ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g99 8/7 ገጽ 8-9
  • ሓቀኛ ሃይማኖት እትህቦ ተስፋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓቀኛ ሃይማኖት እትህቦ ተስፋ
  • ንቕሑ!—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝምስጥ ተስፋ
  • ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ
  • ንምልእቲ ምድሪ እትቕይር መንግስቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ሰላም ኪበዝሕ እዩ”
    ንቕሑ!—2019
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—1999
g99 8/7 ገጽ 8-9

ሓቀኛ ሃይማኖት እትህቦ ተስፋ

ብተፈጥሮና ብዛዕባ ዘገድሰናን ዝምስጠናን ነገራት ኢና ክንዛረብ እንፈቱ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ድንቂ ዝዀነ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ከካፍልዎም ከለዉ ሓደ ካብቲ ከም ዝሕጐሱ ዝገብሮም እዚ ኢዩ። እቲ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኵር መልእኽቲ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት ዘገድሶም ከም መጻኢ: ድሕንነት: ጥዕናን ሓጐስን ዝኣመሰለ ሕቶታት መልሲ ሒዙ ኣሎ።​—⁠ሉቃስ 4:⁠43

መጀመርታ ግን: መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧

ዝምስጥ ተስፋ

መንግስቲ ኣምላኽ: በቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ እትገዝእ ምምሕዳር ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኡ ከምዚ ይብል:- “ሕጻን ተወሊዱልና: ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ: እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ: ስሙውን . . . መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። . . . ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።”​—ኢሳይያስ 9:​6, 7

ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ከኣ: ብዛዕባ ናይ ግዜና ታሪኽን ገዛእትን ኣርሒቑ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል:- ‘ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኸተንስእ ኢዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍአንን ኢያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም ኢያ።’​—⁠ዳንኤል 2:⁠44

እዛ በቲ መስፍን ሰላም ዝዀነ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ: ነታ የሱስ ንሰዓብቱ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: . . . መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል ክጽልይዋ ዝማሃሮም ጸሎት ክትፍጽሞ ኢያ። (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ከላ ንምድርናን ንዓናን እንታይ ትርጕም ኢዩ ክህልዎ፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ እተማባጽዖ መብጽዓታት መርምሮ። ገለ ካብኡ ኣብዚ ገጻት እዚ ተገሊጹ ኣሎ።

ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ

እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ዘደንቕ መብጽዓታት ክሕባእ የብሉን: እዚ ኸኣ ናብቲ ኣቐዲምና ዘልዓልናዮ ብዛዕባ ሃይማኖት ምምይያጥ ዝብል ኣርእስቲ ኢዩ ዝመልሰና። የሱስ: እዚ ኣገባብ እዚ ቅድሚ ምውድኡ ሰዓብቱ ተበግሶ ወሲዶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ምዃኖም ከምዚ ብምባል ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8

ነዚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ መልእኽቲ ኸኣ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ዝእውጅዎ ዘለዉ። ብጻይ ናይዚ መጽሔት እዚ ዝዀነ ግምቢ ዘብዐኛ: ብ131 ቋንቋታት ይሕተም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገበር ናይቲ ካብ 22 ሚልዮን ዝበዝሕ ቅዳሓት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ከኣ “መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ” ዝብል ቃላት ኣሎ።

ከም ለባም ሰብ መጠን ብዛዕባ ህይወትካ ርጡብ ውሳነታት ክትገብር ኢኻ እትደሊ። (ምሳሌ 18:⁠13) ስለዚ እምበኣር: ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ብዛዕባ እታ ግርማዊት መንግስቲ ኣምላኽን ንዓኻ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዋን ዝያዳ ክትፈልጥ ንዕድመካ። ከምዚ ንምግባር ድማ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምይያጥ ድሕር ኣይትበል። ካብዚ ንላዕሊ ሃናጺ: ዘገድስ: ኣድላዪ ኰይኑ ክርከብ ዝኽእል ካልእ ምይይጥ የለን።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እታ ገነታዊት ምድሪ እተዋህበ መብጽዓታት

ኣብ ምድሪ ምሉእ ሰላም ክሰፍን ኢዩ። “ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ።”​—⁠መዝሙር 72:⁠7, 8

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ምዉታት እውን ከይተረፈ ክትንስኡ ኢዮም።

“ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [ኢዩ  ]።” —⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ንዘለኣለም ምሉእ ጥዕና ክህሉ ኢዩ።

“ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:⁠3, 4

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ኣባይቲ ክሰርሑን ክነብርሉን ኢዮም። “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ”​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠21

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብዝሒ መግቢ ክህሉ ኢዩ።

“ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [ኢዩ ]።” —⁠መዝሙር 72:⁠16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ