ኣገባብ ናብራኻ እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ፧
ብብዙሕ መገድታት ክርአ ኸሎ ኵነታት ጥዕና ከም ሎሚ ገይሩ ተስፋ ዘለዎ መሲሉ ኣይፈልጥን። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና (WHO) ብ1998 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ “ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብዙሓት ሰባት እንተ ወሓደ እቲ ዝተሓተ ክንክን ጥዕና: ጥዑይ ቀረብ ማይን ናይ ንጽህና መሳለጥያታትን ክረኽቡ ኣጋጣሚ ኣለዎም” በለ። ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ዓለም ሕማቕ ኵነታት መነባብሮ ከም ዘለዎ ርግጽ እኳ እንተዀነ: እቲ ቢቢሲ ዝባሃል ዜና ዝዝርግሕ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ትካል ግን “ኣብዚ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ 500 ዓመታት ንላዕሊ ድኽነት ካብ ዓለም ነክዩ ኢዩ” ብምባል ጸብጻብ ሃበ።
እቲ ኣብ ዓለም እተገብረ ምዕባለ ኣገባብ ክንክን ጥዕና ገምጋም ዕምሪ ሰብ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ከም ዝውስኽ ገይሩ ኢዩ። ብ1955 ገምጋም ዕምሪ ሰብ 48 ዓመት ኢዩ ነይሩ። ብ1995 ግን 65 ዓመት በጽሐ። ሓደ ካብቲ ዝወሰኸሉ ምኽንያታት ከኣ ነቲ ኣብ ቈልዑ ዝርአ ሕማማት ኣብ ምክልኻል ምዕባለ ስለ እተራእየ ኢዩ።
ልዕሊ 40 ዓመታት ይገብር: ገምጋም ሞት ናይ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዑ 40 ሚእታዊት ናይቲ ዘጋጥም ዝነበረ ሞት ኢዩ ነይሩ። ብ1998 ግን ሳላ ክታበት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሕጻናት መብዛሕትኦም ነቲ ኣብ ግዜ ቍልዕነት ከጋጥም ዝኽእል ሕማም ክቃወምዎ ክኢሎም ኢዮም። ስለዚ ኸኣ እቲ ገምጋም ሞት ናይ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዑ ናብ 21 ሚእታዊት ናይቲ ዘጋጥም ሞት ጐደለ። ከም ኣበሃህላ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና “ምሉእ ጥዕናን ዝነውሐ ዕድመን ዝርከበሉ ንጹር ኣንፈት ተበጺሑ ኣሎ።”
ልክዕ ኢዩ: ንነዊሕ ዓመታት ብህይወት ጸኒሕካ ዓይነት ናብራኻ ግን ዘይመሓየሽ እንተድኣ ኰይኑ ዓወት ኣይበሃልን ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ መነባብሮ ንምርካብ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ብስጋዊ ነገራት እቲ ባህ ዘብለካ ምርካብ ምዃኑ ኢዮም ኣጸቢቖም ዘጕልሑ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ናብራ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ጥዕና ግድላት ኣለዎ።
ዝሓሸ ኣገባብ ናብራ ድዩ ዘድሊ፧
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ኣብ ማሕበራውን ቍጠባውን ኵነታት እተራእየ ምምሕያሻት ኣብ ኣገባብ ናብራ ሰባት ለውጢ ኣምጺኡ ኢዩ። ብዙሓት ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዘለዉ ሰባት እቲ ቅድሚ ሕጂ ሃብታማት ጥራይ ክገዝእዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኣቝሑትን ኣገልግሎታትን ክረኽቡ ክኢሎም ኢዮም። ገለ ካብዚ ምዕባለታት እዚ ነቲ ዘሎ ነዊሕ ዕድመ ናይ ምንባር ተስፋ ዝወሰኸሉ እኳ እንተዀነ: ብዙሓት ሰባት ግን ንገዛእ ርእሶም ከዕንውሉ ኣብ ዝኽእሉ ኣገባብ ናብራ ኢዮም ተጸሚዶም ዘለዉ።
ንኣብነት: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ንኽዕድጉ ዘለዎም ዓቕሚ ከም ሓሽሽ: ኣልኮል: ከምኡውን ትምባኾ ዝኣመሰለ ዘየድሊ ነገራት ንምዕዳግ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ውጽኢቱ ኸኣ ዘሕዝን ኢዩ። እታ ዎርልድ ዎች እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት “ኣብ ዓለም እቲ ብናህሪ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት ሕማም ኣይኰነን” ምስ በለት ቀጺላ “እቲ ዝፈሪ ዘሎ ነገራት ኢዩ” ትብል። እታ መጽሔት ወሲኻ “ኣብዚ ዝቕጽል 25 ዓመታት እቲ ብሰንኪ ትምባኾ ዝመጽእ ሕማም: ንተላጋቢ ሕማም ብምትካእ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ንጥዕና ደቅሰብ ዘስግእ ክኸውን ትጽቢት ይግበር” ትብል። ኣብ ርእሲ እዚ ሳይንቲፊክ ኣመሪካን እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ከምዚ ትብል:- “30 ሚእታዊት ናይቲ ቀታሊ ዝዀነ ሕማም መንሽሮ ብቐንዱ ብምትካኽ ሽጋራ ዝመጽእ ክኸውን ከሎ ክንድኡ ዝኸውን ከኣ ብሰንኪ ኣገባብ ናብራ: ብፍላይ ድማ ምስ ልምዲ ኣመጋግባን ጕድለት ምውስዋስ ኣካላትን እተተሓሓዘ ኢዩ።”
ብዘይጥርጥር እምበኣር እቲ ኣብ ኣገባብ ናብራና እንገብሮ ምርጫ ኣብ ጥዕናና ጕሉሕ ጽልዋ ኣለዎ። ስለዚ ንጥዕናና ክንሕልዎ ወይ ከነማሓይሾ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጽቡቕ ኣመጋግባን ምውስዋስ ኣካላትን ጥራይ ኣኻሊ ድዩ፧ ኣብ ርእሲ እዚ: ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ረቛሒታት ኣብ ጥዑይ ዝዀነ ኣገባብ ናብራ እንታይ ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ፧