ካብ ከባቢ ዓለም
ሽጋራ ምትካኽ ክሳርኡ ቢልዮናት ኢዩ
እታ በርና ኣበርላንዳ እትበሃል ጋዜጣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቍጽሪ ናይቶም ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ይጐድል እኳ እንተ ሃለወ: ኣብ ስዊዘርላንድ ግን ለውጢ ኣይገብርን ዘሎ ትብል። ሓደ ሲሶ ናይቲ ህዝቢ ሽጋራ ዘትክኽ ኢዩ። ልዕሊ 8,000 ሰባት ኣብ ዓመት ምስ ሽጋራ ምትካኽ እተተሓሓዘ ጸገማት ኢዩ ዝቐትሎም። እዚ ድማ ካብ ቍጽሪ ናይቲ ብአይድስ: ሄሮይን: ኮከይን: ኣልኮል: ሓዊ: ሓደጋ ማኪና: ቅትለት: ከምኡውን ብርእሰ-ቅትለት ዝመውት ሰብ ብምሉኡ ዝበዝሕ ማለት ኢዩ። እቲ ብፌደራል ዲፓርትመንት ኦቭ ፓብሊክ ሄልዝ ናይ ስዊዘርላንድ እተገብረ መጽናዕቲ ኣብ 1995 ንትምባኾ ተባሂሉ ብህዝቢ ዝወጸ ገንዘብ ዓሰርተ ቢልዮን ስዊስ ፍራንክ ምዃኑ እዚ ማለት ድማ ልዕሊ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ምዃኑ ይድምድም። ኣብቲ መጽናዕቲ ነቲ ንሕክምናን ንሆስፒታልን ዝወጸ ወጻኢ: እቲ ኣብ ስራሕ ክውዕል ዝነበሮ ዝጠፍአ ጕልበት: እቲ ሕሱር ህይወት ናይቲ ብምትካኽ ሽጋራ ዝሓመመ ሰብን ናይቶም ንሱ ዝጥውሮም ሰባትን: ስቅያት እቶም ኣባላት ስድራቤት ናይቲ መዋትን እውን ብገንዘብ ክትመን ተፈቲኑ ኢዩ።
ትሃምም ዘላ ከተማ
ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከምዚ ትብል:- “ሜክሲኮ ሲቲ ትሃምም ኢያ ዘላ። ብዙሕ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ማይ ነቶም 18 ሚልዮን ዝዀኑ ተቐማጦ ተባሂሉ ስለ እተመጠ እታ ኸተማ ብዘገርም ቅልጣፈ ንታሕቲ ገጻ ትሃምም ኣላ።” ነቲ ሽግር ዘጋድዶ ድማ “ሜክሲኮ ሲቲ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ማየን ንብላሽ ዝልሑኽ ከተማታት ኢያ። ናይቲ ዝዝርጋሕ ጽሩይ ማይ ካብ ሓደ ሊትሮ እቲ ሲሶ ዝልሑኽ ኢዩ።” ስለዚ ድማ ዝያዳ ክምጠጥ ኣለዎ ማለት ኢዩ: ዝያዳ እንተ ተመጢጡ ድማ እታ ኸተማ መመሊሳ ትሃምም። ዘዐርዩ ጕጅለታት ኣብ ዓመት 40,000 ነቓዓት የዐርዩ: እንተዀነ ግን ከይተመልከተሉ ዝሓልፍ ነቓዓት ብዙሕ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ ትሃምም ዘላ ኸተማ ሜክሲኮ ሲቲ ጥራይ ኣይኰነትን። ንኣብነት ኣብ ኢጣልያ ከተማ ቨኒስ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን 23 ሰንቲ ሜተር ኢያ ሃሚማ። ሜክሲኮ ሲቲ ግን 9 ሜትሮ ኢያ ሃሚማ!
ዓው ዝበለ ሙዚቃ ከም መህደሚmusic
እታ ፒቺኣኩካ እተባህለት ናይ ፖላንድ ጋዜጣ “ሓካይም ዓው ዝበለ ድምጺ ንኣካላት ብምሉኡ ኣሉታዊ ሳዕቤን” ከም ዘለዎ የጠንቅቑ እኳ እንተዀኑ: ብዙሓት መንእሰያት ብዘይ ዎክማን ዝብሃል ንእሽቶ ቴፕ ዘይኰነሎም ኢዮም ዝመስሉ ብምባል ጸብጻብ ተቕርብ። ምኽንያቱ እንታይ ኢዩ፧ እታ ጋዜጣ ቀጺላ ከም እትገልጾ ገሊኦም ዎክማን ዝጥቀሙ “ብሓሳብ ካብ ከባቢኦም ምእንቲ ከውጽኦም ኢሎም ኢዮም። ሓደ ኰተቴ ኣብ እዝኑ መስምዒ ሙዚቃ እንተ ገይሩ: ናይ ስድርኡ ቈየቛ ወይ ክጽውዕዎ ከለዉ ንኣብነት ሓደ ነገር ክገብር ክጽውዕዎ ከለዉ ክሰምዖም ኣየድልዮን ኢዩ።” ኣዝዩ ዓው ዝበለ ሙዚቃ “ድኻም: ሕማም ርእሲ: ኣቓልቦ ምስኣን: ወይ ድቃስ ምስኣን” ከስዕብ ይኽእል ምዃኑ ብምግንዛብ ፒቺኣኩካ ወለዲ ንደቆም ዎክማን ክኸልእዎም የብሎምን ኣብ ክንድኡስ ሚዛናውያን ምዃን ክምህርዎም ይግባእ: ብምባል ንወለዲ ትምዕዶም። እታ ጋዜጣ ከምዚ ትብል:- “ሓድሓደ ግዜ ናይ ውሉድኩም ዎክማን ንስኹምውን ተጠቐምሉ። ንዕኦም ዕረፍቲ ይኸውን ንስኹም ድማ እቲ ደቅኹም ዘለውዎ ዓለም ከመይ ከም ዝመስል ትፈልጡ።”
ልብኻ ተኸላኸለሉ
እቲ ሓኪም ልብን ናይቲ ዘ ሃርት ኤንድ ስትሮክ ፋውንደሽን ዝብሃል ኣብ ኦንታሪዮ: ካናዳ ዝርከብ ማሕበር ወሃብ ቃል ዝዀነ ዶክተር ኣንቶኒ ግራሃም ከምዚ ይብል:- “ውዑይ ኵነታት ኣየር ሓደጋ ናይ ሕማም ልቢ ከም ዘብዝሕ ኵሉ ግዜ ንፈልጦ ዝነበርና ነገር ኢዩ: ሕጂ ግን ዝሑል ኵነታት ኣየር እውን ሓደጋ ከም ዘብዝሕ ፈሊጥና ኢና።” ከምቲ ኣብ ዘ ግሎብ ኤንድ መይል ዝብሃል ጋዜጣ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ: በቶም ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ 250,000 ሰባት እተገብረ ናይ ዓሰርተ ዓመት መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ካብቲ ገምጋም መጠን ሙቐት ዓሰርተ ዲግሪ ዝኸውን ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ምኻድ “ንመጀመርታ ግዜ ሕማም ልቢ ንኽሕዘካ ዘሎ ኣጋጣሚ ብ13 ሚእታዊት ይውስኽ።” መጠን ሙቐት ክወርድ ከሎ ልቢ ኣበርቲዓን ብቕልጡፍን ኢያ ትዓዪ ምኽንያቱ ደም ሙቐት ምእንቲ ክዕቅብ ካብ ቈርበት ኣልጊሱ ናብቲ ውሽጢ ኣካላት ኢዩ ዝኸይድ። ሰባት ክሳዕ ዝደኽሙ ምስ ዝጽዕሩን ብግቡእ ምስ ዘይክደኑን ድማ እቲ ሓደጋ መሊሱ ይገድድ። ዶክተር ግራሃም ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “ንሓሙሽተ ወርሒ ተረፊዕካ ድሕሪ ምጽናሕ ብሃንደበት ደገ ወጺእካ ኣብ ቍሪ በረድ ክትግሕጥ ኣይከኣልን ኢዩ። ቀስ እናበልካ ክትለማመዶ ኣሎካ።”
ምጥፋእ ቋንቋ
እታ ነቲ ኣብ ኣላስካ ዝርከብ ናይ ኢያክ ቋንቋ ትዛረብ ናይ መወዳእታ ዝዀነት ቺፍ ሜሪ ስሚዝ ጆነስ ከምዚ ትብል:- “ንደቀይ እቲ ቋንቋ እቲ ብዘይምምሃረይ ኣጸቢቐ ኢየ ዝሓርቕ።” ካብቲ 6,000 ዝኸውን ኣብ ብዘላ ዓለም ዝዝረብ ቋንቋታት: ኣብ መንጎ 40ን 50ን ሚእታዊት ኣብዚ ዝመጽእ ክፍለ-ዘበን ከም ዝጠፍእ ኢዩ እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ዝእምት። እታ ሓደ ግዜ ልዕሊ 250 ቋንቋታት ዝዝረበላ ዝነበረት ኣውስትራልያ ሕጂ ዳርጋ 20 ቋንቋታት ጥራይ ኢዩ ዝዝረበላ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኒውስ ዊክ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ይህብ:- “እንግሊዝኛን ካልእ ‘ዓበይቲ ቋንቋታትን’ የስፋሕፍሕ ስለ ዘሎ [ካልእ ቋንቋታት] ከም ዝርሳዕ ይኸውን ኣሎ።” ፕሮፈሰር ስቲቨን ቩርም እተባህለ ኣዳላዊ ናይቲ ኣትላስ ኦቭ ዘ ዎርልድስ ላንጔጅስ ኢን ዳንጀር ኦቭ ዲስኣፒሪንግ ዝብሃል ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትምህርታዊ: ስነ-ፍልጠታዊ: ከምኡውን ባህላዊ ማሕበር እተሓትመ መጽሓፍ ከምዚ ኢሉ ይውስኽ:- “ኵሉ ግዜ ዋጋ ስለ ዘይብሉ ነቲ ‘ንኣሽቱ’ ቋንቋታት: ነቲ ውሑዳት ዝዛረብዎ ቋንቋታት ክትርስዖ ኣሎካ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣሎ።”
ንሕጻንካ ተዛረቦ
ኣብ ለንደን እትዳሎ ጋዜጣ ደይሊ ተለግራፍ ንሕጻናት እንተ ወሓደ ኣብ መዓልቲ ን30 ደቒቕ ምዝራቦም ንምስትውዓሎምን ክእለት ቋንቋኦምን ክብ የብለሎም ኢዩ ብምባል ትገልጽ። ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊ 140 ደቂ ትሽዓተ ወርሒ ሕጻናት መጽናዕቲ ገበሩ። ወለዲ ናይ ፍርቆም እዞም ሕጻናት እዚኣቶም: ምስ ደቆም ብኸመይ ምስ ዝዛረቡ ዝበለጸ ከም ዝኸውን ምኽሪ ተዋህቦም። እቶም ፍርቆም ግን ኣይተነግሮምን። እቲ ጸብጻብ ከም ዝገልጾ: ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት “ገምጋም ምስትውዓል ናይቶም [እተዛረቡዎም] ቈልዑ ብሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ካብቶም ሓደ ጕጅለ በሊጾም ተረኽቡ:” ናይ ቋንቋ ክእለቶም ድማ “ካብቶም ሓደ ኣጸቢቑ ዝሓሸ” ኢዩ ነይሩ። ዶክተር ሳሊ ዋርድ እተባህለት ተመራማሪት ብሰንኪ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ እተራእየ ለውጢ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ዝነበሩ እቶም ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ምስ ሕጻናቶም ብዙሕ ኣይዛረቡን ኢዮም። ንኣብነት ብዙሓት ኣዴታት ክሰርሓ ይኸዳ: ኣብ ብዙሕ ኣባይቲ ድማ ንዕላል ቪድዮ ኢዩ ተኪእዎ ዘሎ።
ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕ ሓደጋ ናይ ምምራዝ መግቢ የዕቢ
ብመሰረት እቲ ዶክተር ኣዶልፎ ሻቨዝ እተባህለ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ሳልቫዶር ሱቢራን ናሽናል ኢንስቲቱት ኦቭ ኑትሪሽን ዝበሃል ትካል ዝሰርሕ ዝበሎ እተበከለ መግቢ ብምብላዕ ዝመጽእ ሕማም እቲ ሰብ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝበልዕ ነቲ ናይ ምሕማም ሓደጋ ክብ የብሎ ኢዩ። ከም ልሙድ ኣብቲ መግቢ ዘለዉ ባክተርያ በቲ ጋስትሪክ ጁስ ዝብሃል ኣብ ጨጐራ ዝርከብ ቀመም ይጠፍኡ ኢዮም። ሓደ ሰብ ብዙሕ ድሕሪ ምብልዑ ግን እቲ ናብ ጨጐራ ዝኣቱ ዝያዳ መግቢ ነቲ ጋስትሪክ ጁስ ይዕብልሎ እሞ ጨጐራ ድማ ባክተርያ ንምቕታል ዘለዎ ዓቕሚ ይንኪ። ዶክተር ሻቨዝ ንወኪል ንቕሑ! ከምዚ በሎ:- “ሓደ ሰብ 15 ታኮ [ዓይነት መግቢ] ምስ ዝበልዕ ሓደ ካብኡ ድማ እተበከለ ምስ ዝኸውን እቲ ሰብ ብምኽንያት ዓቐን ናይቲ ዝበልዖ መግቢ ክሓምም ይኽእል ኢዩ። እቲ ሰብ ሓንቲ እተበከለት ታኮ ጥራይ እንተ በሊዑ ግን ጸገም ኣየጋጥምን ይኸውን።”
ሓሳብካ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ገይርካ ምትሕልላፍMESSAGE
ዶክተር ሊልያን ግላስ እተባህለት ናይ ድምጺ ክኢላ እቲ መልእኽትኻ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ብዙሓት ሰባት ኣዘራርባኻ እንተ ዘይተፈትዩዎም ኣይሰምዑኻን ኢዮም ትብል። ኣብታ ዘ ሲቲዘን እትብሃል ጋዜጣ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም እተገልጸ: ሕሹኽሹኽ ምባል: ድኹም ሰዋሱው: ሓደ ዓይነት ተደጋጋሚ ድምጺ: ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢልካ ምዝራብ: ርኹስ ዘረባ ምዝራብ: ነቲ ዕላል ምሉእ ብምሉእ ምቍጽጻር ንሰማዕቲ ዘሰልቹ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ክትዛረብ ከሎኻ ቅልል ምእንቲ ክብሎም ፍሽኽ ትብል እንተድኣ ኴንካ: ብግልጽን ቀስ ኢልካን ዓይኒ ዓይኖም እናረኣኻ: ከምኡውን ነቲ ዘቕርብዎ ሓሳባት ከየቋረጽካ ትሰምዖም እንተድኣ ዄንካ ሰባት ባህ ኢሉዎም ክሰምዑኻ ኢዮም። እቲ ዓንቀጽ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ቅድሚ ምዝራብካ ሕሰብ እሞ ሓሳባትካ ድማ ብርእሰ-ተኣማንነት ክትገልጽ ኢኻ።”
ኣብ ምዝዋር ሕርቃን ምውጋድ
ኣብታ ፍሊት መይንተናንስ አንድ ሴፍቲ ሪፖርት እትብሃል መጽሔት ተጠቒሱ ዘሎ ሓደ ኣብ ቅድድም ማኪና ገዲም ዝዀነ ሰብኣይ “ካብ መጠን ንላዕሊ ቍጡዓት ዝዀኑ ዘወርቲ ማኪና ሸለል ኢልካ ክርኣዩ የብሎምን” ብምባል ይምዕድ። ማኪና ክትዝውር ከሎኻ ህድእ ምባልን ሕማቕ ኵነታት ምውጋድን ካብ ሕርቃን ንኽትርሕቕ ይሕግዝ ኢዩ። ናይ ድሕንነት ተጣበቕቲ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይላበዉ:-
◼ ክትዝውር ከሎኻ ኵሉ ግዜ ኣደብ ግበር።
◼ ብደሓን ከተልግስ ዝከኣል እንተ ኰይኑ ካብ መገዲ ናይ ሓደ ቍጡዕ ብዓል ማኪና ኣልግስ።
◼ ንሓደ ዘዋሪ ኣብ ማኪንኡ ውትፍ ኢልካ ብምዝዋር ወይ ናህሪ ብምውሳኽ ፈጺምካ ኣይትተሃላለኽ።
◼ ምስ ዘፈራርሓካ ፈጺምካ ኣይትመልሰሉ: ካልእ ትርጕም ክወሃቦ ዝኽእል ምልክት ከኣ ኣይትግበር።
◼ ንሓደ ዝሓረቐ ዘዋሪ ማኪና ኣይትጠማመቶ።
◼ ምስ ካልእ ዘዋሪ ማኪና ክትከራኸር ኢልካ ደው ኣይትበል።
ጥንሲ ምስዳድ ዘስዕቦ ጕድኣትን ሞትን
እቲ ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ሲቲ ናይ ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኮሚሽን ፕረዚደንት ዝዀነ ፍራንሲስኮ ጃቪየር ሰርማ ኣልቫራዶ: ኣብ ሜክሲኮ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዳርጋ 500,000 ምስዳድ ጥንሲ ይካየድ ይብል። ኣብታ ኤል ዩኒቨርሳል እትብሃል ጋዜጣ ከም እተገልጸ ድማ ብዙሕ ሚእታዊ ናይዚ ምስዳድ ጥንሲ እዚ ንህይወት ናይታ ኣደ ሞት ዘስዕብ ኢዩ: ብዙሓት ካልኦት ከኣ ኣብ ብዙሕ ሕክምና ዘድልዮ ሕልኽላኻት ይበጽሓ: አረ ሆስፒታል እውን ከይተረፈ ይኣትዋ። ብምስጢር ዝግበር ምስዳድ ጥንሲ ሞት ናይታ ኣደ ዘስዕብ ሳልሳይ ዝለዓለ ምኽንያት ኢዩ። ኣብ ገለ ኵነታት ከም በሊሕ ነዊሕ ነገር ምእታው: ጥንሲ ዝሰድድ መድሃኒት ወይ ቈጽለመጽሊ ምውሳድ: ካብ መሳልል ምውዳቕ እውን ከይተረፈ ዝኣመሰለ ክኢላ ዘይብሉ ጥንሲ ናይ ምስዳድ ሜላታት ይዝውተር ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ መብዛሕትኡ ግዜ ሳዕቤኑ “ከቢድ ምፍሳስ ደም: ምቕዳድ ማህጸን: ምምካን: ረኽሲ: ከምኡውን ማህጸን ከም ትስእን ዝገብር ኢዩ።”
ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ተሓልዩ
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ኤል ሳልቫዶር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሶሻል ሰኪዩሪቲ ሆስፒታል ዝነበረ ሕሙማት ሕክምና ክረኽቡ እንተድኣ ኰይኖም ደም ክልግሱ ኣለዎም ዝብል ሕጊ ስዒርዎ። ቅድሚ ሕጂ ኵሎም ሕሙማት ናይቲ ሆስፒታል መጥባሕቲ ቅድሚ ምግባሮም ክልተ ዩኒት ደም ክህቡ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን እቶም ኣብ ሶሻል ሰኪዩሪቲ ሆስፒታል ሕክምና ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ደም ምልጋስ ናይ ምእባይ መሰል ኣለዎም።