ንናብራ ስድራቤትካ ከተመሓይሾ ትኽእል ኢያ
ሓንቲ ኻብ 12 ክሳዕ 22 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድመ ዝርከቡ ኣርባዕተ ውሉዳት ዘለዉዋ ኣደ: ነታ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ኣመልኪታ “ብሓገዝ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንናብርአን ከም ብሓድሽ ክጅምርኦ እንተ ዝኽእላ ባህ ዝብለን ስድራቤታት ብዙሓት ከም ዝዀና ኣይጠራጠርን ኢየ” ኢላ ጸሓፈት።
እዛ ጓል 49 ዓመት ዝዀነት ኣብ ኒው ዚላንድ እትነብር ኣደ ብዛዕባ እዛ መጽሓፍ እዚኣ “ብሓቂ ብሰፊሕ ምስትውዓልን ንዅነታት ስድራቤት ብምርዳእን ኢያ ተጻሒፋ” ብምባል ትገልጽ።
መጽሓፍ ሓጐስ ስድራቤት ንዅሎም ኣባላት ስድራቤት—ሰብኡት: ኣንስቲ: ወለዲ: ውሉዳት: ኣቦሓጎታት: እኖሓጎታት—እወ: ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ረብሓ ኣለዋ። ኣብታ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ትምህርቲ ሓዘል ምዕራፋት ከም “ዕዉት ሓዳር ንምምስራት ምድላው:” “ንቤትኩም ብኸመይ ኢኹም ከተማሓድርዋ እትኽእሉ፧” “ነታ ስድራቤት ዝጐድእ ግድላት ከተሰንፍዎ ትኽእሉ ኢኹም:” “ሓቢርካ ብዕድመ ምድፋእ” ዝብል ይርከቦ።
እዛ መጽሓፍ ክትስደደልካ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ነዚ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ዘሎ ኩፖን መሊእካ ልኣኮ። ንዘጋጥመካ ግድላት ንምፍታሕን ከምቲ ፈጣሪ ሓሲብዎ ዝነበረ ሓጐስ ዝመልኦ ናብራ ስድራቤት ንኽህልወካን ክሕግዝ ዝኽእል ንጹር ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
□ ነታ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ልኣኹለይ።
በየናይ ቋንቋ
□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ