ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g00 8/7 ገጽ 27-29
  • ምስ ሰብ ሕዉስ ዘይኰንኩ ስለምንታይ ኢየ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ሰብ ሕዉስ ዘይኰንኩ ስለምንታይ ኢየ፧
  • ንቕሑ!—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም ሕፍረት
  • ጸገም ሕፍረት​—⁠ልሙድ ተርእዮ
  • ዘይቅረብ ዓንኬል
  • ካልእ ረቛሒታት
  • 15 ስለምንታይ ኢየ ኣዝየ ዝሓፍር፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ምስ ሰብ ሕዉስ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    ንቕሑ!—2000
  • ሓናኽ ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ከመይ ገይረ እየ ምስ ሰብ ክሕወስ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2000
g00 8/7 ገጽ 27-29

መንእሰያት ዝሓትዎ . . .

ምስ ሰብ ሕዉስ ዘይኰንኩ ስለምንታይ ኢየ፧

“ሕፍረት: ልሙስ ኢዩ ዝገብረካ። እዚ ስምዒት እዚ ካብኡ ንኽትገላገል ቃልሲ ዝሓትት ፍርሒ ኢዩ። ናይ ብሓቂ ሓያል ስምዒት ኢዩ።”​—⁠ሪቻርድa

“ኣብ እዋን ቍልዕነተይ ምስ ሕፍረት ናይ ምግጣም ከቢድ ግድል ነበረኒ። ኣብ ናይ በይነይ ዓለም ዝነብር ዝነበርኩ ዀይኑ ኢዩ ኸኣ ዝስምዓኒ ነይሩ።”​— ጓል 18 ዓመት ኤሊዛቤት

‘እንታይ ኢዩ ጸገመይ፧ ምስ ሰብ ሕዉስ ክኸውን ዘይክእል ስለምንታይ ኢየ፧’ ነዚ ሕቶታት እዚ ንገዛእ ርእስኻ ዝሓተትካሉ ግዜ ኣሎዶ፧ ከምቲ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሪቻርድ ዝስምዖ ዝነበረ ምስ ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ኣብ እትራኸበሉ እዋን ፍርሒ ይስምዓካ ወይ ድማ ጭንቕ ይብለካ ይኸውን። ስልጣን ምስ ዘለዎም ሰባት ኣብ እትራኸበሉ እዋን እትሕዞን እትጭብጦን ይጠፍኣካ ይኸውን። ወይ ድማ ካልኦት ብዛዕባኻ እንታይ ኢሎም ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ስለ ዘጨንቐካ: ስምዒትካን ርእይቶኻን ንምግላጽ ኣጋጣሚ ኣብ እትረኽበሉ እዋን ትዕዘም ትኸውን። ትሬሲ እተባህለት መንእሰይ “ኣጸቢቐ ንዘይፈልጦም ሰባት ቀሪበ ከዘራርቦም ንዓይ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ” ብምባል ኣግሂዳ ትዛረብ።

ብድሕሪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ዘሎ ኵነታት ግን እንታይ ኢዩ፧ ብዛዕባ ሓደ ግድል ዝበለጸ ምርዳእ ምሓዝ ኣብ ልዕሊኡ ንምዕዋት እቲ ፋልማይ ስጕምቲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 1:⁠5) ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ዝስዕብ በለት:- “እቲ ምስ ሰባት ክኸውን ከሎኹ ዝፈርሓሉ ምኽንያት ኣይርድኣንን ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ነቲ ግድል ስለ ዘለለኽዎ: ንምፍትሑ ክዓዪ ኢየ።” እስከ እምበኣር ሒደት ካብቲ ንገሊኦም መንእሰያት ምስ ሰባት ሕዉሳት ከም ዘይኰኑ ዝገብሮም ጸገማት ንርአ።

ጸገም ሕፍረት

ሕፍረት እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሕዉስ ከም ዘይትኸውን ዝገብር ጠንቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሕዉስ መንእሰይ ብዙሓት እተፈላለዩ ኣዕሩኽ ክህልውዎ ኸለዉ: ሓደ ሓፋርን እተጠልየን መንእሰይ ግን ጽምዋን ናይ ምንጻል ስምዒትን ክስምዖ ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ኤሊዛቤት ዝስማ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ “ኣብ እዋን ቍልዕነተይ ምስ ሕፍረት ናይ ምግጣም ከቢድ ግድል ነበረኒ” ብምባል ትገልጽ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ “ኣብ ናይ በይነይ ዓለም ዝነብር ዝነበርኩ ዀይኑ ኢዩ ኸኣ ዝስምዓኒ ነይሩ” ትብል። ዳያን ነቲ ተመሃሪት ቀዳማይ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኸላ ኣጋጢምዋ ዝነበረ ናይ ውጥረት ስምዒት ትዝክሮ ኢያ። “ካልኦት ሰባት ከስተብህሉለይ ኣይፈቱን ኢየ ነይረ። ሓንቲ ህቡብ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀይኑ ከም ዝስምዓና ገምጋም ክትወስድ እትደሊ መምህር ነበረትና። ካብ ባዶ ጀሚሩ ክሳዕ ሓሙሻይ ዝስራዕ ደረጃ ኸኣ ኣውጽአት: ባዶ ምንም ኣገዳሲ ከም ዘይኰነ ንምግላጽ ክትውዕል ከላ ሓሙሻይ ድማ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግላጽ ኢያ። ኵለን እተን ኣብ ቤት ትምህርቲ ህቡባት ዝነበራ ኣዋልድ ሓሙሻይ ደረጃ ኣውደቓ። ኣነ ግን ባዶ ኣውደቕኩ። ንዓይ ሕፍረት ዳርጋ ህቡብ ንኸይትኸውን ዝሓድረካ ፍርሒ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ካልኦት ዘይፈትዉኻ ዀይኑ ስለ ዝስምዓካ ኣስተብህሎ ክግበረልካ ወይ ድማ ትዅረት ክትስሕብ ኣይትደልን ኢኻ።”

ብመጠኑ ሓፋር ክትከውን ብጥራስ ዘይተደላዪ ኢዩ ማለት ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ። እታ ዓቕምኻ ናይ ምፍላጥ ዝንባለ ዝዀነት ትሕትና ምስ ሕፍረት ኣጸቢቓ ኢያ ትቀራረብ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ምስ ኣምላኽና ብትሕትና ክንመላለስ’ ኢዩ ዝምዕደና። (ሚክያስ 6:⁠8) ሓደ ትሑት ወይ ብመጠኑ ሓፋር ዝዀነ ሰብ ካብ ሓደ ዓብላሊ: ነግራም: ወይ ድማ ብቐሊሉ ዘይዓግብ ሰብ ንላዕሊ ዝያዳ ተቐራቢ ኢዩ። ከምቲ ‘ንምዝራብ ግዜ ዘለዎ ስቕ ንምባል ድማ ግዜ ኣለዎ።’ (መክብብ 3:⁠7) ሓፋራት ሰባት ስቕ ንምባል ኣይእግሞምን ኢዩ። ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት: ንምዝራብ ደንጐይቲ’ ስለ ዝዀኑ: በቲ ጽን ናይ ምባል ዝንባለኦም ወትሩ ብኻልኦት ሰባት ምስ ተናእዱ ኢዮም።​—⁠ያእቆብ 1:⁠19

ሕፍረት ኵሉ ግዜ ጠቓሚ ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን፣ ሓደ መንእሰይ ኣዝዩ ስቕ በሃሊ: ሓፋር: ወይ ድማ ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ዝጐድሎ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ኣዕሩኽ ኣብ ምጥራይ ጸገም ክህልዎ ኢዩ። ኣመና ዝሓለፈ ሕፍረት ከኣ እሞ ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ነቲ ስምዒት ዝገለጾ “ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ባዕልኻ እትፈጥሮ ማሕዩር” ኢዩ: እዚ ኸኣ ንገዛእ ርእስኻ ካብ ማሕበራዊ ናብራ ምጥላያ ማለት ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 18:⁠1

ጸገም ሕፍረት​—⁠ልሙድ ተርእዮ

ሕፍረት ዘጥቅዓካ ሰብ እንተ​ድኣ ዄንካ: እዚ ጸገም እዚ ኣዝዩ ልሙድ ተርእዮ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ኣብ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን ኮለጅን እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ “82 ሚእታዊት ካብቶም ተመሃሮ: ንገዛእ ርእሶም ሓፋራት ገይሮም ዝቘጸሩሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ።” (ኣዶለሰንስ [እንግሊዝኛ] ብኢስትዉድ ኣትወተር እተዳለወ) ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዝያት እውን ከይተረፈ: ጸገም ሕፍረት ዝነበሮም ሰባት ነይሮም ኢዮም። ኣብ ልዕል ዝበለ ጽፍሕታት ሓላፍነት ዘገልግሉ ዝነበሩ ከም ሙሴን ጢሞቴዎስን ዝኣመሰሉ ሰባት: ምስ ሕፍረት ይቃለሱ ነይሮም ይዀኑ።​—⁠ዘጸኣት 3:⁠11, 13፣ 4:⁠1, 10, 13፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠12፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:⁠6-8

ነቲ ቀዳማይ ንጉስ ጥንታዊት ሃገረ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል እስከ ንርአ። ሳኦል ብባህርዩ ተባዕ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ኣቡኡ ጥሪት ምስ ጠፍኣኦ: ሳኦል ንኽረኽበን ብትብዓት ጕዕዞ ጀሚሩ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 9:⁠3, 4) ንጉስ እታ ሃገር ኰይኑ ምስ ተሾመ ግን ሕፍረት ብሃንደበት ኣጥቂዕዎ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓጐሱ ዝገልጽ ዝነበረ ህዝቢ ደው ክብል ስለ ዘይከኣለ ኣብ መንጎ ኣቝሑ ተሓቢኡ ኢዩ!​—⁠1 ሳሙኤል 10:⁠20-24

እዚ ርኡይ ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ናይ ዘይምህላው ስምዒት እዚ ንሳኦል ከጋጥሞ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንሳኦል ማራኺ መልክዕ ዘለዎ መንእሰይ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። እቲ ዘገርም: “ካብ ክሳዱ ንላዕሊ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ጸብለል ዝበለ ነበረ”! (1 ሳሙኤል 9:⁠2) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ነብዪ ኣምላኽ: የሆዋ ንንግስነቱ ከም ዝባርኸሉ ንሳኦል ኣረጋጊጽሉ ነይሩ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 9:⁠17, 20) እንተ​ዀነ ግን: ሳኦል ገና ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ናይ ዘይምህላው ስምዒት ነይርዎ ኢዩ። ንጉስ ክኸውን ምዃኑ ምስ ተነግሮ: ብትሕትና ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መልሲ ሂቡ ኢዩ:- “ኣነስ ብንያማዊ: ካብ ሓደ ኻብቶም ናእሽቱ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንኩን፧ ዓሌተይ ከኣ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዚንእስዶ ኣይኰነን፧ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዚ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘሎኻ፧”​—⁠1 ሳሙኤል 9:⁠21

ከም ሳኦል ዝኣመሰለ ሰብ: ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ከጥፍእ ካብ ከኣለ: ሓድሓደ ሳዕ ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ብመጠኑ እንተ ኣጥፋእካ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን። ከም መንእሰይ መጠን ኣካላትካ ቅልጡፍ ለውጥታት ኣብ ዘርእየሉ ደረጃ ዕቤት ኢኻ ዘሎኻ። ኣብ ናይ በጽሕታት መድረኽ ብኸመይ ክትዋሳእ ኸም ዘሎካ እትስልጥነሉ ናይ መባእታ ትምህርቲ ኢኻ ትቐስም ዘሎኻ። ስለዚ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣመና ትዅረት እንተ ገበርካን ርእሰ⁠-​ተኣማንነት እንተ ኣጥፋእካን ባህርያዊ ኢዩ። ዶ/ር ዳቪድ ኤልካይንድ ኣብ መጽሔት ፓረንትስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብተን ቀዳሞት ናይ ብጽሕና እዋናት መብዛሕትኦም መንእሰያት በቲ ናይ ሕፍረት ወቕቲ ኢዮም ዝሓልፉ: ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ኣነ ሓሳባዊ መድረኽ ኢለ ዝጽውዖ ስእሊ ኢዮም ኣብ ኣእምሮኦም ዘማዕብሉ​—⁠እዚ ሓሳብ እዚ ኸኣ ካልኦት ሰባት ንትርኢቶምን ተግባራቶምን ኣብ ምዕዛብ ትሑዛት ከም ዝዀኑ ገይሮም ካብ ዝኣምንዎ እምነት ዝምንጭ ኢዩ።”

መብዛሕትኡ ግዜ መልክዖም ብመዛንኦም ስለ ዝግምገም: ብትርኢቶም ዝጭነቑ መንእሰያት ብዙሓት ኢዮም። (ምስ 2 ቈረንቶስ 10:⁠7 ኣረኣእዮ።) ኣብ ትርኢት ገዛእ ርእስኻ ኣመና ምግዳስ ግን ጐዳኢ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሓንቲ ሊልያ እተባህለት ኣብ ፈረንሳ እትነብር ጐርዞ ነቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ተመክሮ ዘለዋ ተዘክሮ ብኸምዚ ዝስዕብ ትገልጾ:- “እቲ ኣብ ብዙሓት መንእሰያት ዝርአ ጸገም ነበረኒ። ገጸይ ብፈጸጋ: ትኳዕ ትኳዕ መሊኡ ነበረ! መልክዕካ እንታይ መሲሉ ኸም ዝርኣዮም ስለ ዘጨንቐካ ናብ ካልኦት ክትቀርብ ኣይትደፍርን ኢኻ።”

ዘይቅረብ ዓንኬል

ሓፋራት ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ካልኦት ሰባት ብጌጋ ስለ ዝርድእዎም: ካብቲ ብመፈንጠራ ተታሒዞም ተጠልዮምሉ ዘለዉ ዓንኬል ብቐሊሉ ክወጹ ኣይክእሉን ኢዮም። እታ ኣዶለሰንስ ተባሂላ ዘላ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትዕዝብታ ትገልጽ:- “ሓፋራት በጽሕታት ካልኦት ብኣሉታዊ መገዲ ስለ ዝግንዘብዎም ኣዕሩኽ ኣብ ምጥራይ ዝያዳ ጸገም ኣለዎም። ሕፍረት ዘጥቅዖም ሰባት ከም ዘይተቐረብቲ: ስልኩያት: ዘይግዱሳት: ፍኽኑናት: ዘይምቕሉላት: ገንጫራት ገይርካ ኢዮም ዝውሰዱ። ሰባት ከም ዝንጽልዎም ምስ ዝግንዘቡ: ብዝያዳ ኢዩ ስምዒት ናይ እተጠለኻ ምዃንን ጽምዋን ጭንቀትን ዝሓድሮም።” እዚ ኸኣ ብርግጽ ዝያዳ ሓፋራት ከም ዝዀኑ ይገብሮም፣ እዚ ድማ ብግዲኡ ካልኦት ብዝገደደ መልክዑ ዕቡያት ወይ በርጣጣት ገይሮም ከም ዝግምትዎም ዝገብር ኢዩ።

ከም ክርስትያን መጠን “ኣብ ቅድሚ ዓለም . . . ኣብ መድረኽ ትያትር” ስለ ዘሎኻ ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኦት እትሓድጎ ጦብላሕታ ግዱስ ክትከውን ከም ዝግብኣካ ፍሉጥ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 4:⁠9 NW ) ምስ ካልኦት ክትዘራረብ ከሎኻ ዓይኒ ንዓይኒ ካብ ምርእኣይ ትሃድምዶ፧ ኣቃውማኻን ኣካላዊ መግለጺታትካን ሰብ ክቐርበካ ከም ዘይትደሊ ድዩ ዘርኢ፧ ከምኡ እንተ​ድኣ ዀይኑ ሰባት ብጌጋ ክርድኡኻን ካብ ምቕራብካ ዘይምቕራብካ ክመርጹን ከም ዝኽእሉ ተገንዘብ። እዚ ኸኣ ዕርክነት ምምስራት ዝያዳ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ዝገብር ኢዩ።

ካልእ ረቛሒታት

ንኸይትፈሽል ምፍራሕ ገና እቲ ኻልእ ብሰፊሑ ዝርአ ጸገም ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ተመኲርካዮ ኣብ ዘይትፈልጥ ሓድሽ ኵነታት ምስ እትህሉ ብመጠኑ ስግኣትን ምውልዋልን ክስምዓካ ብሓቂ ባህርያዊ ኢዩ። ገሊኦም መንእሰያት ግን ነዚ ከም ኣመና ሕሉፍ ተርእዮ ይቘጽርዎ። ገይል መንእሰይ ከላ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ንኽትዋሳእ ኣዝያ ትፈርህ ከም ዝነበረት ትገልጽ። ከምዚ ዝስዕብ ትብል:- “ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣይምልስን ኢየ ነይረ። ንወለደይ ከኣ እቲ ‘ጓልኩም ኢዳ ሓፍ ኣይተብልን ኢያ፣ ኣይትዛረብን ኢያ’ ዝኣመሰለ ዘየቋርጽ ነቐፌታታት ዓቕሎም የጽብበሎም ነበረ። እዚ ንዓይ ስቓይን ውጥረትን ኢዩ ዝዀነኒ ነይሩ። ብሓቂ ኢየ ዝብለኩም ሕጂ እውን ከይተረፈ ኢዩ ዝኸብደኒ።” ንኸይትፈሽል ምፍራህ ዘልምስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ፒተር ዝስሙ መንእሰይ “ጌጋ ንኸይፍጽም እጭነቕ ኢየ” ብምባል ይገልጽ። ብተወሳኺውን “ኣብቲ ዝገብሮ ነገር ርእሰ⁠-​ተኣማንነት የብለይን” ይብል። ንሕስያ ዘይብሉ ናይ መዛኑ ባጫን ነቐፌታን ነቲ ድሮ ዓብሊሉ ዘሎ ፍርሂ ዘግድዶ ክኸውን ከሎ ኣብ ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ሓደ መንእሰይ ድማ ነባሪ ማህሰይቲ ዘውርድ ኢዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ንምውሳእ ክእለት ዘይምህላው እውን እቲ ካልእ ብሰፊሑ ዝርአ ጸገም ኢዩ። ምናልባት ምስ ሓደ ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጦ ሰብ ምልላይ የወላውለካ ይኸውን ኢዩ: እዚ ኸኣ እንታይ ክትብል ከም ዘሎካ ስለ ዘይትፈልጥ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ዓበይቲ እውን ከይተረፉ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ሓድሓደ ግዜ ርእሰ⁠-​ምትእምማን ከጥፍኡ ከም ዝኽእሉ ምስ እትፈልጥ የገርመካ ይኸውን ኢዩ። ፍረድ ዝስሙ ነጋዳይ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም እቲ ክዕወተሉ ዘሎኒ ኵሉ ኣጸቢቐ ኢየ ዝፈልጦ። ብዛዕባ ንግዲ ጥራይ ክዛረብ ከሎኹ: ኣብ ካልኦት ሰባት ጦብላሕታ ብዝሓድግ መገዲ ሓሳበይ ንምትሕልላፍ ሰጋእ ኣይብልን ኢየ። ካብ ናይ ንግዲ ኣርእስቲ ወጺእና ንማሕበራዊ ጕዳያት ዝምልከት ዕላል ምስ እንጅምር ግን ገና ካብ ፈለማኡ ኢየ ዝሕጥ ዝብል። እዚ ድማ ምናልባት ከም ስልኩይ ወይ ምስ መጻሕፍቲ ጥራይ ዝቃለስ: ወይ ኣመና ዝራቐቕ ወይ ከኣ ከም ብዙሕ ዘይስሕብ ዓይነት ሰብ የቝጽረኒ ይኸውን ኢዩ።”

ሓፋር: ኣብ ገዛእ ርእስኻ ብዙሕ እትግደስ: ወይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ንኽትሳተፍ ርእሰ⁠-​ምትእምማን ዘይብልካ ዓይነት ሰብ ኩን ኣይትኹን ብዘየገድስ: ከመይ ገይርካ ሕዉስ ሰብ ከም እትኸውን ትምህርቲ ምቕሳም ንረብሓኻ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት “ልብኹም ኣግፍሑ” ብምባል ምስ ካልኦት ክፋለጡ የተባብዖም! (2 ቈረንቶስ 6:⁠13) ነዚ ክትገብሮ እትኽእል ግን ብኸመይ ኢኻ፧ ነዚ ኣብታ ኣብ መጻኢ እትወጽእ ሕታም ክንድህስሶ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገለ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣስማት እተቐየረ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ሓፋራት መብዛሕትኡ ግዜ ከም ምቕራቦም ዘይከኣል ሰባት ኢዮም ዝቝጸሩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንኸይትፈሽል ዘሎ ፍርሂ ንገሊኦም መንእሰያት ካብ ማሕበራዊ ናብራ ከም ዘድሓርሕሩ ይገብሮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ