ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g99 8/10 ገጽ 22-26
  • ሸውዓተ ቈልዑ ኣብ ምዕባይ ዘሎ ብድሆን በረኸትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሸውዓተ ቈልዑ ኣብ ምዕባይ ዘሎ ብድሆን በረኸትን
  • ንቕሑ!—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዝየ ትሕዝቲ ኢየ ነይረ!
  • ደቅና ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምዕባይ
  • ቲኦክራሲያዊ ፍጻመ
  • ብዶልሺ ምምሃር
  • ህይወት ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ
  • እቶም ኣወዳት ንመቕጻዕቲ ብኸመይ ይርእይዎ ከም ዝነበሩ
  • ዘጋጠመና ዕንቅፋታት ነይሩ ኢዩ
  • ዓቢ ለውጢ ኣብ ህይወትና
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2000
  • ወለድና ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ምሂሮምና
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • የሆዋ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣሳልጦ ሂቡኒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣዒንትን ልብን ኣብቲ ዓስቢ ከም ዘተኵራ ምግባር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—1999
g99 8/10 ገጽ 22-26

ሸውዓተ ቈልዑ ኣብ ምዕባይ ዘሎ ብድሆን በረኸትን

ኣብ ኦማሃ እትበሃል ከተማ ናይ ነብራስካ:

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብ1927 ተወለድኩ: ኣብ ሳውዝ ዳኮታ ድማ ዓበኹ። ኣብቲ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዓለምለኻዊ ዓቢ ክሳራ (1929-42) ዝነበሮ ግዜ ዘሕለፍክዎ እዋን ቍልዕነተይ ኣይርስዖን ኢየ። ኣደይ ነቲ ፈውሲ ሞት ኢላ እትጽውዖ መረቕ ተዳልወልና ነበረት። ሒደት ስብሒ ኣብ ባዴላ ትገብር እሞ ማይ ትውስኸሉ ብድሕርዚ ድማ ባኒ ኣብኡ ኣሊኽና ንበልዕ ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ንብዙሓት ስድራቤታት ናብራ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝኸብደን ነይሩ።

ኣባላት ስድራቤተይ ኣብተን ኣብ ከባቢና ዝነበራ ናይ ፕሮተስታንት ሃይማኖታት ብዙሕ ግብዝና ይርእዩ ብምንባሮም ሃይማኖታዊ ዝምባለ ኣይነበሮምን። ኣነ ድማ ኣተሓሳስባይ በቲ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ውትህድርና ዘሕለፍክዎ ክልተ ዓመታት ተጸልወ። ሽዑ ሰታይን ተጣላዕን ናይ ምዃን ዝምባለ ኣማዕበልኩ።

ዕረፍቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ናብ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ቦታ ሳዕስዒት ከድኩ ኣብኡ ድማ ናይ ጀርመንን ኡክረይንን መበቈል ዘለዋ ማርጋሬት ሽላት እትብሃል ጓል ተፋለጥኩ። ተፋቐርና: ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ ብ1946 ተመርዓና። ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ዓመታት ሸውዓተ ኣወዳት ወለድና: ወለዲ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ብኸቢድ ተመክሮ ህይወት ፈለጥናዮ።

ብ1951 ኣብ ሓንቲ ናይ ዕንጸይቲ ቘራጺት ማሽን ከቢድ ሓደጋ ኣጋጠመኒ እሞ ታሕተዋይ ክፍሊ ጸጋማይ ኢደይ ዳርጋ ተቘርጸ። ንኽልተ ዓመት ናይ ቈርበትን ዓጽምን ኣካሊታት ክልገበለይ ኣብቲ ሆስፒታል ጸናሕኩ። ክሳዕ ሽዑ ድማ ማርጋሬት ነቶም ሓሙሽተ ደቅና ናይ ምእላይ ሓላፍነት ወሰደት። ሳላ ኣዕሩኽን ጐረባብትን: ነቲ ከቢድ እዋን እቲ ተዋጺኣትሉ ኢያ። ኣብቲ ሆስፒታል ከለኹ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ንኸስተንትን ብዙሕ ግዜ ነበረኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ፈተንኩ: ክርድኣኒ ግን ኣይከኣለን።

ካብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውጽአይ ብዙሕ ከይጸናሕና ናብ ኦፖርቹኒቲ እትብሃል ኣብ ዋሺንግተን ስተይት እትርከብ ከተማ ገዓዝና። ምስ ዘማይ ዕዮ ምህናጽ ጀመርኩ። ካብዚ ድማ ማርጋሬት ግዲኣ ተዘንቱ።

ኣዝየ ትሕዝቲ ኢየ ነይረ!

እኽሊ ዝዝርኣሉ: ዝሕለባ መጓሰ ዝነበሮ: ኣብ ታኒካ ዝዕሸግ ፍረታትን ኣሕምልትን ዝዳለወሉ ቦታ ሕርሻ ኢየ ዓብየ። ነቲ ኣብ መጻኢ ከጓንፈኒ ዝነበሮ ብዙሕ ብድሆታት ንምግጣም ከለማምደኒ ዝኽእል ጽኑዕ ናይ ስራሕ ስነ-​ምግባራዊ ስርዓት ኢዩ ነይሩኒ። ነቲ ዓለምለኻዊ ክሳራ ካብ ብዙሓት ሰባት ብዝሓሸ መገዲ ኢና ሓሊፍናዮ: ምኽንያቱ እንተ ወሓደ ፈጺምና ዝብላዕ ኣይሰኣንናን።

ትምህርቲ ሰንበት እኸይድ እኳ እንተ ነበርኩ: ስድራ​ቤተይ ንሃይማኖት ዝኸውን ግዜ ኣይነበሮምን። ብድሕርዚ ደቂ 19 ምስ ኰንና ኣነን በርትን ተመርዓና። ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣይከድናን: ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ዝፍጽም ኣገልጋሊ ናይ ኮንግሪገሽናል ቤተ⁠-​ክርስትያን ብምጽዋዕ ኣብ ሳሎን እንዳ ስድራይ ንእስ ዝበለ ውራይ ጥራይ ኢና ገይርና። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ከኣ ሪቻርድ: ዳን: ዶው: ጋሪ: ማይክል: ከን: ኣብ መወዳእታ ድማ ብ1954 ስኮት ዝብሃሉ ሸውዓተ ኣወዳት ወለድኩ። ብዙሓት ኢዮም ነይሮም!

ናብ ኦፖርቹኒቲ ድሕሪ ምግዓዝና: ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከተዛራርበኒ ኣብ ገዛና መጸት። ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ዘፍርሓኒ ዝነበረ ሰረተ⁠-​እምነት ገሃነም እሳት ትኣምን እንተ ዀይና ሓተትክዋ። ገሃነም እሳት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ከም ዘይኰነ: እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ እውን እንተዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘየለ ምስ ገለጸትለይ ቀሰንኩ! ከይመውት ዝብል ፍርሂ ነይሩኒ: እቲ ገሃነም እሳት ዝብል ትምህርቲ ምስቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ክሰማምዓለይ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ንደቀይ ከምኡ ዝበለ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ፈጺመ ኣይምህሮምን ኢየ ኢለ ድማ ወሰንኩ።

ብ1955 ብሓገዝ ናይታ “ለት ጎድ ቢ ትሩ ” እትብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ): ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ።a እቲ ዘገርም ድማ ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ናይ ጴንጠቆስጠ ሰባኺ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸድሕነኒ ክግደሰለይ ጀመረ! ብዛዕባ ገሃነም እሳት ክሰብከለይ ብምጅማሩ ዓቢ ጌጋ ገበረ! ጽንዓት ንኸይገብር ክምዕዳኒ ሰለስተ ኣባላት ማሕበሩ ዝዀና ኣንስቲ ሰደደለይ።

ኣነ ጽንዓት ክገብር ከለኹ በርት ኣብ ሳሎን ኰይኑ ይሰምዕ ነበረ። ጸኒሑ ድማ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ከንብብ ጀመረ: ቍሩብ ድማ ተረድኦ። ፍርቂ ለይቲ ዝውዳእ ስራሕ ኢዩ ዝዓዪ ነይሩ። ክምለስ ከሎ ኣነ እድቅስ ኢየ ነይረ። ሓደ ለይቲ ቀስ ኢለ ናብ ታሕተዋይ ደርቢ ከድኩ እሞ ተሓቢኡ መጻሕፍተይ ከንብብ ከሎ ረኣኽዎ! ንነገራት ባዕሉ ይርእዮ ምህላዉ ኣሐጒሱኒ ሰላሕ ኢለ ናብ ዓራተይ ተመለስኩ። ኣብ መወዳእትኡ ንሱ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ ብ1956 ድማ ጥሙቓት መሰኻኽር ኰንና።

ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ዓመት ሸውዓተ ቘልዑ ስለ ዝወለድና: ንዅሉ እቲ መዓልታዊ ዕዮታት ምግባር: ነቶም ቈልዑ ምምጋብን ምኽዳንን ነቲ ገዛ ምጽራይን ብሓቂ በዳሂ ኢዩ ነይሩ። እቶም ቈልዑ እውን ኣብ ቤት ግዲኦም ምግባር ተማህሩ። ሓንቲ ኣውቶማቲክ መሕጸቢት ኣቝሑት ጥራይ ኣይኰነትን ዘላትኒ ሸውዓተ ኢየን ዘለዋኒ እናበልኩ እዋዘ ነበርኩ! ኣብዚ ኣድላዪ ዝዀነ ዕዮ ነፍሲ ወከፎም በብግደ ይሰርሑ ነበሩ። ርግጽ ኢዩ በርት እውን ኣጸቢቑ ሓጊዙ ኢዩ። ኣብቲ ቤት ዘይለዋወጥ ስርዓትን ሕግታትን ከም ዝህሉ ይገብር: እቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ድማ ክፉት ይገብሮ ነበረ። እቶም ኣወዳት ነቡኦም የኽብርዎ እኳ እንተነበሩ ብእኡ ኣይርዕዱን ኢዮም ነይሮም። በርት ንደቅና ብዛዕባ ጾታን ምፍ​ራይን ንምምሃር ዝነበሮ ሓላፍነት ሸለል ኢልዎ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ሪቻርድ እቲ ዓቢ ወድና ብ1966 ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብወለንታ ከገልግል ከደ። እቲ ናይ መጀመርታ ካብ ቤት ክወጽእ ምርኣይ ንዓይ ናይ ብሓቂ ፈተና ኢዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ መኣዲ እታ ሰብ ዘይብላ መንበር ክርኢ ከለኹ እጕሂ ነበርኩ። እንተዀነ ግን ጽቡቕ ተመክሮን ልምምድን ይረክብ ከም ዝነበረ ምፍላጠይ አሐጕሰኒ ነበረ።

እቲ ዛንታ በርት ይቐጽሎ።

ደቅና ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምዕባይ

ኣነን ማርጋሬትን ኣብ ስፖከይን: ዋሺንግተን እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ኢና ተጠሚቕና። ካብኡ ድማ ንደቅና ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ምናልባት ድሑር ኣገባብ ኣተዓባብያ ኢልኩም ትጽውዕዎ ትዀኑ​—⁠ናይ ምዕባይ ብድሆ ኣጋጠመና። ሓሶት ወይ ክልተ ገጽ ፈጺመ ዕሽሽ ኣይብሎን ኢየ ነይረ: እቶም ደቂ እውን ከምኡ ምዃነይ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ክንህቦ ከም ዘሎና ኢና ምሂርናዮም።

ይኹን እምበር: ምስጢሮም ከካፍሉኒ ከም ዝኽእሉ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም: ምኽንያቱ ጥብቂ ዝዀነ ርክብ ኢዩ ነይሩና: ብሓንሳብ ኴንና ድማ ብዙሕ ነገራት ኢና ንገብር ነይርና። ከም ስድራቤት መጠን ናብ ገምገም ባሕሪ ምኻድ: ኣብ ኣኽራን ምዝዋር: ሶፍት ቦል ምጽዋት የሐጕሰና ኢዩ ነይሩ። እንስሳታትን ጀርዲንን ነይሩና ኢዩ እቶም ቈልዑ ዝስራሕ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ይሕግዙ ነበሩ። በዚ ኸምዚ ድማ ምስራሕን ምጽዋትን ተማህሩ። ኣብቲ ንገብሮ ዝነበርና ንጥፈታት ሚዛናውያን ክንከውን ንፍትን ነበርና።

ቲኦክራሲያዊ ፍጻመ

ኣብቲ መንፈሳዊ መዳያት ድማ ኵልና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምክፋል ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ብሓንሳብ ንኸይድ ነበርና: ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነበረና። ብ1957 ኣብ ሲያትል: ዋሺንግተን እተኻየደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልና። ኣብቲ መደብ ከኣ ስድራቤታት ኣብቲ ዝያዳ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰብኩ መሰኻኽር ዝድለይሉ ቦታታት ክኸዳ ጻውዒት ተገብረ። ስድራቤትና ነቲ ሓሳብ ተቐበለቶ: ስጕምቲ ንምውሳድ ድማ ክንሓስብ ጀመርና። መጀመርታ ብ1958 ናብ ሚሱሪ: ብድሕሪኡ ኸኣ 1959 ናብ ሚሲሲፒ ከድና።

ብ1958 እቲ ናይ መጀመርታ ዓቢ ቲኦክራሲያዊ ፍጻመ ኣጋጠመና። በታ ደሶቶ እትብሃል ሰለስተ ኮፍ መበሊ ዘለዋ ናይ 1947 ኣረጊት ማኪና ዝሰሓብ ተጐታቲ ገዛ ሰራሕኩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ትሽዓተና በታ ማኪና እቲኣ ገይርና ዓለምለኻዊ ዓቢ ኣኼባ ንምክፋል ናብ ኒው ዮርክ ከድና። ኣብ መገዲ ደው እናበልና ካብ ስፖከይን በቲ ምዕራባዊ ገማግም ኣቢልና ናብ ኒው ዮርክ ንምብጻሕ​—⁠ልዕሊ 4,200 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ንምጕዓዝ ብዙሕ ሰሙናት ኣብ መገዲ ኣሕለፍና! ደቅና ነቲ ጕዕዞ እቲ ኣብ ቍም ነገር ዝሓለፈ ግዜን እዋን ስሓቕን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።

ብዶልሺ ምምሃር

ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ “ፍሮም ፓራዳይዝ ሎስት ቱ ፓራዳይዝ ሪገይንድ ” እትብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተቐበልና።b ሰሙናዊ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብመሰረት እዛ መጽሓፍ እዚኣን መጽሓፍ ቅዱስን ንገብር ነበርና። እቶም ኣወዳት ደቅና ብምሉኦም ቀልጢፎም ኢዮም ምንባብ ተማሂሮም። እቶም ቈልዑ ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመልሱ ማርጂ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ከለዉ ጽን ኢላ ትሰምዖም ነበረት። ኣእምሮኦም ብናይ ተለቪዥን መደባት ክዕብለል ኣይንፈቅድን ኢና ነይርና።

ኣብ ስድራቤትና ስርዓትን ኣኽብሮትን ነበረና። ሓደ እዋን ማርጋሬት እትፈትዎ ዓይነት ዓቢ ዶልሺ ሰርሐት። ሽዑ መዓልቲ ኣብ መኣዲ ካሮቲ እውን ቀሪቡ ነበረ። እቶም ቈልዑ እንተ ወሓደ ቍሩብ ኣሕምልቲ ክጥዕሙ ኵሉ ግዜ ነተባብዖም ነበርና። ዶው ካሮቲ ኣይፈቱን ኢዩ ነይሩ። ካሮቲ እንተ ዘይበሊዑ ዶልሺ ከም ዘይወሃብ ተነግሮ። ይኹን እምበር: ነቲ እተዋህቦ መግቢ ምውዳእ ኣበየ። ማርጋሬት ከምዚ በለቶ:- “ነዚ ካሮቲ እንተ ዘይበሊዕካ: ዶልሽኻ ንኸልቢ ክወሃብ ኢዩ።” እቲ ብላኪ ዝብሃል ከልብና ነቲ ጥዑም ዶልሺ ናይ ዶው ብሓንቲ ኵላሶ ክሳዕ ዝውሕጦ ዶው ዝኣመነ ኣይመስለንን! ካብቲ ተመክሮ እቲ ንሱን እቶም ካልኦት ኣወዳትን ተማህሩ። ከም ወለዲ መጠን እቲ እንብሎ ዝነበርና ኢና ንገብር ነይርና።

ህይወት ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ

ኣነን ማርጋሬትን በቲ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ዝብል ኣብ ማቴዎስ 6:⁠33 ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት ኢና ንምራሕ። ከም ስድራቤት መጠንውን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከነቐድም ንጽዕር ነበርና። ኵልና ብሓንሳብ ክንሰብኽ ከሎና የሐጕሰና ኢዩ ነይሩ: እቶም ኣወዳት እውን ምሳይ ካብ ቤት ናብ ቤት በብተራ ይኸዱ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሱ ቦርሳ: መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ነበሮ። በቲ ዘርእይዎ ዝዀነ ይኹን ምዕባለ ንንእዶም ነበርና። ማርጋሬት ኵሉ ግዜ ኢያ ትስዕሞም ነይራ። ብሓቂ ስርዓታውያን ኴንና ንደቅና ፍቕሪ ኣርኢናዮም ኢና። ኵሉ ግዜ ንደቅና ግዜ ንምድብ ነበርና​—⁠ህይወት ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ!

እቶም ኣወዳት እናዓበዩ ምስ ከዱ: ንጉባኤ ዝኸዱ ሰባት ምምላእ: ኣደራሽ መንግስቲ ምኽፋት: ከምኡውን ንኻልኦት ምሕጋዝ ዝኣመሰለ ሓላፍነታት ነበሮም። ኣደራሽ መንግስቲ ከም ቦታ ኣምልኾኦም ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም: ምእላዩ ድማ የሐጕሶም ነበረ።

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሓሳቦም ክገልጹ ነተባብዖም ነበርና። ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ሓጺር ናይ ተማሃራይ ዝርርባት ይህቡ ነበሩ: ብእኡ ድማ ቀስ ብቐስ ንፉዓት ተዛረብቲ ምዃን ተማህሩ። ማይክል እቲ ሓምሻይ ወድና ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምዝራብ ኣይፈቱን ኢዩ ነይሩ ኣብ መድረኽ ድማ ይሽገር ነበረ። ዝርርቡ ክውድኦ ስለ ዘይክእል ኣብ መንጎ ብጭንቀት ይነብዕ ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ ነዚ ጸገም እዚ ተዋጽኣሉ: ሕጂ ተመርዕዩ ከም ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ እተፈላለያ ጉባኤታት ይበጽሕ: ኣብ ሓደ ሰሙን ከኣ ብዙሕ ዝርርባት ይህብ ኣሎ። ኣየ ከመይ ዝበለ ለውጢ ኰን ኢዩ!

እቶም ኣወዳት ንመቕጻዕቲ ብኸመይ ይርእይዎ ከም ዝነበሩ

ወኪል ንቕሑ! ምስ ማይክል ተራኺቡ ብድሑር ኣገባብ ኣተዓባብያ ብምዕባዩ እንታይ ከም ዝስምዖ ሓተቶ። “ንኣቦና ከም ሕያዋይ ቀጻዒ ገይርና ኢና ንርእዮ። ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ሓደ መደበር ራድዮ ስራሕ ጀመርኩ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ፓይነር ንኽካፈል ማኪና ደለኹ። ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ መደበር ራድዮ ሓንቲ ላዕሊኣ ክኽፈት ዝኽእል ክልተ ማዕጾ ዘለዋ ፎርድ ሙስታንግ ዝዓይነታ ማኪንኡ ክሸጠለይ ፍቓደኛ ምዃኑ ነገረኒ። እዛ ማኪና እዚኣ ኣብ መንእሰያት ግንንቲ ዝዀነት ናይ ስፖርት ማኪና ኢያ ነይራ። ኣብ ኣገልግሎት ምሳይ ሰባት ንኽወስድ እትበቅዕ ማኪና ከም ዘይኰነት ይርድኣኒ እኳ እንተ ነበረ ብሓቂ ብሃግኩዋ። እናፈራህኩ ናብ ኣቦይ ከድኩ። ብዛዕባ እቲ ዝረኸብክዎ ምስ ነገርክዎ: ‘እስከ ንዘራረበሉ’ በለኒ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እፈልጥ ነይረ ኢየ! ተዘራረብና እሞ ክጥቀመላ ዝኽእል ማኪና ምዕዳግ ዘለዎ ረብሓ ገለጸለይ። ስለዚ ድማ ሓንቲ ኣርባዕተ ማዕጾ ዘለዋ ሰዳን እትብሃል ማኪና ዓደግኩ። ኣብቲ ኣገልግሎት እተመደብኩሉ ቦታ ን160,000 ኪሎ ሜተር ምስ ዘወርክዋ ‘ኣቦይ ሓቁ ኢዩ ነይሩ’ ክብል ጥራይ ኢየ ክኢለ።

“ንኣሽቱ ከሎና ካብ ዋሺንግተን ናብ ሚሱሪ እንደገና ድማ ናብ ሚሲሲፒ ምኻድ ባህ ዘብል ተመክሮ ኢዩ ነይሩ። ተሓጒስናሉ ኢና። ትሽዓተና ኣብቲ 2.5 ብ11 ሜትሮ ዝኸውን ተጐታቲ ገዛ ዝነበርናሉ ሓደ ዓመት እውን እንተዀነ ደስ ዘብል ኢዩ ነይሩ: ኣብ ጸቢብ ገዛ እውን እንተዀነ እተመሓደርና ክንከውንን ንሓድሕድና ክንሰማማዕን ሓጊዙና ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ደገ ንጻወት ነበርና።

“ካልእ ዝዝክሮን ባህ ዘብለንን ከኣ ኣቦይ ምሳና ዕለት ጥቕሲ ዝገብረሉ ዝነበረ ኣገባብ ኢዩ። ኣቦይ ብ1966 ንሽማግለታት ዝኸውን ትምህርቲ ንኽከታተል ኣብ ሳውዝ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ ዝርከብ ኪንግዶም ፋርም ከደ: ስድራ ቤትኤል ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነቲ ጥቕሲ ዝኸውን ሓሳብ ንምሃብ ኣቐዲሞም ከም ዝዳለዉ ድማ ተዓዘበ። ነዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ስድራቤትና ኣውዓሎ። ሸውዓተና ኣወዳት ነፍሲ ወከፍና ናይቲ እተዳለናሉ ነጥብታት ሓሳብ እንህበሉ ንግሆ ይምደበልና ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ነጕረምርም እኳ እንተ ነበርና: ከመይ ገይርና ከም እንመራመርን ሓሳብና ከም እንገልጽን ምሂሩና ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ልምድታት ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዝቕጽል ኢዩ።

“እቲ ኣዴናን ኣቦናን ንዓና ዝገበርዎ መስዋእትታት ልበይ ኢዩ ዝትንክፈኒ። እቶም ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋተይ ሪቻርድን ዳንን ነቲ ስድራ ዝኸውን ገንዘብ ከእትዉ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ: ወለድና ግን ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒውዮርክ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ከይዶም ብወለንታ ከገልግሉ ኣተባብዕዎም። ሓሙሽተና ኣብ ኒውዮርክ ከይድና ነቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ምእንቲ ክንርእዮ ኸኣ ወለድና ገንዘብ ኣዋህለሉልና። እዚ ኣጸቢቑ ኢዩ ተንኪፉኒ። እቲ ንማሕበር የሆዋ ዝነበረና ሞሳ ወሰኸልና።

“ሕጂ እቲ ዛንታ ኣቦይ ክቕጽሎ እሓድገሉ።”

ዘጋጠመና ዕንቅፋታት ነይሩ ኢዩ

ከም ኵለን ካልኦት ስድራቤታት ናይ ገዛእ ርእስና ጸገምን ዕንቅፋታትን ነይሩና ኢዩ። እቶም ኣወዳት ንመርዓ ዝላለዩሉ ግዜ ምስ በጽሐ: ነታ መጀመርታ ዓይኖም ዘውደቝላ ጓል ስቕ ኢሎም ከይምርዓዉ እምዕዶም ነበርኩ። ሰብ ምስኦም ከም ዝኸውን እውን ንገብር ነበርና። ንህይወቶም ብምሉኡ እትኸውን ብጸይቲ ቅድሚ ምምራጾም ተመክሮ ህይወት ክረኽቡ ኢዩ ነይሩ ድሌትና። ሓድሓደ ግዜ ምብካይ ወይ ምጕሃይ ነይሩ ኢዩ: ኣብ መወዳእትኡ ግን ኣብ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ድማ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ኣብ ምምርዓው ዘሎ ጥበብ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም። በቲ ዘርኣይዎ ጥበብ ንኢድናዮም ኢና።​—⁠1 ቈረንቶስ 7:⁠39

ስኮት እቲ ሻውዓይ ወድና ከም ንነብዕ ገይሩና ኢዩ። ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ሕማቕ ዕርክነት ገበረ። ኣብ መወዳእትኡ ካብ ጉባኤ ተወገደ። እዚ ንዅላትና ከቢድ ፈተና ኰይኑና ነበረ: እንተዀነ ግን ነቲ ናይ ሽማግለታት ውሳነ ኣኽበርናዮ። ንየሆዋ ምግልጋል እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ምዃኑ ስኮት ብሽግር ክማሃር ነበሮ።

ብዛዕባ ምምላሱ ተስፋ ቈሪጽና ኣይንፈልጥን። ዘሐጕስ ግን ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ጉባኤ ተመልሰ። ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ከምዚ ይብል:- “ናይ ስድራቤት ርክብ ውሱን እኳ እንተነበረ ተወጊደ ከለኹ ዝሓገዘኒ ነገር ስድራቤተይ የፍቅሩኒ ምዃኖም ምፍላጠይ ኢዩ።” ስኮት ዕቤቱ ቀጸለ ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ድማ ሽማግለ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ካልእ ሕማቕ ኣጋጣሚ ድማ ሓደ ካብቶም ደቅደቅና ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ብ1998 ተወገደ። እንተዀነ ግን ናይ የሆዋ ተግሳጽ ኣወንታዊ ለውጥታት ከም ዘስዕብ ምፍላጥና የጸናንዓና ኢዩ።

ዓቢ ለውጢ ኣብ ህይወትና

ኣብ መወዳእትኡ ብ1978 ኵሎም እቶም ኣወዳት ካብ ቤት ወጹ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዛዕባ መውዓዪ: ንፋስ መግበሪ: ከምኡውን መዝሓሊ መሳርሒታት ተመክሮ ደሊበ ነበርኩ። ብ1980: ኣነን ማርጋሬትን ንትሽዓተ ወርሒ ኣብ ብሩክሊን ኣብቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ከነገልግል ዕድመ ቀረበልና። ድሕሪ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመታት ድማ ገና ኣብኡ ኣለና!

ኣጸቢቕና ተባሪኽና ኢና። በቲ ድሑር ኣገባብ ኣተዓባብያ ዝበሃል ማለት ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ደቅና ከነዕቢ ኵሉ ግዜ ቀሊል ነይሩ ማለት ኣይኰነን: ይኹን እምበር ዓስቢ ረኺብናሉ ኢና። ሕጂ ዘሎ ኵነታት ስድራቤትና ኸኣ ሓሙሽተ ደቅና ሽማግለታት ጉባኤ ኢዮም: ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ኢዩ። ደቅደቂ 20 ኣለዉና: 4 ድማ ንደቅደቅና ደቆም​—⁠መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ሓቂ ኣለዉ ንየሆዋ እውን እሙናት ኢዮም።

እቲ “እንሆ: ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም: ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ: ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም” ዝብል ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ሓቂ ምዃኑ ርኢናዮ ኢና።​—⁠መዝሙር 127:3, 4

[እግረ ጽሑፍ]

a ብ1946 ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት፣ ሕጂ ግን ኣይትሕተምን ኢያ።

b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ብበርትን ማርጋሬትን ዲክማን እተዘንተወ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መበል 50 ዝኽረ-ዓመት መርዓና ምስ ደቅናን ምስ ኣንስቲ ደቅናን (የማን) ደቅደቅናን (ኣብቲ ሓደ ገጽ) ብ1996 እተሰኣልናዮ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ