝደሓኑ
ኣብቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት: ሂትለር ኣቚምዎ ኣብ ዝነበረ መዳጐኒ ደምበታት ዘስካሕክሕ ኢሰብኣዊ ሕስረት ወሪድዎም ኢዩ። ገለ ካብዚኣቶም ሃይማኖታዊ እምነቶም ብዘይምንጻጎም መስጐጕቲ ዝወረዶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ ኵነታት ተጸሚሞም ንምሕላፍ እምነቶም ብዘይጥርጥር ሓጊዛቶም ኢያ። ብኸመይ፧
እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ናብ ማሕዩር ቅድሚ ምእታዎም ነዊሕ እዋን ኣቐዲሞም ጥንቁቓት ተመሃሮ ቃል ኣምላኽ ኰይኖም ኢዮም ጸኒሖም። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞም ዘይደንጸዎም: እቲ ዝወርዶም ዝነበረ ግፍዒ ብቕልጡፍ ደው ብዘይምባሉ ኸኣ ንኣምላኽ ዘይወቐስዎ። ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እከይ ንኽህሉ ኣምላኽ ዝፈቐደሉ ምኽንያትን ኣብቲ ግቡእ ግዚኡ እከይ ከም ዘብቅዕ ዝገብረሉ መገድን ክፈልጡ ክኢሎም ኢዮም። ካብቲ መጽናዕቶም የሆዋ ‘ፍትሒ ኸም ዝፈቱ’ ከምኡውን ደቅሰብ ንሰብኣውያን ብጾቶም ምስ ዝገፍዕዎም ከም ዝጕሂ ትምህርቲ ረኺቦም ኢዮም።—መዝሙር 37:28 NW ፣ ዘካርያስ 2:8, 9
ርግጽ ኢዩ: መብዛሕትኦም ካብቶም ካብ መዳጐኒ ደምበ ዝደሓኑ ሰባት እቲ ዝወረዶም ጸበባ ንዘስዓቦ ስምባድ ክዋጽእሉ ነይርዎም ኢዩ። ከምዚ ኣብ ምግባር ንምኽሪ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምስዓቦም ኣጸቢቖም ክብርትዑ ክኢሎም ኢዮም። ጳውሎስ ኣብ ናይ ሮሜ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ ብቐሊሉ ዘይግመት ጭንቀት ኣስዒብሉ ክኸውን ዘለዎ ኵነታት ከሎ: ንኣመንቲ ብጾት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።”—ፊልጲ 1:13፣ 4:6, 7
እዞም ንጹህ ኣቕዋም ዝዓቀቡ ሰባት እዚኣቶም ኣምላኽ ንምድሪ ብሳቐይቲ ዝወርድ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስቅያት ከምኡውን ነዚ ዝመስል ቃንዛ ዝመልኦ ኢሰብኣዊ ሕስረታት ዘይብላ ገነት ንምግባራ ምምብጽዑ ካብቲ ዝረኸብዎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፈሊጦም ኢዮም።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ካብ 230 ሃገራት ንላዕሊ ንዝርከቡ ሰባት ይነግርዎም ኣለዉ። እዚ ዝናወጽ ዘሎ ኵነታት ዓለም ምስ ብዙሓት ብሰንኪ እቲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውያን ብጾቱ ዘውርዶ ጭከና እተሳቐዩ ግዳያት የራኽቦም ኣሎ። ግዳያት ስቓይ ዝዀኑ ሰባት ምስ ዘጓንፍዎም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ብሩህ መጻኢ ዝህቦ መብጽዓ ንኽነግርዎም ብዝከኣሎም መጠን ኢዮም ዝፍትኑ። ነቲ ስቓይ ነበረያ ነበረ ብዛዕባ ዝዀነሉ መጻኢ እዋን ዝገልጽ ብስራት ክዝርግሑ ኣዝዮም ሕጉሳት ኢዮም!—ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:4
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንቕሑ! ንዝዀነ ይኹን ፍሉይ ሕክምና ብምምጓስ ኣይድግፍን ኢዩ። ክርስትያናት እቲ ዝከታተልዎ ዝዀነ ይኹን ሕክምና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋጮ ምዃኑ ከረጋግጹ ኣለዎም።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
“ዝዀነ ይኹን ሰብ: ስቓይ ወይ ድማ ሕሰምን ኢሰብኣውነትን ወይ ሕስረት ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ይኹን መቕጻዕቲ ክወርዶ ኣይግባእን ኢዩ።”—ዓንቀጽ 5 ናይ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት