ጥዑይ ናይ ኣእምሮ ኣመለኻኽታ ብኸመይ ከም እትዕቅብ
ኣካላዊ ጥዕናና ብዓቢኡ ኣብቲ ናብ ኣካላትና እነእትዎ ነገራት እተመርኰሰ ኢዩ። ሓደ ሰብ ኵሉ ግዜ ሓሸርበሸር ዝምገብ እንተድኣ ዀይኑ ውዒሉ ሓዲሩ ጥዕንኡ ይጕዳእ ኢዩ። እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ናይ ኣእምሮና ጥዕና እውን ዝውዕል ኢዩ።
ንኣብነት: ነቲ ናብ ኣእምሮና እነእትዎ ነገራት ከም ዓይነት መግቢ ኣእምሮና ገይርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ናይ ኣእምሮ መግቢ ዝበሃል ኣሎዶ ኢዩ፧ እወ: ልክዕ ከምቲ እንበልዖ ስጋዊ መግቢ ኣብ ኣካላትና ለውጢ ዘምጽእ እቲ ካብ መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ናይ ተሌቭዥን ፕሮግራማት: ቪድዮ: ናይ ቪድዮ ጸወታታት: ኢንተርነት: ከምኡውን ካብ ናይ ደርፊ ግጥምታት እንረኽቦ ሓበሬታ ንኣተሓሳስባናን ባህርያትናን ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ከመይ ኢሉ፧
ቅድም ናይ ሬክላም ሓላፊ ዝነበረ ጀሪ ማንደር ብዛዕባ እቲ ተሌቭዥን ኣብ ህይወትና ዘለዋ ጽልዋ ክገልጽ ከሎ “ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ጽልዋ ንላዕሊ ተሌቭዥን ኣብ ኣእምሮና ምስልታት ትገድፍ ኢያ” ብምባል ጸሓፈ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ኣእምሮና ዝቕረጽ ምስሊ የዘናግዓና ጥራይ ኣይኰነን። ዘ ፋሚሊ ቴራፒ ኔትዎርከር እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ከምዚ ትብል:- “እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝጥቀምሉ ቃላት: ዝርአ ምስልታት: ዝስማዕ ድምጺ: ዘሎ ሓሳባት: ዝርኣዩ ገጸ-ባህርያት: ኵነታት: ክቡር ነገራት: ከምኡውን ስነ-ጽባቐ ኣብ ሓሳብና: ስምዒትና: ከምኡውን ኣብ ኣእምሮና እንስእሎ ነገራት ዓብላሊ ኢዩ ዝኸውን።”
እወ: ንገንዘቦ ኣይንገንዘቦ ብዘየገድስ ኣተሓሳስባናን ስምዒትናን ቀስ እናበለ በቲ ኣብ ተሌቭዥን እንዕዘቦ ነገራትን ካልእ መዘናግዒታትን ክሕበል ይኽእል ኢዩ። ሽዑ ኸኣ ኢዩ እቲ ሓደጋ ዝጅምር። ከምቲ ማንደር ዝበሎ “ንሕና ሰባት ቀስ እናበልና ከምቲ ኣብ ኣእምሮና ዝቕረጽ ምስሊ ኢና እንኸውን።”
መርዚ ሓንጎል ኢዩ
ብዙሓት ሰባት ዝበልዕዎ ስጋዊ መግቢ ተጠንቂቖም ዝመርጹ እኳ እንተዀኑ: መራኸቢ ብዙሓን ዝቕርበሎም ዝዀነ ይኹን ናይ ኣእምሮ መግቢ ግን ከይመረጹ ኢዮም ዝገፋፍጥዎ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ “ናይ ሎሚ ቲቪ ዋላ ሓንቲ ዝርአ ነገር የብሉን!” ክብል ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ገሊኦም ልክዕ ድጋመት ከም እተገብረሎም ገለ ዝጠቅም እንተ ተረኽበ ኢሎም መስመራት ቲቪ ክለዋውጡ ይውዕሉ። ነታ ቲቪ ምጥፍኣ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኦም ፈጺሙ ኣይመጽእን ኢዩ!
መብዛሕትኡ ካብቲ ዝርአ ነገራት ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ እቲ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ክርስትያናት ከወግድዎ ዘድልዮም ኢዩ። ጌሪ ኩልቱክያን እተባህለ ብዛዕባ ስነ-ጥበብ ዝጽሕፍ “ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ቀደም ንላዕሊ ኣብ ተሌቭዥናት ዝርአ ዘሎ ብዕልግና ጥራይ ዘይኰነስ: ኣካታዕን ናይ ጾታዊ ርክብን ኣርእስትታት እውን ኢዩ” ይብል። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘረጋገጾ ኣብቲ ሰባት ብብዝሒ ተሌቭዥን ዝርእዩሉ ሰዓታት ናይ ምሸት ጥራይ ብገምጋም ኣብ ሰዓት 27 ግዜ ናይ ጾታዊ ርክብ ትርኢታት ይመሓላለፍ።
እዚ ኣብ ኣተሓሳስባ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ገሊኣቶም ይግረሙ ይዀኑ። ኣብ ጃፓን ኣብ ተሌቭዥን እተራእየት ሓንቲ ውርይቲ ድራማ ንብዙሓት ሰባት ስለ ዝሰሓበት ናይታ ሃገር መራኸቢ ብዙሓን “ዝሙት ንምብዛሕ እተተባብዕ” ኢሉ ጸውዓ። ኣብ ርእሲ እዚ ደረስቲ ናይታ ዎቺን ኣመሪካ ዘርእስታ መጽሓፍ “ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኡ ዓይነት ጾታዊ ነገራት . . . ከም ቅቡል ዝዀነ ብብሕቲ ዝግበር ምርጫ ኣገባብ ናብራ ገይርካ ኢዩ ዝውሰድ ዘሎ” ይብሉ።
እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ናይ ቲቪ ፕሮግራም ዝመሓላለፍ ምስ ጾታዊ ርክብ እተተሓሓዘ ኣርእስትታት ሓደ ካብቲ ሽግራት ጥራይ ኢዩ። ዓመጽ ዘጕልሕ ንጹርን ዝርዝርን ዝዀነ ምርኢታት እውን ልሙድ ኢዩ። እቲ ብፍላይ ዘሻቕል ከኣ እቲ ኣብ ናይ ቲቪ ፕሮግራማትን ፊልምታትን ዝርአ ዓመጽ ኣብቲ ዝዀነ ነገር ብቐሊሉ ዝሕዝ ኣእምሮ ቈልዑ ዘውርዶ ዕንወት ኢዩ። ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረን ምስ ቅትለት እተተሓሓዘ ናይ ስነ-ኣእምሮ ምሁርን ደቪድ ግሮስማን “ቈልዑ ሓደ ሰብ ኣብ ቲቪ ብጥይት ክቕተል: ክሕረድ: ብጾታ ክዕመጽ: ጭከና ክወርዶ: ክዋረድ: ወይ ክመውት ክርእዩ ከለዉ: ናይ ሓቂ ዘጋጠመ ነገር ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ” ይብል። ዘ ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን መዲካል ኣሶሲየሽን (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እዚ ግድል እዚ ሓሳብ ክትህብ ከላ ከምዚ ትብል:- “ካብ ደቂ 3ን 4ን ዓመት ኣትሒዝካ ዘለዉ ብዙሓት ቈልዑ ዋላ ምስ ዓበይቲ ከለዉ እውን ከይተረፈ ንሓደ ክውን ነገር ካብቲ ኣብ ናይ ተሌቭዥን ፕሮግራማት ዝርእይዎ ፈጠራ ክፈልይዎ ኣይክእሉን ኢዮም።” ብኻልእ ኣዘራርባ: ዋላ እኳ ሓደ ወላዲ ንውላዱ ‘እዞም ሰባት ናይ ሓቂ ኣይኰኑን ዝሞቱ ዘለዉ፣ ናይ ሓሶት ኢዩ’ ኢሉ ይንገሮ ኣእምሮ ናይቲ ቈልዓ ነቲ ናይ ሓሶት ካብቲ ሓቂ ክፈልዮ ኣይክእልን ኢዩ። ንሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ኣብ ቲቪ ዝርአ ዓመጽ ናይ ሓቂ ኢዩ።
“ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ ዓመጽ” ዘለዎ ጽልዋ ታይም መጽሔት ጽሙቝ ኣቢላ ከተቕርቦ ከላ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ቲቪን ፊልምታትን ዝርአ ምፍሳስ ደም ኣብቶም ዝርእይዎ ቈልዑ ብርቱዕ ጽልዋ ከም ዘለዎ ተመራመርቲ ዳርጋ ኣይካትዕሉን ኢዮም።” እንታይ ዓይነት ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ፧ ብዛዕባ ፊልምታት ርእይቶ ዝህብ ማይክል ሜድቨድ ከምዚ ይብል:- “ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ክርአ ዝጸንሐ ዓመጽ እተሓወሶ መዘናግዒታት ነቲ ሰባት ብዛዕባ ዓመጽ ዘለዎም ኣተሓሳስባን ግምትን ኣብ ምቕያር ተዓዊቱ ኢዩ።” ወሲኹ ኸኣ “ሓደ ማሕበረሰብ ነቲ ዝነበሮ ናይ ምስምባድ ስምዒት ከጥፍእ ጽቡቕ ምዕባለ ኢዩ ክበሃል ፈጺሙ ኣይከኣልን ኢዩ” ይብል። ስለዚ ሓደ ጸሓፊ ንሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ ዓመጽ ዘለዎ ፊልም ከተርእዮ ምውሳዱ “ንኣእምሮኡ መርዚ ኢዩ” ኢሉ ምግላጹ ዘገርም ኣይኰነን።
እዚ ግን ኵሉ ናይ ተሌቭዥን ፕሮግራማት ሕማቕ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ብዛዕባ መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ቪድዮታት: ናይ ኮምፒዩተር ጸወታታት: ከምኡውን ካልእ ዓይነት መዘናግዒታት እውን ከምኡ ኢዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ካብቲ መዘናግዒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነገራት ነቶም ጥዑይ ናይ ኣእምሮ ኣመለኻኽታ ክህልዎም ዝደልዩ ሰባት ከም ዘይሰማማዕ ንጹር ኢዩ።
መዘናግዒ ተጠንቂቕካ ምረጽ
ብኣዒንትና ኣቢሉ ናብ ኣእምሮና ዝመሓላለፍ ምስልታት ኣብ ሓሳብናን ተግባራትናን ብርቱዕ ጽልዋ ኣለዎ። ንኣብነት: ንኣእምሮና ብተደጋጋሚ ብዘይጽፉፍ መዘናግዒ ምስ እንመልኦ ነቲ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ዝብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንፍጽሞ ዘሎና ቈራጽነት ይዳኸም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:18) ብተመሳሳሊ ብዛዕባ “ገበርቲ እከይ” ዘርኢ መዘናግዒታት ባህ ኢሉና ንርእዮ እንተድኣ ኴንና: ‘ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር’ ይኸብደና ኢዩ። (መዝሙር 141:4፣ ሮሜ 12:18) ነዚ ንምውጋድ ንኣዒንትና ካብ “ነውሪ” ከነልግሰን ይግብኣና።—መዝሙር 101:3፣ ምሳሌ 4:25, 27
ብሰንኪ እቲ ዘሎና ዘይፍጽምና ኵላትና ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ክንቃለስ ከም ዘሎና ፍሉጥ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብግልጺ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ:- “ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ።” (ሮሜ 7:22, 23) እዚ ግን ጳውሎስ በቲ ስጋዊ ድኽመታቱ ተሰኒፉ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን! “ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን: ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” በለ።—1 ቈረንቶስ 9:27
ብተመሳሳሊ ንሕና እውን ነቲ ዘሎና ዘይፍጽምና ንሓጢኣት ምኽንያት ክንገብሮ ፈጺምና ኣይንደልን ኢና። እቲ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይሁዳ “ኣቱም ፍቑራተይ . . . በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም: ናይ ግዲ ዀነኒ” በለ። (ይሁዳ 3, 4) እወ: ‘ክንጋደልን’ ካብቲ ንሕማቕ ከለዓዕለና ዝኽእል መዘናግዒታት ክንርሕቕን ከድልየና ኢዩ።a
መለኮታዊ መምርሒ ንምርካብ ሃለው በል
ኣብዚ ኣገባብ እዚ ጥዑይ ናይ ኣእምሮ ኣመለኻኽታ ምዅስኳስ ቀሊል ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብኣተሓሳስባ ይኹን ብስነ-ምግባር ጽፉፍ ኴንካ ምንባር ከም ዝከኣል ይገልጽ ኢዩ። ብኸመይ፧ ኣብ መዝሙር 119:11 “ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ: ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ” ዝብል ነንብብ።
ነቲ ኣምላኽ ዝበሎ ነገራት ምዕቛር ማለት ኣኽቢርካ ምርኣዩ ወይ ዝለዓለ ዋጋ ከም ዘለዎ ገይርካ ምሓዙ ኢዩ። እንታይ ይብል ከም ዘሎ እንተድኣ ዘይፈሊጥናዮ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክብ ኣቢልና ክንርእዮ ከም ዘይንኽእል ፍሉጥ ኢዩ። ካብ ቃል ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ብምርካብ ሓሳብ ኣምላኽ ንሕዝ። (ኢሳይያስ 55:8, 9፣ ዮሃንስ 17:3) እዚ ብግዴኡ ብመንፈስ የሀብትመና: ንኣተሓሳስባና ኸኣ ክብ ከም ዝብል ይገብሮ።
ብኣእምሮን ብመንፈስን ጥዑይ ዝዀነ ነገራት ንምውሳን ዘኽእል ትውክልቲ ዝግበሮ ንጹር መምርሒ ኣሎዶ፧ እወ! ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይመክር:- “ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ።”—ፊልጲ 4:8
ንሕና ግን ናይ ሓቂ ረብሓ ክንረክብ እንተድኣ ኴንና ፍልጠት ኣምላኽ ካብ ምርካብ ንላዕሊ የድልየና። ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ተመሪሑ “እግዚኣብሄር እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ: ከምዚ ይብል፤ ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 48:17 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: መለኮታዊ መምርሒ ምድላይ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ዝፈለጥናዮ እውን ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ የድሊ።
ብኣእምሮን መንፈስን ረብሓ ክንረኽበሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ ናብቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ዝዀነ የሆዋ ብጸሎት ምቕራብ ኢዩ። (መዝሙር 65:2፣ 66:19) ንፈጣሪና ብቕንዕናን ብትሕትናን እንተድኣ ቀሪብናዮ ንልማኖና ክሰምዖ ኢዩ። ‘እንተ ደሊናዮ ክርከበለና ኢዩ።’—2 ዜና መዋእል 15:2
ስለዚ እምበኣር ኣብዛ ዓመጽን ዘይስነ-ምግባራውነትን ዝመልኣ ዓለም ጥዑይ ኣእምሮ ምዕቃብ ይከኣል ድዩ፧ ብሓቂ ይከኣል ኢዩ! ንኣእምሮና ብመዘናግዒታት እዛ ዓለም እዚኣ ከም ዘይድንዝዝ ብምግባር: ቃል ኣምላኽ ኣጽኒዕና ንኽእለት ኣተሓሳስባና ከም ዝድልድል ብምግባር: ከምኡውን መለኮታዊ መምርሒ ንምርካብ ሃለው ብምባል ጥዑይ ናይ ኣእምሮ ኣመለኻኽታ ክንዕቅብ ንኽእል ኢና!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ጥዑይ መዘናግዒ ብዛዕባ ምምራጽ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ናይ 22 ግንቦት 1997 ናይ እንግሊዝኛ ንቕሑ! ኣብ ገጽ 8-10 ርአ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
“ብዙሓት ቈልዑ . . . ንሓደ ክውን ነገር ካብቲ ኣብ ናይ ተሌቭዥን ፕሮግራማት ዝርእይዎ ፈጠራ ክፈልይዎ ኣይክእሉን ኢዮም”
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
“ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ክርአ ዝጸንሐ ዓመጽ እተሓወሶ መዘናግዒታት ነቲ ሰባት ብዛዕባ ዓመጽ ዘለዎም ኣተሓሳስባን ግምትን ኣብ ምቕያር ተዓዊቱ ኢዩ”
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ነቲ ከጋጥመካ ዝኽእል ሕማም ልቢ ምቕናሱ
እቲ ኑትሪሽን ኣክሽን ሄልዝሌተር ዘርእስቱ ናይ እንግሊዝኛ ጽሑፍ ነቲ ከጋጥመካ ዝኽእል ሕማም ልቢ ክትቅንሰሉ እትኽእል እዚ ዝስዕብ ስጕምትታት ምውሳድ ጠቓሚ ምዃኑ ሓሳብ ይህብ:-
• ምትካኽ ሽጋራ ኣቋርጽ። ሕጂ ምቍራጽካ ነቲ ብሕማም ልቢ ንኽትጥቃዕ ዘሎካ ኣጋጣሚ ብሓደ ዓመት ክቕንሶ ይኽእል ኢዩ: ዋላ ክብደት እንተ ወሰኽካ እዚ ክትገብሮ ጽቡቕ ኢዩ።
• ክብደት ቀንስ። ካብቲ ዝግባእ ንላዕሊ ረጒድ እንተድኣ ኴንካ: ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ዓሰርተ ፓውንድ ዝኸውን ምንካይ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ።
• ምውስዋስ ኣካላት። (እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ) ስርዓታዊ ዝዀነ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ካብ ግቡእ ንላዕሊ ዝዀነ ኮሌስትሮል (ኤልዲኤል) ንኽትቅንስን ጸቕጢ ደም ክብ ንኸይብልን ይሕግዝ: ዘየድሊ ክብደት ከኣ የጥፍእ።
• ብዙሕ ስብሒ ዘይብሉ ብላዕ። እቲ ዘሎካ ኤልዲኤል ልዑል እንተድኣ ዀይኑ: ስብሒ ዘይብሉ ስጋ ብላዕ: ኣብ ክንዲ 2 ሚእታዊት ስብሒ ዘለዎ ጸባ 1 ሚእታዊት (ብዙሕ ስብሒ ዘይብሉ) ጸባ ወይ ስብሒ ዘይብሉ ጸባ ተጠቐም።
• እትሰትዮ ዓቐን ኣልኮል ቀንስ። እቶም ብመጠኑ ቀይሕ ወይኒ ዝሰትዩ ሰባት ሕማም ልቢ ንኽሕዞም ዘለዎም ኣጋጣሚ ከም ዝጐድል ዘርኢ ሓበሬታ ኣሎ።
• ዝያዳ ፍረታት: ኣሕምልቲ: ከምኡውን ብቐሊሉ ክሓቅቕ ዝኽእል ንጥረ-ነገር ዘለዎ መግቢ ኣዘውትር።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ተሌቭዥን ዝርአ ዓመጽ ንሓንጎል ቈልዑ ዝምርዝ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ቈልዑ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ኣብ ቲቪ ዝርእይዎ ዓመጽ ይቐድሕዎ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ወለዲ ንደቆም እተፈላለየ ጥዑይ ዝንበብ መጻሕፍቲ ብምቕራብ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም