መንእሰያት ዝሓትዎ . . .
ብዛዕባ ርጕደይ እምብዛ ዝጭነቕ ስለምንታይ ኢየ፧
“ኣብ ኣእምሮይ ክቆጻጸሮ ዘይክእል ቃልሲ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። በቲ ሓደ ወገን ክበልዕ እደሊ: በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብዙሕ ክብደት ከይውስኽ ስለ ዝፈርህ ክበልዕ ኣይደልን ኢየ።”—ጃሚ
ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘፍርሃካ እንታይ ኢዩ፧ ብዙሓት ኣዋልድ: ከይንረጕድ ኢና ንፈርህ ኢለን ከም ዝምልሳ ዘጠራጥር ኣይኰነን። አረ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለዋ መንእሰያት ካብ ናይ ኑክሌር ውግእ: መንሽሮ: ወይ እውን ናይ ወለዲ ሙማት ንላዕሊ ምርጓድ ኢዩ ዘፍርሀን!
እቲ ዘገርም ሓድሓደ ግዜ ብንኣሽቱአን ኢየን ብዛዕባ ርጕደን ክጭነቓ ዝጅምራ። ዶክተር ካተሪን ስታይነር-ኣዳር: ብዙሓት ኣዋልድ ዋላ ዕድመ ኰተቴ ቅድሚ ምብጽሐን እውን ከይተረፈ ቅርጺ ኣካላተን ከም ዘጽልአን ንሓድሕደን ኣብ ዝገብርኦ ዕላል ከም ዝገልጻ ሓበረት። እዚ ኸኣ ብዕላል ጥራይ ዝሓልፍ ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ 2,379 ኣዋልድ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ 40 ሚእታዊት ካባታተን ክቐጥና ይጽዕራ ከም ዝነበራ ተፈሊጡ። እዚ መጽናዕቲ እዚ እተገብረለን ከኣ ደቂ ትሽዓተን ዓሰርተን ዓመት ጥራይ ኢየን!
ድሕሪ ግዜ: ብዙሓት ካብዘን መንእሰያት እዚኣተን ኣዝየን መግቢ ክቕንሳ ይጅምራ። እቲ ዝገደደ ኸኣ ገሊአን ከምታ ጓል 20 ዓመት ጄና ይዀና። ቍመታ ሜትሮን ስሳን እኳ እንተዀነ 40 ኪሎ ግራም ጥራይ ኢያ እትምዘን! ጄና ከምዚ ትብል:- “ክበልዕ ኣይደልን ኢየ። እቲ ኣዝዩ ዘጨንቐኒ ነገር ንሰለስተ ዓመት ብዝገበርክዎ ጻዕሪ ቀጢነ ከብቅዕ: እንተ በሊዐ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክረጕድ ምዃነይ ኢዩ።”
ምናልባት ናይ ጄና ስምዒት ተረዲኡኪ ይኸውን። ምእንቲ ክትምልክዒ ኢልኪ ብእተኻእለ መጠን ክትቀጥኒ ትደልዪ ትዀኒ። ርግጽ ኢዩ: ብዛዕባ ትርኢትካ ምሕሳብ ጌጋ ኣይኰነን። ጄና ግን ክትቀጥን ክትብል ዳርጋ ህይወታ ኣጥፊኣ ነይራ ኢያ። ብኸመይ፧
ክሳዕ ሞት ዘብጽሕ ምጥማይ
ጄና ኣናረክሲያ ነርቮሳ ዝበሃል ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባ ዝመጽእ ሓደገኛ ሕማም ኢዩ ሒዝዋ ነይሩ። እታ ኣብ መእተዊ ተጠቒሳ ዘላ ጃሚ እውን እዚ ሕማም እዚ ነይርዋ ኢዩ። ንእተወሰነ ግዜ እዘን ኣዋልድ እዚአን ኣብ ኣፍ ሞት ክሳዕ ዝበጽሓ መግቢ ኣይበልዓን ነበራ: ከምዚ ዝገብራ ደቂ ኣንስትዮ ግን እዚኣተን ጥራይ ኣይኰናን። ካብ ሚእቲ ኣዋልድ ሓንቲ በዚ ሕማም እዚ ከም እትተሓዝ ይግመት። እዚ ኸኣ ብሚልዮናት ዝቝጸራ መንእሰያት—ምናልባት እውን እትፈልጣ ጓል ኣብ መንጎአን ክትህሉ ትኽእል—እዚ ሕማም እዚ ኣለወን ማለት ኢዩ!a
እዚ ሕማም እዚ ከይተፈለጠካ ክምዕብል ዝኽእል ኢዩ። ሓንቲ መንእሰይ ምናልባት ቁሩብ ክትቀጥን ኢላ ዘይጐድእ ዝመስል ኣገባብ ኣመጋግባ ክትጅምር ትኽእል ኢያ። እንተዀነ ግን ቁሩብ ምስ ቀጠነት እውን ኣይትዓግብን ኢያ። ኣብ መስትያት ቅርጺ ኣካላታ እናረኣየት ከኣ “ገና ኣዝየ ረጓድ ኢየ ዘለኹ!” ትብል። ስለዚ እንደገና ቁሩብ ክትቀጥን ትሓስብ። ካብኡ ድማ ቁሩብ: መሊሳ እውን ቁሩብ እናበለት ትቕጽል። ነቲ ኣገባብ ትለምዶ: ድሓር እዚ ኣናረክሲያ ዝበሃል ሕማም ይጅምር።
ርግጽ ኢዩ: ኵለን እተን ኣብ ኣመጋግባአን ዝጥንቀቓ ደቂ ኣንስትዮ እዚ ሕማም እዚ ኣለወን ማለት ኣይኰነን። ገለ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ክብደተን እንተ ሓሰባ ምኽንያታዊ ኢዩ: ቁሩብ እንተ ቐነሳ ኸኣ ይጠቕመን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ኣዋልድ ብዛዕባ ቅርጺ ኣካላተን እተዛብዐ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለወን። ኤፍዲኤ ኮንሲመር እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ነቲ ኣብ ቅርጺ ኣካላት እተዛብዐ ኣረኣእያ ምህላው: ምስ ሓደ እተዛብዐ ምስሊ ዘርኢ መስትያት ምርኣይ ኣመሳሲላቶ ኣላ። እታ መጽሔት “ንገዛእ ርእስኻ ኣርጒድካ ኢኻ እትርእያ” ድማ በለት።
ስለዚ: ሓንቲ በዚ ሕማም እዚ እተታሕዘት ኣዝያ እውን ትቕጠን ብዘየገድስ ከይትረጕድ ኣጸቢቓ ኢያ እትፈርህ። “ናብቲ ዝነበረቶ ከይትምለስ” ኢላ ስና ነኺሳ ምውስዋስ ኣካላት ትገብር ከምኡውን ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ ሳዕ ትምዘን። ኣዝዩ ንእሽቶ ኢያ እትበልዕ። ወይ ከኣ ፈጺማ ኣይትበልዕን። ሓንቲ ሄዘር እትበሃል ከምዚ ትብል:- “ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣደይ ዘዳለወትለይ ምሳሕ ሒዘ ናብ ቤት ትምህርቲ እኸይድ: እንተዀነ ግን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኵሉ ሳዕ እጕሕፎ ነበርኩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ነቲ ከይበላዕካ ምውዓል ለመድክዎ እሞ ዋላ እንተ ደለኹ እውን ክበልዕ ኣይከኣልኩን። ጥሜት ዝበሃል ኣይስመዓንን ነበረ።”
ኣብ መጀመርታ: ልክዕ ከም ሄዘር እተን እዚ ሕማም እዚ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ይቐጥና ምህላወን ምስ ፈለጣ ኣዝየን ኢየን ዝሕጐሳ። ኣብ መወዳእታ ግን ዋሕዲ መግቢ ብግዲኡ ክጐድአን ይጅምር። ሓንቲ በዚ ሕማም እዚ እተታሕዘት ጓል ብዕግግትን ፈዛዝን ኢያ ትኸውን። ትምህርታ ብግቡእ ክትከታተል ኣይትኽእልን። ጽግያታ ከቋርጽ ይኽእል።b ኣብ መወዳእታ ኸኣ ህርመት ልባን ጸቕጢ ደማን ኣዝዩ ትሑት ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ከም ዘላ ኣይትፈልጥን ኢያ። ብጥንቃቐ እትከታተሎ ጸገም እንተሎ ነቲ ዘጕደለቶ ክብደት—ዋላ ሓንቲ ኪሎ ግራም እውን ትኹን—እንደገና ከይምለሳ ጥራይ ኢዩ።
ጕድለት ኣመጋግባ ኣናረክስያ ጥራይ ኣይኰነን ዘምጽእ: ዝበዝሐ ዝርጋሐ ዘለዎ እውን እዚ ሕማም እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ቡሊምያ ነርቮሳ ዝበሃል ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባ ዝመጽእ ሕማም እውን ካብቲ ሕማም ኣናረክስያ ዝሓዘን ብሰለስተ ዕጽፊ ንዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዘጥቅዕ ሕማም ኢዩ። ካልእ ኮምፓልሲቭ ኦቨርኢቲን ዝበሃል ምስ ቡሊምያ ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ዓይነት ሕማም እውን ኣሎ። ነዚ ዓይነት ሕማማት እስከ ተጠንቂቕና ንመርምሮ።
ሕቡእ ስቓይ
ሓንቲ መንእሰይ ናብ ሓንቲ ናይ ምኽሪ ዓምዲ ዘለዋ መጽሔት ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ሓንቲ መሓዛይ መግቢ ሰሰሪቓ ብሕቡእ ከም እትበልዕ: ነቲ ዝበልዓቶ ኸኣ ከም እትተፍኦ: ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ድማ ከምዚ ከም ዝገበረት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ነገረትኒ።” እዚ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ናይቲ ቡሊምያ ዝበሃል ጕድለት ኣመጋግባ ምልክታት ኢዩ።
ሓንቲ ሕማም ቡሊምያ ዘለዋ ጓል ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዙሕ መግቢ ኢያ እትበልዕ። ድሕርዚ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዘምልሳ ብምግባር ነቲ ዝበልዓቶ መሊሳ ተውጽኦ።c ልክዕ ኢዩ: ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ገይርካ ነቲ መግቢ ከም ዝወጽእ ምግባር ዘስገድግድ ክመስል ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ናንሲ ጄይ. ኮሎድኒ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ዝያዳ ብዝበላዕካን ብዘምለስካን መጠን እናቐለለካ ኢዩ ዝኸይድ። እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ናይ ምፍንፋን ስምዒትን ፍርህን ተሪፉ ቀልጢፉ ብሕማም ቡሊምያ ዘምጽእ ኣመል ይትካእ።”
ኣናረክስያን ቡሊምያን “ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም” ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ። እተፈላለየ ምልክታት እኳ እንተ ሃለዎ: ክልቲኡ ብዛዕባ መግቢ ሕማቕ ኣረኣእያ ምሕዳር ኢዩ።d ይኹን እምበር: ቡሊምያ ካብ ኣናረክስያ ንላዕሊ ብቐሊሉ ብምስጢር ክተሓዝ ዝከኣል ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ብዙሕ ስለ እተበልዕ ኣይትቐጥንን ኢኻ: እቲ እተበልዐ መግቢ ስለ እተውጽኦ ድማ ኣይትረጕድን ኢኻ። ስለዚ ሕማም ቡሊምያ ዘለዋ ጓል ኣይረጓድ ኣይቀጣን ኢያ እትኸውን: ሰባት እውን ጽቡቕ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ዘለዋ ኢዩ ዝመስሎም። ሓንቲ ሊንዜ እትበሃል ሰበይቲ ከምዚ በለት:- “ንትሽዓተ ዓመታት ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ግዜ ብብዝሒ እበልዕን አምልሶን ነበርኩ። . . . እዚ ጸገም እዚ ከም ዝነበረኒ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈለጠን: ከመይሲ ተሓቢአ ኢየ ዝገብሮ: ሕጉስቲ ኢየ ዝመስል: ከምኡውን ማእከላይ ክብደት ኢዩ ነይሩኒ።”
ሓንቲ ኮምፓልሲቭ ኦቨርኢቲን ዝበሃል ጕድለት ኣመጋግባ ዘለዋ ግን ኵነታታ እተፈልየ ኢዩ። ልክዕ ከም ሕማም ቡሊምያ ዘለዋ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ኢያ እትበልዕ። እታ ዘ ኒው ቲንኤጅ ቦዲ ቡክ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ኮምፓልሲቭ ኦቨርኢቲን ዝበሃል ሕማም ዘለዋ ሰብ ብብዝሒ በሊዓ ስለ ዘይተምልሶ: ክብደታ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኢዩ: ወይ ድማ ከራሽ ኢያ እትኸውን።”
ኣብ ጥዕና ዘምጽኦ ሓደጋታት
እዚ እተጠቕሰ ሰለስቲኡ ጕድለት ኣመጋግባ ኣብ ጥዕና ከቢድ ጕድኣት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ኣናረክስያ ኣካላትካ እቲ ዘድልዮ እኹል መግቢ ክረክብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከም እትበጽሕ ክገብር ይኽእል: ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት—ገለ ክሳዕ 15 ሚእታዊት ዝበጽሕ ኢዩ ኢሎም ይግምቱ—ከኣ ኣብ ሞት የብጽሕ ኢዩ። እቲ እተበልዐ ይውጻእ ኣይውጻእ ብዘየገድስ ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕ ንጥዕና ሓደገኛ ኢዩ። ኣመና ምርጓድ ከም ሕማም ልቢ: ሽኮርያ: ከምኡውን ገለ ዓይነት መንሽሮ እውን ከይተረፈ የስዕብ ኢዩ። እዚ ሕማማት እዚ ድማ ንህይወት ዘስግእ ኢዩ። ከም ዘምልሰካ ምግባር ንሻሕለለ ክቐዶ ይኽእል: ቡርጋን ንሽንቲ ዘቀላጥፍ መድሃኒታትን ብዘይግቡእ ምጥቃም ከኣ ንህርመት ልቢ ክጐድእ ይኽእል።
ይኹን እምበር: ጕድለት ኣመጋግባ ዘስዕቦ ክንሓስበሉ ዘሎና ካልእ ሽግር እውን ኣሎ። እተን እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰለስተ እተፈላለየ ዓይነት ጕድለት ኣመጋግባ ዘለወን ብሓፈሽኡ ክረኣያ ኸለዋ ሕጉሳት ኣይኰናን። ኣብ ገዛእ ርእሰን ብዙሕ ክብሪ የብለንን: መብዛሕትአን ከኣ ብጭንቀት እተዋሕጣ ኢየን። ብርግጽ ሓገዝ የድልየን ኢዩ። እንተዀነ ግን እዘን ጕድለት ኣመጋግባ ዘለወን ካብቲ ብዛዕባ ርጕደን ዘለወን እምብዛ ምጭናቕ ምእንቲ ክድሕና ብኸመይ ክሕገዛ ይኽእላ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብታ ኣብ መጻኢ እትወጽእ ዓንቀጽ ከነተኵረላ ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዚ ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባ ዝመጽእ ኣናረክሲያ ዝበሃል ሕማም ንደቂ ተባዕትዮ እውን ይሕዞም ኢዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትአን በዚ ሕማም እዚ እተታሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝዀና ኣንስታይ ጾታ ክንጥቀም ኢና።
b ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክብደታ ካብቲ ክዀኖ ዝግብኦ እንተወሓደ ብ15 ሚእታዊት እንተ ጐዲሉ ከምኡውን ንሰለስተ ኣዋርሕ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጽግያታ እንተ ኣቋሪጹ ብሕክምና ሕማም ኣናረክስያ ሒዝዋ ይበሃል።
c ነቲ መግቢ እተውጽኣሉ ካልእ መገድታት ከኣ ከም ቡርጋ ከምኡውን ሽንቲ ዘቀላጥፉ መድሃኒታት ምጥቃም ኢዩ።
d እዚ ጸገም እዚ ዘለወን ብዙሓት ሓንሳእ ናይ ኣናረክስያ ሓንሳእ ናይ ቡሊምያ ጕድለት ኣመጋግባ ዘለወን ኢየን ዝዀና።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
መብዛሕትአን ብዛዕባ ክብደተን ዝጭነቓ: ከም ዝጭነቓ ዝገብረን ምኽንያት የብለንን