ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g00 8/7 ገጽ 30-31
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ መሃይምነት መጠን ኣብ ዓለም ይውስኽ
  • ኣዝማ ይበዝሕ ኣሎ
  • ኣቦታቶም ዝያዳ ተገዳስነት ዝገብሩሎም ኣወዳት ሕጕሳት ይዀኑ
  • ናይ ዑረት መጠንቀቕታ
  • ኣብ ከተማ ዘጋጥም ድምጽን ጥዑም ድቃስን
  • አይድስ​—⁠“ቀንዲ ቐታሊ ሕማም ተላገብ”
  • ጭኑቓት ኣዴታት​—⁠ጭኑቓት ሕጻናት
  • እኹል ድቃስ ምርካብ፧
  • ዋጋ ኣደ
  • ክንኣድ ዝግባእ ናይ ኣእምሮ ብልሒ ድዩ ወይስ ዝግበር ጻዕሪ፧
  • ከልቢ ዘለዎ ናይ ምሽታት ህዋስ
    ተነዲፉ ድዩ፧
ንቕሑ!—2000
g00 8/7 ገጽ 30-31

ካብ ከባቢ ዓለም

ናይ መሃይምነት መጠን ኣብ ዓለም ይውስኽ

ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ “ዳርጋ ሓደ ካብ ሽዱሽተ ናይቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ 5.9 ቢልዮን ሰባት ከንብቡ ወይ ክጽሕፉ ኣይክእሉን ኢዮም” ትብል። ብመሰረት ማዕከን ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ናይ መሃይምነት መጠን ክውስኽ ኢዩ ትጽ​ቢት ዝግበረሉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ካብ 4 ቈልዑ እቶም 3 ኣይመሃሩን ኢዮም። ኣብ ብዘላ ዓለም ቍጠባዊ ሽግራት ኣብ ርእሲ ምህላዉ ቀቢላዊ ምግርጫው ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ቈልዑ ትምህርቲ ከም ዘይረኽቡ ገይሩዎም ኢዩ። ውግእ ኣብያተ-​ትምህርቲ የፍርስ ጥራይ ዘይኰነስ ብዙሓት ክመሃሩ ዝግብኦም ቈልዑ ወተሃደራት ኢዩ ዝገብር። መሃይምነት ማሕበራዊ ሽግር እውን ይፈጥር ኢዩ። እቲ ዘ ስተይት ኦቭ ዘ ዎርልድስ ቺልድረን 1999 ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ናይ ዩኒሴፍ ጸብጻብ ኣብ መንጎ መሃይምነትን ዓመታዊ መጠን ቍጽሪ ወሊድን ቀጥታዊ ዝዀነ ርክብ ኣሎ ኢዩ ዝብል። ንኣብነት መጽሔት ታይምስ ከም ዝበለቶ ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ደቡብ ኣመሪካ “እተን ዘይተማህራ ኣንስቲ ብገምጋም 6.5 ደቂ ኣለውወን: እተን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝወድኣ ኣዴታት ድማ 2.5 ደቂ ኣለውወን።”

ኣዝማ ይበዝሕ ኣሎ

ካብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና እተረኽበ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ብዘላ ዓለም ናይ ኣዝማ ዝርጋሐን መጠን እቶም ብሰንኪ እዚ ሕማም እዚ ሆስፒታል ዝኣትዉ ሕሙማትን 40 ካብ ሚእቲ ወሲኹ ኣሎ። ስለምንታይ ኢዩ ወሲኹ፧ ኣባላት ናይ ኣመሪካን ኮለጅ ኦቭ ቸስት ፊዚሻንስ ብዛዕባ እቲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝበልዎ ምኽንያት ከመልክቱ ከለዉ: ናይ ገዛ እንስሳታት ምውናን ምብዝሑ ምስቲ ጸቢብን ንጹህ ኣየር ዝውሕዶን መንበሪታት ነቲ ነገር የጋድዶ ኢዩ ይብሉ። ዘ ቶሮንቶ ስታር ከም ዝበለቶ ኣዝማ ብምኽንያት ናይ “እንስሳታት (ቈርበት: ጸጕሪ: ከምኡውን ክንቲት): ኣብ ደሮና ዝርከቡ ደቀቕቲ ነፍሳት: ዓሳው: ናይ ሽጋራ ትኪ: ናይ ዕንባባ ጽገ: ናይ ከባቢ ብከላ: ከምኡውን ብርቱዕ ሽታ” ክለዓል ይኽእል ኢዩ። እቲ ዝኸፍአ መለዓዓሊ ጸጕሪ ድሙ ኢዩ። እታ ጋዜጣ መብዛሕትኡ ብሰንኪ እዚ ዝመጽእ ሞት ክትከላኸሎ ዝከኣል ስለ ዝዀነ ኣዝማ ፍሉይ ቈላሕታ ክግበረሉ ኣለዎ ትብል። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ካናዳ ዳርጋ 1.5 ሚልዮን ሕማም ኣዝማ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ ዳርጋ 500 ዝዀኑ በቲ ሕማም ይሞቱ።

ኣቦታቶም ዝያዳ ተገዳስነት ዝገብሩሎም ኣወዳት ሕጕሳት ይዀኑ

እቶም ብዛዕባ ናይ ደቆም ጭንቀት: ትምህርቲ: ከምኡውን ማሕበራዊ ናብራ ዝግደሱ ኣቦታት “ደቆም ምስ ዓበዩ ተገዳስነትን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ርእሰ-ተኣማንነትን ተስፋን ዘለዎም ሰብኡት” ይዀኑ ብምባል ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ታይምስ ጸብጻብ ተቕርብ። ካብ 13 ክሳዕ 19 ዝዕድሚኦም 1,500 ኣብ ዝዀኑ ኣወዳት ብቱሞሮውስ መን ፕሮጀክት እተገብረ መጽናዕቲ ልዕሊ 90 ካብ ሚእቲ ናይቶም ኣቦታቶም ምስኦም ግዜ ከም ዘሕልፉን ከም ዝግደሱሎምን ዝስምዖም ኣወዳት “ልዑል ክብረትካ ምሕላው: ሓጐስ: ከምኡውን ርእሰ-ተኣማንነት” ከም ዘለዎም ተራእየ። ብኣንጻሩ ካብቶም ኣቦታቶም ሳሕቲ ግዜ ጥራይ ዝግደሱሎም ወይ ድማ ፈጺሞም ተገዳስነት ዘየርእይዎም ኣወዳት እቶም 72 ካብ ሚእቲ “እቲ ዘለዎም ክብረትካ ናይ ምሕላው መንፈስን ተኣማንነትን ትሑት ኢዩ: መንፈስ ጭንቀት ይሕዞም: ትምህርቲ ይጸልኡ: ከምኡውን ብፖሊስ ይትሓዙ።” እታ ኣብ ቱሞሮውስ መን ፕሮጀክት እትሰርሕ ኣድሪየን ካትዝ: እቲ ኣቦን ወድን ብሓንሳብ ዘሕልፍዎ ግዜ ግድን ብዙሕ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን ብምባል ትዕዝብታ ትገልጽ። ከምዚ ድማ ትብል:- “እቲ ቘልዓ ከም ዝድለ: ከም ዝፍቀር: ከምኡውን ጽን ከም ዝብልዎ ኰይኑ ክስምዖ ኣለዎ።”

ናይ ዑረት መጠንቀቕታ

እቲ ዘ ፕሪንስ ጆርጅ ሲቲዘን ዝብሃል ጋዜጣ ከም ዝሕብሮ “ልዕሊ 200,000 ካናዳውያን ግላውኮማ ኣለዎም: ከም ዘለዎም ዝፈልጡ ግን ፍርቆም ጥራይ ኢዮም።” እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዑረት ዝዀነ ግላውኮማ ነቶም ኣብ ድሕሪት ናይ ዓይኒ ዘለዉ ዋህዮታት መትኒ ቀስ ብቐስ ከም ዝሞቱ ይገብር። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ እናጐደለ ይኸይድ: ኣብ መወዳእታ ድማ ፈጺሙ ይጠፍእ። ብዙሓት ካብቶም በቲ ሕማም እተለኽፉ ሰባት ዋላ ሓንቲ ቃንዛ ስለ ዘይ​ስምዖምን: ማኪና ምዝዋር: ምንባብ ከምኡውን ዝበዝሕ ካብቲ ካልእ ተግባራት ክፍጽሙ ስለ ዝኽእሉን ናብ ሕክምና ኣይከዱን ኢዮም። ብመሰረት እቲ ግላውኮማ ሪሰርች ሶሳይቲ ኦቭ ካናዳ ዝብሎ ዓበይቲ: እቶም ኣብ ናይ ስድራ​ቤቶም ታሪኽ ግላውኮማ ዘለዎም ሰባት: ልዕሊ 40 ዝዕድሚኦም ጸለምቲ: ከምኡውን እቶም ኣብ ዓይኖም ብዙሕ ጸቕጢ ዘጓንፎም ሰባት ግላውኮማ ንኽሕዞም ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ይርከቡ። እታ ኣብ ቶሮንቶ ሰይንት ማይክልስ ሆስፒታል እትሰርሕ ዶክተር ኒሩ ጉፕታ ከም ዝበለቶ “እቶም ዝያዳ ናይ ምሕማም ኣጋጣሚ ዘለዎም ሰባት ሕክምና ከም ዝኸዱ ምግባሮም: ፍርቂ ዓወት ኢዩ። ቀልጢፉ ተፈሊጡ ሕክምና ምግባር ከም ዘይትዓውር ኢዩ ዝገብር።”

ኣብ ከተማ ዘጋጥም ድምጽን ጥዑም ድቃስን

ብመሰረት እቲ ናይ ኢጣልያ ናይ ከባቢ ሚኒስትሪ ዝበሎ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 40 ሚልዮን ኢጣልያውያን ንብርቱዕ ድምጺ እተቓልዑ ኢዮም: እዚ ኸኣ ዳርጋ 72 ሚእታዊት ናይቲ ህዝቢ ማለት ኢዩ። ኮሪየረ ዴላ ሴራ ዝብሃል ጋዜጣ ከም ዝገልጾ ገለ ካብቲ ንነዊሕ ግዜ ንብርቱዕ ድምጺ እተቓላዕካ ምስ እትኸውን ከጋጥም ዝኽእል ሕማቕ ውጽኢታት ቅልጡፍ ትርግታ ልቢ: ምልውዋጥ ናይቲ ኣብ መትኒ ደም ዝህሉ ጸቕጢ: ናይ ኣተነፋፍሳ ምልዋጥ: ሕማም ከስዐ: ከምኡውን ዕግርግር ምባል ከስዕብ ይኽእል። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ናይ ማኪናታት ድምጺ ነቲ ግቡእ ድቃስ የማናጕዎ። ኣብ ከተማታት ለይቲ ዝህሉ ድምጺ ልዕሊ 70 ደሲበል ኢዩ: እዚ ኸኣ ንጥዑም ድቃስ የውሕዶ። ሉቺያ ቨንቱሪ ሓላፊት ናይቲ ለጋምቢየንተ ዝብሃል ናይ ኢጣልያ ኣከባቢያዊ ማሕበር ከምዚ ትብል:- ‘ኵሎም እቶም 18 ሚልዮን ዝዀኑ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ሰባት ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ልዕሊ 30 ደቒቕ ድቃስ ይስእኑ። እዚ ድማ ክድመር ከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 22 መዓልትታት ብዘይ​ ድቃስ ማለት ኢዩ።’

አይድስ​—⁠“ቀንዲ ቐታሊ ሕማም ተላገብ”

እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም አይድስ ምክትል ዳይረክተር ፒተር ፒዮ ከም ዝብሎ “አይድስ ኣብ ዓለም እቲ ቐንዲ ቀታሊ ሕማም ተላገብ ኢዩ።” መጽሔት ሳይንስ ብ1997 አይድስ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ቀታሊ ሕማማት ሻብዓይ ከም ዝነበረ ጸብጻብ ይህብ። ብ1998 ግን ብዘይ​ካ ነቲ ኢስከሚያ ዝብሃል ሕማም ልቢ: ናይ ሰረብሮ ቫስኩላር ሕማም: ከምኡውን ኣብ ከባቢ ሳምቡእ ዘጋጥም ሕማማት ንዅሉ ካልእ ሕማማት ሓሊፍዎ ኢዩ። አይድስ ኣብ ኣፍሪቃ እውን እቲ ቐንዲ ቀታሊ ሕማም ኢዩ ኰይኑ። ካብቲ ተላጋቢ ዘይኰነ ሕማማት እውን ሕልፍ ዝበለ ኢዩ። ዓሚ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ: አይድስ ብገምጋም 1,830,000 ዝኸውን ህይወት ኣጥፊኡ ኢዩ: እዚ ድማ ዕጽፊ ናይቲ ኣብቲ ኣህጉር ካልኣይ ዝዀነ ቀታሊ ሕማም ዓሶ ኢዩ።

ጭኑቓት ኣዴታት​—⁠ጭኑቓት ሕጻናት

እቲ ናይ ካናዳ ናሽናል ፖስት ዝብሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ከም ዝገልጾ ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ኣደ ብዙሕ ጭንቀት ምስ ዝህልዋ ዕቤት ናይቲ ኣብ ማህጸና ዘሎ ሕጻን ክጕዳእ ይኽእል ኢዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ ለክሲንቶን ከንቱኪ: ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከንቱኪ ናይ ሕክምና ኮለጅ ዝሰርሕ ፓቲክ ዋድዋ ዝበሎ ናይ ማህጸን ቅርጺ “ንዕቤት ናይቲ ቘልዓ ይጸልዎ ኢዩ: እታ ኣደ ብዙሕ ጭንቂ እንተ ኣልዩዋ ድማ እቶም ቈልዑ ዝለዓለ ናይ ምሕማም ሓደጋ ከጋጥሞም ይኽእል።” እቲ ጸብጻብ እተጨነቓ ኣዴታት “ቅድሚ መዓልተን ክሓርሳ ይኽእላ ኢየን” እውን ይብል። እቶም ኣብ ደቡብ ካሮላይና: ዩኒቨርስቲ ክለምሶን: ዝርከቡ ተማራመርቲ ከም ዝእምምዎ “ፍዅስ ዝበለ ምውስዋስ ኣካላት ነተን እተጨነቓ ጥኑሳት ናይ ደም ጸቕጠን ከም ዝውሕድ ይገብር እዚ ድማ እቲ ከባቢ ማህጸን ጥዑይ ንኽኸውን ይሕግዝ።”

እኹል ድቃስ ምርካብ፧

እቲ ቶሮንቶ ስታር ዝብሃል ጋዜጣ ከም ዝብሎ እቶም “ብልምዲ ቀትሪ ክድቅሱ ዝደልዩ: ኣብ እዋን ኣኼባ ትኽስ ዝብሉ: ወይ ትዅረት ምግባር ዝስእኑ ሰባት” ለይቲ እኹል ድቃስ ኣይረኽቡን ኣለዉ ማለት ኢዩ። መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ መዓልቲ ጽቡቕ ምእንቲ ክንቀሳቐስ ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ካብ ሸውዓተ ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓታት ክድቅስ ይግብኦ። እዚ ጽቡቕ ድቃስ ብኸመይ ክርከብ ከም ዝኽእል ገለ ክኢላታት ዝሃብዎ ሓበሬታ ካብዚ ቀጺሉ ኣሎ:- ንድቃስ ቀዳምነት ሃብ። ቅድሚ ምድቃስካ ንምዝንጋዕ ግዜ ውሰድ። ቀስ ኢልካ ብእግሪ ምኻድ ሓጋዚ ኢዩ: ኣብተን ናይ መጨረሽታ ሰለስተ ሰዓታት ከቢድ ምንቅስቓስ ኣካላት ኣይትግበር። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እትድቅሰሉን እትትስኣሉን ሰዓታት ሓደ ይኹን። ለይቲ ምስ እትበራበር: ኣይትሕረቕ ወይ ጸገማት ክትፈትሕ ኣይትፈትን: ኣብ ክንድኡስ: ጽቡቕ ሓሳባት ጥራይ ሕሰብ። ክሳዕ ፍርቂ ሰዓት ገና ትሰምዕ እንተ ኣሊኻ: ተሲእካ ከም ባህ ዝብለካ ጽሑፍ ምንባብ ዝኣመሰለ ዘዘናግዓካ ነገር ግበር። ኣብ ኣጋ ምድቃስካ ብዙሕ ከይትበልዕ ወይ ከይትሰቲ ተጠንቀቕ: እንተ​ዀነ ግን ጠሚኻ ከለኻ እውን ኣይትደቅስ።

ዋጋ ኣደ

ንዅሉ እቲ ሓንቲ ኣደ ኣብ ዓመት ምሉእ እትፍጽሞ ዕዮታት ደሞዝ ከተውጽኣሉ እንተ ትፍትን: እቲ ንሳ እትህቦ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ዋጋ ዘለዎ ምዀነ፧ ብመሰረት እቲ ዘ ዋሺንግተን ፖስት ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣብ ዓመት 508,700 ዶላር ኣመሪካ ክትክፈል ምተገብኣ! እዚ ገንዘብ እዚ እቲ ኣደ እትፍጽሞ ዓይነት ዕዮታት ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዝኽፈል ማእከላይ ደሞዝ ኢዩ። ገለ ካብቲ እቲ ጸብጻብ ዘቕርቦ 17 ዓይነት ስራሕ ምስቲ ገምጋም ዓመታዊ ደሞዙ ኣብዚ ቀጺሉ ኣሎ:- ክንክን ቈልዓ 13,000 ዶላር ኣመሪካ፣ ዘዋር ኣውቶቡስ 32,000 ዶላር ኣመሪካ፣ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም 29,000 ዶላር ኣመሪካ፣ ክንክን እንስሳታት 17,000 ዶላር ኣመሪካ፣ ነርስ 35,000 ዶላር ኣመሪካ፣ ቀንዲ ከሻኒ 40,000 ዶላር ኣመሪካ፣ ሓፈሻዊ ናይ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛ 19,000 ዶላር ኣመሪካ። ብመሰረት እቲ ሪክ ኤደልማን ዝብሃል ሊቀ-መንበር ናይ ትካል ፊናንሲያዊ ኣገልግሎታት ዝበሎ እዚ ጸብጻባት ናይ ጥሮታ ከምኡውን ብዕድመ ንዝደፍኡ ዝውሃብ ናይ ገንዘብ ደገፍ ኣብ ግምት ከይኣተወ ዝቐረበ ኢዩ።

ክንኣድ ዝግባእ ናይ ኣእምሮ ብልሒ ድዩ ወይስ ዝግበር ጻዕሪ፧

ብዙሓት ወለዲ ነቲ ውሉዳቶም ዘለዎም ብልሒ እእምሮ ምንኣድ ነቶም ቈልዑ ከም ዝጠቕሞም ይኣምኑ። ይኹን እምበር ብመሰረት እቲ ኮሎምቢያ ማጋዚን ኣብ ዝብሃል መጽሔት ናይ ኒው ዮርክ ኮሎምቢያ ዩኒቨርሲቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ: ሓድሽ እተገብረ ምርምር ከም ዘመልክቶ ከምዚ ዝኣመሰለ ናእዳ ነቲ ዘለዎም ድራኸን ናይ መጻኢ ፍጻመታቶምን ከም ዘዳኽም ይገልጽ። ብመሰረት እቲ ፕሮፈሰር ካሮል ድዌክ ዝበለቶ: ንቘልዑ ብምኽንያት እቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምንኣዶም እቲ ዝበለጸ ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ብድሆታት ንኽዋጽኡሉ ዘለዎም ክእለት ዘሐይል ኢዩ። “እቶም ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ናይ ኣእምሮ ብልሒ ዝንኣዱ ቈልዑ ክሳዕ ክንደይ በላሕቲ ከም ዝመስሉ ኢዮም ዝግደሱ: ብዙሕ ግዜ ድማ ተጠመትቲ ምእንቲ ክዀኑ ንሓደ ኣገዳሲ ነገር ንምምሃር ዘለዎም ኣጋጣሚ ይስውኡ” ብምባል ተመልክት። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቶም በቲ ዝገብርዎ ጻዕርን ምጽማምን ዝንኣዱ ቈልዑ ዝያዳ ኣብ ምምሃርን ነቲ ዘጋጥሞም ፍሽለት ንኽዋጽኡሉ ኣብ ምጽዓርን ከም ዘተኵሩ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ድዌክ ትዕዝብታ ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል:- “ስለዚ እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ምእንቲ ክምሃሩ ነቲ በላሕቲ መሲሎም ክርኣይሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚታት ይስውኡ። ከይሰለጦም ምስ ዝተርፍ እውን ተስፋ ኣይቈርጹን ኢዮም።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ