ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ይሰፍሕ ኣሎ
ሓንቲ ብፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እትሕተም ዩኤንዲፒ ቱደይ ዘርእስታ መጽሔት (እንግሊዝኛ) “ዓለምለኻዊ ድኽነት ንምቕናስ ኣብ ዝሓለፈ ሓምሳ ዓመታት ካብተን ኣቐዲመን ዝነበራ ሓሙሽተ ዘመናት ንላዕሊ ምዕባለ ተገይሩ ኢዩ” በለት። “ካብ 1960 ኣትሒዙ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንገምጋም ሞት ሕጻናት ብፍርቂ: ጕድለት ኣመጋግባ ኸኣ ብሓደ ሲሶ ቀኒሰንኦ ኢየን: ከምኡውን ገምጋም ናይቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ [ዝምዝገቡ] ብሓደ ርብዒ ወሰኽ ከም ዝገብር ገይረን ኢየን።” ገና ግን: እዚ ምዕባለ እኳ እንተ ተገብረ: ዓለምለኻዊ ድኽነት “ኣስፋሕፊሑ ከም ዘሎ” እዚ ምንጪ እዚ ይገልጽ ኢዩ።
እቲ ዝኸፍአ ኸኣ: ኣብ ውሽጥን ኣብ መንጎን ሕብረተሰባት ዘሎ ዘይማዕርነት ይገድድ ኢዩ ዘሎ። ናይ ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ው.ሕ.ሃ. ፈጻሚት ዳይረክተር ዝዀነት ካተሪን በርቲኒ “ምስ ዓሚ ክወዳደር ከሎ: ኣብ ዓለም ብዙሓት ተወሰኽቲ ሰባት ብጕድለት ኣመጋግባን ጥሜትን ይሳቐዩ ኣለዉ” በለት። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ሎሚ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝነብሩ 840 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ከብዶም እናሓኸኹ ይሓድሩ: ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣይረኽቡን: ዳርጋ 1.5 ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ከኣ መዓልታዊ ኣታዊኦም ካብ ሓደ ዶላር ንታሕቲ ኢዩ። እታ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ. ዝዀነት ሜሪ ሮቢንሰን “ዓለም ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ዝማዕበላን ሃገራት ኢልካ ዘይኰነትስ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝማዕበላን ፈጺመን ዘይምዕብላን [ሃገራት] ተባሂላ እትከፋፈለሉ ዘስግእ ደረጃ ኢና ንበጽሕ ዘሎና” ብምባል ተጠንቅቕ።
ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ንምጽባብ ነዚ ሎሚ ዘሎ ሽዱሽተ ቢልዮን ዝኸውን ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ወጻኢታት ምግባር መድለዮ፧ ካብቲ ዝሕሰብ ንታሕቲ ኢዩ። ው.ሕ.ሃ. ከም ዝገምገሞ ምሉእ ዓለም ክንክን ጥዕናን ጽሩይ ማይን ንኽረክብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ተወሳኺ 9 ቢልዮን ዶላር (ንነፍሲ ወከፍ ሰብ 1.50 ዶላር): ኣብ ምድሪ ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መሰረታዊ ጥዕናን ግቡእ መግብን ከም ዝረክብ ንምግባር ከኣ ኣብ ሓደ ዓመት ተወሳኺ 13 ቢልዮን ዶላር (ዳርጋ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ 2.00 ዶላር) የድሊ። ሽሕኳ እዚ ብዙሕ እንተዀነ: ምስቲ ዓለም ኣብ ካልእ ኣገልግሎታት እተጥፍኦ ገንዘብ ክነጻጸር ከሎ ግን ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዓለም ኣብ ሓንቲ ዓመት ንምልክታታት 435 ቢልዮን ዶላር (ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ልዕሊ 70 ዶላር): ንወተሃደራዊ መዳያት ከኣ 780 ቢልዮን ዶላር (ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ 130 ዶላር) ወጻኢ ተገይሩ ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ርኹባትን ስኡናትን ዘሎ ጋግ ንምጽባብ እቲ ቐንዲ እኹል ገንዘብ ናይ ምርካብ ጕዳይ ዘይኰነስ: ቀዳምነት ዝዋሃቦ ነገር ብግቡእ ናይ ምስራዕ ጕዳይ ምዃኑ ንጹር ኢዩ።