ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g00 8/1 ገጽ 4-7
  • ጥዕናኻ ብኸመይ ከም እትሕሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥዕናኻ ብኸመይ ከም እትሕሉ
  • ንቕሑ!—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥዑይ መግቢ ምረጽ
  • ሚዛናዊ ዝዀነ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር
  • ምትካኽ ሽጋራ: ሓሽሽ: ኣልኮላዊ መስተኸ፧
  • 1 | ጥዕናኻ ሓሉ
    ንቕሑ!—2022
  • ክብደት ብኸመይ ክንኪ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ኣገባብ ናብራኻ እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ፧
    ንቕሑ!—2000
  • እተመጣጠነ ኣመጋግባ ብኸመይ ኪህልወኒ ይኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
ንቕሑ!—2000
g00 8/1 ገጽ 4-7

ጥዕናኻ ብኸመይ ከም እትሕሉ

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ጥዕናና ዝያዳ ጽልዋ ዘለዎ ነገር እንታይ ምዃኑ ምውሳን በዳሂ ኢዩ። መራኸቢ ብዙሓን ንዕዳጋታት ብናይ ኣመጋግባ: ምውስዋስ ኣካላት: እተመጣጠነ መግቢ: ከምኡውን ካልእ ምስ ጥዕና እተተሓሓዘ ነገራት ብዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዘዕለቕልቕ ገይርዎ ኣሎ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ዝበዝሕ ካብኡ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ኢዩ። ብዛዕባ ስነ⁠-​ፍልጠት ዝጽሕፍ ደኒስ ግራዲ ከምዚ ይብል:- “ነፍሲ ወከፍ ሓዳስ ናይ ሕክምና መጽሔት እንታይ ከም እትበልዕ: እንታይ መድሃኒት ከም እትጥቀም: ብመሰረቱ ኸኣ ብኸመይ ከም እትነብር ዝገልጽ ንህዝቢ ዝወሃብ ምኽሪ ሒዛ ክትወጽእ ከላ ምስቲ ዝሓለፈ ዝጻረር ሓበሬታ ኢያ እትህብ።”

ኣብ ክንዲ ንዝመጸ ሓድሽ ዓይነት ሕክምና ምፍታን ነቲ መሰረታዊ ሓሳቡ ጥራይ ምውሳድ ዝሓሸ ምዃኑ ገለ ሓካይም ይዛረቡ ኢዮም። ንኣብነት: ዘ ኣመሪካን መዲካል ኣሶስየሽን ፋሚሊ መዲካል ጋይድ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ኣብ ኣገባብ ናብራኻ ሃናጺ ለውጢ ብምግባር ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ዝቕልቀል ሕማም ቀልጢፉ ተፈሊጡ ምእንቲ ክትሕከም ስርዓታዊ ኴንካ ጥዕናኻ ብምምርማር ምሉእ ህይወትካ ጥዑይ ኴንካ ክትነብር ትኽእል ኢኻ።” እንተዀነ ግን: እንታይ ዓይነት ‘ሃናጺ ለውጢ ኣብ ኣገባብ ናብራ’ ምግባር ኢዩ ረብሓ ዘለዎ፧ ሰለስተ ካብዚ እስከ ንርአ።

ጥዑይ መግቢ ምረጽ

ናይ ሕክምና ፈላጣት እተፈላለየ ዓይነት መግቢ ክንምገብ ኢዮም ሓሳብ ዝህቡ። ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ዘድልየና ካሎሪ ካብ ካርቦሃይድሬት ብፍላይ ከኣ ካብ ጻዕዳ እኽሊ: ባልዶንጓ: ኣሕምልቲ: ከምኡውን ፍረታት ኢዩ ዝርከብ።a እንተዀነ ግን: ጥዕናና ብዓይነት ናይቲ እንበልዖ ጥራይ ዘይኰነስ ብመጠን ናይቲ እንበልዖ እውን ይትንከፍ ኢዩ። ብመጠን ክንበልዕ ኣገዳሲ ኢዩ። ኵሉ ግዜ ካብቲ ኣካላትና ክጥቀመሉ ዝኽእል ካሎሪ ንላዕሊ ንበልዕ እንተድኣ ኴንና ናብ ምኽራሽ ገጽና ከነምርሕ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ብግዲኡ ወጥሪ ልብን ምድካም ኣካላትን የስዕብ: ኣብ ርእሲኡ ድማ “ንሕማም ልቢ: ሕማም ሽኮር: ሪሕ: ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ዓይነት ጕድለት ጥዕና” እተቓላዕና ከም እንኸውን ዝገብር ምዃኑ ሓንቲ ናይ ሕክምና መምርሒ መጽሓፍ ትገልጽ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ኣብ መግቢ ዘሎ ስብሒ ብዙሕ ኣቓልቦ ተገይርሉ ኢዩ። ብዙሓት ክኢላታት ክንክን ጥዕና: ስብሒ ብብዝሒ ዘለዎ መግቢ ምምጋብ ንሕማም ልብን ገለ ዓይነት መንሽሮን እተቓላዕካ ከም ዝገብር ይገልጹ። እዚ ግን ስብሒ ዝበሃል ነገር ካብቲ መዓልታዊ መግብና ክጠፍእ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ናይቲ ኣመሪካን ዲያተቲክ ኣሶስየሽን ዝባሃል ትካል ፕረዚደንት ዝነበረት ሜሪ ኣቦት ሄስ “ጥዑይ ዓይነት ኣመጋግባ ምህላው ነቲ እትፈትዎ መግቢ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብመጠኑ ንኽትረኽቦ ኣጋጣሚ ዝህብ ኢዩ” ትብል። እቲ ቀንዲ ነገር ካብ ስብሒ ዘለዎ ካልእ ዓይነት መግቢ ተቘጢብካ ካብቲ ስብሒ ዘለዎ እትፈትዎ ዓይነት መግቢ ንእሽቶ ጥራይ ምብላዕ ኢዩ።

ናይ ኣመጋግባ ልምድኻ ምልዋጥ ቀሊል ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። አረ ገሊኣቶምሲ ንገዛእ ርእስኻ ካብቲ እትፈትዎ ዓይነት መግቢ ትሕርማ እንተድኣ ኴንካስ ምንባር ኣይበሃልን ኢዩ ኢዮም ዝብሉ። እንተዀነ ግን: ንዅሉ ስብሒ ዘለዎ መግቢ ቶባ ኢልካ ኣብ ክንዲ ምግዳፍ ሚዛናዊ ንኽትከውን ምጽዓር ኢዩ። ካብቲ ትምገቦ ዝነበርካ ምቕናስ ድኣ እምበር ጨሪስካ ምግዳፍ ማለት ኣይኰነን። እታ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ፋሚሊ መዲካል ጋይድ እትበሃል መጽሓፍ “ጥዑይ ኣገባብ ናብራ ምስዓብ ማለት ንህይወትካ ካብ ሓጐስ ምሕራም ማለት ኣይኰነን” ትብል።

ነቲ ኣብ ኣመጋግባ እትገብሮ ለውጢ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ስምዒት ንምቕናስ ነቲ ዘየድሊ ዓይነት መግቢ ቀስ እናበልካ ምግዳፉ ጽቡቕ ምዃኑ ናይ ኣመጋግባ ክኢላታት ይዛረቡ። ንኣብነት: ነቲ እትገብሮ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ግበሮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ስጋ ትበልዕ እንተድኣ ኣሊኻ: ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ናብ ምብላዕ ኣጕድሎ። ንኸም ጠስሚ: ቺዝ: ጀላቶ: ከምኡውን ብዙሕ ስብሒ ዘለዎም ናይ ጠዓሞት መግብታት እውን ከምኡ ግበር። እቲ ዕላማ ካብቲ ዘድልየና ጠቕላላ ካሎሪ: ስብሒ 30 ሚእታዊት ጥራይ ከም ዝኸውን ንምግባሩ ኢዩ።

ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ ዶ/ር ዋልተር ዊለት ስብሒ ፈጺምካ ገዲፍካ ብዝሒ ካርቦሃይድሬትን ሽኮርን ብዘለዎ መግቢ ምትክኡ ዘምጽኦ ሓደጋ የጠንቅቕ። ከምዚ ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ክብደት ከም እትውስኽ ዝገብር ኢዩ። እቲ ዝሓሸ ካብቲ እትምገቦ ነገራት ስብሕን ካርቦሃይድሬትን ምቕናስ ኢዩ።

ሚዛናዊ ዝዀነ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር

ጥዑይ ኣገባብ ኣነባብራ ስርዓታዊ ዝዀነ ምውስዋስ ኣካላት እትገብረሉ ፕሮግራም ምህላው እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ናይቲ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰርጀን ጀነራል ዝሕተም ንኣካላዊ ብቕዓት ዝምልከት ጸብጻብ ኣዳላዊ ዶ/ር ስቲቨን ብሌር ከምዚ ይብል:- “እቶም ኮፍ ኢሎም ጥራይ ዝውዕሉ ሰባት ሚዛናዊ ዝዀነ ምንቅስቓስ ዘለዎ ኣገባብ ናብራ ምስ ዝስዕቡ ነቲ ብሕማም ልቢ ንኽሞቱ ዘለዎም ኣጋጣሚ ብፍርቂ ከጕድልዎ ይኽእሉ ኢዮም።” እቲ ዘሕዝን ግን ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ሚዛናዊ ዝዀነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዘለዎ ንጥፈት እውን ከይተረፈ ኣይካፈሉን ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ 4 ሰባት 1 ፈጺሙ ምንቅስቓስ ከም ዘይገብር ኢዩ ዝንገር። ኣብ ካናዳ እተገብረ 1997 ፊዚካል ኣክቲቪቲ ቤንችማርክስ እተባህለ መጽናዕቲ “63 ሚእታዊት ናይ ካናዳውያን ኣብ መዓልቲ ሓደ ሰዓት ንዘይመልእ ግዜ ከም ዝንቀሳቐሱ” ምሕባሩ ዘ ተሮንቶ ስታር (እንግሊዝኛ) እትበሃል ጋዜጣ ገሊጻ። ኣብ ብሪጣንያ ዘለዉ ተመራመርቲ ኸኣ እቶም መጽናዕቲ እተገብረሎም ሕጻናት “ፈጺሞም ዘይንቀሳቐሱ ብምዃኖም ህርመት ልቦም ካብቲ ደቂሶም ከለዉ እትሃርሞ ከም ዘይፍለ” ገለጹ።​—⁠ዘ ሳንደይ ታይምስ

ቅድም ከቢድ ናይ ኤሮቢክስ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ጥራይ ንጥዕና ረብሓ ከም ዘለዎ ገይርካ ኢዩ ዝውሰድ ነይሩ። ኣካላዊ ብቕዓትካ ንምምሕያሽ ግን ኣድካሚ ዝዀነ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ኣድላዪ ኣይኰነን። አረ ብመሰረት እቲ ናይ ሰርጀን ጀነራል ጸብጻብሲ “[ፍዅስ ዝበለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ] ገይርካ ኣብ መዓልቲ 150 ካሎሪ ጥራይ ከም ዝቃጸል ምግባር ነቲ ብሕማም ልቢ: ልዑል ጸቕጢ ደም: መንሽሮን ሕማም ሽኮርን ንኽትጥቃዕ ዘሎካ ኣጋጣሚ ከጕድሎ ይኽእል ኢዩ።”

ናይ ምውስዋስ ኣካላት ዓይነት ክትመርጽ ከሎኻ እቲ እትፈትዎ ዓይነት ምምራጽ ኣገዳሲ ኢዩ። እንተዘይኰነ ክፍሊ ኣገባብ ናብራኻ ኣይክትገብሮን ኢኻ። እቲ ቀንዲ ኣድላዪ ነገር እንታይ ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት ትገብር ዘይኰነስ ክንደይ ሳዕ ኢኻ እትገብር ዝብል ኢዩ። እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃገራዊ ትካል ጥዕና እዚ ዝስዕብ ሓፈሻዊ ዝዀነ መምርሒ ይህብ:- “ንኣሽቱን ዓበይትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንተወሓደ ተደሚሩ 30 ደቓይቕ ክበጽሕ ዝኽእል ከቢድ ዘይኰነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ከም ሸቶ ገይሮም ክሕዝዎ ኣለዎም።”

ከቢድ ዘይኰነ ምንቅስቓስ ዝበሃል ኣየናይ ኢዩ፧ ምሕምባስ: ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ብእግሪ ምኻድ: ብሽግለታ ምዝዋር: ማኪና ምሕጻብን ምልካይን: መደያይቦታት ምሕዃር: ከምኡውን ቀጽርኻ ምጽራይ ዘጠቓልል ኢዩ። ጥዕናኻ ንምሕላው ኣብ ሓደ ጅምናዝዩም ወይ ናይ ጥዕና ማሕበር ኣባል ምዃን ኣየድልየካን ኢዩ። ይኹን እምበር: ጥንቃቐ ክግበሮ ዘድልዮ ሓደ ነገር ኣሎ:- ቅድሚ ሕጂ ሕማም ልቢ እንተድኣ ነይሩካ ወይ ዕድሜኻ ልዕሊ 40 ዝዀነ ወዲ ተባዕታይ እንተድኣ ኴንካ ወይ ዕድሜኺ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዀነ ጓል ኣንስተይቲ እንተድኣ ኴንኪ: ናይ ምውስዋስ ኣካላት ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማርካ ንሓኪም ምምኻር ከም ዝግባእ ናይ ሕክምና ክኢላታት ሓሳብ ይህቡ ኢዮም።

ምትካኽ ሽጋራ: ሓሽሽ: ኣልኮላዊ መስተኸ፧

ምትካኽ ሽጋራ:- ሽጋራ ልዕሊ 4,000 ዝኸውን ንጥዕና ዘስግእ ንጥረ⁠-​ነገራት ሒዙ ይርከብ: 200 ካብዚ ኸኣ መርዛም ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዝሒ ሒዝዎ ዘሎ መርዛም ንጥረ⁠-​ነገራት ብዘየገድስ ምትካኽ ሽጋራ ንጥዕና ዝጐድእ ምዃኑ ብዙሕ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ምስቲ ትምባኾ ዘስዕቦ ሞት ክወዳደር ዝኽእል ካልእ ፍርያት ዳርጋ የለን። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ንኣብነት: ካብቶም ብናይ ተሽከርከርቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት እቶም በቲ ምስ ትምባኾ እተተሓሓዘ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ብዓሰርተ ዕጽፊ ይበዝሑ። ብዓለምለኸ ደረጃ ክርአ ኸሎ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐትል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ይግምት!

ኣትከኽቲ ሽጋራ ኣብ ርእሲ እቲ ብመንሽሮን ሕማም ልብን ንኽጥቅዑ ዘለዎም እናወሰኸ ዝኸይድ ኣጋጣሚ: ካብቶም ሽጋራ ዘየትክኹ ንላዕሊ ሰዓል: ቁስሊ ስቶማኮ: ሕዱር ነድሪ ጕርጉማ: ከምኡውን ልዑል ጸቕጢ ደም ብተደጋጋሚ የጥቅዖም ኢዩ። ምትካኽ ሽጋራ ነቲ ናይ ሓደ ሰብ ናይ ምሽታትን ምጥዓምን ስምዒት እውን ይቕንሶ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ምትካኽ ሽጋራ ምቍራጽ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓደ ሰብ ጥዕንኡ ንምሕላው ክወስዶ ዘለዎ ስጕምቲ ኢዩ። ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተንከ፧

ሓሽሽ:- ምጥቃም ሓሽሽ ኣብ መላእ ዓለም ኣዝዩ ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰባት ከም ዝሞቱ ይገብር ኣሎ። እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ክፍሊ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ምጥቃም ሓሽሽ 14,000 ኣመሪካውያን ይቐትል” ምህላዉ ይገልጽ። እንተዀነ ግን: እቶም ተጠቀምቲ ሓሽሽ ጥራይ ኣይኰኑን በቲ ናይ ሓሽሽ ንግዲ ዝትንከፉ። ብዙሓት ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎም ሰባት ንወልፎም ምእንቲ ከዕግቡ ናብ ዓመጽን ቅትለትን ይዋፈሩ። እታ ዘ ሶሽዮሎጂ ኦቭ ጁቨናይል ደሊኴንሲ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ቀይዲ በተኽ ዝዀነ ዝርጋሐ መርበብ [ኮከይን] እተባህለ ሓሽሽ ኣብ ገለ ከተማታት ንዘሎ ማሕበረሰባት ናብ ቅትለት ዝበዝሖ ‘ናይ ሞት ዞባ’ ስለ ዝቐየሮ: ፖሊስ ነቲ ዞባታት እቲ ክኸድዎ ዘየድልዮም እተረስዐ ቦታ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።”

ልክዕ ኢዩ ምጥቃም ሓሽሽ ሽግር ዘስዕብ ዘሎ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ኣይኰነን። ብመሰረት ሓደ ገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ካብ 160,000 ክሳዕ 210,000 ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ሓሽሽ ይሞቱ። ኣብ ርእሲ እዚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ጫት (ዘነቓቕሕ ቈጽሊ): ቤተል ናት: ከምኡውን ኮከይን ዝኣመሰለ ካልእ ጐዳኢ ሓሽሽ ይጥቀሙ ኢዮም።

ኣልኮላዊ መስተ:- ከም ኮከይንን ሄሮይንን ዝኣመሰለ ብርቱዕ ሓሽሽ ኣቓልቦ ህዝቢ ስሒቡ ዘሎ ጕዳይ እኳ እንተዀነ: ኣልኮላዊ መስተ ብግቡእ ዘይምጥቃም ካብኡ ዝበዝሕ ዕንወት ኢዩ ዘምጽእ ዘሎ። “ካብ 10 ካናዳውያን ሓደ” ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዘለዎ ዘ መዲካል ፖስት እትበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ጸብጻብ ትህብ። ቀጺላ ኸኣ “ኣብቲ ናይ ክንክን ጥዕና ኣገባብ ድማ ኣብ ዓመት 10 ቢልዮን ዶላር [ካናዳ] ይወጾ” ብምባል ትገልጽ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 50 ሚእታዊት ናይቲ ብተሽከርከርትን ሓውን ዝወርድ: 45 ሚእታዊት ናይቲ ብምጥሓል ዝስዕብ: ከምኡውን 36 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣጋር ዝወርድ ሞት ብኣልኮላዊ መስተ ዝስዕብ ኢዩ። መብዛሕትኡ ጭከና እተሓወሶ ዓመጽ እውን ኣልኮላዊ መስተ ብግቡእ ብዘይምጥቃም ዝስዕብ ኢዩ። እቶም ቅትለት: መጥቃዕቲ: ምግሳስ: ምህሳይ ቈልዑ: ወይ ርእሰ⁠-​ቅትለት ዝፍጽሙ ሰባት መብዛሕትኡ እዋን ብሓይሊ ኣልኮላዊ መስተ ተደፋፊኦም ኢዮም ዝገብርዎ።

እተፍቅሮ ሰብ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ: ትምባኾ: ወይ ሓሽሽ ምስ ዝህልዎ ሓገዝ ድለ።b እቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ይብል። (ምሳሌ 17:17) እወ: ኣብቲ ስድራቤትካን ብጾትካን ዝገብሩልካ ፍቕራዊ ደገፍ ምውካል ንኸበድቲ ኵነታት ንኽትዋጽኣሉ ብዙሕ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ብሓቂ ጥዑይ ንምዃን ካብ ኣካላዊ ጥዕና ንላዕሊ ዘድልየካ ነገር ኣሎ። ጥዑይ ኣገባብ ናብራ ንምህላው ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ረቛሒታት እውን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ክትመያየጥ ኢያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ጥዑይ ዓይነት ኣመጋግባ ዝርዝር ሓሳባት ንምርካብ ናይ 22 ሰነ 1997 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 7⁠-​13 ርአ።

b ነቲ ኣብ ናይ 22 ግንቦት 1992 ናይ እንግሊዝኛ ንቕሑ! ወጺኡ ዘሎ “ሄልፕ ፎር ኣልኮሊክስ ኤንድ ዘያር ፋሚሊስ” ዝብል ተኸታታሊ ዓንቀጻት ርአ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ስርዓታዊ ኴንካ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ክፍሊ ናይ ጥዑይ ኣገባብ ናብራ ክኸውን ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

“ጥዑይ ኣገባብ ናብራ ምስዓብ ማለት ንህይወትካ ካብ ሓጐስ ምሕራም ማለት ኣይኰነን”

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ትምባኾን ሓሽሽን ንጸግ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ብዓለምለኸ ደረጃ ክርአ ኸሎ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐትል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ይግምት

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ፍረታትን ኣሕምልትን ይጠቕመካ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

“ጥዑይ ዓይነት ኣመጋግባ ምህላው ነቲ እትፈትዎ መግቢ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብመጠኑ ንኽትረኽቦ ኣጋጣሚ ዝህብ ኢዩ”

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መዓልታዊ ናይ ገዛ ስራሕ እውን ጥዑይ ምውስዋስ ኣካላት ክኸውን ይኽእል ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ