ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g00 8/7 ገጽ 22
  • ካብ ገንዘብ ዝኸብር ነገር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ገንዘብ ዝኸብር ነገር
  • ንቕሑ!—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓቀኛታት ሰባት ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኡሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ላትቭያ ነቲ ብስራት ምላሽ ትህበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ብዛዕባ ጾታዊ መጥቃዕቲ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧—2ይ ክፋል፦ ሕውየት
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ሕልመይ እተጋህደሉ መገዲ
    ንቕሑ!—2002
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2000
g00 8/7 ገጽ 22

ካብ ገንዘብ ዝኸብር ነገር

ብወኪል ንቕሑ! ኣብ ካናዳ

ኣብ ብሪጅታውን: ኖቫ ስኮሺያ እትሕተም ዘ ሞኒተር ዘርእስታ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ኣብ ዓምዳ “ካብ ዝዀነ ይኹን ብዝሒ ገንዘብ ኣዝዩ ዝኸብር ውህበት ንጓላ ሂባታ” ብምባል ኣፍልጦ ሃበት። እቲ ውህበት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እዚ እቲ ንጓላ ዘርኣየታ “ዘደንቕ ኣብነት ናይ ቅንዕና” ኢዩ።

ኣና ከምኡውን ታንያ ጓላ እናኸዳ ከለዋ እግረ⁠-​መገደን ኣብ ሓደ ሓራጅ ተኣልየን ንታንያ መትሓዚ መጽሓፍ ቅዱስ እትኸውን ጻዕዳ ቦርሳ ዓደጋ። ኣብ ገዝአን ምስ ከዳ: ታንያ ኣብ ውሽጢ እቲ ቦርሳ ዝርከብ ሻርኔራ ከፈተት እሞ 1,000 ዶላር ካናዳ ምስ ረኸበት ደንጸዋ። ብኡንብኡ: ኣደን ጓልን ናብቲ ዝገዝኣሉ ቦታ ከይደን እቲ ገንዘብ ነታ እቲ ቦርሳ ዝሸጠትለን ሰበይቲ መለሳላ። እታ ቦርሳ ናይታ ኦልዘይመርስ ብዝበሃል ሕማም ምርሳዕ ትሳቐ ዝነበረት: ቅድሚ ሓጺር እዋን ድማ ዝሞተት ኣደ እታ ሸያጢት ነበረት: ብዙሕ እውን ኣይትጥቀመላን ኢያ ነይራ። እታ ቦርሳ ንመሸጣ ቅድሚ ምቕራባ ብጥንቃቐ ከም ዘይተፈተሸት ንጹር ኢዩ። እታ ሰበይቲ ነቲ እተገብረላ ነገር ኣጸቢቓ ኣማሰወትሉ: “እዚ ነቲ ኣብ ሰባት ዘሎኒ እምነት ከም ዘዐሪ ገይሩኒ . . . ቅኑዓት ሰባት ከም ዘለዉ ምፍላጥ ዘተባብዕ ኢዩ” ድማ በለት።

እታ ኣብቲ ዓዲ እትሕተም ጋዜጣ ኣብ ቀዳማይ ገጻ: ኣና ከምዚ ከም ዝበለት ጠቐሰት:- “ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ከምዚ ምግባርና ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ [ሕልና] ኣሎና። ንታንያ እውን ቅኑዕ ዘበለ ክንምህራ ንደሊ ኢና።” እታ ሓዳስ ጻዕዳ ቦርሳ ንታንያ ነቲ ብዛዕባ ቅንዕና ንእተማህረቶ ነገር ብፍላይ ከተዘኻኽራ ኢያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ