ኣናብስ ፋረ ዘለዎም ግሩማት ዓሌት ደማሙ ኣፍሪቃ
ብወኪል ንቕሑ! ኣብ ኬንያ
ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ጐላጕል ሰረንጌቲ ጸሓይ ኣብ ምብራቓ ኢያ ነይራ። ኣብቲ ዝሑል ንፋስ ዝነበሮ ንግሆ ኣብ ላንድሮቨርና ኰፍ ኢልና ነተን ምስ ኰራዅረን ዝነበራ ጕጅለ ዋዕሮ ንዕዘብ ነበርና። እቲ ሓመደዋይ ቈርበተን ልሙጽን ወርቃውን ኢዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ነዊሕን ንቝጽን ሳዕሪ ጽቡቕ ገይሩ ይሰማማዕ። እቶም ንኣሽቱ ኰራዅር ዝሰራሰሩን ብርቱዓትን ኢዮም። ኣብቲ ገዚፍ ኣካላት ናይተን ነቲ ምስርሳሮም ዘድህባሉ ዘይመስላ ዝነበራ ኣንስትዮ ኣናብስ ይዘሉን ይጻወቱን ነበሩ።
ብሃንደበት ድማ ኵሎም ምንቅስቓስ ኣቋረጹ እሞ: ኣማዕድዮም ክጥምቱ ጀመሩ። ካብቲ ዝነበርናዮ በሪኽ ቦታ ናብቲ ዝጥምትዎ ዝነበሩ ገጽና ቍሊሕ በልና እሞ: እቲ ኣቓልብኦም ዝሰሓበ ነገር ከኣ ፈለጥናዮ። እቲ ናይ ወጋሕታ ብርሃን ቅርጺ ናይ ሓደ ግርማ ዘለዎ ተባዕታይ ኣንበሳ ንኽንርኢ ሓገዘና። ኣተኲሩ ክጥምተና ከሎ ኣዒንትናን ኣዒንቱን ተጋጠማ። ኣካላትና ከንቀጥቅጥ ጀመረ: እዚ ግን ብምኽንያት እቲ ናይ ንግሆ ቍሪ ዘይኰነስ: በቲ ቍጡዕ ኣጠማምታ ናይቲ ኣንበሳ ኢዩ። ዘፍርሕ እኳ እንተ ነበረ ትርኢቱ ግን ምልኩዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ገዚፍ ርእሱ ኸኣ ጫፍ ጫፉ ጸሊም ዝሕብሩ ምልኩዕ ወርቃዊ ፋረ ኣለዎ። ሕብሪ ናይቲ ፍሩይ ኣዒንቱ ዕንዲዳ ዝመስልን ንቝሕን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ስድራቤቱ ኣቓልቦኡ ስሓብዎ እሞ: ቀስ ብቐስ ናብኦም ምጥማት ቀጸለ: ናብኦም ገጹ ድማ ኣምርሐ።
እቲ ኣሳጕምኡ ዝምስጥ አረ ግርማ ዘለዎ ኢዩ። ካልኣይ ግዜ ከይጠመተና ኸኣ ብቕድሚ ማኪናና ሓሊፉ ናብተን ኣንስትዮ ኣናብስን ኰራዅረንን ገጹ ቀረበ። ኵሎም ከኣ ብድድ ኢሎም ተቐበልዎ: ልክዕ ከምቲ ምዕጕርቲ ብምፍሕፋሕ ዝግበር ናይ ዓሌት ደማሙ ሰላምታ: ገጾም ኣብቲ ሓይሊ ዘለዎ ዝመስል ምንጋግኡ በብተራ ኣላገቡ። ኣብ ማእከል እቶም ጕጅለ ኣትዩ በቲ እተዛወሮ ከም ዝደኸመ ዱፍ ብምባል ብሕቘኡ ደቀሰ። እቲ ናቱ ምብዕዛዝ ከኣ ንዅሎም ድቃስ ኣምጽኣሎም: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸኣ እቲ ናይ መጀመርታ ጩራ ናይቲ ምዉቕ ንግሆ ክወጽእ ከሎ ብሙሉኦም እቶም ጕጅለ ሰለም ኣበሉ። ኣብ ቅድሜና ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ንፋስ ዘንቀሳቕሶ ዝነበረ ናይቲ ጐልጐል ወርቂ ዝመስል ሳዕሪ: ናይ ሰላምን ዕግበትን ትርኢት ነበረ።
ውኖኻ ዘለዓዕልን መሳጥን ፍጥረት
ምናልባት ከም ኣንበሳ ገይሩ ናይ ሰብ ሓሳብ ዘለዓዓለ እንስሳ የለን ኢዩ ዝኸውን። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ኣኻውሕ ኣናብስ ግዳይ እናሃደኑ ከለዉ ይስእሉ ነበሩ። ጥንታዊ ቦታታትን ኣብያተ-መቕደስን ብገዚፍ እምኒ እተቐርጸ ናይ ሽደን ኣንበሳ ሓወልትታት ይሽለሙ ነበሩ። ሎሚ ሰባት ነዞም ዝምስጡ ዓሌት ደማሙ ንምርኣይ ናብ መካነ እንስሳታት ይኸዱ። ኣብ ከም ቦርን ፍሪ እተባህለ ፊልምታትን መጻሕፍትን ኣንበሳ ዓቢ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። እዚ ፊልም እዚ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ባርነት ዝዓበየ ኣብ መወዳእታ ግን ናጻ ዝዀነ ዘኽታም ኵርኵር ኣንበሳ ዝገልጽ ናይ ሓቂ ጸብጻብ ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ፍርቁ ሓቂ ፍርቁ ኸኣ ጽውጽዋያት ዝዀነ ዛንታታት ከኣ: ኣንበሳ ከም እኩይ በላዕ ሰብ ገይርካ ኢዩ ዝዝረበሉ። እምበኣርከስ ኣንበሳ ውኖኻ ዘለዓዕልን ዝምስጥን እንስሳ ምዃኑ ኣየገርምን ኢዩ!
ኣናብስ ኣዝዮም ተጓዳእቲ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ከም ዒዋል ኣዝዮም ሕያዎትን ተጻወትን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እንተድኣ ጸጊቦም ቀስ ኢሎም ይሕርንኹ: እንተዀነ ግን ክሳዕ ሸሞንተ ኪሎ ሜተር ክስማዕ ዝኽእል ምጕዛምውን ከስምዑ ይኽእሉ ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ ህኩያትን ትኽስ ዝበሉን ክመስሉ ይኽእሉ ኢዮም: እንተዀነ ግን ብዘገርም ቅልጣፈ ናይ ምንቅስቓስ ዓቕሚ ኣለዎም። ሰብ ንኣንበሳ ብትብዓቱ ነባሪ ዝና ከም ዝረክብ ገይርዎ ኢዩ: ሓደ ንፉዕ ሰብ ከኣ ኣንበሳ ይበሃል።
ሲምባ a—ማሕበራዊ ናብራ ዘለዎ ዓይነት ድሙ
ኣናብስ ካብ ካልኦት ዓይነት ደማሙ ንላዕሊ ማሕበራዊ ናብራ ዝፈትዉ ኢዮም። ኣብቲ ጕጅለ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብዙሓት ናይ ስድራቤት ኣሃዱታት ኢዮም ዝነብሩ: ቍጽሪ ኣባላት ናይቲ ጕጅለ ኸኣ ካብ ሒደት ክሳዕ ልዕሊ 30 ኣናብስ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ጕጅለ ንሓድሕደን ኣጸቢቐን ዝዛመዳ ክዀና ዝኽእላ ዋዕሮታት ዝሓዘ ኢዩ። ንሳተን ብሓንሳእ ይነብራ: ብሓንሳእ ይሃድና: ብሓንሳእ ከኣ ይወልዳ። እዚ ኣብ ብምሉኡ ህይወተን ዝቕጽል ምቅርራብ እዚ: ነታ ስድራቤት ኣንበሳ መሰረት ዝኸውንን ድሕነታ ዘረጋግጽን ኢዩ።
ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ነቲ ግዝኣቶም ዝሕልዉን ናይ ሽታ ምልክት ዝገብሩን ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓበይቲ ኣናብስ ኣለዉዎ። እዞም ግርማ ዘለዎም እንስሳታት እዚኣቶም: ካብ ጫፍ እቲ ጸሊም ኣፍንጭኦም ክሳዕ ጫፍ እቲ ጸጓር ጭርኦም ልዕሊ ሰለስተ ሜትሮ ክኸውን ከሎ: ክብደቶም ከኣ ልዕሊ 225 ኪሎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ጕጅለ ዝቈጻጸርዎ እቶም ተባዕትዮ እኳ እንተዀኑ: መሪሕነት ዝወስዳ ግን እተን ኣንስትዮ ኢየን። ከም ኣብ ጽላል ምኻድ ወይ ሃድን ምጅማር ዝኣመሰለ ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ ዝጅምራ መብዛሕትኡ ግዜ እተን ዋዕሮ ኢየን።
ዋዕሮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ክትወልድ ልሙድ ኢዩ። እቶም ኰራዅር ምስ ተወልዱ ነብሶም ኣይክእሉን ኢዮም። ኰራዅር ምዕባይ ናይቲ ሕብረተሰብ ብምሉኡ ስራሕ ኢዩ። ኵለን እተን ኣንስትዮ ኸኣ ነቶም ኣብቲ ጕጅለ ዘለዉ ኰራዅር ይከላኸላሎምን የጥብውኦምን። እቶም ኰራዅር ቀልጢፎም ኢዮም ዝዓብዩ: ክልተ ወርሒ ምስ ገበሩ ክጐዩን ክጻወቱን ይኽእሉ። ከም ዒዋል ንሓድሕዶም ይዳፍኡ: ይቃለሱ: ነቶም መጻውቶም ይፍሕጥርዎም: ኣብቲ ነዊሕ ሳዕሪ ኸኣ ይዘሉ። ዝዀነ ዝንቀሳቐስ ነገር ንኣቓልብኦም ይስሕብ: ጽምብላሊዕ ንኽሕዙ ይዘሉ: ንለመምታ የጓይዩ: ምስ ቀሸምን ሓረግን ይቃለሱ። ኣዲኦም ጭርኣ ከተንቀሳቕስ ከላ ፈጺሞም ስቕ ኢሎም ኣይርእዩን ኢዮም። ንሳ ድማ ምእንቲ ክጻወቱ ኢላ ብፍላጥ ኢያ ከምኡ እትገብር።
ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ኣብቲ ምግፍሑ ክሳዕ ብዙሕ ሄክታራት ክኸውን ዝኽእል እተወሰነ ግዝኣት ኢዩ ዝነብር። ኣናብስ ክብ ዝበለን ብዙሕ ማይ ዘለዎን ከምኡውን ካብቲ ብርቱዕ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሓይ ከዕቍቦም ዝኽእል ጽላል ዘለዎ ቦታን ኢዮም ዝመርጹ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ መንጎ ሓራምዝ: ዘራፍ: ጎባይ: ካልኦት ናይቲ ጐልጐል እንስሳታትን ይነብሩ። ህይወት ናይ ኣንበሳ ኣብ መንጎ ነዊሕ ሰዓታት ድቃስን ሓጺር እዋን ሃድንን ምውሳብን እተኸፋፈለ ኢዩ። ኣናብስ ኣብ መዓልቲ ን20 ሰዓታት ዝኸውን ከዕርፉ: ክድቅሱ: ወይ ኮፍ ኢሎም ከሕልፉ ክትርኢ ልሙድ ኢዩ። ደቂሶም ከለዉ ሰላማውያንን እተገርሑን ኢዮም ዝመስሉ። ይኹን እምበር: ኣይትታለሉ—ኣንበሳ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣዝዮም ጨካናት እንስሳ ዘገዳም ኢዩ!
ሃዳናይ
ኣብ ኣጋ ምሸት: እቲ ብጸሓይ ዝረሰነ ሳዕሪ ክዝሕል ጀመረ። እተን እንዕዘበን ዝነበርና ኣብቲ ጕጅለ ዘለዋ ሰለስተ ዋዕሮ ካብቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ዕረፍቲ ክነቕሓ ጀመራ። እተን ዓሌት ድሙ ዝዀና እንስሳታት ጠምየን ስለ ዝነበራ ነቲ ኣየር እናኣሽተታ ኣብቲ ሳዕሪ ዝነበሮ ጐልጐል እናኣማዕደዋ ክዞራ ጀመራ። እቶም ውድንቢ ዝብሃሉ ግናይ ዝመልክዖም ዓሌት ዓጋዜን ብብዝሒ ዝፈልስሉ እዋን ኢዩ ነይሩ: ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ካባና ብወገን ደቡብ ብሰላም ሳዕሪ ይበልዑ ነበሩ። እዘን ሰለስተ ዓሌት ድሙ ድማ ናብኡ ገጸን ከዳ። ኣብቲ ሰፊሕ ቦታ ፋሕ ብምባል በቲ ሓባጥ ጐባጥ ዝዀነ መገዲ ሰላሕ ኢለን ቀረባ። እዘን ሓመደዋይ ዝሕብረን ደማሙ እዚኣተን በቲ ነዊሕ ሳዕሪ ተሓቢአን: ኣብቶም ዋላ ሓንቲ ዘይጠርጠሩ መጓሰ ክበጽሓ 30 ሜትሮ ጥራይ ክሳዕ ዝተርፈን ከይተራእያ ተጸግዓ። ሽዑ ኸኣ ኢየን ከጥቅዓ ዝወሰና። ብኸም መብረቕ ዝበለ ቅልጣፈ ድማ ናብቶም ዝሰምበዱ እኩባት ወድንቢ ገጸን ጐየያ። እቲ መጓሰ ናብ ኵሉ ወገን ፋሕ ይብል: ህይወተን ንምድሓን ይጐያ። እቲ ብኣማእታት ዝቝጸር ሸዀናታት ነቲ ደበና ዝመስል ቀይሕ ዝሕብሩ ሓመድ ብምልዓል ነቲ ምድሪ ኣዳሮኖ። እቲ ደሮና ዝግ ምስ በለ: እተን ሰለስተ ዋዕሮታት ኣበርቲዐን እናላህልሃ ንበይነን ደው ኢለን ረኣናየን። እቶም ግዳያተን ኣምሊጦም ኢዮም። ምናልባት ሎሚ ለይቲ ካልእ ናይ ሃድን ኣጋጣሚ ይረኽባ ይዀና: ምናልባት እውን ኣይረኽባን ይዀና። ኣናብስ ስሉጣትን ቅልጡፋትን እኳ እንተዀኑ: ኣብ ሃድን 30 ሚእታዊት ጥራይ ኢዮም ዕዉታት ዝዀኑ። ስለዚ ሓደ ካብቲ ኣናብስ ዘጋጥሞም ዝዓበየ ሽግር ጥሜት ኢዩ።
ሓይሊ ናይ ሓደ እኹል ኣንበሳ ዘገርም ኢዩ። ጕጅለ ኰይኖም ክሃድኑ ከለዉ ልዕሊ 1,300 ኪሎ ዝምዘኑ እንስሳታት ከውድቑን ክቐትሉን ከም ዝኽእሉ ፍሉጥ ኢዩ። ኣናብስ መጀመርታ ከጓይዩ ከለዉ ኣብ ሰዓት ክሳብ 59 ኪሎ ሜተር ክጐዩ ይኽእሉ ኢዮም: እንተዀነ ግን ንነዊሕ ግዜ በዚ ፍጥነት እዚ ክቕጽሉ ኣይክእሉን ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ መግቦም ንምርካብ ሰላሕ ኢሎም ብምድባይ ኢዮም ዝገብርዎ። እቲ 90 ሚእታዊት ናይቲ ሃድን ብዋዕሮታት ኢዩ ዝፍጸም: እንተዀነ ግን ምብላዕ ክጅመር ከሎ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ናይቲ ሃድን ዝወስዱ እቶም ዓበይቲ ኣናብስ ኢዮም። ሃድን ክውሕድ ከሎ እቶም ኣናብስ ሓድሓደ ግዜ ኣዝዮም ስለ ዝጠምዩ ነቶም ኰራዅሮም ከይተረፈ ካብቲ እተሃድነ ንኸይበልዑ ይሰጕዎም።
እቲ ዝህደን
ቅድሚ ነዊሕ ዘበናት: እዚ ግርማ ዘለዎ ኣንበሳ ኣብ ብምሉኡ ናይ ኣፍሪቃ ኣህጉርን ገለ ክፍልታት ናይ እስያን ኣውሮጳን ህንድን ጳለስጢናን ይዘውር ነበረ። ሃዳናይ ብምዃኑ ምስ ሰብ እናተወዳደረ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ንጥሪት ዘስግእ ንሰባት ከኣ ዝጐድእ ብምዃኑ ኣንበሳ እንተ ተራእዩ ብኡንብኡ ዝቕተል እንስሳ ኰነ። እቲ ብናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ብዝሒ ሰብ ነቲ ናይ ኣንበሳ መንበሪ ኣጸቢቑ ኢዩ ኣውሒድዎ። ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ከም እንስሳ ዘገዳም ኰይኖም ዝነብሩ ኣናብስ ሒደት ኣማእታት ጥራይ ኢዮም። ሎሚ ኣናብስ ካብ ሰብ ተዓቚቦም ክነብሩ ዝኽእሉ: ኣብቲ እተኸልከለ ቦታታትን ኣብ ክሊ ናይቲ ባህርያዊ ነገራት ንምዕቃብ ዘገልግል መናፈሻታትን ጥራይ ኢዩ።
እዚ ግርማ ዘለዎ ኣራዊት እዚ ናይ ባህሪ ለውጢ ከምጽእ ምዃኑ ዘሐጕስ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ኣንበሳ ምስ ሰባት ብሰላም ዝነብረሉ እዋን ይገልጽ። (ኢሳይያስ 11:6-9) እቲ ፈቃር ፈጣሪና ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ ክዉን ክገብሮ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እዚ ፋረ ዘለዎ ግሩም ዓሌት ድሙ ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ፍጥረታት ብስምምዕን ሰላምን ክነብር ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
ኣንበሳ ክጓዝም ከሎ
ኣናብስ በቲ ዘለዎም ፍሉይ ናይ ድምጺ ክእለት ፍሉጣት ኢዮም: ምጕዛሞም ክሳብ ብዙሕ ኪሎ ሜተር ክስማዕ ይኽእል። ናይ ኣንበሳ ምጕዛም ከም ሓደ ካብቲ “ኣዝዩ ዝምስጥ ባህርያዊ ድምጽታት” ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ኣናብስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ጸልማትን ወጋሕታን ኢዮም ዝጓዝሙ። ክልቲኦም ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣንበሳ ኢዮም ዝጓዝሙ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብምሉኦም ኣባላት እቲ ጕጅለ ብሓንሳብ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ይጓዝሙ።
ብዛዕባ ኣናብስ ዘጽንዑ ሊቃውንቲ ምጕዛም ብዙሕ ነገራት ዘመልክት ከም ዝዀነ ኢዮም ዝእምቱ። ተባዕትዮ ኣናብስ ናይቲ ግዝኣቶም ደረት ንምፍላጥ ከምኡውን ካልኦት ኣብቲ ግዝኣቶም ዝኣትዉ ተባዕትዮ ኣናብስ ንምጥንቃቕ ዝጥቀምሉ ናይ ቍጥዓ ምልክት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብጭከና ንህዝቢ ኣምላኽ እተቓወምዎምን ዘጥፍእዎምን ቍጡዓት: ትዕቢተኛታትን ስሱዓትን ዝነበሩ ናይ ኣሶርን ባቢሎንን ገዛእቲ ከም ዝጓዝም “ሽደን ኣንበሳ” ገይሩ ይገልጾም ኢዩ።—ኢሳይያስ 5:29፣ ኤርምያስ 50:17
እቶም ኣባላት ናይቲ ጕጅለ ብምኽንያት ርሕቀት ወይ ጸልማት ምርኻብ ክስእኑ ከለዉ ምጕዛሞም ንኽራኸቡ ይሕግዞም። ድሕሪ ሃድን ከኣ እዚ ድምጺ እዚ ነቶም ካልኦት ኣባላት ናይቲ ጕጅለ ዝብላዕ ኣበይ ከም ዘሎ ይሕብሮም። ነዚ ባህርያት እዚ ኣመልኪቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ሽደን ኣንበሳስ ገለ ኸይሓዘዶ ኻብ ጕድጓዱ የድሂ እዩ፧”—ኣሞጽ 3:4
እቲ ዘገርም: ኣናብስ ንእንስሳ ዘገዳም ክሃድኑ ከለዉ ነቲ ግዳይ ንምርዓድ ምጕዛም ከም ናይ ሃድን ሜላ ኣይጥቀምሉን ኢዮም። ሪቻርድ አርቴዝ ኣብታ ዘ ቢሄቭየር ጋይድ ቱ ኣፍሪካን ማማልስ እትብሃል መጽሓፉ “ኣናብስ ግዳያቶም ኣብቲ ኣድብዮምሉ ዘለዉ ከም ዝመጹ ንምግባር ኰነ ኢሎም ኣይጓዝሙን ኢዮም (ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ተመክሮ ከም ዝረኣኽዎ ግዳያት ንምጕዛም ኣንበሳ ግዲ ኣይገብሩሉን ኢዮም)” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን ‘ዝውሕጦ ደልዩ ዝጓዝም ኣንበሳ’ ገይሩ ዝገልጾ ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢዩ፧ (1 ጴጥሮስ 5:8) እንስሳ ዘገዳም በቲ ናይ ኣንበሳ ምጕዛም ዘይፈርሑ እኳ እንተዀኑ: ኣብ ሰባትን እንስሳ ዘቤትን ግን ከምኡ ኣይኰነን። እቲ ለይቲ መቓልሕ ዝገብር ዘፍርሕ ድምጺ ናይ ሓደ ዝጓዝም ኣንበሳ: ንሓደ ኣብ ዕቝባ ክዀኖ ዝኽእል ቦታ ዘየለ ዘፍርሕን ዘርዕድን ኢዩ። ቅድሚ ነዊሕ ግዜ “ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ፧” ተባሂሉ ምንባሩ ልክዕ ኢዩ።—ኣሞጽ 3:8
ሰይጣን ንሰባት ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ክገብሮም ኢሉ ምፍርራሕ ኣብ ምጥቃም ክኢላ ኢዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ብርቱዕ ደጋፊ ዘለዎም ምዃኖም ግን ዝምስገን ኢዩ። ኣብ ደገፍ የሆዋ ብርቱዕ እምነት ብምግባር: ነዚ ብርቱዕ ‘ዝጓዝም ኣንበሳ’ ብዓወት ክቃወምዎ ይኽእሉ ኢዮም። ክርስትያናHS.1ት ‘ብእምነት ጸኒዖም ክቃወምዎ’ ተተባቢዖም ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 5:9
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሲምባ ብስዋሂሊ “ኣንበሳ” ማለት ኢዩ።